ሀ ሁ ሂ ሃ ሄ ህ ሆ
ለ ሉ ሊ ላ ሌ ል ሎ
ሐ ሑ ሒ ሓ ሔ ሕ ሖ
፩ ፪ ፫ ፬ ፭ ፮ ፯ ፰ ፱ ፲
ሃገራዊ ቋንቛና
ኣካዳሚ ቋንቋ ግእዝ ሓድሽ ተመሳሰልቲ ቃላት ብምፍጣር ንትግርኛን ትግረን ዘመናዊ ተጠቀምቲ ምግባሮምን ኣብ ነዊሕ ግዜ ከኣ ሓደ ሃገራዊ ቋንቋ ምግባሮምን ንትግርኛ ከኣ ኣብ ሓጺር ግዜ ናይ ስነፍልጠት፡ ቴክኖሎጂ፡ ሕጊን ንግድን ቋንቋ ምግባሩን እዩ። ኣካዳሚ ንግዲ ከኣ ካብ መሰረታት ግእዝ ሓደስቲ ቃላት ብምምጻእ ካብ ካልኦት ቋንቋታት ንዝተለቃሕናዮም ቃላት ምእላይ እዩ። እዚ ኣካዳሚ ዘመናዊ መዐቀኒታት ብምምላእ ንናይ ትግርኛን ትግረን ስዋስዉ፡ ኣሰዃኹዓ ፊደላት፡ በደላ ፊደልን ስርዓተ ነጥብን ኣብ ታሪኻዊ መበገሲ ቋንቋ መሰረት ገይርካ ኣብ ዝተናውሐ ሓደ ሃገራዊ ቋንቋ ምምስራት። ማለዥያ ንዓሰርተ ዝተፈላለየ ኣዘራርባታት ናብ ሓደ ኣሚጺኣ ማላይ ዝበሃል ሃገራዊ ቋንቋ ብምህናጽ ናይ ማለዥያ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነት ክትፈጥር ዝኸኣለት ዕውትቲ ሃገር እያ።
ኩሉ ደርጃታት ትምህርቲ ካብ መባእታ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ዶክትሬት መጽናዕትታት፡ ስነፍልጠት፡ ቴክኖሎጂን ናይ ምህንድስና መጽናዕትታትን ብትግርኛ ክካይዱ እዮም። ኢንግሊሽ ይኹኑ ካልኦት ቋንቋታት ካብ ቅድመ ትምህርቲ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ከም ናይ ወጻኢ ቋንቋ ክመሃሩ እዮም።
