
ልምዓታዊ መንግስቲ Developmental State
ብመሰረት ዊኪፐድያ ምዕባለ ሃገር ማለት ሓደ ቃል ኮይኑ ብሊቃውንቲ ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ቁጠባ ብሃገር ዝመራሕ ማክሮ-ቁጠባዊ መደባት ኣብ ምብራቕ ኤስያ ኣብ መወዳእታ 20 ክ.ዘመን ዘመልክት እዩ። ኣብዚ ርእሰ ማላዊ ኣገባብ ሃገር ዝያዳ ነጻ ወይ ከኣ ነፍሱ ዝኸኣለ ፖለቲካዊ ሓይሊን ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎ ምቑጽጻርን መድባትን ይህልዎ። ብሓጺሩ ምዕባለ ሃገር በይንኣዊ ዝተማእከለ ናይ ምሕደራ ስርዓት ወይ ሕጊ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንገዛእ ርእሱ ከም “ናይ ምዕባለ መንግስቲ” እዩ ዝገልጻ። ህወሓት/ኢሂወደግ ምዕባለ ሃገር ብሰውራዊ ዲሞክራሲ እዮም ፈጢሮም።
ከም መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኩሎም ናይ መንግስቱ ሓለፍቲ እንተወሓደ ክልተ ግዜ ኣብ ደቡብ ኮርያ በጺሖም። ኣብ ዓለምና ጃፓን፡ ደቡብ ኮርያ፡ ታይዋን፡ ሲንጋፖርን ክሳብ ሕጂ ከኣ ቻይና እተን ዕዉታት ናይ ምዕባለ ሃገራት እየን። ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ካብዘን ኤስያውያን ሃገራት ክቐድሓ ወይ ክመሃራ ኣይክእላን እየን ምኽንያቱ ከኣ ዘመሳስለን ዋላ ሓንቲ ነገር ስለዘየለ። ኢትዮጵያ ዝኾነ ሓባራዊ ወይ ምምስሳል ምስ ሃገራት ኤስያ የብላን።
ኩለን እዘን ሃገራት ኤስያ ሓደኣዊ ሃገራት እየን። ኢትዮጵያ ዘይተማእከለ ፈደራላዊ ቅዋም ክሳብ ዘየወገደት ምዕባላዊ መንግስቲ ክትምስርት ኣይትኽእልን እያ።
ኩለን እዘን ሃገራት ሃገረ-መንግስቲ ሓደ ህዝቢ እየን። ኩለን እዘን ሃገራት ቀቢላን እንዳን ዘይብለን ዘይተሓናፈጻ ሃገራት እየን። ጃፓናውያን ብሔር 98.5% ካብ ህዝቢ ጃፓን፡ ሁን ቻይናውያን 95% ካብ ህዝቢ ታይዋን፡ ሁን ቻይናውያን 91.51% ካብ ህዝቢ ቻይና፡ ቻይናውያን 74.2% ካብ ህዝቢ ሲንጋፖር፡ ከምኡ ከኣ ኮርያውያን ብሔር 95.5% ካብ ህዝቢ ደቡብ ኮርያ ይውክሉ። ኩሉ ኢንዱስትራያዊነት ናይዘን ሃገራት ከኣ ኣብ ገማግም ባሕሪ እዩ ዝርከብ።
ኣብ መንጎ ፈደራላዊት ኢትዮጵያን ደቡብ ኮርያን ዝኾነ ዘመሳስል ነገር የለን። ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰለት ንቑጠብኣ ናብ ኢንዱስትሪ ዘማዕበለት ሃገር ከኣ የላን። ብብዝሒ ቀቢላን እንዳን ዝቖመት ኢንዱስትራያዊት ዝኾነት ሃገር ከኣ ኣይንረክብን ኢና። ኣሚኢት ኪሎሜተራት ካብ ዓበይቲ መራኽብን ዝዕሽግ ገምገም ሩባታት ወይ ወደባት ርሒቑ ዝተሰረተ ስልጣነ ወይ ልዑል ኢንዱስትሪያውነት ኣይንረክብን ኢና።
“ላቲን ኣመሪካ” ኣገባብ ምዕባለ ሃገር ከኣ ዝተፈልየ ኣካይዳ እዩ ዘለዎ። ኣብ ክንዲ ኣብ ሃገራዊ ደረጃን ምውጋድ ማሕበራዊ ምውሳንን ዝሙርከስ ከተማ/ምምሕዳር ከተማ ደረጃ ዝተሰረት እዩ። ንከምዚ ዓይነት ትመክሮ ከም ጀማሪት ክንወስዳ እንኽእል መደሊን( Medellin) ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ኮሎምብያ እያ። እዛ ከተማ ብዝተኸተለቶ ከባብያዊ ምዕባለ ሃገር ካብ ተመራመርቲ ስግር ባሕሪ ናይ ምዕባለ ትካል ተናኢዳ እያ። ምዕባለ ሃገር ብዛዕባ ሃገረ መንግስቲ ጥራይ ኣይኮነን። ዞባውን ከባብያዊን መንግስታት እውን ከተግብርኦ ይከኣል እዩ።
ብዘይ ካብ ህላወ ሓባራዊ መንነት፡ ታሪኽ፡ ባህልን ክብርታት ስርዓትን ዝመጽእ ሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማን ራእይን ዝመጽእ ምዕባለ ሃገር ኣብ ፈደራላዊ ቅዋም ኣይርከብን እዩ። ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ ቅዋም ነፍስወከፍ ክልላት ከም ኣምሓራ፡ ትግራይ ወዘተ ምዕባለ ሃገር ክኾና ይኽእላ እየን።
ኣብ መንጎ ትግራይን ደቡብ ኮርያን ብዙሕ ምምስሳል ኣሎ። ትግራይ ንናይ ደቡብ ኮርያ፡ ጃፓን፡ ታይዋን፡ ቻይና፡ ሲንጋፖር ናይ ልምዓት ስትራተጂ ክትመሃሮን ክትቀድሖን ትኽእል እያ። ሃገረ ትግራይ ከም ደቡብ ኮርያ ሓያል ሃገራዊ ዕላማን ዕድሎትን ኣለዋ። ናይ ሕጂ ቁጠባዊ ኩነታት ትግራይ ምስ ናይ 1960-70 ቁጠባዊ ኩነታት ደቡብ ኮርያ ተመሳሳሊ እዩ። ትግራይ እታ እንኮ ናብ ወደብ ዝቐረበትን ጽቡቕ ክሌማን ዘለዋ ክልል እያ። እዚ ናይ ኣይሰላም ኣይኲናት ኩነታት ኣብቂዑ፡ ቅዋም ተተግቢሩ መንግስቲ ትግራይ ቁጠባውን ፖለቲካውን ውሳኔታት ክወስድ ስልጣን እንተድኣ ተዋሂብዎ፡ ትግራይ ኣብ ሓጺር ግዜ ኢንዱስትርያላዊት ክትከውን ትኽእል እያ።
መንግስቲ ሃገር ትግራይ ኣሚኑ ንህዝብታት ዓጋመ,ሽረ,ዓድዋ,ቴንቤን, አኽሱም, ኽልተላዕለዉ, ራያዓዘቦ, እንድርታ, ወልቃይትጸለምቲናይ ምውሳንን ምትግባርን ቁጠባዊ፡ ድሕነት፡ ገበንን ናይ ስድራቤት ናይ ፍትሒ ትካላትን፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ ፖሊሲታትን መደባትን ስልጣን ሂቡ ንነብሱ ኣብ ኣዝዮም ስትራተጂካዊ ፕሮጀክትታት ከም መንገዲ ባቡር፡ ዓበይቲ ጽርግያታት፡ መመንጨዊ ጸዓት መደበራት፡ ምእካብ ሃገራዊ ግብሪ፡ ሃገራዊ ድሕነትን ኣንተእድሂቡ፡ ተጋሩ ዓቕሚ ደሊቦምን ዞባዊ ሓርበኝነትን ክብርታትን ሒዞም ዞባኦም ናብ ኢንዱስትሪያውነት ኣብ ምስግጋር፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ምርግጋጽ፡ ብልሽውናን ዘይፍትሓውነት ኣብ ምጥፋእን ክዕወቱ ይኽእሉ።
ኩሉ ፍልጠትን ፖለቲካን ከባብያዊ እዩ። ትግራይ እታ እንኮ ጥንታዊ ዞባውን ከባብያውን ኣብ ቀቢላ ወይ እንዳ ዘይተሰረተ ሓያል መንነት እትውንን ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ። ህግደፍ ንናይ ትግርኛ ከባብያዊ መንነት ክዕንወሉ ዝወሰነ ስነሓሳባዊ ምኽንያት ኣለዎ። ህወሓት ግን ንምንታይ ምኽንያት ነዚ ናይ ትግራይ መንነት ከጥፍኦ ከም ዝደለየ ንጹር ኣይኮነን።
ኩለን ምዕራባውያን ሃገራት ናብ ኢንፉስትራያውነት ዝተሰጋገራ ብሓያል ከባብያዊ ተወፋይነት ወነንቲ ትካላት፡ ከንቲባታት፡ ኣመሓደርቲን ንዞባዊ ሓርበኝነት ብምኹስኻስ ንህዝቦምን ጸጋታቶምን ብግቡእ ብዝተጠቐሙ ምምሕዳራትን እዩ። ሓያል ናይ ትግራይ ሃገራውነትን ናይ ዓጋመ፡ ኽልተ ላዕለው፡ ራያ ዓዘቦ ወዘተ ነቲ ዘይከኣል ዘኽእል ሓያል ዞባውን ከባብያውን ሓርበኛነት ኣሎ። እዚ ነገር ከኣ ብታሪኽ ተረጋጊጹ እዩ።
ውሑዳት ገዲፍካ ናይ ዝበዝሕ ህዝቢ ኣምሓራ ሃገራዊ ዕላማ ምስፍሕፋሕ ባህልን ሃይማኖትን እዩ። ናይዚ ምኽንያት ከኣ ንካልኦት ህዝብታት ክገዝኡ ከም ዝተፈጥሩ ስለዝሓስቡ እዩ። ብዘይካ ውሑዳት ናይ ዝበዝሑ ህዝቢ ኦሮሞ ሃገራዊ ዕላማ ከኣ ምዕቃብ ቀቢላዊ ኣነባብራ እዩ። ዝበዝሑ ሶማሊ ከኣ ኣብ ምዕቃብ ኣብ እንዳ ዝተሰረት ኣነባብራ ቀንዲ ሃገራዊ ዕላምኦም እዩ። ነዚ ከረጋግጽ ዝደሊ መርበባት ሓበሬታ፡ መጻሕፍትን ካልእን ናይ ኣምሓራ፡ ኦሮሞ ወይ ሶማሊ ክውከስ ይኽእል።
ብዘይካ ውሑዳት ናይ ህዝቢ ትግራይ ዕላማ ከኣ ቁጠባኻ ብምዕባይ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ፡ ስድራቤት መስሪትካ ከኣ ብሰላምን ብኽብረትን ምንባር እዩ። ስለዚ እዮም ከኣ ናይ ሃገረ ትግራይ ውሁዳን ህዝባዊ ቁጠባዊ ምዕባለ ዕላምኦም ኣብዞም መስፋሕፋሕቲ፡ ቀቢላውን እንዳውን ህዝብታት ዘስገድዱ።
ሃገራዊ ምዕባለን ንፈደራላዊነት ኣብ ኢትዮጵያ የዕንይዎ ይርከብ። ፈደራላውነት እቲ እንኮን ዝዓበየን ውርሻ ህወሓት እዩ። ምዕባለ ሃገር ንስልጣን ካብ ሃገር፡ ዜጋታትን ህዝብን ናብ ውሑዳት ካድራት ኢህወደግ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምስግጋር ንብልሽውና፡ ዘይብቕዑነትን ዘይተሓተትነትን ኣቓሊዕዎም። መንግስቲ ትግራይ፡ ዞባውን ከባብያውን ምምሕዳራት ዝኾነ ቁጠባውን ፖለቲካውን ስልጣን የብሎምን። ትግራይ ትኹን ካልኦት ክልላት ብዘይ ቁጠባውን ፖለቲካውን ስልጣን ዞባውን ከባብያውን ምምሕዳራት ክሃንጻን ዓቕመን ከማዕብላን ዝኽእላ። ዝኾነት ሃገር ብዘይ ድልዱልን ሓያልን ብቕዓት ክልላዊ መንግስቲ፡ ዞባውን ከባብያውን ምምሕዳራት ቁጠባዊ ምዕባለ ከረጋግጻ ኣይክእላን እየን።
ህወሓት ንደርግ ክስዕሮ ዝኸኣለ ንመራሒመስርዕ፡ መራሒ ጋንታ፡ መራሒ ሓይሊን መራሒ ቦጦሎኒን ኣብ ሰከንድታት ውሳኔታት ክወስዱ ዘኽእሎም ፖለቲካውን ወተሃደራውን ስልጣን ዝህብ ዓቕሚ ክሃንጽን ከማዕብልን ስለዝኸኣለ ጥራይ እዩ። ዓወቶም ኣብ ልዕሊ ጸላኢን ምፍጣር ሓድነት፡ ምውጋድ ርእሰ ፍትወትን ቅንዕናን ድማ መርኣያ ብሉጽ፡ ርትዓዊ፡ ብቕዑን ውጺኢታዊነትን እዩ።ህወሓት ዝተማእከለ ወይ ሓደ ዕላማ ግን ከኣ ምእኩል ውሳኔታት ወይ ውሑዳት ሓለፍቲ ንኣሽቱ ውሳኔታት ዘይፍቅድ ኣገባብ ነይርዎ። ልዕሊ 30 ኪሎሜተር ርሒቕካ ጽቡቕ ውሳኔ ወይ ብሉጽ፡ ርትዓዊ፡ ብቕዑን ውጺኢታዊነትን ፖሊሲ ክትሕንጽጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። ዓዲግራት ካብ ኣዲስ ኣበባ 877 ካብ መቐለ ከኣ 118 ኪሎሜተር ርሒቓ ትርከብ።
እዚ ብዓጽምን ደምን ተጋሩ ዝመጸ ብቕዓት ከኣ ምስ ምምጻእ ኢሂወደግ ክብሕጎግ ጀሚሩ፡ ህሰሓት ፈሪሱ ናብ ፈደራላዊ ሰራዊት ምስ ተሓወሰ ከኣ ጠፊኡ። ኩለን ግዝኣታት ኣመሪካ ናይ ገዛእ ርእሰን ሓለዋ ካብ ሃለወን ንምንታይ ንኢትዮጵያ ዘይህልዋ፧
መራሕቲ መሳርዕ፡ መራሕቲ ጋንታታት፡ መራሕቲ ሓይልታትንመራሕቲ ቦጦሎኒታትን ናይ ኢህወደግ ወይ ፈደራል ሰራዊት ዝተማእከለ ሓደ ሽቶ ዘይብሉ ኩሉ ኣባል ዘይርድኦ ወይ ዘይሰማምዓሉ ኣሰራርሓ እዮም ዝኽተሉ። ዝኾነ ሰብ ዘይተረድኦን ዘይተሰማምዓሉን ዝኾነ ጽቡቕ ውሳኔ ወይ ብሉጽ፡ ርትዓዊ፡ ብቕዑን ውጺኢታዊነትን ፖሊሲ ክትሕንጽጽ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ እዩ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ መራሕቲ ንኩለን ክልላት፡ ዞባታት፡ ምምሕዳራት ወዘተ ፖሊሲታትን ውሳኔታትን ዝሕንጽጹ።
ህዝቢ ትግራይ ኣማኢት ኣሽሓት ደቁ ዝኸፈል ምእንቲ መሰል ርእሰ ውሳነ ወይ ገዛእ ርእሱ ባዕሉ ንከማሓድር ኢሉ እዩ። ናይ 1995 ህወሓት/ኢህወደግ ዝነደፎ ቅዋም ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ምህናጽን ምምዕባልን ዓቕሚ ንገዛእ ርእሱ ንምምሕዳር፡ ብልጽግና፡ ክብረት፡ ጽፉፍ ምሕደራ፡ ምቅላስ ብልሽውና ወዘተ ዝሓሸ ዕድል ዝህብ እዩ ነይሩ።
ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ናይ ምዕባለ ሃገር ምምሕዳር ንትግራይ ልዕሊ መንግስቱ፡ ሃይለ ስላሴን ሚነሊክ IIን ቀቲልዋ ይርከብ። ትግራይን ህወሓትን ዝድሕኑ ኢትዮጵያ ብቕዋም ምስ እትመሓደር ጥራይ እዩ። ብቕዋም ክትመሓደር እንተድኣ ኮይና ከኣ ቅድም ህግደፍ ካብ ስልጣን ክእለ ኣለዎ።