መሪሕነት ህ.ወ.ሓ.ት ብግልፂ ይቅርታ ይሕተት!

ብZtseat Saveadna Ananya ዝተፅሓፈ

ዓዲ ኣሉላ፣ ዓዲ የውሃንስ፣ ዓዲ ስሑል ሚካኤል፣ ዓዲ ስባጋድስ፣ ዓዲ ዘርኣያቆብ፣ ዓዲ ኢዛና-ወ-ሳይዛና፣ ዓዲ ደቂቀ-እስጢፋኖስ፣ ዓዲ ኣእላፍ ጀጋኑ፣ ዓዲ ሰበ-ስረ፣ ዓዲ በላሕቲ፣ ዓዲ ፃድቃናት ትግራይ ምስ ኣላፍ በላሕታ፣ ምስ ብዙሓት ፈላጣትን ተመራመርትን፣ ምስ ብዙሓት ንዓዶምን ህዝቦምን ዝረብሕ ሐሳባት ዘለዎምን ህዝቦም ንምግልጋል ብዙሕ ሕልሚ ዘለዎምን ርእስታት ሎሚ ናይ ወላድ ድኻ ዝገበረና ዘይንሕና መን፤ ንሕና ኩሉ ግዘ ትኽክል ካሊእ ኩሉ ግዘ ግጉይ ኣረኣእያ ዘለዎ፤ ንሕና ንዛረብ፣ ካሊእ ይስማዕ፤ ንሕና ኣብ ኩሉ መዳይ ብሉፃት፣ እቲ ሓዱሽ ወለዶ ግን ቑምነገር ዘይብሉ፤ ንሕና ብሕታውያን ተሓለቕቲ ዝብል ኣብ ርእሲ መሪሕነት ህ.ወ.ሓ.ት ዝሰፈረ self-delusion እዩ ንትግራይ ናይ ወላድ መኻን ገይሩዋ፣ መራሒ-ኣልቦ ገይሩዋ ዘሎ፡፡ ንሓደ ህዝቢ ካብ መራሒ-ኣልቦ ምግባር ንላዕሊ በደል የለንሞ ንዚ ኹሉ ናይ ሎሚን ናይ ጽባሕን ጉድኣትን ሓደጋን ዘስዐበልና መሪሕነት ህ.ወ.ሓ.ት ይቅርታ ይሕተተሉ፤Ø  ከይበላዕናዮ “በሊዖም”፣ ብፅሙእና “ረውዮም”፣ ዘይተሰርሐልና “ተሰሪሑሎም” ወ.ዘ.ተ ኣዝዮም ዝተጋነኑን ምስቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ኣዝዮም ዝተረሓሓቑን ናይ ሕሶት ፀብጻባት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝገደፎ በሰላ ብተወሳኺ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዓይኒ ጥርጣረ ክሪአና፣ ሓለፋ ዝተረባሕና ክመስሎ ኮይኑ እዩ- ክልተ በደል! ንኽልቲኦም ዓበይቲ በደላት መሪሕነት ህ.ወ.ሓ.ት ንህዝቢ ትግራይ ይቕረታ ይሕተት፡፡Ø  ኣብ 1993 ዓ.ም ብዝነበረ ናይ ስልጣን ንሕንሕ ክፍፍል ንቲ ተስዓራይ ጉጅለ ረኸብኩ ኢሉ “እኒ እከለ ዝጀመሩዎ ኩሉ ይፍሸል” ረብሓ 5 ሚልዮን ህዝቢ ትሕቲ ስልጣን ናይ ምርኣይ ባርባርያዊ ውሳነ ሳ.ር.ት ኣፍሪሱ ብሆረየ ብምቕያሩ፣ በዓል ጎልጎል ራያ ወ.ዘ.ተ ክፈሽሉ ብምግባሩ፤ ኣብ ቢሮ ክራሲ ትግራይ ዝነበሩ ዝሓስቡ ርእስታት ሓደ ብሓደ ኣወጊዱ ብለማጻት ሓንጎል ብምትክኡ ወ.ዘ.ተ…ተስፋ ህዝቢ ትግራይ ኮሊፉ ንዚ ኩሉ ናይ ዝሓለፈ 16 ዓመት ናይ ቁልቁለትን ውርደትን ጉዕዞ ብምምፅኡ ንህዝቢ ትግራይ ይቅርታ ክሓትት ይግበኦ፤Ø  ናይ ህዝቢ ትግራይ መተኣኻኸቢት ፅላል ዝነበረት ማ.ል.ት ዳርጋ ፈሪሳ ብቑሸታዊ ስማዊ ማሕበራት ልምዓት ንምልዋጣ፤ ኣብ 15 ወረዳታት 15 ቀላሚኖታት ናይ ምስራሕ ትልሚ ንምዕጻፉ፣ እታ ሓንቲ ዘላ ቀላሚኖ እውን ንምድኻማ፤ MIT ብምፍራሱ (ናብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምፅምባሩ)፣ ንህዝቢ ትግራይ ይቕረታ ይሕተቱ፤Ø  ንህ.ወ.ሓ.ት ብሕታዊት ቆፃሪት ብምግባር ብውጽኢቱ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ናይ ህ.ወ.ሓ.ት ናይ ኢኮኖሚ ፅግዕተኛ ንምግባር ብምሕሳብ ኣብ ትግራይ ናይ ውልቀ ኢንቨስትምንት ከይምዕብል፣ ኣሕዋትና ናይ ስራሕ ከይፍጠረሎም ብምዕጋት ፎቖዶ ባሕሪን ምድረበዳን ከንቱ ጠፍኡ ብምግባር ንዘብፃሕኹምዎ በደል ይቅርታ ሕተቱ፤ ብኣዕፅምቲ ተጋሩ መናእሰይ ዝተሃነጸት ት.እ.ም.ት ናይ ቁሩባት ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትን ንብረት ምዃና ክሳብ ሐዚ ንህዝቢ ትግራይ እዚ ዝበሃል ረብሓ ዘይምሃባ ንህዝቢ ትግራይ ይቅርታ ሕተቱ! ት.እ.ም.ት ድማ ናብ በዓል ዋንኣ ናብ ህዝቢ ትግራይ ትመለስ፤Ø Ø ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ንዝበፅሑ ጉድኣታት፣ ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ንዝበፅሑ በደላት ንኹሎም ህ.ወ.ሓ.ት ሓላፍነት ውሰደሎም፤ ናይ ዘርኢ ፖለቲካ ወጢጥኩም ወጢጥኩም ናብ ጫፍ ወሲድኩም በውፅኢቱ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ፅልኣት ሓወልቲታት ተተኺሉሉ ኣሎ፣ ናይዚ ናይ ጥፍኣት ዘርኢ ፍረ ድማ እነሆ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ፤ እታ ሃገር እውን ኣብ ሞንጎ ምቕፃልን ዘይምቕጻልን ቀራን መንገዲ ደው ኢላ ኣላ፡፡ ንህዝቢ ትግራይ፣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይቅርታ ሕተቱ፤  ኣብ ትግራይ ሰሪሑ ክዓብየሉ ዝኽእለሉ ዕድል ዕፁው ኮይኑዎ ናብ ካልኦት ክልላት እዛ ሃገር ክሽቅል ኣብ ልዕሊ ዝኸደ ኣብ ውሽጣዊ ስደት ኣብ ልዕሊ ዘሎ) ትግራዋይ ንዝበፅሖ ግፍዒ ኩሉ፤ ካብኡ ሓሊፉ እውን እቲ ናይ ዝኸፍአ ወይ ናይ መወዳእታ ዝበሃል ሓደገኛ ናይ ስደት መማረፂ ወሲዱ ፎቖዶ ባሕርን ምድረበዳን ኣቋሪፁ ክኸይድ ቀለብ ዓሳ፣ ቀለብ ዝብኢ ኮይኑ ወይ ክፍሊ ኣካላቱ ተቖራሪፆም ኣብ መንገዲ ንዝተረፈ ኩሉ እዩ፤ ንዚኦምን ወድዚኦምን ኩሎም ሙሉእ ሓላፍነት ይውሰድ፤ እቲ መሪሕነት ድማ ይቅርታ ይሕተት፤ – ህ.ወ.ሓ.ት ብፍላጥ ኮነ ብዘይፍላጥ ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዘብፀሖ በደል ኩሉ ይቅርታ ይሕተት፤ ሞራላዊን ቁሳዊን በደል ንዝበፅሖ፣ ብጎሓላሉ መንግስቲ ንልምዓት ይደልዮ እዩ ተባሂሉ መሬቱ ብዘይካሕሳ ንዝተሓደገ፣ ፍትሒ ንዝተጓደሎ፣ ብግፍዒ ንዝተኣሰረ፣ ዝተቐተለ ወ.ዘ.ተ..ዝትካእ ተክኡ፣ ዝከሓስ ከሓሱ፣ ብሓፈሻ ግን ንህዝቢ ትግራይ ይቕረታ ሕተቱ፤ ኣብ በለስ ትግራይ ብዘውረድኩምዎ ባይሎጂካዊ ዕንወት ይቅርታ ሕተቱ፤Ø  ስትራቴጂካዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ኣቕሪብኩም ብዘብፃሕኹምዎ ብዙሕ በደል ይቅርታ ሕተቱ፤ ናይ ባሕሪ በሪ፣ ደንከል፣ አለውሀ፣ ኣብርሃ ጅራ፣ ዓብደራፊዕ፣ ዓደርቃይ ወ.ዘ.ተ ማለተይ እዩ፤ ከምኡ ድማ ኣገው ዓርሱ ዝኸኣለ ክልል ዘይምግባርኩም እውን ካሊእ ጌጋ እዩ ንዞም ኩሎም ጌጋታት ይቅርታ ሕተቱ፤Ø  ኣብ ኢንቨስትመንት መከላኸሊ ሃገር ዘሎ ንትግራይ ዘግለለ፣ ብቐፃልነት ንሃገር ጠንቂ ክኸውን ዝኽእል ኣብ ሓደ ቦታ ናይ ምድኳዕ ዘይምዕሩይነት ንህዝቢ ትግራይ ከቢድ ናይ ህልውና ሓደጋ ከንፀላልዎ ገይሩ ኣሎ፤ ክሳብ ሐዚ ንዚ ዕሽሽ ብምባልኩም ይቅርታ ሕተቱ፤Ø  ቀፂሉ ድማ ብኽብሪ ይሰናበት፤ እቲ ቐፂሉ ዝስዕብ ኣገዳሲ ሕቶ “መን ይትክኦ?” ዝብል ሕቶ እዩ፡፡ እቲ ተካኢ ውዳበ ካብ ውሽጢ ህ.ወ.ሓ.ት ድዩ ክመፅእ ወይስ ካብ ደገ፤ ሐዚ ኣሎ ድዩስ ሓዱሽ ክምስረት…ንግዚኡ ናይዚ ሕቶ መልሲ ኣይፈልጦን፡፡ ኣነ ዝፈልጦ ግን እቲ ውድብ(ውዳበ) እዞም ዝስዕቡ ባህርታት፣ መግለፂታት ክህልዉዎ ይግባእ፤Ø  ከም ህ.ወ.ሓ.ት ንታ ናይ ልዕሊ 3000 ዓመት ናይ ስልጣነ ታሪኽ ዘለዋ፣ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዓለም ካብ ዝነበሩ 4 ዓበይቲ ስልጣነታት ንቲ ሓደ ዝወነነት ናይ ታሪኽ ሃፍታም ንዝኾነት ትግራይ ጓል 25 ዓመት ጎርዞ ዝብል ኣምሲሉ ክስእላ ዝደሊ፣ ንበይኑ ነዊሑ ክርአ ታሪኽን ክብርታትን ኣቦታቱ ዘነኣእስ ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ታሪኽ ስልጣነ ዘለዎ ህዝቢ ምዃኑ ብልቡ ዝኣምን፣ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝውለዱ፣ ዝዓብዩ፣ ዝኣርጉን ዝሞቱን ፖለቲካዊ ፓርቲት ንላዕሊØ ከምዝኾነ ብልቡ ዝኣምን፤ ክብሪን ታሪኽን ኣያታቱ ዝዕቅብ፣ ብመንነቱ ዝኾርዕን ኣያታቱ ዘኽብርን፤ ልዕሊ ግዚያዊ ፖለቲካዊ ከስብታት፣ ልዕሊ ስልጣን፤ ዘላቒ፣ ስትራቴጂካዊ ጥቕምታት ትግራይን ተጋሩን ዘቐድም፤  ኣብ ዶባዊ ሓድነት ትግራይ ፅኑዕ መትከል ዘለዎ፤ ኣብ ውሽጣዊ ሐድነት ህዝቢ ትግራይ ፅኑዕ መትከል ዘለዎ እንትኸውን፣ ካብ ናይ ገሊኦም ናይ ሕቱኽቱኽ ቁሸታዊ ፖለቲካ ብተግባርን ኣተሓሳስባን ኣዝዩ ዝረሓቐ፤ ሓድነትን ክብሪን ህዝቢ ትግራይ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየቕርብ፤ ካብ ጫፍ ዘላምበሳ ክሳብ ወልቃይት፣ ካብ ጫፍ ራያ ክሳብ ባድመ፣ ካብ ደንከልያ ክሳብ ፀገዴ፣ ካብ ዓሊተና ክሳብ ዓደርቃይ፣ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ዘሎ ትግራዋይ ብማዕረ ዝሓቁፍ፤ መንነት፣ ታሪኽ፣ ስነ-ልቦና ህዝቢ ዘኽብር፣ ባህጊ ህዝቢ ዘዳምፅ፤Ø  ምስ ናይ ቀደም ሓው ናይ ሎሚ ጎረቤት ህዝቢ ኤርትራ ንቡር ጉርብትና መስሪቱ፣ እንተተኻኢሉ ድማ በዓል ሚኒሊክ፣ ጣልያን ዝፈጠሩዎ ሓጓፍ ደፊኑ ንዞም ህዝብታት ናብ ንቡር ሕውነትን ሓድነትን ዘምፅእ፤ ብስምምዕ ወይ ብዓለምለኸØ ሕጋዊ ክያዶ ናይ ትማሊ ናይ ኣቦታትና ዝነበሩ ሕጋዊን ታሪኻዊን ወደባት ኣዱሊስ፣ መርሳ ፈጢማ፣ ባፅዕ ሸቐጣት ከነእትወሎም፣ ዘፍረናዮም ኢንዳስትሪያዊ ምህርትታት ንዓለም ክነውፅአሎም ክንጥቀመሎም ዝገብር፤ ትግራይ ድማ ካብ ጭራ ዓዲ ምዃን ተናጊፋ ቀንዲ ናይ ሸቐጣሸቐጥ ንግዲ መተሓላለፊት መስመር እትኾነሉ መስርሕ ከናዲ ኒሕን ራኢን ዘለዎ፤  ከም መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት ንህዝቢ ትግራይ ሓለፋ ብምብዳል እቶም ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ደኾን ዝበለፀ ይቕበሉኒ ይኾኑ ካብ ዝብል ግጉይ ተስፋ ይመስል ንህዝቢ ትግራይ ረጊፁ፣ ጨፍሊቑ፣ ኣጥሚዩን ኣድክዩን፣ ትሕቲ ሃገሩ ገይሩ ክሕዞ ዘለዎ ኮይኑ ዝስምዖ ዘይኮነስ ናይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ማእኸሉ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ፣ ናብራ ህዝቢ ትግራይ ምምሕያሽ ምዃኑ ዝኣምን፣ በዓል ናዩ ዘየኽበሮ ኩሉ ከምዝንዕቖ ኣሚኑ ንህዝቡ ዘኽብርን ንረብሑኡ ዝረባረብን ንትኸውን፣ ተጠቃሚነት ህዝቢ እንትረጋገፅ ሓድነት ህዝቢ እውን ዝድልድል ምዃኑ ዝኣምን፤Ø  ህዝቡ ዘኽብር፣ ህዝቡ ዝፈርሕ፣ ስልጣን ርስቲ ዘይኮነስ ብብግዚኡ ብህዝቢ ዝሕደስ ወይ ዝፈርስ ናይ ሓፂር ግዘ ኩንትራት ምዃኑ ካብ ልቢ ኣሚኑ ዝቕበል፤Ø Ø ካብቲ ናይ ሐዚ ናይ ኽድምና፣ ምጥባርን ምቅብጣርን ፖሊሲ ህ.ወ.ሓ.ት/ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ብዝተፈለየ መልክዑ ዝውሰን ውሳነን ዝትግበር ተግባርን ኩሉ ኣብ ሳይንሳዊ መፅንዕቲ፣ ኣብ ትንተና፣ ኣብ ቅዋምን ዕላማን ዝተመስረተን ኣርሒቑ ዝእምትን ቅኑዕን ፖሊሲ ዝምራሕ ክኸውን፤ Ø ከም ናይ ሐዚ ህ.ወ.ሓ.ት ንሙሁርን ዓቕሚ ዘለዎን ብጎቦ ዓይኑ ዝርኢ ዘይኮነስ ንኹሎም ዓቕሚ ዘለዎም ሙሁራት፣ ፈላጣት ተጋሩ ከዳምፅ፣ ከሳትፍ፣ ክሓቁፍ ዝኽእል፤  ሹመት ብተኣማንነት፣ ብሕሽክርናን ብተለኣኣኽነትን ዘይኮነስ ብዓቕሚ፣ ብራኢ፣ ብቕንዕና ከምዝኸውን መስርሕ ከዳሉ ድልዉ ዝኾነ፤Ø Ø ሎሚ በርቲዑ እናሰርሐ፣ እናነበረ 50፣ 100 ዓመት ንቕድሚት ዝእምት ስትራቴጂስት፤ ንሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ንቐፀልቲ ወለዶታት ዝነብር፣ ብግዚያዊ ዓወት ዘይሰክር፤ ቅኑዕን ዓብዪን ራኢ ዝተሓንገጠ፤  ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ዘኽብር፣ ፀጋ ምዃኑ ዝርዳእ፣ ንረብሑኡ ከውዕሎ ድማ ድልዉ ዝኾነ… ወ.ዘ.ተ፤ ህዝቢ ትግራይ እዚኦምን ዝኣመሰሉን መግለፂታት ዘለዎ፤ ሓልዮትን ክብርን ህዝቢ ዝተሓንገጠ፤ ዓብዪ ራእን ዕላማን ዘለዎ መሪሕ ውድብ እዩ ዝደሊ ዘሎ፡፡ ንግዚኡ ግን እዚ ባህጉን ሕልሙን ከማልአሉ ዝኽእል ውዳበ የለን፡፡Ø

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *