right-location

ቦታ ዕብየት Location

ኣብ ዓለም ዝኾነት ዓዲ ወይ ከተማ ኣብ ከባቢ ምንጪ ማይ እያ እትድኮን። እቲ ምክንያት ዕዳጋ ክትፈጥርን ክተረክብን ቀሊል ስለ ዝኾነ እዩ። ብዘይ ባሕሪ ወይ ዓበይቲ ኣፍላጋት ስልጣነታት ክህልው ኣይክእሉን እዮም እቲ ምንታይሲ ስልጣነታት ብኣህጉራዊ ንግድን ባህላዊ ምልውዋጣን ስለ ዝዓብዩ። ናትና ናይ ግእዝ ስልጣነ ክዓቢ ዝኸኣለ ከኣ ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ ንነግድን ንለዋወጥን ስለ ዝነበርና እዩ።

ካልኦት ኣብ ኣብ ዝሓለፈ 800 ዝተድኮና ዓድታት ግእዝ/ትግራይ ግን ንጸላኢ ንምክልኻል ተባሂሉ ካብ ሩባታት ርሒቐን ኣብ እምባታት ተመስሪተን። ኩለን ዓድታት ግእዝ ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ’ውን ምእንቲ ምንቅስቃስ ጸላኢ ብማዕዶ ክከታተላ ኣብ ዝለዓለ ቦታ ናይ ጎቦታት እየን ዝርከባ። ስለዚ እዩ ከኣ ዓድታትና ካብ ንዕዳጋን መዓልታዊ ቁጠባዊ ምንቅስቓስን ንውትህድርና ኣብ ዝመችእ ቦታ ተዶኪነን ዝርከባ።

ኩለን ዓበይቲ ኢንዱስትርያውያን ከተማታት ዓለምና መታን ንግዳዊ ፍርያተን ብቐሊሉ ንደገ ክልእኻ ክጥዕመን ኣብ ገምገም ባሕሪ ወይ ከኣ መራኽብ ናይ ምዕሻግ ዓቕሚ ኣብ ዘለዎም ሩባታት እየን ተዶኪነን ዝርከባ። ሃገራት ኣብ ኣህጉራዊ ዕዳጋ ክዕወታ ዝኽእላ ልዑል ብቕዓት ዘለዎ ፍርያት ብዝሓሰረ ዋጋ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝቕርባ እዩ።ብሓጺሩ ሃገራት ቁጠብአን ከማዕብላን እንዱስትራያዊ ክገብርኦን ተኾይነን ኣብ ዝህብኦ ኣገልግሎታት፡ ብቕዓት፡ ዋጋን ኣተሓሕዛ ዓምዊልን ካብ መወዳድርተን ኣብ ቕዓትን ጽፈትን ኣዝየን ጸብለል ክብላ ይግብአን። ኣብ ገምገም ባሕሪ ትካልካ ምዱካን እምበኣር ኣብ ምጉዳል ዋጋን ግዜን ዓቢ ተራ እዩ ዝጻወት።