
ሕቶ መሬት Land
መሬት ኣብ ከበሳ ብዓድታት ኣብ መታሕት ከኣ ብመንግስቲ ይውነን። ኣብ ኤርትራ ብውልቀ ሰባት ዝውነን መሬት የለን። ዕላማ ህግደፍ መሰል ዋንነት መሬት ካብ ዓድታት ብምህጋር ንናይ ትግርኛ ሃገራዊ መንነት፡ ትግርኛ ሃገራውነት፡ ትግርኛ ውሽጣዊ መንነትን ውሽጣዊ ሓርበኝነትን ብምዕናው ኣብ ዜግነት ዘተኮረ ሃገረ ህዝቢ ምፍጣር እዩ። መንነት ትግርኛ ኣብ መቦቖል ዓዳዊ መሬት ዝተሰረተ እዩ።መሬቱ ብምሕዳግ ከኣ ህግደፍ ንናይ ትግርኛ መንፈስን መንነትን ከህስሶ ክኢሉ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን መሬት ትግርኛ ጥራይ እዩ ንኹሉ ዝብጽሖ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ቐርኒ ኣፍሪቃን ንዕዳጋ ዝወረደ መሬትን ባሕርን እንተድኣ ኣሎ፡ መሬትን ባሕርን ህዝቢ ትግርኛ ጥራይ እዩ። ህግደፍን ጥልያን ዝፈጠሮ ላህመት ውሑዳን መሪሕነትን መሬት ትግርኛ ካብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ የመን፡ ስዑዲ ዓረብ ወዘተ ናብ ኤርትራ ንዝፈለሱ እስላም ሸይጥዎ። ንህዝቢ ትግርኛ ብዘይ መሬት መንነት የብሉን። ጸዓዘጋ፣ዓዜን፣ገጀረት፣ሕምርቲ፣ዓዲሓዎሻ፣ዓዲተከለዛን፣ደቒሽሓይ፣ዓረዛ፣ማይድማ፣ዓዲመንጎቲ፣ማይምነ፣ተራእምኒ፣ኮርባርያ፣ማዕረባ፣ቱኹል፣እንዳዶቆ፣ድግሳ፣አምሁር፣ጾሮና ወዘተ ቁራጽ መሬት ወይ ጎደቦ ከተማታት ኣይኮናን። እንታይ ደኣ ዓሚቕ ስሚዒታውን መንፈሳውን ምትሕሓዝ ዘለዎ መንነትና፡ ሱርና፡ ተስፋናን ቕዱስ መሬትናን እዩ። ዓድታት ትግርኛን መሬቱን ሕቶ ፖሎቲካዊ ቁጠባ ዘይኮኑ፡ ሕቶ መንነትን ማሕበረሰብን እዮም።
ንኣብ ከበሳ ዝርከባ ዓድታት በቲ ዓዳዊ ሕግታት መታን ከማሓድርኦን ክውንንኦን መሬተን መሊስና ክንህበን ኢና። ኣብ ዜግነት ዝተሞርኮሰት ሃገረ ኤርትራ ናብ መወዳእታ ከነምጽኣ ኢና። ሃገረ ኤርትራ ከም ጎረባብታ ሱዳን፡ ጁቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ የመን፡ ሱዕዲ ዓረብ ኣብ መበቆል ዝተሰረተት ስልጥንቲ ሃገር ክትከውን እያ።
ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን መታሕት ንውሕዳን ዓሌታት ዝውክል ሓድሽ ዞባዊ ምምሕዳር ከነቅውምን ንሓደሽቲ ናይ ግእዝ ሰፋሮ ምውናን መሬትን ምምሕዳሩን ከነፍቅድ ኢና። ኣብ መዓላ ሃገራዊ ሕዛእቲ፡ መዓስከራት ሰራዊት፡ መዐለሚ ቦታታት ወዘተ ዝውዕል መሬት ብሃገር ክውነን እዩ።
ኤርትራ ኣብ ኣገዳሲ ቦታ እያ ተዶኪና ትርከብ። ዓበይቲ ኢንዳስትርያዊ ቦታታት ብምህናጽ፡ ንናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ብምትብባዕ ትካላት የዕቢኻ ፥ ብቱሑት ደሞዝ ዝሰርሑ ሚሊዮናት ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን ብምውፋር ዓቢ ስራሕ ምስራሕ። ከምቲ ኣብ በዓል ዱባይን ሲንጋፖርን ዝግበር፡ ማዕረ ማዕረ እቲ ናይ ኢንዱስትሪያዊ ዕብየት፡ ንልዑል ዓቕሚ ዘለዎምን ብዙሕ ዝኽፈሉን ናይ ደገ ክኢላታት ዝኸውን ዝተፈላለዩ ገዛውቲ ብመልክዕ ክራይ ወይ ዝተወሰነ ግዜ ብምሃብ ክስራሕ ይከኣል። ዝኾነት ዓዲ ከኣ ካብዚ ብመንጽር ክራይ ይኹን ግብርን ቀረጽን ርብሕ ዝበለ ኣታዊ ከተኻዕብት ትኽእል።
ኣብ ከም ዱባይን ሲንጋፖርን ብምኽንያት ብዝተሓተ ደሞዝ ክሰርሑ ዝኽእሉ ሚሊዮናት ካብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ዝመጹ ሰራሕተኛታት፡ ቁጽሪ ናይ ትሑትን ማእከላይ ኣታዊታት ዘለዎም ሰራሕተኛታት ክውስኽ ኣይክእልን እዩ። እዘን ሃገራት ንትሑትን ማእከላይ ኣታዊታት ዘለዎም ሰራሕተኛታት ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ኣይህባን እየን። ንኣዝዮም ክኢላታት ናይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ይህባ አኳ እንተኾና፡ ዱባይ ግን ንዝኮነ ሰብ ናይ ዜግነት መሰል ኣይትህብን እያ፡ እዚ እንዳኾነ ግን ብዙሓት ዘጌታት ሃገራት ምዕራብ ኣብቲ ምደርበዳዊን ዘይምቹእን ክሌማ ዱባይ ክቕመጡን ክሰርሑን ይብህጉ። ንሕናውን ከም ዱባይ ንማእከላይን ትሑትን ኣታዊታት ዘለዎም ሰራሕተኛታት ቀዋሚ መንበሪ ክንህብ ኣይግባእን።
ምህናጽ እዘን ኢንዱስትሪታት፡ መንበርን ኣብያተ ጽሕፈታትን ብቕዑን ሕሱርን ምኾነ፡ ምኽንያቱ ዓድታት ወነንቲ ገዛእ መሬተን ስለዝኾና፡ ኤርትራ ብናይ ህንጻ መሳሪሕታት ከም ሑጻ፡ ቸሜንቶ፡ እምኒ፡ሓጺን፡ እምኒ ዓረ ወዘተ ሃብታም ስለ ዝኾነት።
ከም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጡ ኤውሮጳውያን ጌሩ ሃብቲ ዘኻዕበተ ሰብ የለን። ጻዕረኛታትን ውፉያትን ትግርኛ ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ልዕሊ 50% ካብ ባህሎምን ክብርታቶምን ናብ ደቆም የማሓላልፉ እዮም። ኣብ ኤውሮጳ ዝተወልዱ ትግርኛ ኤርትራውያን ግን መንነቶም፡ ባህሎምን ክብርታቶምን ናብ ውሉዶም ኣየሕልፉን እዮም። ካልኣይ ወለዶ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ምዕራብ ምስ መቦቆላዊ ውርሻታቶም ዘለዎም ርክብ ተበቲኹ እዩ። ከም ዝፈለሱ ጸለምቲ ሰባት ከኣ መንነቶምን ውርሻታቶምን ኣጥፊኦም ዝተወገኑን ድኻታትን ይኾኑ። ስለዚ እዩ ከኣ ምድርና ንዓና ኩሉ ዝኾነት።
ወዲ ዓዲ ስለዝኾነ ኣብ ከተማ ድሌቱ መሬት ክውንን ዝፍቀደሉ ሰብ ኣይክህሉን እዩ። መንበሪ ገዛ ንምህናጽ ዝወሃብ 500 ሜ ናጻ መሬት ከጻልነት ዘይብሉ ኣብ ውሑዳት ዓመታት ንምድርና ብህንጻታት ዝመልእ እዩ። ኣብ ክንዲ ነጻ መሬት ምዕዳል፡ ነፍሲወከፍ ኤርትራዊ ዋጋ እቲ መሬት ብመንጽር ገንዘብ ተዋሂቡ ኣብ ዝኮነ ኩርናዕ ናይ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሱ መንበሪ ቤት ክግዝእ ይኽእል።
ናይ ገዛእ ርእስና ናይ ሓምላይ ቅናት መደባት ክህልወና እዩ። ፖሊሲ ሓምላይ ቅናት ንምስፍሕፋሕ ከተማታት ዝቀጻጻር መደብ እዩ። እቲ ሓሳብ ንመጻኢ ብኣብ ከባቢ ከተማታት ዘለዋ ዓድታት ንምስፍሕፋሕ ከተማታት ምክልኻል ፡ ንሕርሻ ዝኸውን መሬት ምዕቃብ፡ ምግራብን ሓምላይ ቦታታት ምዕቃብን። ሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምጅማር ኢንዱስትራያዊ ሰውራ ምድርና ንሕርሻ፡ ጫካታት፡ ሓምላይ ቦታታትን ከተማዊ ኢንዱስትርያዊ ቦታታትን ክህሉ እዩ።