ministries

ሚኒስትራታትና Ministries

ውሽጣዊ፡ ዞባውን ሃገራዊን መንግስታትና ነጻ ዝኾኑ ርእሰን ዝኸኣላ  ሚንስትርታት ክህልውአን እየን። ኣብዚ ሕጂ እዋን 18 ሚኒስትሪታትን ውሑዳት ኮሚሽነርታትን ኣለዋና። ሚኒስትሪታት ዞባዊ ምምሕዳር፡ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ ህንጻን ሃገራዊ ልምዓትን ኣገደስቲ ኣይኮኑን፡ ምኽንያቱ ዕይኦም ብዞባውን ውሽጣውን መንግስቲ ክፍጸም ስለዝኽእል። ሚኒስትሪታት ሕርሻን ሃብቲ ዓሳን ኣብ ሓደ ሚኒስትሪ ክጥርነፋ ክኽእላ ኣለወን። ሚኒስትሪታት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ሕርሻ/ሃብቲ ዓሳ፡ ቱሪዝም፡ መሬት ማይን ኣከባብን፡ ዜና፡ ጸዓትን ማዕድንን መጉዓዝያን መራኸቢታትን ፓሊሲታት ዝነድፋን ዘማዕብላን ይኾና። ዝተፈልየ ዝቆጻጸር ኣካል ከኣ ይህሉ። ህንጸት ጽርግያታት፡ ሆስፒታላት፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ናይ ጸዓት መደበራት ወዘት ብካብ ከፋሎ ግብርን ቀረጽን ዞባዊን ውሽጣውን መንግስቲን ብደገፍ ሃገራዊ ማእከላይ መንግስትን ይፍጸሙ።

ሚኒስትሪታት ፋይናንስ፡ ምክልኻል፡ ወጻኢ ጉዳያት፡ ንግዲን ኢንዱስትሪን ከምኡ’ውን ፍትሒ እቶም ዓበይትን ኣገደስትን ሚኒስትሪታት ሃገራዊ መንግስትና ይኾኑ። ሰለስተ ኣዝዮም ዓበይትን ኣገደስትን ሚኒስትሪታት ከእ ክንውስኽ ኣለና፡

ሀ. ሚኒስትሪ ኢሚግሬሽን

ለ. ሚኒስትሪ ዓቕሚ ሰብ

ሐ. ሚኒስትሪ ገዳይም ሓርበኛታት

ሚኒስትሪ ኢሚግሬሽን

እዚ ሚኒስትሪ መዓልታዊ ናብ ሃገር ዝኣትውን ዝወጹን ሰባት ይከታተል፡ መእተዊ ቪዛ ጥራይ ይዕድል፡ ናይ ዝኣተውን ዝወጹን ጸብጻብ ናብ ናይ ጸጥታን ስለያን ትካላት መንግስቲ መዓልታዊ ይቕርብ፡ ኣብ ኩሉ ናይ ኣየር፡ ባሕሪን መሬትን መእተዊታት ቤትጽሕፈታት ብምኽፋት ደሕረ ባይታ ሓደስቲ ካብ ደገ ዝመጹ ደለይቲ ስራሕ ብዘይ ናይ ደላሎ ሓገዝ ብቀዳማይ ኢድ ይከታተል።

ናይ ውሽጣዊ መንግስቲ ናይ ስደተኛታት ሰበ ስልጣናት መንበሪ ቪዛ ይህቡ፡ ቪዛ ይስርዙ፡ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከኣ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ መዓልቲ ካብ ሃገር ይጥርዙን መዓልታዊ ናብ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ይከታተሉን።

ናይ ውሽጣዊ መንግስቲ ናይ ኢምግሬሽን ሰበስልጣን ኣብ ከባቢ ኢንዱስትሪታትን ወጻእተኛታት ዝቕመጥሉ ቦታታን ኣብያተ ጽሕፈትን ኣብያተ ማእሰርትን ክህልዎም ይግባእ። ኣብ ትካላት ተቆጺሮም ዝሰርሑ ወጻእተኛታት ብጠለብ ዘስርሖም ትካል ቪዛ ይሕደሰሎም፡ ፍቓድ ስራሕ ዘይብሎምን ሕጊ ዝጠሓሱን ስደተኛታት ግን ናብ ዓዶም ይጥረዙ። ኣብ መንበሪ ክኢላታት ወጻእተኛታት ብጠለብ ኣስራሕቶም ቪዛ ይሕደሰሎም፡ ዝኾነ ሕጋዊ ወረቐት መንበሪ ዘይብሉ ንዓኡ ይጥረዝ። ኣብዚ ኣባይተ ጽሕፈት ዝምደቡ ሓለፍቲ ብቅንዕናን ተሐታትነትን ካብ ብልሽዉና ነጻ ኮይኖም ንሕጊ ክግዝኡ ይግደዱ።

ministries1

ሚኒስትሪ ዓቅሚ ሰብ

ሚኒስትሪ ዓቅሚ ሰብ ንወጻኣተኛታትን ደቂ ሃገርን ስልጠና ዝህብን ዝፍትንን ፖሊሲታት ይማዕብልን ይነድፍን። ንዓቕሚ ሰብ ዝምልከት ምቁጽጻር ዘካይድ ናጻ ዝኾነ ተቆጻጻሪ ኣካልን ካልኦት ኣካላት ከም ኤጂንሲታትን ኮሌጃትን ይህልዋ። ስራሕ ዝቖጽራ ኣጀንሲታትን ኮሌጃትን ዝኾነ ማእከላይን ትሑትን ክእለት ዝውንን ወጻእተኛ ይፍትና፡ ይምህራን ብቕዓቶም ይቆጻጸራን። ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምምጽኦም እዘን ኣካላት ከጻሊ ናይ ክእለትን ዓቅሚን ዘጥርይሉ ትምህርቲ ይህባ።