armyour-army

 

 

 

 

 

 

 

ሰራዊትና Our Army

ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ብሞራል፡ ዲሲፕሊን፡ ብቕዑን ሰራዊት ብምህናጽ ነተን ንሰራዊት ኢትዮጵያ ዘዕጥቃን ዝምውላን ዝነበራን ሃገራት ኣመሪካ፡ ሕብረት ሶቬት፡ እስራኤል፡ ኩባ፡ ሊብያ፡ ምብራቕ ጀርመን፡ ሱዳን ወዘተ ክንስዕረን ክኢልና። ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ(ህሰሓኤ) ንሰርሒታት ኣብ ግዚኡን ብጽፈትን ብዝተዳለወ ዓቕሚሰብን ንብረትን ይፍጽሞን የካይዶን ነይሩ። ብቑዕ፡ ጽፉፍን ተወዳዳርን ሰራዊት ስለ ዝሃነጽና ክንዕወት ክኢልና። ህሰሓኤ ከምዚ ዓይነት ብቑዓትን ጽፉፍን ምስ ዓለም ክወዳደር ዝኽእል ሰራዊትን ናይ ንግዲ፡ ሲቪላዊ ኣገልግሎት፡ ባህሊ፡ ስፖርት፡ ስለያ፡ ምክልኻል ወዘተ ክንሃንጽ ከም እንኽእል ምስክር እዩ። ዓወት ከምዚ ዝበላ ብቑዓትን ጽፉፍን ተወዳዳርን ትካላት ብምምስራት ጥራይ እዩ ዝረጋገጽ።

ምስጋና ንናይ ግእዝ ክብርታትናን ንከም በዓል 1. ጀነራል ኢሰያስ ተወልደብርሃን (ወዲ ፍላንሳ) 2. ጀነራል ጴጥሮስ ሰለሙን 3. ጀነራል ብርሃነ ገብረእግዚኣብሄር 4. ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ 5. ጀነራል መስፍን ሓጎስን 6. ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን ዝኣመሰሉ ንፉዓትን ክኢላታትን ወተሃደራውያን መራሕቲ ክቡርን ዕዉትን ናይ ትግርኛ ሃገራውያን ጽኑዕን ሓያል ነዳድን ዝኾነ ሰራዊት ክንሃንጽ

ክኢልና።

our-army1 our-army2 our-army3

our-army4 our-army5 our-army6

ብሰንኪ ኢሰያስ ኣፍወርቅን ስነ ሓሳብ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ኣብ መንጎ ትሽዓተ ብሄራትን ሰራዊትን ካብ 1992 ጀሚሩ ምስ ምጥያስ ምሁር ዓቕሚ ሰራዊትን ምትራፍ ዓበይትን ዘይምሁራትን ነጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛን መሳርሒ ዝኾኑ ሰባትን ሰራዊትን ክፈርስ ጀሚሩ። ምፍራስ ህስሓኤ ምትካእ ብሓምኤ ምስ ምእዋጅ ወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎን ኩሉ ፈጻሚ፡ ፍርዳዊን ሓጋግን ኣካላት መንግስትና ኣብ ትሕቲ ምክልኻል ወዲቑ። ዘይተኣደነ ስልጣንን ብልሽዉናን ንሓምኤ ቀቲልዎ ይርከብ።

our-army7

ሓድሽ ሰራዊትና ብብቕዓት፡ ዲሲፕሊን፡ ሞራልን ካብ ኣፍሪቃን ዓለምን ኣዝዩ ዝተፈልየ ክኸውን እዩ። ህላወ ደቀ ኣንስትዮን ጥቡቕ ዝምድና ኣብ መንጎ ናይ ምድሪ፡ ባሕርን ኣየርን ሓይልታትናን። ሰራዊትና ብደቀቅቲ መምዘኒታት ዝሓልፍ ንኤርትራ ዝበቅዕ እዩ። ሓምኤ ካብ ማእከላዊ ትካላት ሓደ ኮይኑ ናቱ ዝኮነ ጽልዋ ኣብ ፖሎቲካ፡ ቁጠባን ባህልን ሕበረተሰብ ኤርትራን ክህልዎ እዩ።

ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝምረጽ ሲቪላዊ ፕረዚደንት ቀንዲ ተዋሳኢ ኣብ ማእከላይ መሪሕነት ሰራዊት ኤርትራ ይህልዎ። ሓምኤ ናብ ፕረዚደንት ጸብጻቡ የቕርብ፡ ተሓታትነቱ ከኣ ንባይቶን ንሕግን ይኸውን።
ተልእኾ ሓምኤ

ሓድሽ ተልእኾ ሓምኤ “ንህላወ፡ ግዝኣታውን ባህላዊ ውርሻታት ግእዝ ምሕላውን ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ ምውሓስን። ንነበርቲ ኤርትራ ምክልኻልን ንኩሉ ዓይነት ግብረሽበራን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዘጋጥሙ ነገራት ምምካትን።”

ተልእኾ ሓምኤ

ሓድሽ ተልእኾ ሓምኤ “ንህላወ፡ ግዝኣታውን ባህላዊ ውርሻታት ግእዝ ምሕላውን ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ ምውሓስን። ንነበርቲ ኤርትራ ምክልኻልን ንኩሉ ዓይነት ግብረሽበራን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዘጋጥሙ ነገራት ምምካትን።”

 our-army8መሰረታዊ ክብርታት ሓምኤ

  • ምክልኻል ሃገር፡ ዜጋታትን ነበርትን- “ሸቶ ናይ ሓምኤ ንህልውና ሃገረ ኤርትራ ከም ሃገረ ህዝቢ ናይ ግእዝ ህዝቢ፡ ናጽነትን ጸጥታ ዜጋታትን ነበርትን ምሕላው”
  • ፍቅሪ ኣደ መሬትን እሙንነት ንሃገርን፡ “ ኣብ ማእከል ኣገልግሎት ሓምኤ ናይ ኤርትራ ግእዝ ሓበን፡ ክብርታት፡ ክብረትን ሓርነትን፡ ንፍቕሪ መሬት ደው ምባልን ጸዓትን ተወፋይነትን ንዲሞክራስያዊት ኤርትራ፡ ሃገር ከም መንበሪ ግእዝ ህዝብን ነበርትን”
  • ሰብኣዊ ክብረት፡ “ሓምኤን ሰራዊትን ንሰብኣዊ ክብረት ክውፈ። ኩሉ ሰብ መቦቆሉ፡ ሃይማኖቱ፡ ዜግነቱ፡ ጾትኡ፡ ደረጅኡን ማዕረጉን ብዘይገድስ ክብሪ ኣለዎ’

መንገድታት ሃገራዊ ኣገልግሎት

ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሰለስተ መንገድታት ይትሓዝ፡

ግቡእ ኣገልግሎት፡ ዝኮነ ልዕሊ 18 ዓመት ኤርትራዊ ወተሃደራዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክገብር ይግደድ። ብፉሉይ ኩነታት ከም ሃይማኖት፡ ስንክልናን ስነኣእምሮኣዊ ጸገማትን ሕድገታት ይግበር።

ደቂተባዕትዮ ንሰለስተ ዓመት፡ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ንክልተ ዓመት የግልግሉ። ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋር ኣሃዱታት ኣብ ተዋጋኢ ክፍልታት ዘለዋ ደቀንስትዮ ብምኽንያት ንውሓት ታዕሊም ብፍቓደን ንሰለስት ዓመት  ከናውሓ ይፍቀድ። ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ዘገልገላ ደቂእንስትዮ ካብ ቀዋሚ ኣገልግሎት ድሕሪ ምጥያሰን ንዝተወሰነ ዓመታት ከም ዕቁር ሰራዊት ክተሓዛ ይኽእላ።

ብፍሉይ ደሚቖም ዝወጹ ሰባት ከኣ ኣብ ኣሃዱ ፍሉይ ሰራዊት መታን ከግልግሉ ተመሪጾም ይልለዩ። ኩለን ክፍልታት ናይ ሓምኤ ከኣ ናተን ፍሉይ ኣሃዱ ይህልወን።

ቐዋሚ ኣገልግሎት፡ እዚ ነቶም ግቡእ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕሪ ምፍጻሞም ኣብ ሰራዊት ክቅጽሉ ዝደልዩ ሰባት ዝምልከት ኮይኑ ንሓጺር ወይ ንነዊሕ ግዜ ንውትህድርና ከም ሞያ ክሕዝዎ ንዝደልዩ ሰባት ይምልከት። እዚ ድሕሪ ምውዳእ ግቡእ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኡ ንብኡ ዝፍጸም ወይ ከኣ ተጣይሱ ጸኒሑ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ተመሊሱ ናብ ሰራዊት ክገልግል ይኽእል።

ቀዋሚ ኣገልግሎት ኣብ መንጎ ሓምኤን ኣብ ኣገልግሎት ክቕጽል ዝደለየ ሰብን ብስምምዕ ዝግበር ውዑል እዩ።

እዚ ኮንትራት ክሳብ ክንደይ ግዜ ዝኣክል ኣብ ኣገልግሎት ክጸንሕ ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ እቲ ኮንትራት ከኣ ንምንዋሕ ኣገልግሎት ምዝርራብ ክግበር ይኽእል። ብዙሕ ግዜ ኣብ ግቡእ ኣገ፣ልግሎት ዝጸንሐ ወትሃደር ናብ ነዊሕ ናይ ታዕሊም ግዜ ዝወስድ ወትሃደራዊ ማዕረጋት ንምእታው ናብ ቀዋሚ ኣገልግሎት ክጽንበር ክግበር ይክኣል።

ከም ካሕሳ ናይ ቀዋሚ ኣገልግሎት ነፍስወከፍ ሰብ ምሉእ ደሞዝን ናይ ጥሮታ መሰሉን ይሕለወሉ። እዚ ሓለፋታት ምስቶም ዝተጣየሱ ኣባላት ኣነጻጺርካ ዝሓሸ ዕድላት ክፈጥር ይኽእል።

እዚ ኮንትራት ክሳብ ክንደይ ግዜ ዝኣክል ኣብ ኣገልግሎት ክጸንሕ ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ እቲ ኮንትራት ከኣ ንምንዋሕ ኣገልግሎት ምዝርራብ ክግበር ይኽእል። ብዙሕ ግዜ ኣብ ግቡእ ኣገ፣ልግሎት ዝጸንሐ ወትሃደር ናብ ነዊሕ ናይ ታዕሊም ግዜ ዝወስድ ወትሃደራዊ ማዕረጋት ንምእታው ናብ ቀዋሚ ኣገልግሎት ክጽንበር ክግበር ይክኣል።

ከም ካሕሳ ናይ ቀዋሚ ኣገልግሎት ነፍስወከፍ ሰብ ምሉእ ደሞዝን ናይ ጥሮታ መሰሉን ይሕለወሉ። እዚ ሓለፋታት ምስቶም ዝተጣየሱ ኣባላት ኣነጻጺርካ ዝሓሸ ዕድላት ክፈጥር ይኽእል።

ዕቑር ኣገልግሎት፡ ሓደ ሰብ ግቡእ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ሓምኤ ኣብ ዝተወሰነ እዋን ማለት፡

  • ክሳብ ሓደ ወርሒ ዓመታዊ ክሳብ ዕድመ 43-45 ( ካብዚ ዕድመ ንላዕሊ ብወለንታ)
  • ንጡፍ ኣገልግሎት ኣብ ግዜ ቅልውላው

መብዛሕታኡ ግዜ እዚ ናይ ዕቑር ኣገልግሎት ንብዙሕ ዓመታት  ኣብ ሓደ ኣሃዱ ክኸውን ይኽእል፡ ኣብ ተመሳሳሊ ኣሃዱ ኣብ ንጡፍ ኣገልግሎትን ብተመሳሰልቲ ሰባትን። ብዙሓት ዝተጣየሱ ኣባላት ሓንቲ ኣሃዱ ነበር ኣብ ዕቁር ኣገልግሎት ብቐጻሊ ብምርኻብ ንዕቑር ኣገልግሎት ሓያል ጥምረት ዝፈጥር ተምክሮ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ይኸውን።

our-army9

ኣብ ግዜ ቅልውላዉ ንዝመጽእ ጻዊዒት ገዲፍካ ዝኾነ ወዲ ይኹን ጓል ኣብ ዝተወሰነ ዓመት ዕቑር ኣገልግሎት ዘይክገብሩ ይኽእሉ። ኩለን ኣሃዱታት ንዕቑር ኣገልግሎት ዘይክጽውዓ ይኽእላ፡ ግቡእ ዕቑር ኣገልግሎት ጻዊዒት እንተቐሪቡ ከኣ ገለ ሕድገታት ክግበር ይኸኣል። ኣብ ግዜ ቅልዉላዉ ንዝህሉ ጻዊዒት ዝኾነ ሕድገታት ኣይግበርን፡ ኣሃዱታት ደረጃታት ምቑጽጻር ኣብ ግዜ ቅልውላዊ ክገብራ ኣለወን።

ባጀት ሓምኤ

ሓይልታት ምክልኻልን ጸጥታን ኣዝዩ ዘመናዊ ሰራዊት ምስ ልዑል ቴክኖሎጂን እስትራተጅያዊ ኣጽዋርን ልዑል መነባብሮን ዝውንኑ፡ ካብ ካልኦት ጽላታት ዝለዓል ጸጋታት ይምደበሎም።

 ወተሃደራዊ

our-army10ቴክኖሎጂ ሓምኤ 

ሓምኤ ብዓለም ደረጃ ኣብ ግብሪ ዝወዓሉን ዝተፈልጡን ዝለዓሉ ኣጽዋርን ናይ ኮምፒተር ስርዓታትን ይውንን። ሓምኤ ኣጽዋር ካብ ደገ ከእቱ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ከኣ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣጽዋር፡ ተቶኮስቲ፡ ሚሳይላት፡ ታንክታት፡ ናይ መጓዓዝያን መራኸቢታትን ስርዓታት፡ ናጻ ዝኾነ ናይ ምክልኻል ኢንዱስትሪ ምስ ናይ እስራኤል ሰራዊት ምክልኻል ብምትሕብባር የማዕብል። ንካብ ሓይልታት ሰራዊት፡ ባሕርን ኣየርን ዝመጹ ሓለፍቲ ዝኸውን ኮሌጅ ክንሃንጽ ኢና።