indigenous-law

ሕጊ እንዳ Indigenous Law 

ህዝብና ባዕሉ ንባዕሉ ዝመሓደረሉ መቦቆላዊ ሕጊ እንዳ’ባ ናብ ዝነበሮ ክንመልስ ኢና። ጥንታዊ ናይ ምሕደራ ኣገባባትና ኣብ ከበሳ ናብ ዝነበሮ ክንመልስ፡ ነቶም ውሑዳን ኣብ መታሕት ዝነብሩን ሓደሽቲ ናይ ትግርኛ  ሰፋሮን ከኣ ተመሳሳሊ ምሕደራ ክንተክል ኢና። እዞም ጥንታውያንን ሓደስትን ናይ ምሕደራ ትካላትና ልኡላዊ ዝኾነ ምሕጋግን ምትግባርን ናይ ገዛእ ርእሶም ሕግታት፡ ምሕደራ መሬት፡ ምምሕዳር ቁጠባ፡ ሓይሊ ፖሊስ፡ ምሕደራ ኣታዊታትን ወጻኢታትን፡ ምምሕዳር ኣብያተ ትምህርቲ፡ ጽላት ጥዕናን ናይ ሰብኣዊ ድሕነት ኣገባባትን ብዘይ ምትእትታው ማእከላይን ዞባውን መንግስትታት ክህልዎም እዩ። ኤርትራ ሓፍነቶም ዝተወሰነ ናጻ ናይ ሓጋጊ፡ ፈራዲን ፈጻምን ኣካላት መንግስቲ ክህልዋ እዩ። ሓላፍነቶምን ደረቶምን ዝተወሰነ ሰለስተ ቀጸላታት መንግስቲ ማለት ማእከላይ ወይ ሃገራዊ መንግስቲ፡ ዞባዊ መንግስቲ ምድረ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ከምኡ’ውን ውሽጣዊ መንግስቲ ወይ ከኣ ደምበ ተባሂሉ ዝጽዋዕ  ክህሉ እዩ ።

ፈጻሚ ኣካል

ፈጻሚ ኣካል ኣብ ክልተ ይኽፈል። ኣብ ሃገራዊ ደረጃ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ርእሰ ብሄር ከምኡ’ውን ምክትል ፕረዚደንት፡ ኣብ ምድረ መንግስቲ ከኣ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ርእሰ ምድረ ከምኡ’ውን ምድረ ነጋሲ ዝበሃል ምክትል፡ ኣብ ደምበ ከኣ ዝተመርጸ ኣመሓዳሪን ርእሲ ደንበ ተባሂሉ ዝጽዋዕን ሸቶታት ዝስእልን ክህሉዎ እዮም። ብዕላማን ምሕደራዊ ብቕዓትን ሸቶታት ከተግብር ዝኽእል ብበዓል ራእይ መራሒ ኣብ ሃገራዊ ደረጃ ዝምረጽ “ቀዳማይ ሚንስተርን ምክትል ቀዳማይ ሚንስተርን”፡ ኣብ ምድረ ምሕደራ “ላዕለዋይ ፈጻሚን ምክትል ምድረ ምስ ምሉእ ካቢኔኡ”፡ ኣብ ደምበ ምሕደራ ከኣ “ ላዕለዋይ ፈጻሚ ምስ ምክትል ደምበን ምሉእ ካቢኔኡን”።

በዓል ራእይ መራሒ ብዘለዎ ራእይ፡ ብቕዓትን ጽቡቕ ስምን ከምኡ ከኣ ኤርትራዊ ዜጋ ክኸውን ኣለዎ።  ምሕደራዊ ጨንፈር ናይ ፈጻሚ ኣካል ብዘለዎ ብቕዓት ብበዓል ራእይ መራሒ ይምረጽ። ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኣብ ሓጋጊ ኣካል ከገልግል ኣይፍቀድን፡ ኤርትራዊ ወይ ምስ ኤርትራ ታሪኻዊ ጽልኢ ካብ ዘይብለን ሃገራት ዝመጸ ክከውን ይኽእል። በዓል ራእይ መራሒ ኣብ ምሻም ወይ ምቑጻር ምምሕዳራዊ ክፋል ናይ ፈጻሚ ኣካል ፍቓድ ሓጋጊ ኣካል ክረክብ ግድነት ኣይኮነን። እንተኾነ ነቲ መራሒ ይኹን ነዞም ዝተጠቕሱ ኣባላት ናብ ባይቶን ሽማግለን ጸዊዑ ክሓቶምን፡ ብዛዕባ ስርሖምን ውሳኔታቶምን ሃቐናታቶምን ክከታተል ይኽእል። ዝኾነ ዜጋ ቅዋማዊ ኣብ ዘይኮኑ ነገራት ንመራሒ፡ ምሕደራዊ መራሕቲ ወይ ውን ሓገግቲ ኣካላት ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርቦም መሰል ኣለዎም። ዝኮነ ኣርባዕተ እዋናት ከም ራእሲ ደምበ ወይ ክልተ ግዜ ከም ምድረ ነጋሲ ዘገልገለ ኣብ ምርጫ ርእሰ ብሄር ክምረጽ ይኽእል። ክልተ እውናት ከም ራእሲ ደምበ ዘገልገለ ጥራይ ከም ምድረ ነጋሲ ክምረጽ ይኽእል። ዝኾነ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝወድአ፡ ሸውዓተ ዓመት ካብ ፖሎቲካ ወጻኢ ክሰርሕ ዝጸንሐን ዝኾነ ገበናዊ ድሕረ ባይታን ዘይብሉ ከም ራእሲ ደምበ ክምረጽ መሰል ኣለዎ።

ሓጋጊ ኣካል

ቀንዲ ዕማም ሓጋጊ ኣካል ንፈጻሚ ኣካል ሓላፍነት ብምስካም ሕጊ ምንዳፍን ንዝህልወና ክልተ ማሕበራዊ ርክባት ምክትታልን እዩ። ኣብ ሃገራዊ ጽፍሒ ሓጋጊ ኣካል ክልተ ህንጻታት ማለት ላዕለዋይን ታሕተዋይን ከጠቓልል እዩ።  እቲ ታሕተዋይ ባይቶ ተባሂሉ ክጽዋዕ ከሎ፡ እቲ ላዕለዋይ ከኣ ቤት ዓደ’ቦ ይስመ። ኩሎም ኣባላት ባይቶ ብቕሉዕን ተሓታትነት ብዘለዎ ዲሞክራስያዊ ኣገባብን ይምረጹ። 90% ኣባላት ዓደ’ቦ ክስየሙ ከለው ዝተርፉ 10% ከኣ ይምረጹ። ዕላማ ባይቶ ነቲ ዝመረጾ ህዝቢ ምውካልን ጠለባትን ርእይቶታትን መረጽቲ ምቕራብ እዩ። ዕላማታት ቤት ኣደ’ቦ ከኣ ረብሓታት ህልውን መጻእን ወለዶታት ምሕላው እዩ። ሕጊ ምሕጋግ ኣብ ባይቶ ብሰልፊ፡ ኣባላት ወይ ከኣ ውልቀሰባት ክጅምር ይኽእል፡ ቤት ኣደ’ቦ ከይጽደቖ ግን ሕጊ ክኸውን ኣይክእልን። ባይቶ ይኹን ቤት ዓደ’ቦ ንዝተፈላለየ ውሳኔታትን ተግባራትን ሚንስትሪታትን ኣካላት መንግስትን ዝከታተላ ዝተፈላልያ ኮሚተታት ከቁማ ይኽእላ። ባይቶ 165 ኣባላት ክህልዎ ከሎ፡ ቤት ዓደ’ቦ ከኣ 101 ኣባላት የጠቓልላ። ትሽዓተ ካብቶም 165 ኣባላት ባይቶ ወከልቲ፡

1- ዓጋመ               2 ሽረ                       3 ዓድዋ

4ቴንቤን                 5 አኽሱም             6 ኽልተላዕለዉ

7 ራያዓዘቦ               8 እንድርታ             9 ወልቃይትጸለምቲ

ንሳቶም ባህላዊ፡ ፖለቲካውን ቑጠባውን ረብሓታት መረጽቶም ንምሕላው ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ካብ ትግራይ  ዝተመርጹ እዮም።

ኣባላት ቤት ዓደ’ቦ ቀንዲ ቀሺ ናይ ሃገር፡ ቀንዲ ቀሺ ናይ ኣርባዕተ ምድሪ፡ ናይተን 14 ዝበዝሐ ህዝቢ ዝውንና ደምበ ቀንዲ ቀሺ፡ ትሽዓተ ናይ ዓበይቲ ዩኒቨርሲታት ፕረሲደንታት፡ ሓሙሽተ ናይ ሃገራዊ መራኸቢታት ኣካየድቲ፡ ሓሙሽተ ናይ ቤተ መዘክር ሓለፍቲ፡ ሰለስተ ናይተን ዝዓበያ ውሁዳን ዓሌታት ሙፍቲ፡  ኣርባዕተ ዝተጣየሱ ሓላቁ ስታፍ ሰራዊት፡ ክልተ ዝተጣየሱ ናይ ወጻኢ ስለያ ሓለፍቲ፡ ክልተ ዝተጣየሱ ናይ ውሽጣዊ ጸጥታ ሓለፍቲ፡ ክልተ ናይ ወትሃደራዊ ጸጥታ ሓለፍቲ፡ ክልተ ናይ ቅድም ፕረሲደንታት፡ ክልተ ናይ ቅድም ምክትል ፕረዚደንታት፡ ኣርባዕተ ናይ ቅድም ምድረ ነጋሲ፡ 10 ናይ ዝለዓላ 10 ንግዳውያን ትካላት መራሕቲ፡ ሓሙሽተ ኣካየድቲ ናይ ዝለዓላ ሓሙሽተ ናይ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ትካላት፡ ሓሙሽተ ኣካየድቲ ናይ ዝለዓላ ናይ ምህንድስና መጽናዕቲ ትካላት፡ ከምኡ’ውን ሽዱሽተ ኣብ ስራሕ ዘየለዉ ራእሲታት ናይ ምስ ሱዳንን ጁቡትን ዝደወባ ደምበታትን።

ሓጋጊ ኣካል  ምድረን ደምበን  ሓደ ቤት ሃልይዎ ብቐጥታ ብዞባዊ ወይ ውሽጣዊ መረጽቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ንዝተወሰነ ግዜ ይምረጹ። ዝተዐወተ ሰልፊ ከኣ ራእሲ ደምበ ወይ ምድረ ነጋሲ ይመርጽ።

ፍርዳዊ ኣካል

ፍርዳዊ ኣካል ኣብ ክንዲ ሃገር ኮይኑ ሕጊ ዝትርጉምን ዘተግብርን ኣካል ኮይኑ፡ ምቕርሐ ስልጣን ብምዕቃብ ከኣ ጉዳያት ንምፍታሕ ምቹእ ባይታ የጣጥሕ።

ሃገራውን ዞባውን ሕግታትን ንዕኦም ዝከታተል ፍርዳዊ ኣካላትን ከነዋድድ ኢና። ብሃገር ደረጃ ኣውራጃዊ ኣብያተ ፍርዲ፡ ይግባይ ዝሰምዓ ኣብያተ ፍርዲ ከምኡ ከኣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክህሉ እዩ። ላዕለዋይ ወይ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ምስ ቅዋማዊ ሕጊ እዩ ክሰርሕ። ቀንዲ ስልጣን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝተጣሕሱ ሕግታት ቅዋማዊ ባይታ ኣለዎም ወይ የብሎምን ምርግጋጽ ማለት ምስ ኣብ ቅዋም ተጠቂሶም ዘለዉ መሰላትን ናጽነታትን ከም ዘይጋጨዉ ምርግጋጽ እዩ። ብፕረዚደንት ተመሪጾም፡ ብብዝሒ ድምጺ ኣባላት ባይቶን ቤት ዓደ’ቦን ዝተደገፉ ትሽዓተ ኣባላት ከኣ የጠቃልል። ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብፕረዚደንት ሃገር ይምዘዝ። ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ብባይቶ ተኸሲሱ፡ ገበን ከም ዝገበረ እንተድኣ ተረጋጊጹ ብባይቶ ዓዲ’ቦ ካብ ስልጣኑ ክባረር ይኽእል።

ብኽኢላታት ብዝቆመት ኮሚቲ ዝተመዘዙ ደያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ብደያኑ ብዝቖመት ቆዋሚት ነጻ ናይ ስነምግባር ኮሚቲ ክባረር ይኽእል። እዛ ኮሚቴ ሸውዓተ ኣባላት ዘካተተት ኮይና ብፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝተሸመት እያ።

ዓዳዊ ቤትፍርዲ፡ ኣውራጃዊ ቤትፍርዲ፡ ናይ ይግባይ ሰማዒ ቤትፍርድን ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ከኣ ነቲ ዞባዊ ደርጃ ዘቖሙ እዮም። ኣብዚ ደያኑ ብራእሲ ደምበ ተሸይሞም ብባይቶ ደምበ ክጸድቁ ኣለዎም። ደያኑ ደምበ ብራእሲ ደምበ ተሮቒሖም ብባይቶ ደምበ ተቐባልነት ክረኽቡ ኣለዎም።

ሃገራዊ ተሓታትነት

ንሃገራውን ምድረን ሕግታት(ብሃገራውን ምድረን ባይቶ ዝሓለፉ) ንኣህጉራዊ ስምምዓትን ዝምልከቱ ጉዳያት

ቅዋምነት ሕግታት  ዝምልከቱ ጉዳያት

ዘይምስስምማዕ ኣብ መንጎ ናይ ደምበን ምድረን ምምሕዳራት

ዞባዊ ተሓታትነት

ጉዳያት ብዛዕባ ውሽጣዊ ናይ ደምበ ሕግታት (ብባይቶ ደምበ ዝጸደቑ ሕግታት)

ዝበዝሐ ሲቪላዊ ጉዳያት ( ፍትሕ፡ ሞግዚት)፣ምስሕሓባት ወዘተ

ዝበዝሐ ገበናዊ ጉዳያት

ደረጃታት መንግስቲ

ሰለስተ ደረጃታት መንግስቲ ክህሉ እዩ። ንሳቶም ከኣ ሃገራዊ ፡ ምድረ ከምኡ ከኣ ደምበ ተባሂሎም ይኽፈሉ። ነፍሲወከፍ ከኣ ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ዝተወሰነ ልኡላዊ ሓይሊ ይህልዎም።

ሃገራዊ መንግስቲ ኣብ ጉዳያት ምእካብ ግብርን ቀረጽን፡ ምክልኻል፡ ኣህጉራዊ ዝምድናታት፡  ኣድላዩ ኣብ ዝኾነሉ ምስሓብ ዜግነት፡ ምእዋጅ ባጤራን መጠን ወለድን፡ ውህለላ፡ ምምሕዳርን ምውፋርን ናይ ወጻኢ ሸርፊ፡ ምዕባይ ሃገራውነት፡ ምቛም ሃገራዊ ናይ ጥዕና መድሕን ካምፓኒ፡ ምቛምን ምምሕዳርን ርእሰ ከተማ፡ ሃገራዊ ቤተ መጻሕፍቲ፡ ምቛም ሃገራውያን ናይ ስፖርት ጋንታታትን ንዕአን ዘድሊ ትሕተ ቕርጺ ኣብ ርእሰ ከተማ ምድላው፡ ምቛም ኣብያተ መዘክር፡ ሓወልትታት፡ ሲነማታት ኣብ ርእሰ ከተማ፡ ምክትታል ንግዳዊ ዝምድናታት ኣብ መንጎ ምድረታት፡ ምምዕባልን ምጽሓፍን ሃገራዊ ስርዓተ ትምህርቲ፡ ምክትታል ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዩኒቨርሲታት፡ ኮሌጃት፡ ንኡስ ንግዲ፡ ካምፓኒታትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን።

ስልጣን ናይ ምድረ መንግስቲ ከኣ ምህናጽ ስትራተጂካውያን ትሕተቅርጽን ትካላትን ከም ዓበይቲ ጽርግያታት፡ መዕርፎ ነፈርቲ፡ ወደባት፡ ምዝርጋሕ መርበባት ኤለክትሪክ፡ ገመዳት ኢንተርነት፡ መስመራት ማይ፡ ዩኒቨርሲታት፡ ዞባዊ ባንክታት፡ ምምሕዳርን ምውፋርን ጸጋታት ብኡ ኣቢልካ ከኣ ቀጥታዊ ዝምድናታት ምስ ናይ ወጻኢ መንግስታት ምፍጣርን ኣብ ደገ ዝተፈላለየ ወፍርታት ምግባርን።

ኣርባዕተ ምድረ መንግስታት ክህልውና እዮም። ንሳቶም ከኣ

  1. ምድረ ባሕሪ ናይ ሎሚ ዞባታት ደቡብን ማእከልን
  2. ምድረ ዮሃንስ ናይ ሎሚ ዞባታት ጋሽባርካን ዓንሰባን
  3. ምድረ ደንደን ናይ ሎሚ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ
  4. ምድረ ጽዮን ናይ ሎሚ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ

ካብ 70 – 80 ዝበጽሓ ደምበታት ክህልዋና እየን። ምሕደራ ደምበ ኣብ ምቅያስን ምትግባርን ሕግታት፡ ውሽጣዊ ንግዲ ምትብባዕን ቀረጽ ኣቑሑት ምእካብን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ርእሰ ከተማ፡ ባንዴራ፡ ምሕደራን ወፍርን ኣብ ውህለላ ዜጋታት፡ መሬት ምምሕዳር፡ ምፍጣር ዕድላት ስራሕ፡ ናይ ጥሮታ መሰል፡ ምጽሓፍ ታሪኽ፡ ምዕንባብ ዞባዊ ሓርበኝነት፡ ምቛም ኣብያተ መዘክርን ሓወልትታትን፡ ምእላይ ስራሕ ኣልቦን ስንኩላንን፡ ምህናጽ ጽርግያታት፡ ምቛም ናይ ገዛእ ርእሱ ኢንዱስትርያዊ ዞባ ምስ መንበርን መደቀስን ሰራሕተኛታት፡ ምህናጽ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሆስፒታላት፣ ገዛውቲ፡ መሳለጥያታት ስፖርት፡ ምህናጽ ሓምላይ ቦታታትን ባህላዊ ቦታታትን፡ ኣብያተ ንባብ ከምኡ’ውን ሓይሊ ፖሊስን ውሽጣዊ ናይ ፍትሒ ትካላትን ይህልዎ።።

ሃገራዊ ቅዋም ንሃገራዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ 85% ትምህርቲ፡ ድሕነት፡ ገዛውቲ፡ ስፖርትን ባህልን ሕጋዊ ሓላፍነት ክህብ ከሎ፡ ከምኡ’ውን ክሳብ 40% ኣብ መጉዓዝያ፡ ንግድን ኢንዱስትርን ባጀት ንደምበ ምምሕዳራት ይህብ። ደምበ ብተወሳኪ ኩሉ ዝባጻሕ ገዛውቲ፡ ጽሩይ ኣከባቢ፡ ደረጅኡ ዝሓለወ ትምህርቲን ጥዕናዊ ኣገልግሎትን፡ ገበንን ብልሽውናን ነጻ ኣከባቢ፡ ከምኡ ከኣ ሰብኣዊ ድሕነት ኣብ መዳይ ስራሕ ኣልቦ፡ ጠዋሪ ዘይብሎም ኣረጋውያንን ኣካለ ስንኩላንን ክቕርብ ሕጋዊ ግዴታ ኣለዎ።

ሃገራዊ መንግስቲ ዜጋታት ካብ 10-20% ኣታዊኦም ከቐምጡ ከገድድ ቅዋማዊ ግዴታ ኣለዎ። መንግስቲ ወይ ኣስራሒ  ከኣ ተመጣጣኒ ዝኮነ መጠን ገንዘብ ንደምበ ወይ ናጻን ክኢላን ናይ ውህለላን ወፍርን ናይ ሕድሪ ማዕከን ኣብ ክንዲ ዜጋ ኮይኑ ከቐምጥ የመሓላልፈሉ። ኣቐማጢ ቅድሚ ካብ ስራሕ ደው ምባሉ ገዛ ንምግዛኣ ወይ ከኣ ናይ ጥዕና መድሕን ንምግዛእ ክጥቀምሉ ይኽእሉ።

1- ደምበዛን2 ኻርነሽም       3 ላምዛሰሓርቲ                    4- ሚናበዘርኣይ

5-ላዕላይዓንሰባ                 6, ደቀተሽም7ታሕታይዓንሰባ     8- ከበሳጭዋ

9-  ሎጎጭዋ               11 ስመጃና                          12 ጽንዓደግለ

13, ደቂድግና               14 መረታሰበነ         15 ሓደግቲ         16 እገላሓምስ

17 እገላሓጺን                   18 ቴድረር           19ሮብራ

20 ደቒኣድመቖም                 21 መረታቐያሕ                  22 እንጋንኣ

23 ደቂገብሩ                24 ማያጫዕዳ                        25 ቆሓይን

26 መራጉዝ                   27 ተኸላ                           28 ደቒድግና

29 ዓናግር                      30 ጉሕጭዓ                               31 ማያጫዕዳ

 32 ደቂበኽሪ                    33 እንዳዝማችዑቕቢት             34 ዓያላጉንደት

35ደምበላስ                  36 ዛያደኸሎም                     37 ምድሪወዲሰበራ

38 ኩነረዳእ                  39 ደምበላስ                           40ጽልማ

41 መንሳዕቤትኣብርሀ         42 መንሳዕቤትሻሕቓን       43 ማርያጸሊም

44 ማርያቀይሕ               45- ቤትአስገደ

ብዘይካ ምድረን ደምበን  ምምሕዳራት፡ ብተወሳኺ ሓሙሽተ ዓበይቲ ከተማታት ክህልዋና እየን። ንሳተን ከኣ ዓሰብ፡ ምጽዋዕን ማርሳ ተኽላይን ዓበይቲ ናይ ገማግም ባሕሪ ከተማታት ክኾና ከለዋ፡ ሓዳስ ርእሰ ከተማ ኪዳነን ናቕፋን ከኣ ኣብ ኣኽራን ዝተቐመጣ ዓበይቲ ከተማታት ክኾና እየን።