ብማእከለ መሓሪ
ሕብረተሰብ ብሄረ ትግርኛ ዓመት ምሉእ ዘሰላስልዎም ዝተፈላለዩ ጸወታታት ኣለውዎም፡ እዞም ጸወታታት ንኹነተ ኣእምሮኡ፡
ቁጠባዊ ኩነታቱ፡ ያታኡን ልምዱን፡ ፋላቱን ብሂላቱን፡ ጸኒሑ፡
ክውንነቱ…. ኣብ ግምት ዘእተዉ እዮም፡ ንኣብነት፡ ኣሸንዳ እተን ዝኣኸላ ኣዋልድ ኣብ እዋን ሃንሰ መስቀለ ይጻወታኦ፡ እዚ ድማ ንግዜ ኣብ ግምት ብምእታው’ዩ፡ ኣብ ኣሸንዳ ኣብ ሩባ ወይ ሰውሒ ዝበቘለ ነዊሕ ሳዕሪ(ከም ጋርዛ፡ ኣበርጠጣ፡
ሮማዲ፡ ባዕከለ…..) ይጥቀማ’የን፡ እዚ ድማ ነጥሪ ገዲፍካ ኣብ ክራማት ጥራይ’ዩ ዝበቁል፡ ንዓኡ ክጽበያ ድማ
ግድን ይኸውን፡ ካልእ ኣሸንዳ ናይ ቀጠንቲ(ጥንሲ ወዲ ጥንሲ ዘይብለን) ጸወታ’ዩ፡ ዝበዝሓ እተን ኣብ ንእዲ ምስ መርዓዊ ዝሓገያ መርዑ ነዚ ጸወታ ኣይደፍራኦን፡ ተዓጢቐን
እንተኣትየን ግና ካብ ዝኾነ ነገር ነጻ ምዃነን ንምሕባር’የን፡ ስልማተን ግና ኣይገድፋን፡ ኣሸንዳ፡ ንዓኦም እትኸውን መጻምዲ ዘይሓዙ ኣጉባዝ ብሃርፎት ዝጽበይዎ ጸወታ እውን’ዩ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ እተን ንዓአን ዝመስል ዝሓዛ ኣዋልድ ዝበዝሕ እዋን ካብዚ ጸወታ ዝተገለላ’የን፡ እተን ዘይመሰላ ግና ነዚ ጸወታ ከም ልበን ይጸግባሉ፡ ነጻ ምዃነን ክነግራን
ክምረጻን፡ ብዝግባእ ድማ ይዳለዋሉ፡ ኣብ ገዛአን ኰይነን ነዚ ጸወታ ክመልካ ህር ይብላ፡ እተን ወናማትን ካብተንተመርዕየን ዝሓገያ መርዑ መነመን ከም ዘርግኣ(ዝጠነሳ) ክፈልጣ ዝደለያ ኣዋልድ ግና ንወዮ መርዑ ብሓይሊ እናስሓባ ከም ዝስዕስዓ ይገብራ፡ የለልያ ድማ፡ መን ዓቒዳን ኣይዓቒዳን፡ ኣሸንዳ ናይ ሕቘን
ኣእጋርን ጸወታ እውን’ዩ፡ ብዝግባእ ኣብ ዝለምለመ ቦታን ሳዕሪ ዘለዎን እንተዘይተጻዊትካዮ ኣብ ኣካላትካ ሳዕቤን ከምጽእ ይኽእል’ዩ፡ ኣብ ክራማት እዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ
ስክፍታ ዝበዝሐ ስለዝምለስ ግና ናጽነት ይፈጥር፡ ምስ ምምጻእ ፍሉያት ኣዕዋፍ ዘተሓሕዝዎ ወገናት‘ውን ኣለው፡
እዘን ኣዕዋፍ ካብ ሓራጉብአ(ሓደ ካብ ሃይማኖታውያን ብዓላት ብሄረ ትግርኛ) ንደሓር ከም ዝረኣያ’ዩ ዝንገር፡ እዚ ድማ ኣብ እዋን ክራማት ምዃኑ’ዩ፡ እቶም ነዚ ነገር ኣብ ግምት ዘየእትው ቈልዑ ግና ኣብ ድላዮም እዋን ይፍትንዎን ይጻወትዎን፡ ንዘይምብሳሎምን ንዝረኣይዎ ናይ ምድጋም ድሌቶምን ስለዘንጸባርቕ ድማ ብዕፋፈት ኣይረአን፡ ከም
ናይ ትምህርቲ እዋን ይሕሰበሎም፡ ኣብገለከባቢታት(ንኣብነት ኣብ ዛይደኮሎምን ሰሓርትርን) ኣዋልድ ነዚ ጸወታ ክለማመዳ ግዜ ይፍለየለን ምንባሩ ይንገር፡ ክላመዳኦ ግዲ!ዘረባ(ጽሑፍ ዶ ንበሎ) እንተጀሚረ ቃሕ ስለዝብለኒ’የ ክሻብ ሕጂ ሒዘኩም ጸኒሐ፡ ከመይሲ ርእሰ ነገረይ ካልእ’ዩ፡ ሰለል ዋጣ!ወላ’ኳ ቀንዲ ኣብ ቅንያት ሕማማት ዝዝውተር ጸወታ እንተኾነ ጾመ-
ኣርብዓ ካብ ዝኣተወሉ ግዜ ኣትሒዙክጽወት ይኽእል’ዩ፡ ካብ ቈልዑ ክሳብ መርዑ ክጻወትዎ ዝኽእሉ
ጸወታ ድማ’ዩ፡ ዝመሰለ(ዝተመርዓወ ሰብ) ነዚ ጸወታ ኣይደፍሮን፡ ብፍላይ ደቀንስትዮ ነብሰ-ጾር እንተዀይነን
ኣይካፈላኦን፡ ነተን ሰለል ዝብላ ክደርፋለንን ኣብቲ ኣብኡ ዝግበር ወግዕታት ክህልዋን ግና ይኽእላ፡ ግዜ ንምሕላፍ ዝጽወት ብምዃኑ ኣብ ጥቓ እቲ ወግዒ ኮፍ ኢለን ይዘናግዓ፡
ምስ ናይ ሓያማት ዝተሓሓዝ ወግዒ ግና ኣሎ፡ ሓያማት ተመርዕየን ዝተፈትሓ’ሞ ናብ ካልእ ሰብኣይ ዘይኣተዋ ደቀንስትዮ’የን፡ ናይ’ዚኣተን ሰለል እንተኽኢለ ድፍረት ወሲኸ
ከዕልሎ፡ ዝተባዝሕ ዕላል ድኣ ከይከወን’ምበር፡ ሓየይም ገዘፍቲ ምዃነን’ዩ ዝዕልል፡ ንዓአን ዝጸውር ምራን ብፍሉይ ይስራሕ ይብልኹም፡ እቶም ንሓያማት ኢሎም ፈልቊ
ዝዕቅኑ ሰብኡት ብመደብ የሰላስልዎ፡
ዝያዳ እቲ ካልእ ፈልቊ ኣብ
ግፍሑን ቁመቱን ወሰኽ ይገብርሉ፡
ይኣኽእለን ድማ፡ መቓምጦአን ክሳብ
ዝለስድ ሰለል ይጻወታ፡ ካብ ዓዲ
ውጽእ ኢለን ከም ዝጻወታ’ዩ ዝንገር፡
ናጽነት ንምርካብ ድማ’ዩ፡ ምስተን
ዘይመሰላ ኣውላድ ተቓጺጸን ሰለል
ክብላ ኣይገብረለንን፡ ‘ሓያም ዝደለ፡
ጾመ-ኣርብዓ ተዃሕለ’ ዝብል ምስላ
ሰሚዕኩም ትዀኑ፡ ንሰለልን ጾመ-
ኣርብዓን ከም ናይ ምምራጽ እዋን
ዝጥቀምሉ ሓያማት ደቂ ተብዓትዮ
ብዙሓት’ዮም፡ ነተን ካብ ዓዲ ግልል
ኢለን ሰለል ክጻወታ ዝውዕላ ሓየይም
ብግባእ ይከታተሉወን፡ ካብኣተን ቃሕ
ዘለቶም ድማ ይሓብሉ፡ ደፋራት
ከምዚ ከማኹም እንተተረኽቡ ‘ውን
ፍቓድ ነብሶም ይመልኡ፡ ካብዚ
መዓልቲ ነብሰን ክሳብ ዝነግረለን
ኣብ ውሻጠ ተሓቢአን ዝሓግያ
ሓያማት መሊአን’የን፡ ከም ጽያፍ
እንተዘይተሓሲቡ ክምልእ፡ ነተን
ኣብ’ዚ እዋን ብንእስነት ዝጠነሳ
ሓያማት እቲ ሕብረተሰብ ካብ ካልእ
እዋን ብዝሓሸ ኣዝዩ ኣይግስጸንን፡
‘ሓያም ጾመ-ኣርብዓ ዝባና ቀሊዓ’
ብዝብል ምስላ ድማ የሰንዮ፡ ኣዳቒቐ
ዘይፈለጥክዎ ድኣ ከይህልወኒ’ምበር፡
እተን መጻምዲ ንምርካብ ዝደለያ
ሓያይም ነዚ እዋን ዝያዳ ከም
ዝጥቀማሉ ፈሊጠ’ለኹ፡ እተን
ንሳተን ዘልፍዓኦ ድልዱል ምራን
ዓዲ ኣብ መጓተትን ፍልጻ ኣእማንን
ትጥቀመሉ፡ ኣብ ጽውጽዋየት‘ውን
እዚ ፈልቊ ኣብ ምጉታት ገባብል
ከም ዝውዕል ተጸውዩኒ’ሎ፡
ብኸምዚ ሜላ ንዝተወልዱ ህጻናት
ዝወሃብ ኣስማት ‘ውን ፍሉይ
ምንባሩ’ዩዝ ዝፍለጥ፡ ሃረጸ፡ ባህጉ፡
ለማልም፡ እንኮ ብዝብል ኣስማት
ይልለዩ ምንባሮም ይዕለል፡ መቸም
ኣነ ዘይዛረቦን…..፡
ሰለል፡ እቲ ንጾመ-ኣርብዓ ዝተቐበለ
ሕብረተሰብ ክሳብ ዓርቢ ስቕለት
ዝጻወቶ ወግዒ’ዩ፡ ግዳ መዓስ
ሰለል ብጥረኡ፡ ኣዋልድ ዓዲ ሰለል
ዘብለን ገረብ ኣብ ምምቓል ክብኣሳ
ስለዝኽእላ ኣነባባሪ ዓዲ ኣብቲ
ዓዲ ንዝርከብ ደዓሩ፡ ቀናጭብ፡
ጫዕረ፡ ጨቐምጠ፡ መቒዕ ኣደልዲሉ
ይመቕለን፡ ብዛዕባ ኣወዳት ፋዕራ
ኣይገብርን፡ ቅድም ኣዋልድ ይዕደላ፡
ካብ ናብ ድኣ ፍልልይ ኣለዎ’ምበር፡
እቶም ምራውንቶም ከልፍዑ ዝደልዩ
ሰባት ‘ውን ንኣነባባሪ ዓዲ’ዮም
ዝረኽብዎ፡ ኣበየናይ ነቝጣ ከልፍዑ
ከም ዝኽእሉ ድማ ይሕበሮም፡ ድሕሪ
ክልተ ሰሙን ምቕባል ጾመ-ኣርብዓ
ጥጥቖ ምብሳል ስለዝጅመር ‘ውን መነመን ዕንጸይቲ ማይ
የምጽኣ፡ ኣየኖት የዳልዋኦ ኣዋልድ ይወሓሓጣ፡ ናይ
ምጽብባቕ እዋነን እውን’ዩ፡ ከም ድላየን ይቋነናን ደሃይ
ገጸን ይገብራን፡ ኣብዚ መዓልቲ ዝመረጽኩሉ ዕላል ኣይሰኣነንን’ዩ፡
ገመሎ ሓዋይ‘ውን ናታ ሰለል ትጻወት ይብልኹም፡
መሓውራ ኣብ ሰራውር ጠሊጋ ትጽውት ትውዕል
እንተልኹም መን ይኣምን፡ ግዳ ኣብ ግዜ ጾመ- ኣርብዓ ወናም
ሰለል ብሃሊት’ያ ይብሉ፡ ዕላል እናመሰለኩም እምበር ግራት ማሕበር ኣብ ዝተባህለ ሰፊሕ ናይ
ሕርሻ ቦታ ገመል መጺኣ ነተን ሰለል ዝጻወታ ዝነበራ
ኣዋልድ ኣሕዲጋተን’ዩ ዝበሃል፡ ካልእ ጣቋ
ኣይነበራን፡ ከም ሰባ ሰለል ንምባል ድኣ’ምበር፡
እቶም ረባዓት (ተብዓትዮ ኣግማል ንምባል’የ፡ ከምኡ እንተዘይኰይኑ ይኣርሙኒ) እታ ኣንስተይቲ ገመል
ሰለል ክትጻወት እንከላ ዓፍራ ካብ
ኣፎም ንምድሪ ከዲንዎ ይብልኹም፡ ወዮ እቲ ቦታ ክሳብ ሎሚ ምስዕሳዕ ገመል ተባሂሉ ይጽዋዕ’ሎ፡ ‘ኣግማል ዓዲ ሃንፈጾ ኣቤት መራግጾ’ ዝብል መደነቕ ዕላል ከኣ’ባ ወሰኽኩልኩም፡
ኣብዚ እዋን ክስዕስዓ ክብላ ናይ ሰብ ዝመሳሰል ኣራግጻ ኣቐምጥ ኣቢለን ይብልኹም፡ ዝብሃልዶ ከኣ ሰኣንካ
ኣይትበሉ፡ ‘መኻን እንተጠነሰትስ ምስ ሓረሰት ንርእያ’ በሉ ይብልኹም፡ ከመይ ዘለ ዛንታ ሓደ ከባቢ እንተነገርኩ ስኽፍ ኣይብለንን፡ ዛንታ ጐሬበትካን ጐደበኻን ምንጋር’ኳ ጽያፍ ምዃን ተሪፉ ኢዩ።
ውቅያኖስ
Hi, I have just seen your post. It is great to read !!