social-contracts

ህግሓኤ ሓያል ጎኒ አብ ዘይምስዓር ዘያኮነስ ተሳዒርካ ካብቲ ዝወደቃሉ ሓይልካ ምትሳእን ምቅጻልን ኢዬ ነይሩ። ህግሓኤ ንሕዝቢ ትግርኛ መታን አብቲ ናያ መወዳእታ ዕላምኡ ክበጽሕ ትርጉም ዉዳበ ብተግባር አርኡና። መንነትና፣ ክብርታትና፣ ነጻነትና፣ ቁጠባዊ ራህዋና፣መሬትናዝዋሓስ እንተ ካብቲ ዝወደቅናሉ ሓይልና ንትሳእን ንቅጻልን  እንተ ኮይና ጥራሕ ኢዬ።  ስለዚ መስዋእቲ ተረክበ ተመክሮ ዘልኣለማዊ ዝክሪን ክብሪን ንህግሓኤ

ማሕበራዊ ዉዑላትና Our Social Contracts

ኣብ ግዜ ምንዳፍ ሃገራዊ ቅዋምና ነቶም ክልተ ማሕበራዊ ውዕላት ሕጊ እንዳ’ባ የሐዲስና ከነእትዎም ይግባእ። ብህዝብን መራሕትን ተቐባልነትን ተኣዛዝነትን ዘለዎ ማሕበራዊ ውዕላት ዘይትክተል ሃገር ማሕበርዊ ምትእምማን ክነግስ ኢልካ ኣይሕሰብን እዩ። ሓንቲ ማሕበራዊ ምትእምማን ዘይብላ ሃገር ከኣ ናይ ሓዊ ናጽነት፡ ዲሞክራሲ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ዝልዓለ ቁጠባውን ባህላውን ምዕባለ ከተምዝግብ ኣይከኣልን እዩ። ህዝብን መራሕትን ማሕበራዊ ውዑላት ዘኽብርሉ ምኽንያት እቲ ውዕል ንታሪኾም፡ መንነቶም፡ ክብርታቶምን ዕላማኦምን ስለዝውክል እዩ። ሕጊ እንዳ’ባ ባዕልና ዝጸሓፍናዮ ናትና እዩ። ሕጊ እንዳ’ባ ዝኾነ ሰብ ኣብ ሕበረተሰብ ቦታ፡ ውሕስነት፡ ክብረትን ናጽነትን ከም ዝህልዎ ይገብር። ሕጊ እንዳ’ባ ነዚ ሎሚ ብጌጋ ኤርትራዊ ንብሎ ዘለና ሓያል መንነትን ዋንነትን ፈጢሩ።

social-contracts1ጽውጽዋይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባህልን መንነትን ኢጣልያውያን ንቁጠባዊን ባህላውን ረብሓታት ክብሉ ዝፈጥርዎ እዩ። ገዛእቲ ኢጣልያውያን ገዛእቲ ብደቀባት ዝቖመ  ክፍሊ መራሕቲ ኣቒሞም ኤርትራዊ ሃገራዊ ባህላዊን ሃገራዊ መንነትን ኢሎም ሰመይዎ። ካብ ህግደፍ ክሳብ እቶም ኣብ ደገ ዝርከቡ ተቓወምቲ ሳልሳይ ወይ ራብዓይ ወለዶ ናይዚ ብኢጣልያውያን ዝተመስረተ ጉጅለ እዮም።
ሕጊ ኣንዳ’ባ ሃገራዊ ባህላዊ መንነትና እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ ንግእዝ ሃገራዊ ባህላዊ መንነትና ንምክልኻል ንስቀ፡ ንስዋእ፡ ንደምን ንነብዕን። ብህግደፍ ዝተነድፈ ቅዋም ክንቀዶ ኣለና፡ እቲ ምንታይሲ ንሕጊ እንዳ’ባ ኣጥፊኡ ሓደ ሓድሽ ኤርትራዊ ባህላዊ መንነት ክትኽኦ ስለዝደሊ። ኤርትራ ኣብ 1890 ካብ እትምስረትን ብባዕዳዊ ሕግታት ክንመሓደር ካብ እንጅምርን ስድራና፡ መንነትና፡ ናጽነትና፡ ክብረትናን ሰብኣውነትናን ስኢንና ኢና። ታሪኽ ሕጊ ኣንዳ’ባ ብዛዕባ ስድራቤት፡ መንነት፡ ናጽነት፡ ክብረት፡ ፍትሒን ሰብኣውነትን እዩ። ታሪኽ ኤርትራ ካብ ምስረትኣ ግን ሕስረት፡ ባርነት፡ ሞት፡ ስደት፡ ወጽዓ፡ ድኽነት፡ ድንቁርና፡ ሕጊ ኣልቦነትን ውልቀ መላኽነትን እዩ።

ኢጣልያውያን፡ ኢንግሊዛውያንን ኣምሓራ/ኢትዮጵያውያንን በቲ ቀደም ተኺሎሞ ዝኸዱን ሎሚ ከኣ በቶም ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ውሑዳት ዝሰዓብ ዘሎ ሕግታትን ዘተኣታተውዎ ክብርታትን ንፍሲ ወከፍ ሰከንድ፡ ሰዓት፡ መዓልቲ፡ ሰሙን፡ ወርሒን ዓመትን የሕስሩናን ይገዝኡናን ኣለዉ። ካብ 1890 ጀሚርና ክሳብ ሕጂ ኣሽሓት መንእሰያት እንተኸፈልና እኳ ንሕጊ እንዳ’ባ ምስ ክብርታቱ ክንመልስን ናጻ ህዝቢ ክንከውንን ኣይከኣልናን ዘለና። ሓራ ንኸውን ብሕጊ እንዳ’ባን ክብርታቱን ምስ እንመሓደር ጥራይ እዩ። ኣብ ንሓድሕድናን ኣብ መራሕትናን እምነት እነሕድር ሓራ ምስ እንኸውን ጥራይ ኢና፡ ምኽንያቱ ምትእምማን ካብ ሓርነትን ግሉጽነትን ፈሊኻ ክትርእዮ ስለዘይትኽእል።

ማሕበራዊ ውዕል ኣብ መንጎ ዜጋታትን መንግስትን

ሓደ ዜጋ እዞም ዝስዕቡ ግዴታታት ይህልዎ

  1. ጭዋ ክኸውን
  2. ክሳብ ዘሎ ክምሃር ከምዘለዎ ምእማን
  3. ካብ 17-25 ዝዕድምኦም ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክገብሩን ክሳብ ወዲ 48 ዓመት ከኣ ኣብ ዕቁር ስራዊት ክጸንሕን
  4. ጻዕራም፡ ቅኑዕን ሓርበኛን ክኸውን
  5. ምእዙዝ ንሕጊ

social-contracts2

ግዴታት መንግስቲ

ሀ. ድሕነትን ክብረትን ዜጋታት ምሕላው

ለ. ንዜጋታት ዕድላት ስራሕ ምፍጣር

ሐ. ዓቕሚ ንዘይብሎም ዜጋታት ናይ መግቢ ሓገዛት ምግባር

መ. ንስኡናት ዓቕሚ ዘይብሎም ነጻ መንበሪ ኣባይቲ ምውዳድ

ሰ. ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ነጻ ብቑዕ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ንኹሉ ዜጋ ምቕራብ

ረ. ንትሑትን ማእከላይን መነባብሮ ዘለዎም ዜጋታት ሞያኦም ዘማዕብልሉ ነጻ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ምግባር

ሸ. ንተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ካብ ወለድ ነጻ ዝኾነ ለቓሕ ምፍቃድ

ቀ. ንጽጉማትን ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ዜጋታት ናጻ ናይ ሕክምና መድሕን ምድላው

በ. ኣብ ሕጋዊ ጉዳያት ንዝኮነ ዜጋ ሓገዝ ምግባር። እዚ ንኩሉ እንተላይ ንመንግስቲ ኣብ ቤትፍርዲ፡ ፖሊስ ምኽሳስን ምድላው ሕጋዊ ውሕስነት እምነት፡ ምዘራብ፡ ምጽሓፍንን ኣብ ሚድያ፡ ኣብ ህዝቢ፡ ኣኼባታት ወዘተ ብነጻ ሓሳባትካ ምግላጽን

እዚ ኣብ መንጎ ዜጋታትን መንግስትን ዝህሉ ውዕል ክኽበር ሓላፍነት ናይቶም ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ ከባብያውን፡ ዞባውን ሃገራውን ባይቶታት ይኸውን።

እዚ ማሕበራዊ ውዕል ዝኽበርን ዝሕሎን ቁጠባና ምስ ዝዓቢ እዩ። ቁጠባና ዝዓቢ ከኣ ብቁዓትን ተወዳደርትን ምሁራት ዝምራሕ ቁጠባዊ፡ ሲቪላዊ ፡ ፍርዳዊ፡ ትምህርታዊ፡ ባህላዊ ወዘተ ትካላት ክንፈጥር ኣንተኽኢልና እዩ። ብፈጻሚ ኣካላትን ወከልቲ ዜጋታትን። እምነትን ሓርነትን ክፈላለያ ኣይከኣልን እዩ።

ማሕበራዊ ውዕል ኣብ መንጎ ሕሉፍ፡ ህልውን መጻእን ወለዶታት

ንሕና ንቀዳሞት ኣቦሓጎታትና ዘጽንሑልና ባህሊ፡ መንፈስ፡ ተስፋ፡ ታሪኽን ዝኽርታትን ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለና።

እዚ ዝስዕብ ግዴታት ከኣ ክንዋጻእ ይግብኣና

ሀ. ንደቅናን ደቂ ደቅናን ናይ ኣቦታትና መንነት፡ ታሪኽ፡ ስርዓታትን ባህሊን ከነመሓለልፈሎም። ክብርታትና ብምዕቃብ፡ታሪኽና ብምጽናዕን ብምጽሓፍን ከምኡ ከኣ ቋንቋና ብምምዕባል።

ለ. ከባቢና ብምክንኻንን ብምሕላውን

ሐ. ዕዳ መንግስትናን ትካላትናን ብዝተኻእለ ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ምውራድ

መ. ንነዊሕ ኣብ  ዝጠመቱ ስትራተጂካውያን ናይ ትሕተ ቅርጺ መደባት ብምውፋር

እዞም ማሕበራዊ ውዕላት ከኣ ብዝተሸሙ ኣባላት ላዕለዋይ ህንጻ ሃገራዊ ባይቶ ይኽበሩን ይሕለውን። ምዕራባዊ ዲሞክራሲ ብርእሰማላውነትን ንግዳዊ ረብሓታትን ተዓሊሱ እዩ። ርእሰማላውነት ሕሱር ጉልበትን ዕዳጋን ንምርካብ ህዝብታት የዕንዩ እዩ። ርእሰማልነት ሃብቲ ኣብ ምኽዕባትን ዕድላት ስራሕ ንምፍጣርን ጥራይ ክንጥቀመሉ ኣለና። ዝሞቱን ዘይተወልዱን ንመስሎም ዝተበቕሎም ክመርጹ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ዘይተመርጹ ለባማትን ጥበበኛታትን ኣብ ንግድን መነባብሮን ግዴታ ዘይብሎም ንመሰሎም ክከላኸለሎም ሓላፍነት ይውሃቦም።