tigray-economy2

ቁጠባ ትግራይ Tigray Economy

ካልኣይ ገጽ መደብ ምዕባለን ህዳሰን(GTP II) ህወሓት/ኢሂወደግ ምህናጽ ዓበይቲ ኢንዱስትራውያን ዞናት ኣብተን ናብ ወደብ ጂቡቲ ቀረባ ዝኾና ከተማታት ማለት ድሬዳዋ፡ ኣዳማ፡ኣዋሳን ኮምቦልቻን እዩ። እቲ ሓቂ ግን ከተማታት ዓዲ ግራት፡ ኣክሱም፡ ሽረ፡ ዓድዋ፡ ውቅሮ ወዘተ ካብ ድሬዳዋ፡ ኣዳማ፡ኣዋሳን ኮምቦልቻን ወይ ካብ ካልእ ናይ ኢትዮጵያ ከተማታት እተን ናብ ወደብ ኣዝየን ዝቐረባ እየን። ብዘለዋ ቅርበት ናብ ወደባትን ምቹእ ኩነታት ኣየርን ትግራይ ማእከልን መትንን ቁጠባዊ ምንቕስቃስ ኢትዮጵያ ኢያ።

ከተማታት ትግራይ ኮነ ኢልካ ብህግደፍ ካብ ወደባት ከም ዝርሕቓ ተገይሩ። ምኽንያት ናይዚ ከኣ ቀንዲ ደጀን ናይ ህወሓት ስለ ዝኾና ብቁጠባ ከም ዘይሰራን ዘይተወዳደርትን ንምግባረን እዩ። ንትግራይን ከተማታታን ብቁጠባ ብምድኻም ንህወሓት/ኢህወደግ በብቕሩብ ምቕታል እዩ።

ንህግደፍ ካብ ስልጣን ኣሊኻ ንትግራይን ከተማታታን ናብ ኣፍደገ ባሕሪ መሊስካ ማእከልን መትንን ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ምግባር ቐንዲ ኣጀንዳ ህወሓት/ኢሂወደግ ንትግራይን ከተማታታን ካብ ካልኣይ ገጽ ምዕባለን ህዳሰን(GTPII) ኣውጺእወን ይርከብ። ንኢትዮጵያ ኣብ 2025 ናብ ማእከላይ ቁጠባ ዘለዋ ሃገር ናይ ምቕያራ ኣብ ዝሓንጸጾ መደብ ንትግራይ ኣዋሲንዋ ይርከብ። ትግራይ ተዋሲናን ቀዋሚት መዓስከር ናይ ህወሓት/ኢህወደግ ሕብረ- ሃገራዊ ሰራዊት ኮይና ትርከብ። እዚ ሰራዊት ንናይ ትግራይ መንነት ደምሲስዎ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ምስፍሕፋሕ ተማሓላለፍቲ ሕማማት ከም ኤይድስ ዓቢ ተራ ይጻወት ከምዘሎ ዝረጋግጹ ማእለያ ዘይብሎም ጭብጥታት ኣለው።ትግርያን ከተማታታን ኣዝየ

ን ርሑቓትን ጥቓ ግንባራት ዝርከባን ዘይተወዳደርቲ ኮይነን ይርከባ። ናይ ኢትዮጵያ በዓል መዚ ምምዕባል ኢንዱስትራያዊ ዞናት ኣብ መቐለ ሓደ ኢንዱስትራያዊ ዞን ናይ ምህናጽ መደብ ኣውጺኡ እኳ እንተሃልወ ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ምድሪ ዝተገብረ ነገር የለን ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ርሕቐት ካብ ወደብ ጁቡቲን ዘይተወዳድሪትን ኣብ ቅድመ ግንባር እትርከብ ከተማ ስለዝኾነት እዩ።

ቁጠባ ትግራይ ካብ ዝጥፍሽ ነዊሕ ገይሩ እዩ። ብዘይ ድጎማ ክትሰርር እትኽእል ውልቃዊት ወይ EFFORT እትውነን ትካል የላን።ኣብ ትግራይ ዕድላት ሽቕለት የለን። ህወሓት ንክኢላዊ ዓቅሚ ትግራይ ናብ ስርሓት ማእከላይ መንግስቲ ኣግዒዝዎ እዩ። መንእሰያት ትግራይ ብብዝሒ ናብ ስደት ይውሕዙ ኣለዉ። 75% ባጀት ዞባዊ መንግስቲ ትግራይ ሓገዝ ከም ድጎማ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝርከብ እዩ።

ነተን ልቡን ስንብኡን ዝኾና ትግራይን ከተማታታን ብምርሳዕን ብምንጻግን ህወሓት ቀስ ኢሉ ርእሰ ቅትለት ይፍጽም ኣሎ። ህወሓት ብዘይ ህዝቢ ትግራይ፡ ቁጠባ ትግራይ ከኣ ብዘይ ውደብ ምጽዋዕ ህይወት የብሎምን።

siye