
መወዳእታ ህወሓት/ኢሂወደግ The End of TPLF
ድኹም ምሕደራ፡ ብልሽውናን ዘይምዕሩይነትን ብፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምሕጻር ዝተላዕለ እዩ። ህወሓት/ኢሂወደግ ዝነደፎ ናይ 1995 ቅዋም እንተድኣ ተተግቢሩ ሕማቕ ምሕደራ፡ ብልሽዉናን ዘይምዕሩይነትን ከባብያውን ክፍለ ሃገራውን (ናይ ፈደራል ዘይኮነ) ሽግራት ኮይኖም ይተርፉ እሞ ብቐሊሉ ክፍወሱን ክጎድሉን ይኽእሉ። ፈደራላዊ ቅዋም ንህዝቢ ሓላፍነት ይህብ። ዝተማእከለ ብመልክዕ “ሰውራዊ ዲሞክራሲ”ን “ምዕባለ ሃገር”ን ግን ስልጣን ንኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም ውሑዳት ሓለፍቲ ይህብ። ሰውራዊ ዲሞክራስን ምዕባለ ሃገርን ንፈደራላዊ ቅዋም ዝትክኡ መምርሒ መንግስቲ እዮም።
ምምእካል ስልጣን ቅድም ብሰንኪ ኲናት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሓር ከኣ ብሰንኪ ፖሊሲ ኣይሰላም ኣይኲናት ናይ ህግደፍ ዝተኣታተወ እዩ። ህግደፍ ንናይ ኦሮሞን ኣምሓራን ናይ ሚድያ ዘመተ ብምምዋልን ናይ ኦሮሞን ኣምሓራን ጉጅለታት ብምውህሃድን ህዝባዊ ናዕቢ የቃጽልን ሽግራት ይፈጥርን ኣሎ።
ምስ ህዝቢ ትግርኛ ኤርትራ ተሓባቢሩ ነዚ ናይ ኣይኲናት ኣይሰላም ናይ ህግደፍ ፖሊሲ ደው ንምባል ኣብ ክንዲ ዝሰርሕ፡ መሪሕነት ህወሓት/ኢሂወደግ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነ ጽልዋ ከም ዘይብሉ ጸማም እዝኒ ክህበሉ መሪጹ። እንተኾነ ኣይሰላም ኣይኲናት ንህዝቢ ትግርኛ ኤርትራ፡ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ብማዕረ የዕንዎም ኣሎ።
ኣብ ጥቅምቲ 21, 2015 ኣብ ሎንዶን ፋይናንሻል ታይምስ ከም ዝገለጾ ቀዳማይ መፋርቕ 2015 ምስ ናይ ቅድሚኡ ዓመት ናይ ቻይና ወፍሪ ኣብ ኣፍሪቃ ክነጻጸር ከሎ ብ84% ጎዲሉ። ኣብ ሰደድን ወፍርን ዝተሞርኮሰ ቁጠባዊ ዕቤት ቻይና ንኹሉ ግዜ ኣኽቲሙ፡ ምስኡ ከኣ ሕሱርን ቀሊልን ናይ ቻይና ለቓሕን ንኣፍሪቃውያን መንግስታትን ትካላትን ብፍላይ ከእ ንኢትዮጵያ።
ኣብ ታሕሳስ 16, 2015 ፈደራላዊ ባንክ ኣመሪካ ድሕሪ ኣስታት 10 ዓመታት መጠን ወለድ ወሲኹ። እዚ ማለት መወዳእታ ናይ 10 ዓመት ሕሱርን ብቐሊሉ ዝርከብ ምዕራባዊ ገንዘብን ሕሱርን ቀሊልን ለቓሕን ወፍርን መንግስታት ኣፍሪቃን ትካላትን ኣብቂዑ ብፍላይ ከኣ ንኢትዮጵያ። ምኽታም ናይ 10 ዓመት ናይ ምዕራባውያንን ናይ ቻይናን ሕሱርን ብቐሊሉ ዝርከብን ገንዘብ ንናይ 10 ዓመት ቁጠባዊ ውንጫፈ ኢትዮጵያ ንሓዋሩ ኣኽቲሙ። ናይ ህወሓት/ኢሂወደግ ናይ ሓጎስ ድግስ ኣኽቲሙ። ናይ ምዕባለ መንግስቲ ዝበሃል ድሕሪ ሕጂ የለን።
ህወሓት ፈለማ ፈደራላውነት ገዲፉ ሰውራዊ ዲሞክራሲ ፈቲኑ ምስራሕ ምስኣበዮ ከኣ ናብቲ ኣህጉራዊ ናይ ገንዘብ ደገፍ ዝረኽበሉ ናይ ምዕባለ መንግስቲ ተሰጋጊሩ። ሕጂ ከኣ ዓለማዊ ፋይናንስ ተቓዊሱ ዕዳ ከኣ ላዕሊ ተወንጪፉ። ዝበልዖ ዝሰኣነ 100 ሚሊዮን መንእሰይ ከኣ ፍትሒ፡ ስራሕን ዕድላትን ይጠልብ ኣሎ።
ዋሕዚ ዶላር ብመልክዕ ለቓሕ፡ ሓገዝ፡ ወፍሪ፡ ዝለኣኽ ገንዘብ ወዘተ ኣዝዩ ክጎድል እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ወጻኢ ዕዳ ንምኽፋልን ዝጀመሮም ዓበይቲ መደባት ንምቕጻልን ንምፍጻምን ጥብቒ ዝኾነ ትእዛዛት ከመሓላልፍ ክግደድ እዩ።
ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ስርሖም ክስእኑ እዮም። ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ናይ ህንጻ ትካላት ዝሰርሑ ሚሊዮናት ሰባት ካብ ስራሕ ደው ክብሉ እዮም።
ድሮ ንማእከላይን ትሑትን ደሞዝ ዘለዎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከም ሰራዊት፡ ፖሊስን ናይ ጸጥታ ሰርሕተኛታትን መነባብሮ ልዕሊ ዓቕሞም ኮይንዎም ይርከብ። ድሕሪ ቅሩብ ዓመታት ህወሓት/ኢሂወደግ ናይ ሚድያን ፕሮፓጋንዳን ኲናት ጠቕሊሉ ክሰዓር እዩ።
ብመሰረት CIA ኢትዮጵያ 99.5 ሚልዮን ህዝቢ ክህልዋ ከሎ ካብዚኦም 93% ትሕቲ 54 ዓመት እዮም። ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብ3.8 ሚሊዮን ይውስኽ። ብዘለዉ ውሱን ዓቐን ሕርሻ ነዚ ኩሉ ህዝቢ ክምግብ ኣይክእልን እዩ። ኢትዮጵያ ስቕለት ንምፍጣር ኣብ ዓመት ክሳብ ኣርባዕተ ሚልዮን ናይ ምፍራይን ኣገልግሎታትን ስርሓት ክትፈጥር ኣለዋ፡ እዚ ከኣ ዘይከኣል እዩ።
ሰፊሕ ዘይምዕሩይነት፡ ስእነት ዕድላት፡ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ትሑት ደሞዝ፡ ብልሽውና፡ ግዕዙይ ምሕደራ፡ ማሕበራዊ ድሕረገጻት፡ ሳታላይት ቲቪን ራድዮን፡ ብሔር ቀቢላን እንዳን ምትፍናን ኣብ መንጎ ዓሰርተታት ሚሊዮናት መንእሰያት ኣዝዩ ሓደግኛ ቅድመ ምልክታት ቅድሚ ማዕበል ሱናሚ እዩ። እዚ ሱናሚ እንተተላዒሉ ዝኾነ ሰራዊት፡ ፖሊስ፡ ጸጥታ፡ ፕሮፓጋንዳ ወዘተ ደው ከብሎ ኣይክእልን እዩ። ሱናሚ ይመጽእ ከምዘሎ ዘየስተውዓለ ህወሓት/ኢሂወደግ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ምድላው ይጽበዮ ኣሎ።
ህግደፍ ሓደ ሓባራዊ ግንባር ኣብ መንጎ ኣምሓራ፡ኦሮሞ፡ ትግራይ፡ ሶማሊ ወዘተ ጉጅለታት ኣንጻር ህወሓት/ኢሂወደግ ፈጢሩ ይርከብ። ኩሉ ጸጋታቶም፡ ናይ ዜና ስርሓቶም፡ ስለያን ወትሃደራውን ዓቕሞም ኣወሃሂዶም ኣለዉ።
ኦሮሞ ድሮ እዚ ዓይነት ፍወሳ ንህወሓት ሂቦሞ ኣለዉ። ተዘይተጸሊሎም ናይ ትግራይ ሽግራት ከተኩሩን ክፈትሑን ይግባእ። ኩሉ ዓለማዊ፡ ዞባውን ሃገራውን ክውንነት ኣንጻር ሓወልቲ ህወሓት/ኢሂወደግ እዩ ዘሎ። ህወሓት/ኢሂወደግ ንክውንነት ተገንዚቡ ንናይ ህዝቢ ትግራይ ስትራተጂካዊ ሃገራዊ ረብሓታት ክከላኸልን ከምዘለዎ ከኣ ክገጥሞን ይግብኦ። ወርቃዊ መምርሒ ህይወት፡ ንሓይሊ ጸላእትኻ ኣይተንኣእስ፡ ሓይሊ ንኣሽቱ መሳሪሕታት ከኣ ኣይትንዓቕ።
ቃልሲ ኦሮሞን ካልኦትን ኣንጻር ህወሓት/ኢሂወደግ ክመለሰሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ንቁሩብ ግዜ ከደናጉይዎ ይኽእሉ እኳ እንተኾኑ፡ ህወሓት/ኢሂወደግ ግን ነዚ ተላዒሉ ዘሎ ናይ ኦሮሞን ካልኦትን ህዝባዊ ተቓውሞ ንነዊሕ ግዜ ክቆጻጸርዎ ኣይክእሉን እዮም። እቲ ዘፍርሖም ዝነበረ ተቐንጢጡ እዩ።
እቶም ዓበይቲ ወፍርታት ዝገበሩን ንኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ቤቶም ዝገበሩን ተጋሩ ክልተ ሳዕ ክሓስቡ ኣለዎም። አብ ዘይዓዱዝሃብተመን አብጸልማት ዝሳዕስዐን ሓደ ኢዮም፡ እቲምክኒያቱስብልቢዝኮርዓሉንዝሕጎሰሉንዝፈልጠሉንዘድንቀሉንዘኽብረሉንየለን። ጥበብ ኣቦሓጎታትና ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ 100% ሓቂ እዩ። ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ ማለት ሱዳን፡ የመን፡ ጁቡቲ፡ ሶማልያ፡ ኬንያ፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ብሩንዲ፡ ስዑዲ ዓረብ ወዘተ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ሃይማኖት፡ ጉጅለታት፡ ብሔራት፡ ቀቢላታትን እንዳታትን ወዘተ እዚ ነገር እዚ የጋጥም ኣሎ።
ኢትዮጵያውያን ብሔራት፡ ቀቢላታት ወይ እንዳታት ንሓድሕዶም ዝበኣስሉ ዘለዉ ምኽንያት ናይ ህወሓት ፈላሊኻ ግዛእ ፖሊሲ እዩ ዝብል ሓሳብ ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብ ኩሉ ታሪኽ ናይ ወዲሰብ ኲናት ኣብ መንጎ ቀቢላታትን እንዳታትን ነይሩ እዩ ንኢትዮጵያ ሓዊስካ። ቀቢላታትን እንዳታትን ብምኽንያት ንሃድን ዝኸውን ቦታን ናይ መጓሰ ምድርን ይዋግኡ እዮም። ሎሚ ዘይተምጣጠነ ዕቤት ቁጠባን ብዝሒ ህዝብን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ እንዳታትን ቀቢላታትን ንውሱን ጸጋታት ዝግበር ቅልስ ቀጻሊ እዩ።
እቲ ፍልልይ ሕጂ ምስ ምምጻእ ሞባይል ዜና ናብ ኩሉ ስለ ዝዝርጋሕ እዩ። ቀቢላ ቀቢላ እዩ፡ እንዳ ከኣ እንዳ። ንሓድሕዶም ኣይትኣማመኑን እዮም። ኣቃውማ ኣፍሪቃ ተዓዘብ፡ ዘረባ የለን። ኦሮሞ ናጻ ህዝቢ መንግስቲ እንተድኣ ኮይኑ እተን ኣቒመንኦ ዘለዋ 80 ቀቢላታት ንሓድሕደን ክብእሳ ኣብ ቀጻሊ ምስሕሓብ ክነብራ እየን።
ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ ዝበሃል ኣበሃህላ ኣቦታትና ኣሎ። ንኦሮሞን ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ን25 ዓመት ብምምሕዳር፡ ህወሓት ንትግራይ ትርጉም ዘለዎ ምዕባለ ከምጽኣላ ኣይከኣለን። ንኦሮሞ ምቕላስ ዋላ ሓደ ትርጉም የብሉን። ንእኩይ ህግደፍ ኣሊና ኢንዱስትርያዊት ትግራይ/ኤርትራ ንህነጽ። ነገራዊ ጸጋ፡ ዕድላት፡ መንፈሳውነት፡ ክበረት ሰብን ሰላምን ተጋሩ ኣብ መሬቶም።
ንሕና ሃገራውያን ትግርኛ ኮይንና ንናይ ትግርኛ ሃገራዊ ጉጅለ ከኣ ንውክል። ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ንመራሕቲ ህወሓት/ኢሂወደግ ኣብ ምእላይ ህግደፍ ክሕጉዝናን ፖሊሲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክዕረን ተዘራሪብና። ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ሽግር ኤርትራ ስእነት ዲሞክራሲ፡ ሰብኣዊ መሰል፡ ቅዋም ነጻ ፕረስ ወዘተ ኣይኮነን። ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ሃገራት ዝያዳ ዲሞክራሲ፡ ሰብኣዊ መሰል፡ ቅዋም ነጻ ፕረስ ወዘተ ልዕሊ ምዕራባውያን ሃገራት ይውንና ግን ብ1000 ዕጽፊ ድኽነት፡ ብልሽውና፡ ስደትኛ፡ ሕማም፡ ማህይምነት፡ ገበን፡ ምብታታን ስድራቤት ወዘተ ሽግራትን ቀቢላውን እንዳውን ግርጭታትወዘተ ካብቲ ኤርትራ ዘላቶ ንላዕሊ ኣለወን። ሽግር ኤርትራ ኣብ መንጎ ትሽዓተ ብሔራት ብዛዕባ ዋንነት ናይ ሃገር፡ መንነት፡ ታሪኽ፡ ባህልን ክብርታትን ዘይምስምማዕ ስለ ዘሎ እዩ።
ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ሓይሊ ህግደፍ ንናይ ኤርትራን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ሽግራት ክፈትሕን ክፍውስን ይኽእል። ሽግር ናይ ህግደፍ ትእዛዝን መፍትሒ ንኤርትራን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን እዩ። መፍትሒ ሓሳቡ ሃገራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ቀቢላዊ፡ እንዳ፡ ዞባውን ከባብያውን መንነት ኣጥፊእካ ብዓለምለኻውነት፡ ኣህጉራውነትን ሕብረ ባህላውን ምትካእ ዝብል እዩ። ሽግር ብዛዕባ ዓለምለኻውነት፡ ኣህጉራውነትን ሕብረ ባህላውነትን ከኣ ዘይተግባራዊ፡ ዘይተፈተነ ክልሰ ሓሳብን ከምኡ’ውን ጸረ ፍልቀት ደቂ ሰባትን ስለ ዝኾነ እዩ። ወዲ ሰብ ማሕበራዊ እንስሳ እዩ።
ህወሓት/ኢሂወደግ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ተርዲእዎም ኣይፈልጥን እዩ። እዚ ማለት ህወሓት/ኢሂወደግ መርገጺ ጸላኢኦም ኣይፈልጡን እዮም። ንዘይትፈልጦን ዘይትርድኦን ጸላኢ ክትውጋእ ከኣ ዝከኣል ኣይኮነን። ህወሓት ንህግደፍ ከም ሰነ ሓሳብ ኣልቦ፡ ማፍያ፡ ንኡስ ብርጅዋ፡ ትምክሕተኛ፡ ጸቢብ፡ ንኢትዮጵያ ክበታትን ዝሰርሕ ወዘተ ክገልጽዎ ከለዉ ንዕኡ ዘራጉድ ዝኾነ ጭብጢ ግን የብሎምን። ህግደፍ ሓደ ካብዞም ዝተጠቕሱ ኣስማት ወይ ሓሳባት ኣይኮነን።
ኣብታ The Art of War book እትብል መጽሓፉ ጥንታዊ ቻይናዊ ቀያሲ ሱን ጹ ቅድሚ 2000 ዓመት ከምዚ ኢሉ ነይሩ፡ “ ንጸላኢኻን ነብስኻን እንተፈሊጥካዮም ብዛዕባ ውጺኢት 100 ውግኣት ክትሰግእ የብልካን። ነብስኻ ፈሊጥካ ጸላኢኻ እንተዘይ ፈሊጥካ፡ ንነፍሲ ወከፍ ዓወት ስዕረት ክትቀምስ ኢኻ። ንነብስኻን ጸላኢኻን ተዘይፈሊጥካየን ኣብ ኩሉ ውግኣት ክትምብርከኽ ኢኻ።”
ኣብ ኤርትራ ሰለስተ ፖለቲካዊ ሓሳባት ወይ ስነ ሓሳብ ኣሎ። ቀዳማይ ዓለምለኻውነት፡ ኣህጉራውነትን ሕብረ ባህላውነትን ወይ ኣብ ኣድልዎ ኣልቦ ዜግነት ዝተመስረተ ሃገረ መንግስቲ ምህላው፡ እዚ ናይ ህግደፍን ኣብ ደገ ዝመደበረን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ወግዓዊ ስነ ሓሳብ እዩ ኣብ ህዝቢ ትግርኛ ኤርትራ ግን ዋላሓንቲ ተቐባልነት የብሉን። ህግደፍ ስልጣን ደኣ እምበር ጽልዋ ኣብ ህዝቢ ትግርኛ የብሉን። ኣብ ስደት ዘለዉ ውድባት ሓይልን ጽልዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግርኛ የብለንን። ፍልልይ ኣዘን ውዱባትን ህግደፍን ኣብ ካልኣዊ ጉዳያት ከም ምርጫ፡ ዲሞክራሲ፡ ነጻ ፕረስ ወዘተ እዩ።
ዝኾነት ኣብ ዓድታት ትግርኛ ኤርትራ እትርከብ ስድራ ናይ ሕርሻ መሬታ፡ ጤሳ ወይ ጓላ ንመርዓ ንሓደ እስላም ኤርትራዊ ስለ ዝኾነን ኣብ ኲናት ዝሰንከለ ወይ ገዲም ተጋዳላይን ስለዝኾነ ኣይትህቦን እያ። እንተኾነ ብሕጊ እንዳ’ባ መሰረትን ብጥንታዊ ባህልን መሰረት ንሓደ ኣብ ዓዶም ዝቕመጥ ትግራዋይ ናይ ሕርሻ መሬት፡ ጤሳ ወይ ጓሎም ክህብዎ ሕጉሳት እዮም። ወይ ዝኾነ ቅድሚ እስላም መንነቱ ንኤርትራዊ መንነት ዘቐድም እስላም ኤርትራዊ የለን።
እቲ ካልኣይ ስነ ሓሳብ ዓረባውነት ወይ ምስልምና እዩ። እዚ ስነ ሓሳብ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን እስላም ሰፊሕ ተቐባልነት ኣለዎ። እንተኾነ ኤርትራውያን እስላም ብቀቢላን እንዳን ዝተመቓቐሉን ፋሕ ዝበሉን ስለ ዝኾኑ ዝኾነ ትርጉም ዘለዎ ጽልዋ ወይ ተራ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ የብሎምን። ንህግደፍን ነቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ብትግርኛ ዝምርሑ ጉጅለታትን ግን ጠቐምቲ መሳርሒ እንጻር ሃገራውነት ትግርኛ እዮም።
እቲ ሳልሳይ ስነ ሓሳብ ሃገራውነት ትግርኛ ወይ ኣግኣዝያውነት ወይ ትግራይ ትግርኚ እዩ። እዚ ሓያል ዝተደጎለ ስነ ሓሳብ እዩ። ምኽንያቱ ንርዱእ ምኽንያት ዝኾነ ዘይተማህረ ሓረስታይ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ኤርትራ ይርድኦ፡ ዓሚቕን ሓያልን ስምዒት ከኣ ኣለዎ። በዚ ምኽንያት ከኣ ህግደፍ ይኹን ብትግርኛ ዝምርሓ ኣብ ደገ ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት ብሓገዝ ኤርትራውያን ኣዕራብን እስላማውያን ጉጅለታትን ፖለቲካዊ፡ ስለያዊ፡ ወትሃደራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ ስርሓትን ንሃገራውነት ትግርኛ ንምዕናው ብስም ሃገራዊ ሕብረት ቅድሚ ውድብን መሪሕነትን ምፍጣሩ ንምቕጻዩ ይሰርሓ ኣለዋ። ሃገራውያን ትግርኛ ከም ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ትኩእ ይሕደጎ፡ ኪዳን ክፍሉ፡ ናይዝጊ ክፍሉ ወዘተ ከም ኣናጹ ተሃዲኖም፡ ካብ ታሪኽ ተሓኺኾም፡ ኣብ ገዛእ ዓዶም ቀብሪ ተነፊግዎም፡ ተገዲዶም ወይ ብሜላ ከምዝስደዱን ከምዝዋሰኑን ወዘተ ተገይሩ።
እቲ ዘሕዝን ህወሓት ንደገፍቲ ስነ ሓስቡ ብምሕጋዝን ንትግርኛ ሃገራውያን ንከይሕግዝ ብምሕንጋዱን ንህግደፍ ደጊፍዎ እዩ። ከምዚ ብምግባሩ ከኣ ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ ናይ ህዝቢ ትግራይ ህይወት፡ ነጻነት፡ መሰል ርእሰ ውሳነን መጻእን ኣብ ሓደጋ የእትይዎ ይርከብ።
ለውጢ ብህዝቢ ትግርኛ ኤርትራ ጥራይ እዩ ኣብ ኤርትራ ዝመጽእ። ታሪኽ ደጋጊሙ ከምዘርኣየና ህዝቢ ትግርኛ ኤርትራ ሕቡን ሃገራውን ባህላውን ህዝቢ እዩ። ህወሓት/ኢሂወደግ ዝኾነ ምስ ህግደፍ፡ ደምህት፡ ኣምሓራ፡ ኦሮሞ፡ ሶማሊ፡ሲዳማ ወዘተ ጉጅለታትን ሓያል ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ምልዕዓልን ክምክተሉ ዝኽእል ወተሃደራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ሞራልዊ፡ ዲፕሎማያውን ዓቕሚ የብሉን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊኡ’ውን ሕጋዊ ሕቶታት ህዝቢ ክብድህ ኣይክእልን እዩ። ህግደፍ ካብ ስልጣን ብሃገራውያን ትግርኛ እንተድኣ ተኣልዩ ግን ከም ውድብ ክቕጽልን ናይ ህዝቢ ትግራይ ስትራተጂካዊ ሃገራዊ ረብሓታትን ከውሕስ ይኽእል እዩ።
ንትግራይ ተፍቕራን ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ትግደስን እንተድኣ ኮይንካን ንወሰንትን ነድፍቲ ፖሊሲን ህወሓት ንኤርትራዊ ሃገራዊ ጉጅለ ክሕግዝ ብጽሑፍ፡ ብምድዋል፡ ኢመይልን ብቐጥታ ብምዝርራብን ወዘተ ድፍኢት ግበር።
ህወሓት ኣብ ክንዳና ክዋግኣልና ኣይኮንናን ንሓትት ዘለና። ንሕና ንህግደፍ ንምእላይ ብቕዓትን ናይ ምግባር ፍቓድን ኣለና። ንሕና ዘድልየና ካብ ዝኾነ ናይ ውሽጣዊ ውድብና ምትእትታው ነጻ ዝኾነ ቦታ ክወሃበናን ፊናንሳዊ፡ ወተሃደራዊ (ናይ ኣጽዋር ጥራይ)ን ዲፕሎማስያውን ደግፍ ክግበርለና።
ንሕና ክግመት ዘይክእል ባህርያዊ ሃብቲ፡ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ፡ ልዑል ደርጃ ናይ ስልጣኔ ታሪኽ፡ ቡቕ ክሊማን ደስ ዘብል ቅርጸ መሬትን ልዕሊ ኩሉ ከኣ እቲ እንኮ ኣብ ኣፍሪቃ ሓያል ሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማ ዝውንን ህዝቢ ኣለና።
ቅድሚ ኣብ ዘይምለሰሉ ደረጃ ምብጽሑ ኣተክሮ ህወሓት ክንረክብ ለይትን መዓልትን ንሰርሕ ኣለና። ህወሓት ናብ ክውንነት ንምምጻእን ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ክህልዎን ሓጉዝና። እንተዘይኮይኑ ኣብ ዝቕጽል ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ምውዳቑ ኣይተርፎን እዩ። ህወሓት ተወዲቑ ንህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ትግርኛ ኤርትራን ሓደገኛ ክኸውን እዩ። ግዜ ዘይህብ እዩ። ህይወትን መጻእን ህዝቢ ትግራይ ከነድሕን በጃኹም ሓግዙና።