
እስራኤል Isreal
ጃፓን ንምዕራብ ስለ ዝተከፍተት እያ ኢንዱስትራዊት ክትከውን በቒዓ። ደቡብ ኮርያ፡ ሲንጋፖር፡ ታይዋንን ሆንግ ኮንግን ከኣ ብተመሳሳሊ ንጃፓን ክፉታት ስለዝኾና ናብ ኢንዱስትሪያውነት ተሰጋጊረን። ቻይና ከኣ ንጃፓን፡ ደቡብ ኮርያ፡ ታይዋን፡ ሲንጋፖርን ሆንግ ኮንግን ነብሳ ስለ ዝኸፈተት ኢንዱስትራያዊት ክትከውን በቒዓ።
ብብዙሕ መዳያት ወፍሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኾነት ሃገርን ኣውፋርን ከምኡ’ውን ኩሉ ዲፕሎማስያዊ ዘመትኡ ኣውፈርቲ ንምስሓብ እዩ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ መሰረታዊ ለውጢ ከምጽኡ ዝኽእሉ ኣውፍርቲ ኣብ ምስሓብ ግን ኣይተዓወተትን፡ እቲ ምኽንያት ከኣ
ሀ. ንኢትዮጵያ ዝኸውን ናይ ጃፓን ባእታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ የለን
ለ. ዘይምህላው ሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማ፡ ክብርታት ስርዓትን ባህልን ርሑቕ ምብራቅ ኣብ ኢትዮጵያ
ሐ. ዝበዝሕ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ወደባት ገምገም ባሕሪ ኣዝዩ ርሒቑ ስለዝርከብ። ምዕባለ ቻይና ንኣማኢት ሚሊዮናት ቻይናውያን ናብ ምብራቓዊ ገማግም ብምግዕዓዝ እዩ ክረጋገጽ ክኢሉ። ካብ ናይ ባሕሪ ወደባት ወይ ዓበይቲ ኣፍላጋት ወደባት ልዕሊ 300 ኪ.ሜ ሪሒቓ ትርከብ ኢንዱስትርያዊት ከተማ ኣብ ዓለም የላን።
ኣብ ኤርትራን ትግራይን ምስ ሃገራት ርሑቕ ምብራቕ ተመሳሳሊ ሃገራዊ ዕላማ፡ ክብርታት ስርዓትን ባህልን ኣሎ። መብዛሕትአን ከተማታት ትግራይ ካብ ወደብ ምጽዋዕ ኣስታት 150 ማይልስ ወይ ብናይ ቀደም ባቡር 3.5 ሰዓታት ጥራይ ርሒቐን ይርከባ።
እስራኤል ንኤርትራን ትግራይን ከም ባእታ ጃፓን ክተክውን ትኽእል እያ። ንጃፓን ቴክኖሎጂ፡ ስነፍልጠትን ዘመናዊ ምሕደራን ኣተገባብርኡን ናብ ጎረባብታ ከተምሓላልፍ ዝገደዳ ነገር እንተድኣ ኣሎ ምህላው ሓባራዊ መኽሰብን ረብሓታትን እዩ። ንእስራኤል ኣብ ዓለም ብቐዳማይ ደርጃ ዝስራዕ ቴክኖሎጂኣ፡ ስነፍልጠትን ዘመናዊ ምሕደራን ኣተገባብርኡን ናብ ክልኦት ከተመሓላልፍ ዝገብራ ነገር ግን ቀጻልነት ህላወ እታ ሃገር ኣብ ጸጥታ፡ ቁጠባዊ ገስጋስን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስትራተጂካውያን መላፍንቲ ምፍጣርን እዩ።
ሃገር ግእዝ ኣብዞም ጉዳያት ንእስራኤል ብዙሕ ተበርክቶ ነገር ኣሎ። ብዘለና ኣቀማምጣ ኣብ ወተሃደራውን ስለያውን ጉዳይት ምስ ምህላው ሕሱር ዓቕሚ ሰብ፡ ሕሱር ጥረ ነገር፡ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣን ኣስራኤል ብዙሕ ክትረብሕ ትኽእል። እዚ ምስ ናይ እስራኤል ቀዳማይ ደረጃ ቴክኖሎጂ፡ ስነፍልጠት፡ ዘመናዊ ምሕደራን ኣተገባብርኡን፡ ክእለት ዕዳጋን ምዝርጋሕን፡ ኣተሓሕዛ ዓማዊልን ትምህርቲ ዝጸገበ ዓቕሚ ሰብን ኣብ ኤርትራ፡ ትግራይን እስራኤልን ተኣምራታዊ ቁጠባዊ ምዕባለ ከነመዝግብ ንኽእል።
ኣብ ኣህጉራዊ ጉዳያት ንእስራኤል ፖሎቲካውን ዲፕሎማስያውን ደገፍ ክንህብ ንኽእል። ምኽንያቱ ከም እስራኤል ሃገር ህዝቢ ግእዝ ኦሪታዊ መቦቆል ስለዘለናን ኣብ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ይኹን መጋባእያ እስላም ኣባልነት ስለዘይብልናን ዓረብን እስላምን ስለዘይኮንና። ብዘይ እስራኤል ኤርትራ ንቀጻሊ ተነጽሎ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ክትቃላዕ እያ። ብዘይካ ኣምሓራን ትግራይን ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብእስላም ዝተዓብለላ እየን። ምምስራት ሃገረ እስራኤል ውህበት ኣምላኽ ንህዝቢ ግእዝ እዩ።
ነጻ ናይ ምንቅስቓስ፡ ምንባርን ስራሕን ቪዛ ንእስራኤላውያን ብምፍቃድ ንምትሕልላፍ ቴክኖሎጂ፡ ስነፍልጠትን ዘመናዊ ምሕዳራን ኣተገባብርኡን ደገ ክንከፍት ንኽእል። ዓቢ ትሕተ ማያዊ መርበብ ፋይበር ጸግሕታት ካብ ነፍስ ወክፍ ክፋል እስራኤል ናብ ኤርትራ ብምዝርጋሕ ኣዝዩ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምትእትታው፡ ሕሱር ናይ ኣየር መጉዓዝያ ካብን ናብን ክፋላት እስራኤልን ኤርትራን ምጅማር፡ ኣብ መንጎ ወደባት እስራኤልን ኤርትራን ሕሱር ናይ ጽዕነት መጉዓዝያ ባሕሪ ብምኽፋት፡ ስትራተጂካዊ ዝምድናና ነቲ ናይ ትሑት ቴክኖሎጂ ቁጠባ ኤርትራ ናብ ናይ ዓለም ቀዳማይ ደረጃ ቴክኖሎጂን ናይ ምሕደራ፡ ዕዳጋን ክእለትን ከቃልዖን ንእስራኤላውያን ልዑል ቴክኖሎጂ ወነንቲ ከኣ ኣብ ኣዝዩ ትሑት ደሞዝ ኣብ ውሽጢ ናይ ክልተ ሰዓት ናይ ነፋሪት ግዕዞ ክረኽቡ የኽእሎም።
ኤርትራ ቅድሚ ጥልያን ዝነበረ ጥንታዊ ምምሕዳር ብምሕዳስ ከም ጉጅለ፡ 80 ውሽጠ ዓዳዊ ምምሕዳራትን ኣርባዕተ ዞባዊ መንግስታትን ክትተክል ትኽእል። ኩለን ውሽጣዊ ምምሕዳራት ከኣ ናተን ኢንዱስትርያዊ ዞን ምስ መደቀሲ ናይ ስራሕ ስደተኛታት ይህልዋ።
ድምር ውጽኢት ምህላው ውሽጣዊ ምርግጋእ፡ ቅንዕና፡ ልዑል ቴክኖሎጂ፡ ሕሱር ጉልበት፡ ሕሱር ጥረ ነገራት፡ ስትራተጂካዊ ኣቃውማን ተወዳዳሪ ናይ ምሕደራን ዕዳጋን ክእለት ኣብ ሓጺር ግዜ ካብ ናይ ቻይናን ኤስያን ፍርያትን ሕሱራት ሃለኽትን ኢንዱስትራውን ፍርያት ካብ ናይ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ዝበለጸ ፍርያትን ብምፍራይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝሓየለ ቁጠባ ክንሃንጽ ንኽእል። ልዑል ቴክኖሎጂ ሕሱር ሽቕለት ኣብ ፍርያትን መጽናዕትን፡ ምዕባለን ፈጠራን ዝተሰረት ቁጠባ ንእስራኤልን ኤርትራን ንነዊሕ ግዜ ንማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብቑጠባ ክዕብልልኦ ከኽእለን እዩ። እስራኤል ዝተራቃቐ ናይ ልዑል ቴክኖሎጂ ኢስዱስትሪያዊ ፍርያት፡ ንድፍታትን መጽናዕትን ብምፍራይ ጃምላ ሃገራዊ እቶታ ኣብ ውሽጢ 15 ዓመት ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከተዕብዮ ክትክእል ከላ፡ ሃገረ ህዝቢ ግእዝ ንትሑት ቴክኖሎጂ ፍርያት፡ ከቢድ ኢንዱስትሪ፡ ናይ ምግጥጣም ትካላትን ናይ ምዝርጋሕ ማእከላትን ብምውዳድ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ስፊሕን ሓያልን ቑጠባ ክሃንጽ ይኽእል። ብሓጺሩ ከም ቑጠባታት ቻይናን ጀርመንን ወይ ቻይና ጃፓን ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ትካላት ጀርማንን ጃፓንን ንቻይናውያን ትካላት ልዕል ቴክኖሎጂ፡ ዝተራቐቐ መሳሪሕታትን ማሺናትን ይቕርባለን ነይረን።