
ናይ ወፍሪት ካላትና Saving & Investment Funds
ንዘላቒ ቁጠባዊ ምዕባለ ምህላው ብቁዕ ገንዘባውን ፊስካላውን ፖሊሲታትን ናይ ምቁጽጻር ኣገባባትን ጥራይ እኹል ኣይኮነን። ተወዳዳሪ፡ ብቑዕ፡ ራእዩ ዘለዎን ንማልን ክእለትን፡ ምፍጣር ሽቕለትን ምፍራይ ኣባላትን ከምኡ’ውን ናይ ዕዳጋን ሽያጥን ፍርያት ዘማሓድር በዓል ዋኒን ክህሉ ኣለዎ።
ጽቡቕ ስም ዘለዎምን ኣድማዒ ተክኖሎጂን ዝውንኑ ከምኡ ከኣ ግብርን ክራይን ንመንግስታት ውሽጢ ዓዲ፡ ዞባን ሃገርን ዝኸፍሉ ሃገራውያን ይኹኑ ንወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ዝስሕቡ ስነስርዓት ዘለዎም ክኢላታት ሰራሕተኛታት፡ ጽሩይ፡ ውሑስን ብቑዕን ናይ ስራሕ ቦታን ሕሱር ኣገልግሎታት ኤለክትሪክን ሎጀስቲክን ምድላው።
ኩሉን ውሽጠ ዓዳዊ መንግስታትን እተን ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓት ዝበጽሓ ዓበይቲ ከተማታትን ናይ ገዛእ ርእሰን ኢንዱስትራያዊ ዞና፡ መደቀሲ ትሑትን ማእከላይን ክእለት ዝውንኑ ሰራሕተኛታት፡ መንበሪ ኣባይቲ ልዑል ክእለት ዝውንኑ ሰራሕተኛታትን ሓደ ዝተፈልየ ናይ ዕዳጋ ከተማን ክውንና እየን። እዚ በዓል ነዊሕ ደርቢ ኢንዱስትራያዊ ዞና ዓሰርተታት ሚሊዮናት ትርቢዒት ሜትሮ ንትካላትን ኣብያተ ጽሕፈትን ዝኸውን ቦታታት፡ ክሳብ ሓደ ሚሊዮን ( ኣብ ከተማታት ክልተ ሚሊዮን) ኩሉ ዘማልአ መደቅሲ፡ መመገቢ፡ መዘናግዒ፡ ክሊኒክ፡ ናይ ስፖርት ሜዳታት፡ ናይ ሃይማኖት ማእከላትን ነቶም ትሑትን ማእከላይን ኣታዊ ዘለዎም ስራሕተኛታት ከምኡ ከኣ ን50,000-70,000 (ኣብ ከተማታት ክሳብ ፍርቂ ሚሊዮን) ልዑል ክእለት ዝውንኑ ሰራሕተኛታትን ስድርኦምን ዝኸውን መንበሪ ኣባይቲ ይውንን።
ኩለን ውሽጠ ዓዲ፡ ዞባውን ሃገራውን መንግስታት ነጻ ዝኾነ ነጻ ናይ ውህለላ፡ ወፍሪ፡ ቁጠባዊ ዕቤትን ሃብቲ ዘምንጭዉ ናይ ምወላ ትካላትን ይህልውወን። ኩለን እዘን ኣብ ውሽጠ ዓዲ፡ ዞባውን ሃገራውን መንግስታት ዝርከባ ናይ ውህለላን ወፍርን ናይ ምወላ ትካላት ነጻ ዝኮና ትካላት መንግስቲ ኮይነን ተሓታትነት ንህዝብን ንዝምልከቶ ባይቶን ይኸውን። ናይ ቆሓይን ማእከል ውህለላን ወፍርን ተሓታትነታ ንህዝቢ ቆሓይንን ባይቶ ቆሓይንን ይኸውን። ባይቶታት ውሽጠ ዓዲ፡ ዞባን ሃገርን ዓመታዊ ናይ መኽሰብ ኣታውን ወጻእን፡ ብቕዓት፡ ወፍሪ ሸቶታት ብምስኣልን ንስልጠናን ኣብ ብቅዓት ዘተኮረ ምውሳኽ መሳልልን መቁሽሽን ንኣካያዲ ስራሕ እዚ ትካል ብምድላዉ ይህብ። ብዘይካ ኣብ ምእካብ ግብርን መኽሰብን ኣብ ምሕደራን ውሳኔታትን እዘን ናይ ውህለላን ወፍርን ትካላትን ኢንዱስትራዊ ዞናትን ፕረዚደንት፡ ሚኒስተራት ይኹኑ ኣመሓደርቲ ዝኮነ ስልጣንን መስለን ይብሎምን። ኩሉ ሓላፍነት ናይ ቀንዲ ኣካያዲ ስራሕ ይኸውን። ብባይቶ ንዝተተለመ ሽቶታት ብግቡእ ዘይዓምም ኣካይዲ ስራሕ ከኣ ካብ ስራሕ ይባረር።
ዕላማታት ውሽጠ ዓዳዊ ትካል ውህለላን ወፍርን
- ንውሽጠ ዓዳዊ ምሕደራ ቁጠባዊ ዕቤት፡ ሃብትን ኣታውን ምኽዕባት
- ንነበርቲ ዕድላት ሽቕለት ምፍጣር
- ናይ ዜጋታት ቅሙጥ ገንዘብን ጥሮታን ምምሕዳር
- ንዜጋታትን ወጻእተኛታትን ናይ ወፍሪ ዕድላት ምፍጣር
ዕላማታት ዞባዊ ትካል ውህለላን ለቓሕን
- ቁጠባዊ ዕቤት፡ ሃብትን ኣታውን ንዞባዊ ምምሕዳራት ምኽዕባት
- ኣብ ኣገደስቲ ናይ ትሕተ ቅርጽን ትካላትን ወፍሪ ምግባር
- ንናይ ውሽጥን ወጻእን ኣውፈርቲ ዕድላት ወፍሪ ምጥጣሕ
ዕላማታት ሃገራዊ ትካል ውህለላን ለቓሕን
1.ቁጠባዊ ዕቤት፡ ሃብትን ኣታውን ንዞባዊ ምምሕዳራት ምኽዕባት
- ምምሕዳር ሃገራዊ ዓቕሚ ናይ ወጻኢ ሸርፊ