eplf-and-tigray eplf-and-tigray1

ታሪኽ ህግሓኤ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ እዩ

ኣብ ሂወትና ዝዓበየ ዓወት ኣብ ንኡስ ዕድሜና ናብ ህግሓኤ ከም ተጋደልቲ ምስላፍና እዩ። ቑልዕነትናን ተጋደልቲ ህግሓኤ ምዃናን ከኣ እተን ዘሐጉሳና ናይ ሂወትና ምዕራፋት እየን። ምስ ክልተ ኣሓተይን ሰለስተ ኣሕዋተይን ንናይ ቀዳሞት ኣቦታትና መንነት፡ ታሪኽ፡ ክብርታትን መሬትን ተቓሊስና ሓንቲ ሓፍተይን ሰለስተ ኣሕዋተይን ከኣ ብጅግንነት ተሰዊኦም። ብናይ ኣሕዋተይን ህሰሓኤ ጅግንነትን መስዋእትን ሕቡንን ክሩዕን እየ ዋላ እኳ ሕጂ ምስ ዝተረፈት ተጋዳሊት ሓፍተይ ሃገር ዘይብሎም ስደተኛታት ኮይና እንተሃለና። ኩሉ ግዜ ንሃገርና ንናፍቓን ነፍቅራን ምኽንያቱ ምድሪ ኣቦሓጎታትናን ሓያል ግንዛበ መንነት፡ ዋንነት፡ ዕላማን ተስፋን ስለእትህበናን። ተወሊደና ዝዓበናሉ ዓዲ ኣቦና ንዘልኣለም ገነትና እዩ። ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ካልእ ገነት ከም ዘይብልና ተገንዚብና ኢና። ሓደ መዓልቲ ዋላ ሬሳና ከይተረፈ ናብ ዓድና ክምለስ እዩ። ኩሎም ጀጋኑ ህሰሓኤ ብናይ ትግርኛ ዓድታት ዝፈረዩ እዮም። ህግሓኤ የፍቅሮ እየ፡  ምኽንያቱ ሓቀኛ ክብርታትን ልምድታትን ዓድታት ትግርኛ ስለ ዝውክል እዩ። ህግሓኤ ትግርኛ/ትግራይ እዩ።

ህግሓኤ/ህሰሓኤ ምንጪ ሓበንን ተስፋን ንዝመጽእ ወለዶታት እዩ። ህግሓኤ/ህሰሓኤ ዓለምለኻዊ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ ምስ ንጹር ኩሉ ዝርድኦ ዘይተማእከለ ውሳኔ ናይ ምውሳድ ስርዓትን ይውንን። ንኩሉ ግዜ ሕቡናት ሻዕብያ ንኹሉ ግዜ።

ክሳብ 1991 ንልዕሊ 3000 ዓመት ተፈላሊና ዘካየድናዮ ኲናት የለን። ብሓንሳብ ሞይትና፡ ደሚና፡ ተቐጥቒጥና፡ ተኣሲርና፡ ነቢዕና፡ ሳዕሲዕና፡ ተሰዲድና ወዘተ። ናይ 1998-2000 ኲናት ንእሽተይ በሰላ ኣብቲ ናይ ነዊሕ ስልጣነ ታሪኽና እዩ። ዝሓለፈ ክልተ ናይ ኲናት ዓመታትን 18 ዓመታት ናይ ኣይሰላም ኣይኲናት ወጥሪ ነቲ ናይ 3000 ዓመት ሓባራዊ ናይ ፍቅሪ፡ ዓወታት፡ ምሕዝነትን መጻኢ ወሎዶታት ተስፋን ተኽእሎታት ከዕንዎ ኣይክእልን እዩ። ካብ ክልቲኡ ወገን ነዚ ኲናት ዝገሃሃሩን ናይ ዜጋታት ዝወረሱ ብሕጊ ተሓተቲ ክኾኑ ክኽእሉ ኣለዎም። ሕጂ ዘመን ንቕድሚት ምግስጋስ እዩ ምኽንያቱ እዚ ወለዶ ተለዊጡ እዩ።

ኣብ ናይ 70 ዓመት ሰለስተ ስትራተጂካውያን ፖለቲካውያን መራሕቲ ነይሮም ። ንሳቶም ከኣ ወልደኣብ ወልደማርያም መስራቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን፡ ኪዳነ ክፍሉ መስራቲ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ሃገራውነት ደሓር ህግሓኤ፡ ኢሰያስ ኣፍወርቂ መስራቲ ናይ ትሽዓተ ብሔራት ኤርትራ። ወልደኣብ ወልደማርያም ካብ ኣኽሱምን ኣብ ኤርትራ ከኣ ኣዝዩ ዝተፈቐረ ጅግናን መልኣኽን ናይ ህዝቢ ትግርኛ ኤርትራ እዩ። ምኽንያቱ ንሱ ንዓይ ይጥዓመኒ ዘይብል፡ ተባዕ፡ እዙዝ፡ እሙንን ተወዳድርን ናይ ህዝቢ ኣገልጋሊ ስለዝነበረ።

ከም ኩሉ ኣኽራሪ ኣረምን ሕሉፍ ጸጋማውን ኢሰያስ ኣፍወርቂ ሕሉፍ ኣህጉራዊ፡ ዓለምለኻውን ሕብረ ባህላውን እዩ። ንሱ ጸላኢ ትግራይ/ትግርኛ ሃገራውነት፡ ሃይማኖት፡ ከባብያዊ ሓርበኛነትን ባህሊ ትግራይ/ትግርኛን እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበሮም ኤርትራውያን እስላም፡ ቀቢላዉን ዓለማውን ተቓወምቲ ጉጀለታት ከኣ “ኢሰያስ ኣፍወርቂ ንኤርትራ ሲኦል ዝቐየራ፡ ብትውልዲ ካብ ተንቤን ስለዝኾነ እዩ” ክብሉ ይኸስዎ። ኣብ ዓዱ ብምትኳር ከኣ ኣብ መንጎ ህዝቢ ግእዝ ምፍልላይ ክፈጥሩ ህርድግ ይብሉ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ ናጽነት ስለ ዝመጸት ኣዝዩ ዝተፈቕረን ዝተኸበረን መራሒ እዩ። ህዝብና ክጸልኦን ክንዕቖን ዝጀመረ ካብ 1998 ጀሚሩ ናይ ማሕበራዊ ምህንድስና ምንቕስቓስ ምስ ጀመረ እዩ።  ዓዱ ኣበይ ምዃኑ ኣይኮነን እቲ ዝዓበየ ጉዳይ።

ኣቦ የማነ ኪዳነ(ጃማይካ)ን ኣደ ኢሰያስ ኣፍወርቅን የሕዋት ካብ ዓድዋ እዮም። ኣደ ጃማይካ ዓዳ ኣብ ኤርትራ እዩ። ኣባሓጎ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ኣብርሃም ካብ ተንቤን ኮይኑ ናይ ቀረባ ዘመድ ኣሉላ ኣባነጋ እዩ። ገለ ካብ መስረትቲ ህወሓት ገዳይም ተጋደልቲ ህግሓኤ  እዮም ነይሮም። ጃማይካ’ውን ሓደ ካብኦም ኮይኑ ብድፍኢት ኢሰያስ ንሱን ካልኦትን ናብ ትግራይ ከይዶም ብረታዊ ቃልሲ ክጅምሩ ተገይሩ ምኽንያቱ ኢሰያስ ንርእሱ ካብ ጃማይካ ንላዕሊ ኤርትራዊ እየ ኢለ ስለዝሓስብ ዝነበረ።

ሕሉፍ ዓለምለኻዊ፡ ኣህጉራውን ሕብረ ባህላውን ህግደፍ ሓሙሽተ ቀንዲ ስነ ሓስብ ዝቕልሱን ፖሊሲታት ዝሕንጽጹን ኣባላት ኣለዉዎ። ንሳቶም ከኣ ኢሰያስ ኣፍወርቂ፡ የማነ ገብረመስቀል(ቻርሊ)፡ የማነ ገብርኣብ(ማንኪ)፡ ሓጎስ ገብሪሂወት(ክሻ) ን ዘምህረት ዮውሃንስን እዮም። ኢሰያስ፡ ቻርሊን ኪሻን ብኣቦን ኣደን ከምኡ’ውን ማንኪ ብኣደ ካብ ትግራይ እዮም። ዘምህረት ዮውሃንስ ጥራይ እዩ ብኣቦን ብኣደን ኤርትራዊ።

ኮሎኔል በላይ ነጋ(ሓዉ ንስብሓት ነጋ) ሓደ ካብቶም ኣብ ብረታዊ ገድልና ከም ጅግና ዝግለጽን ኣብ ገለ ዝሑፋት ንረኽቦን እዩ። ኣብ ደርግ ሓላፊ ኮይኑ እንዳ ሰርሐ ብውሽጢ ከኣ ከም ናይ ህግሓኤ ላዕለዋይ ናይ ከተማ ሓፋሽ ውዱብ ኮይኑ የገልግል ነይሩ። ብጅግንነትን ትብዓትን ናይ በላይ ነጋ ናይ ብዙሓት ተጋደልቲ ህይወት ክድሕንን ዓበይቲ ስትራተጂካውያን ውግኣት ክንዕወትን ክኢልና ኢና። ህግሓኤ 100% ብባህልን ፖለቲካን ናይ ግእዝ/ትግርኛ ውዱብ እዩ ነይሩ። ህግሓኤ ንውሁዳን ብሔራት ከም መምከኺ ዕትሮ እዩ ነይሩ። ካብ ትግረ፡ ዓፋር፡ ቢለን ወዘተ ናብ ህግሓኤ ዝተሓወሰ ተጋዳላይ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ናብ ግእዝ/ትግርኛ ባህልን ክብርታትን ርዒሙን ተሓዊሱን ንጹር ትግርኛ ክዛረብ፡ ክቃለስ፡ ክስዕስዕ፡ ክዛረብ፡ ኣደብ ክገብር፡ ክዋሳእ ወዘተ ልክዕ ከም ናይ ትግርኛ ተጋደልቲ ይጅምር። 99% ካብ ስዉኣትና ካብ ትግርኛ ብዙሓት ካብኣቶም ከኣ ካብ ትግራይ እዮም። ነዚ ቑጽሪ ኣብ ኤርትራ ዝተሰወኡ ተጋሩ እንተድኣ ሓዊስካሉ ልዕሊ ርብዒ ካብ ስውኣትና ካብ ኣብ ትግራይ( ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ዝተሰውኡ ተጋደልቲ ህወሓት ክሳብ ሕጂ ተፈላጥነት ኣይረኸቡን ዘለዉ) ዝርከባ ዓድታት ግእዝ ዝመጹ እዮም። ካብ ዓድታት ትግራይ መጺኦም ዝተሰውኡ ተጋደልቲ ልዕሊ 40 ዕጽፊ ናይ ውሁዳን ኤርትራውያን እስላም እዮም።

ዓሚቕ ሰረት ዘለዎ ናይ ትግራይ/ትግርኛ ሃገራውነት ኣብ ኤርትራ ኣሎ። ህግሓኤ ንናይ ትግራይ ሃገራውነት ኣብ ምስያምን  ሕላገቱ ኣጥፊእካ ናብ ናይ ኤርትራ ሃገራውነት ኣብ ምቕያሩን ተዓዊቱ እዩ። እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ትግራይ ሃገራውነት ብሃጸይ ዮሃንስ IV ዝተቐርጸ እዩ። ብሰንኪ ኣብ ትሕቲ ሚኒሊክ II፡ ሃይለ ስላሴን ደርግን ብኣምሓራን ብኸፊሉ ኸኣ ህወሓት ዝተፈጸመ ምጽናት ባህሊ፡ ናይ ግዜ ሃጸይ ዮሃንስ IV ሃገራውነት ትግራይ ኣብ ናይ ሎሚ ትግራይ ብፍላይ ከኣ ኣብ መራሕቲ ኣይርከብን እዩ። ናይ ትግራይ/ትግርኛ ሃገራውነት ኣብ ኤርትራ ክርድኣካ ተደሊኻ ኣብ ሃገራውነት ሃጸይ ዮሃንስ IV ንጉሰ ነገስት ጽዮን ዕሙቕ ዝበለ መጽናዕቲ ብምግባር ምስ ናይ ትግራይ/ትግርኛ ሃገራውነት ኣብ ኤርትራ ኣወዳድሮ። ናይ ትግራይ/ትግርኛ ሃገራዊ ኣብ ኤርትራ ክትከውን እንተድኣ ደሊኻ ናይ ሃጸይ ዮሃንስ IV ሃገራውነት ወይ ከኣ ናይ ትግራይ መንነት፡ ታሪኽ፡ ክብርታት፡ ባህልን ልምድታትን ብኹርዓት ክትላበስ ይግብኣካ። 

ዝኾነ ትግራዋይ ኣንተድኣ ድሌት ሃልይዎ ዜጋ ናይ ሃገረ ኣግኣዝያን ብቐጥታ ክረክብን እንተድልዩ ናይ ግእዝ መንነቱ ከሐይልን ኣብ ባህሊ ግእዝ ክነብርን መሰል ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ምድሩ ስለዝኾነት።

ዝኾነ ትግራዋይ ካብ ዝኾነ ከባቢ ናይ ትግራይ እንተድኣ ከም ናይ ሃጸይ ዮውሃንስ፡ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ትኩእ ይሕደጎን በላይ ነጋን ጠባይ፡ ስሚዒትን ተግባርን ሃልይዎ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ክብረትን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግርኛ ኤርትራ ክመርሕ ስልጣን ይህልዎ። ዝኾነ ትግራዋይ ተኣማንነት ናይ ህዝቢ እንተድኣ ረኺቡ ፕረዚደንት ናይ ኤርትራ ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ጻንሖትና ኣብ ኤርትራ ተወሊሶም ዝዓበዩ ተጋሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ልዕሊ ዝተወልድሉ ቦታ ናይቲ ከባቢ ባህሊን ህዝብን ከም ኣስመራ፡ ምጽዋዕ፡ የማነ ባርያ፡ ኣብርሃም ኣፍወርቂ፡ ወዲ ትኹል ወዘተ ዘለዎም ፍቕርን ናፍቖትን ብጣዕሚ ኣገሪሙናን ኣደኒቑናን።

ካልእ ኣብ ገድሊ ኣብ ጎኒ ናይ ህግሓኤ ብጾቶም ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ውግኣት ኣንጻር ደርግን ተሓኤ ኣብ ናቕፋ፡ ሓልሓል፡ ሽረ፡ ራማ፡ ገርሁ ስርናይ ወዘተ ዝተሳተፉ ተጋደልቲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ናይ ህግሓኤ መዛኦም ዘለዎም ኣድናቖት ብጣዕሚ ዘገርም እዩ። እቲ ዘገርም ናይ ህወሓት ፕሮፓጋንዳን ካድራቱን ኣብ ልዕሊ ባህርያትን ቅንዕናን ህዝቢ ትግርኛ ኤርትራን ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን(ህሰሓኤ) ብጣዕሚ ሕማቕ ኣንዳተዛረቡ ከምዚ ዓይነት ኣድናቖት ክሕዙ ምኽኣሎም እዩ። ስየ ኣብርሃን ሰዓብቱን ኣብ ልዕሊ ትግርኛ ኤርትራን ህግሓኤን ጽልኢ ብምዝራእ ሓድሽ ናይ ትግራይ ሃገራውነት ክፈጥሩ ይፍትኑ ኣለዉ።

ክሳብ ሕጂ ፍቕሪ ቅድድም ብሽክለታ ዘይወጻሎም፡ ከም ኣዝማሪኖታት ልዕሊ መግቢ ኣልኮል ዘቐድሙን ብጓይላ ጽሉላትን ምዃኖም ይገርመካ። ክሳብ ሕጂ ናብ ብሓቂ ኣዝማሪኖታት እዮም። ናብ ኣስመራ፡ ምጽዋዕ፡ ዓሰብ፡ ተሰነይ፡ ከረን፡ ባረንቱ፡ ዙላ፡ መንደፈራ፡ቃሩራ ተመሊሶም ብሰላም ብልጽግናን ክነብሩ ይብህጉ። ምኽንያቱ እቲ መሬት መሬቶም እቲ ባሕሪ ከኣ ባሕሮምን ንሳቶም ከኣ ካባኡ ስለዝኾኑን። ናብ ጥንታዊ መሬት ኣቦታቶም ንኽምለሱ ኸኣ ናይ ዝኾነ ፍቓድ ኣየድልዮምን እዩ። ፍቓድን ድሌትን ኣለዎም ናብታ ናይ ተስፋ ምድሪ መሪሑ ክመልሶም ዝኽእል መሪሕነት ግን ኣይረኸቡን። ታሪኽ ከም ወለዶ እያሱ ድሕሪ ናይ ሙሴ ወለዶ ምሕላፉ ንእስራኤላውያን ናብታ ናይ ተስፋ ምድሪ ዝመርሖም ክንከውን ይሓተና ኣሎ።ህወሓትን ህግሓኤን ናይ ኣግእዞ ወይ ናይ ሙሴ ወለዶ እዮም። ንሕና ካብ ጎደሎታቶም ብምምሃርን ብዓወታቶም ጅግንነታቶም እንነቓቓሕ ነቲ ዝተረፈ እንምልእ ናይ እያሱ ወለዶ ኢና። ንሕና ብዛዕባ ሓደስቲ ዕላማታትን ስትራተጂታትን ክንዛረብ ዝኸኣልና ብመስዋእቲ መስረትቲ ወለዶ ህወሓትን ህግሓኤን ኢና።

ልዕሊ ኩሉ ዘገረመና ነገር እንተድኣ ነይሩ ግን ህዝቢ ትግራይን ባህሉን ኣንጻር ኩሉ ብድሆታት ልክዕ ከም ናይ ኣግኣዝያን መራሕቲ ከፍሪ ምኽኣሉ እዩ። ትግራዋይ ምዃን ብሓቂ በረኸት እዩ።