
ፖለቲካዊ ቁጠባ Political Economy
ፖሎትካዊ ቁጠባ ወይ ሃገራዊ ቁጠባ ኣብ ኤርትራ ንመጽናዕቲ ፍርያምነትን ንግድን ዝምድንኦም ምስ ሕጊ፡ ግብሪን መንግስትን ከምኡ’ውን ምምቕራሕ ሃገራዊ ኣታውን ሃብትን እትገልጽ ሓሳብ እያ። መቦቖል ፖለቲካዊ ቁጠባ ናይ ሞራል ፍልስፍና እዩ። ኣብ መበል 18 ክ.ዘመን ከኣ ከም መጽናዕቲ ቁጠባ ሃገራት ፖለቲካ ማዕቢሉ። ፖለቲካዊ ቁጠባ ዝብል ስም ከኣ ካብዚ ዝማዕበለ እዩ።ኣብ ኦኣለም ብፈደራላዊ መንግስታዊ ስርዓት ዝመሓደራ 26 ሃገራት ኣለዋ። ማእከላይ መንግስቲ ገለ ካብ ስልጣኑ ንዞባዊ ስልጣናት ዝሃበን ኣስታት 11 ዞባውያን ሓደኣውያን ሃገራት ኣለዋ። ፈዳራላዊ መንግስቲ ምስተን ሓውሲ ነጻ ዞባውያን መንግስታት ስልጣን ይማቐል።
ዕዉት ፈደረሽን ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበረ ቁጠባዊ ድሕረ ባይታን ረብሓታትን ከምኡ ከኣ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ቋንቋታትን ከም ናይ ኣመሪካን ስዊዘርላንድን እዩ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኣመሪካ ብ52 ግዝኣታት ወይ ስዊዘርላንድ ከኣ 26 ወረዳታት ዝቖመ እዩ። ኩለን ናይ ሕ.መ.ኣመሪካ ግዝኣታት ወይ ከኣ ናይ ስዊዘርላንድ ወረዳታት ውሱን ልኡላውነት፡ ዝተፈላለየ ቁጠባ፡ ሕጊ፡ ስርዓተ ግብሪ፡ ካሪክለም፡ ክብርታት ስርዓት፡ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ወዘተ ኣለወን። ልዕሊ ኩሉ ናይ ኣገልግሎት ምሃብ፡ ዕድላት ምፍጣርን ንነባሮ ምክልኻልን ርብሓታቶም ኣብ ፈደራላዊን ዓለምለኻዊ መድረኽን ብምኽንያት ውሱን ልኡላውነትን ካልእ ዘለዎም ናጽነትን ይውንኑ።
ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ግን ብኣንጻሩ እዩ። ፈደራላዊ መንግስቲ ብሰውራ ዲሞክራሲ፡ ምዕባለ ሃገርን ንጽሑፍ ፈደራላዊ ቅዋም ብምንጻግ ሓደ ፖለቲካዊ ቁጠባ ብምፍጣርን ንዑ ዝመስላ ክልላት ክፈጥር ፈቲኑ። እዚ ፈደረሽን ኣይኮነን። እዚ ዶቡ ዝሰሓተ ምምእኻል እዩ። ብሓጺሩ መቐጸልታ ናይ ሓደ ቋንቋ ሓደ ሃይማኖት ናይ ኣምሓራ መደብ እዩ። ወይ ከኣ ናይ ህግደፍ ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ ፍልስፍና እዩ።
ህግደፍ ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ቁጠባ ወይ ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ቁጠባ ክፈጥር ዝፍትን ቅድሚ ፖለቲካዊ ቁጠባ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ክትምስርት ሰለዘይከኣል እዩ። ህወሓት ንምንታይ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ቁጠባ ክምስርት ይፍትን ኣሎ ግን ብግልጺ ዝፍለጥ ወይ ኣዕጋቢ ምኽንያት የለን።
ስትራተጂ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ሃብቲ ትግርኛ ናብ ቀቢላታትን እንዳታትን እስላም እንዳኣስገርካ ብቁጠባን ማሕበራውን መዳያት ማዕረ ትግርኛ ዘግብሮም ፖለቲካዊ ቁጠባ ምህናጽ እዩ።
ህወሓት ከመይ ገይሩ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ቁጠባ ከም ዝሃንጽ ይገርም እዩ። ማሕበረ ቁጠባዊ መዳያት ክልላት ትግራይ-ዓፋር፡ ኣምሓራ-ቤንሻንጉል ወይ ኦሮሞ-ሶማሊ ወዘተ ከመይ ከምዝመዓራረ ሕቶ እዩ።
ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰለት ንኩሉ ዘካትትን ዝውክልን ፖለቲካዊ ቁጠባ ዝሃነጸት ሃገር ኣብ ዓለም የላን። ኢትዮጵያ ሃገር ብዙሓት ህዝብታት ኮይና ልዕሊ 75% ካብ ህዝባ ከኣ ቀቢላውን እንዳውን እዩ። ብዘለዋ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ባህሊ፡ ስልጣነን ኣቐማምጣን ኣብ ኢትዮጵያ ንኹሉ ዘካተተ ፖለቲካዊ ቁጠባ ብዝተማእከለ ምምቕራሕ ሃብቲ፡ ዝተማእከለ ናይ ስርዓተ ግብሪ ወይ ዝተማእከለ ናይ ቁጠባዊ ምዕባለ መደባት ክትፈጥር ዝከኣል ኣይኮነን።
ኢትዮጵያ ከም ስዊዘርላንድ ወይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሓባራዊ ገንዘብ፡ ሰራዊት፡ ወጻኢ ጉዳያት፡ ሓባራዊ ዕዳጋ ዘለዎ ዕዉት ዲሞክራስያዊ ኣብ ብዝሑነት ዝተሰረት ፈደረሽንን ሓባራዊ ዕዳጋን ክትፈጥር ትኽእል እያ። እዚ ንከም ኣምሓራን ኦሮሞን ዝኣመሰሉ ብዙሃን ንፖለቲካ እቲ ፈደራሽን፡ ንከም ትግራይ ዝኣመሰሉ ውሁዳን ከኣ ብናይ ገዛእ ርእሶም ቅልጣፈ ቑጠብኦም ብምውንጫፍ ንቁጠባ ፈደረሽን ክዕብልላ፡ ንእንዳታት ከም ሶማሊ፡ ጋምቤላ ወዘተ ከኣ መንነቶም፡ ኣነባብርኦምን ጸጋታቶምን ክከላኸሉ ይኽእሎም።
ኣብ ልዕሊ ቻይናውያን ማሌዥያ ብከቱዋናን ማላዩ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ኣድልዎ ሕግን ፖሊሲን ኣሎ። ከቱዋናን ማላዩ ን”ዕብለላ ማላይ” ፖለቲካዊ ጽንሰ ሓሳብ ኮይኑ ኣብ ልዕልና ማላይ ኣብ ናይ ሎሚ ማለዥያ ዝጸቕጥ እዩ። ማላይ ፍሉይ ቦታን መሬት ናይ ምውናን ፍሉይ ሓለፋን ኣለዎም፡ ምኽንያቱ ማለዥያ ኣብ ጥርኑፍ ምሕደርኦም ስለ እትህሉ። ኣብ ኢንዶነዥያ እዉን ንውህዱን ቻይናውያን ኣድልዎ ዝግበር ሕግታት ኣሎ። ሓደ ቻይናዊ ሚኒስተር ኣብ ማለዥያ ወይ ኢንዶነዥያ ኣይንረክብን ኢና።
ኣብ ማለዥያ ውሁዳን ቻይናውያን ንሓደ ስልሲት እቲ ህዝቢ ከቑሙ ከለዉ፡ ንኣስታት 70% ናይ ዕዳጋ ርእሰማል እታ ሃገር ግን ተቖጻጺሮም ይርከቡ። ኣብታ ኣንጻር ቻይናውያን ደማዊ ናዕብታት ዘአንገደት ኢንዶነዥያ እውን 3% ቻይናውያን ንእስታት 70% ብሕታዊ ቁጠባ ይቖጻጸሩ። ብዙሕ ተመሳሳሊ ኣብነታት ከም ኣብ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሩስያ ወዘተ ቁጠባ ብውሁዳን ኣይሁድ ተዓብሊሉ ይርከብ። ኣብ ከንያ ቁጠባ ብውሁዳን ሂንዱን ኢንግሊዛውያንን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ጃማይካን ውሁዳን ኢንግሊዛውያን ተዓብሊሉ ይርከብ።
ውሁዳን ኣይሁድ ብዘይ ደገፍ እስራኤልን ካልኦት ናይ ኣይሁድ ትካላትን ንቁጠባታት ሕ.መ.ኣመሪካ፡ ዓባይ ብርጣንያን ሩስያን ኣይምተቖጻጸርዎን። ቻይናውያን፡ ሂንዱን ኢንግሊሽን ከኣ ብተመሳሳሊ ብዘይ ደገፍ ሃገራቶም ኣይምበጽሕዎን። ሆሎካስት ምጽናት ኣይሁድ ኣብ ጀርመን ከጋጥም ዝኸኣለ ኣይሁዳዊት ሃገረ እስራኤል ስለዘይተመስረተት እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ናይ ኢትዮጵያ ቁጠባ ብተጋሩ ክበሓት ጀሚሩ ኣሎ። ብዙሕ ሰብ ምኽንያት ናይዚ ተጋሩ ካብ ምስ ህወሓት ዘለዎም ምትእስሳር ዝተላዕለ ዝረኽብዎ ፖለቲካዊ ሓለፋታት እዩ ይብሉ። እንተኾነ ኣምሓራ፡ ኦሮሞ፡ ሲዳማ፡ ወላይታውያን ኣውፈርቲ ፍሉይ ርክብን ሓለፋታትን ካብ OPDO, ANDM and SEPDM ኣለዎም።
ክሳብ ካብ 1998-2000 ዓ.ም ተሰጊጎም ዝመጽኡ፡ ምስዚ ኩሉ ካብ ሃይለ ስላሴ፡ ደርግን ህወሓት/ኢህወደግን ዝገጥሞም ዝነበረ ተጻብኦታትን ብቑጽሪ ዉሑዳት ምዃኖምን ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ዓቢ ጽልዋ እዩ ነይርዎም። ከም ቻይናውያን ነጋዶ ኣብ ማለዥያን ኢንዶነዥያን ሰብ ዋኒን ኤርትራውያን ትግርኛ ዝኾነ ዘከልኻለሎም ወይ ዝጣበቐሎም ሃገራዊ መንግስቲ ክየሃለወ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ኣፍሪቃ ልዕሊ እቶም ፉሉይ ፖለቲካዊ ሓለፋ፡ ርክብ፡ ናይ ባንክ ለቓሕ ዝረኽቡ ደቀባት ክዕንብቡን ክዕብልሉን ክኢሎም እዮም። እዞም ንቁጠባ ኢትዮጵያ ተቖጻጺሮም ዘለዉ ተጋሩን ንኣፍሪቃ ዓብሊሎም ዘለውን ኤርትራውያን ትግርኛን ሓደ መንነት፡ ታሪኽ፡ ባህልን ክብርታትን ዘለዎም እዮም።
ግደ ሓቂ ዲሞክራስያዊ ኮንፈደረሽን ወይ ፈደሬሽን ትግራይ ብምኽንያት ብዝሒ ህዝቢ ካቢኔ፡ ሓደ ናይ ኣምበሳደር ቦታን 6% ፈደራላዊ ሰራዊትን ሲቪላዊ ኣገልግሎትን ክህልዋ እዩ ዝግባእ።
ተጋሩ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ 0% ንኢትዮጵያ ናይ ምዕብላል ተኽእሎ ክህልዎም ከሎ፡ ኣብ መዳይ ቁጠባ ግን ብሕጋውን ሞራላውን ቅኑዕ ኣገባብ 90% ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ዲሞክራስያዊት ፈደራላዊ ወይ ኮንፈደረሽን ክዕብልሉ ይኽእሉ።
ናይ ትግራይ ሓለፋ ልዕሊ እተን ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ መንነት፡ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ክብርታትን ኣቐማምጣን እዩ።ከም ትግራይ ዝበለ ሓደ ህዝቢ ወይ ሃገር ኣብ ሃገራዊ፡ ዞባውን ከባብያውን ደረጃታት ክትውደቦ ወይ ከተጣይሶ ኣይከኣልን እዩ። ታሪኽ ከም ዘረጋገጾ ብዘይካ ትግራይን ንኤርትራውያን ትግርኛ ዘጠቓለለ ማለት እዩ፡ ብቑዕን ጽፉፍን ትካላት ኣብ ሃገራዊ፡ ዞባውን ከባብያውን ደረጃታት ከቕውም ዝኽእል ህዝቢ ኣብ ኣፍሪቃ የለን። ንህዝብታት ኣምሓራ፡ ኦሮሞ ወዘተ ልዑል ድሲፒሊን ዝውንን ውጽኢታዊ ፖለቲካዊ ትካል ምስ ባህላዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ክፍልታት ዘለዎ ከም ህወሓት ክምስርቱ ኣይክእሉን እዮም። ህወሓት ውጽኢት ናይ ህዝቢ ትግራይ መንነት፡ ታሪኽ፡ ባህሊ፡ ክብርታትን ኣቀማምጣን እዩ።
ብመሰረት CIA መጠን ግብሪ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 25.9% ናይ ጃምላ ሃገራዊ እቶት፡ ናይጀርያ 4.1%፡ ግብጺ 22.9%፡ ሱዳን 8.8%፡ ኢትዮጵያ 15.5%፡ ኤርትራ 29.7%፡ ሽወደን 51.5%፡ ጀርመን 44.4% ናይ ጃምላ ሃገራዊ እቶተን ከም ዝሽፍን ኣብ 2014 ዝወጸ ጸብጻብ የመልክት።
ፖለቲካዊ ቁጠባ ልዕሊ ኩሉ ብዛዕባ ምምቕራሕ ሃብቲ እዩ። ምምቕራሕ ሃብቲ ከኣ ክእለት ምኽፋልን ምእካብን ግብሪ እዩ። ናይ CIA መጽናዕቲ ከም ዘነጽሮ ኤርትራ ብባህሊ ምኽፋል ግብሪን ምእካብ ግብርንካብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እያ እትስራዕ።
90-95% ከፍልቲ ግብሪ ኤርትራ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን እዮም። ትግርኛ እቲ እንኮ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ ናይ ምእካብ ግብሪ ስልጣነ ወይ ሃብቲ ናይ ምምቕራሕ ባህሊ ዘለዎ ብሔር ኣብ ኤርትራ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ንኣብ መተሕት ዝርከቡ ኤርትራውያን እስላም ግብሪ ክኸፍሉ ኣየገድድን እዩ። ኤርትራውያን ትግርኛ ካብ ብሕትውና መንግስቲ ብምኽንያት ክብርታቶምን ልምድታቶምን ብዙሕ ኣገልግሎታት ስለ ዝጽበዩ። ግብሪ እንተድኣ ዘይከፊሎም ዝኾነ ኣገልግሎት ኣይረኽቡን እዮም። ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ወይ ኣብ ደገ ዝነብሩ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ኣገልግሎት ከም መሬት ጤሳ ምኽንያቱ ከኣ ሰበኽ ሳግም ስለዝኾኑ ዓድታት የብሎምን፡ ሬሳ ናብ ዓዶም ኣይልእኹን፡ ንዕረፍቲ ናብ ሃገራት ዓረብ ይገሹን ኣብ ግብጺ፡ ሞሮኮ፡ ሱዳን ገዛውቲ ይገዝኡ ወዘተ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ትግርኛ ኤርትራን ኣመሪካን ጥራይ ካብ ዓለም ንመንግስቶም ግብሪ ዝኸፍሉ። ሃገራዊ፡ ተወዳዳሪ፡ ርትዓዊን ካብ ብልሽውና ናጻ ዝኾነን መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣታዊታት ግብሪ ናብ ደረጃ ጀርመን ወይ ሽወደን ክብ ከብሎ ይኽእል።
ኤርትራ ብምእካብን ምኽፋልን ግብሪ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ እንተድኣ ተሰሪዓ፡ ትግራይ ከኣ ብዘይ ምጥርጣር ካብ ኢትዮጵያ እታ እንኮ ሃገራዊ ቁጠባ ወይ ፖለቲካዊ ቁጠባ ዘለዋ ክልል እያ። ንትግራይ ዘድልያ ፖለቲካዊ ቁጠባኣ ርትዓውን ብቑዕን ብምህናጽ ክእለት፡ ንድሑር ኣብ ሕርሻ ዝተሞርኮሰ ቑጠብኣ ናብ ምምስራሕ፡ ብማሽን ዝተደገፈ ሕርሻን ናይ ኣገልግሎት ትካላትን። ፖለቲካዊ ቅሩብነትን ምፍጣር ብቕዓትን እንተድኣ ኣማዕቢሎም ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ቁጠባን ኢንዱስትሪን ብሓንሳብ ክሃንጻ ይኽእላ።
ከም ቀዳሞት ኣቦታቶም ተጋሩ ዓለምለኻዊ፡ ሃገራውን ፈደራላውን ኣዝዩ ተወዳዳሪ፡ ፡ ድልዱል፡ ኣድማዒን ሓያል ትካላትን ኣብ ትግራይ ከም መንግስቲ ኣብ ኩሉ ጽላታት ትካላት፡ ዩኒቨርሲታት፡ ናይ ምርምር ትካላት፡ ናይ ስፖርት ትካላት ብቐሊሉ እንተድኣ ናጽነትን ዕድላትን ተረኺቡ። ተጋሩ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝተራቐቐ ስርዓት፡ ስርዓተ ባንክ፡ ስርዓተ ሕጊ፡ ጥዕናን ትምህርትን ስርዓት ኣብ ትግራይ ብምህናጽ ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ዓብለልቲ ክኾኑ የኽእሎም። ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ተወዳዳርን ኣድማዕን ትካላት ወይ ስርዓት ንምህናጽ ዘኽእሎም ባህላዊ ብቕዓት ይብሎምን።
መስረትቲ ህወሓት ራእን ፖሊስን ከማዕብሉ ዘኽእሎምን ሓሳባቶም ብምፍታንን ምግጋይን ከተግብሩ ዘኽእሎም ታሪኽ ኣብ እንግድዕኦም ዘሸከሞም ሓላፍነትን ሓርነትን እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን መስረትቲ ህወሓት ሓብራዊ ሓላፍነት ብምኽሓድ፡ ንሓድሽ ወለዶ ትግራይ ኣብ ኩሉ ምምሕዳርን ጽላታትን ሓላፍነት ከይዋጽኡ ዓንቂጾሞም ይርከቡ።
ብዘይ ዓለምለኻዊ፡ ሃገራዊን ፈደራላውን ተወዳዳሪ፡ ድልዱል፡ ኣድማዒን ሓያልን ትካላትን ስርዓትን ኣብ ትግራይ፡ ሃብታማት ተጋሩ ከም ንሓደጋ ዝተቓልዑ እንስሳታትን ዘይተወዳደርትን ኮይኖም ንኣድልዎ፡ ምስኣን ውሕስነት፡ ዘይተረባሕቲ ወዘት ክኾኑ እዮም። ኤርትራውያን ትግርኛ ነጋዶ መኽሰባቶም ምስ ውሕስነት ክኾንዎም ዝኽእሉ ኣፍሪቃውያን ጀነራላት፡ ሚኒስተራትወዘተ ክማቐልዎ ይግደዱ። ምኽንያት ናይዚ ከኣ ናይ ዝኾነት ውሕስነት ክትኮኖም እትኽእል ቀቢላ ወይ እንዳ ኣባላት ስለዘይኮኑ። ብዘይ ተወዳደርቲ ትካላትን ኣድማዒ ስርዓትን ኣብ ትግራይ ኣስታት 99% ተጋሩ ከም ካልኦት ኣፍሪቃውያን ንዘለኣለም ድኻታት ኮይኖም ክነብሩ እዮም።
ንዘለዎም ረብሓታት ንምሕላው ተጋሩ ቅዋም ከተግብሩ፡ ሓቀኛ ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስን ክቕበሉ፡ ፈደራላዊ ስልጣን ናብ ብዙሓውያን ከሰጋግሩ ብኡ ጌርካ ከኣ ምህናጽ ብቕዓት ብሃገራዊ፡ ዞባዊን ከባብያውን ኢንዱትርያውነት ኣብ ትግራይ ብምትብባዕ ንፈደራላዊ ቅዋምን ግዝኣተ ሕጊ ምርግጋጽን። ቅዋምን ሓያል ቁጠባ ትግራይን እቲ እንኮ ውሕስነት ንናጽነትን ክብረትን ህዝቢ ትግራይ እዩ።
ፖለቲካ ነጸብራቕ ናይ ቁጠባ እዩ። ጥበብ ከኣ ሓቀኛ ሓይሊ ናይ ልዑል ደረጃ ሞራልን ገንዘብን እዩ።
ቅድም ግን ህግደፍ ካብ ስልጣን ተኣልዩን ኤርትራ ሃገረ መንግስቲ ህዝቢ ግእዝ ክተከውንን ህወሓት ካብ ሕጂ ጀሚሩ በብቕሩብ መሰል ርእሰ ውሳኔ ንህዝብታት ኦሮሞ፡ ሶማሊን ሲዳማን እንዳሃበ ገዛእ ርእሶም መታን ከመሓድሩ ከኽእሎም ይግባእ። እዚ ከኣ ነቲ ቅዋም ክከላኸልሉ እንተድኣ ኾይኖም ብቕዓት ከጥርዩ ስለዝግብኦም እዩ።