national-strategic-interest

ሃገራዊ ስትራተጂካዊ ረብሓታትና National Strategic Interest   

ሀ. ጥንታዊ ባህልናን መንነትናን ምዕቃብ ማለት ምህላው ሃገረ ግእዝ፡ ምሕያል ስድራቤታት፡ ሃገራዊ ሃይማኖት ወይ እምነት ምህላው፡ ንኩሉ ዜጋ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ምብጻሕን ዞባዊ ማሕበረሰብ ምሕያልን እዩ።

ለ. ምህላው ጽኑዕ ቁጠባ ማለት ምዕሩይ ዕድላት ስራሕ፡ ማዕረ ዕድላትን ብልጽግናን ምፍጣር

ሐ. ምህላው ሓያል ኣጋኣዚያናዊ ሰራዊት ማለት ሓበን፡ ጸጥታን ሰላም ወይ ምርግጋእን

መ. ምህላው ሊበራላዊ ዲሞክራሲ ምስ ሰብ ብርኪ ካፒታላዊ ስርዓት ማለት  ምምዕባል ማሕበራዊ ርክብ ኣብ መንጎ መንግስቲ/ሕብረተሰብን ውልቀ ዜጋታትን ኣብ መንጎ ሕሉፍ፡ ህሉውን መጻእን ወሎዶታትን። ዝትመዓራረየ  ምክፍፋል ስልጣን ኣብ መንጎ ፈጻሚ፡ ሓጋጊን ፈራድን ኣካላት፡ ንጹር ዶባት ኣብ ኣብ መንጎ ማእከላይ፡ ዞባዊን ውሽጣውን ምምሕዳራት ከምኡውን ምህላው ብምርጫ ዝመጸ ፖሎቲካዊ ሕጋውነትን ኣቕርቦት ስራሕ፡ ሃብቲ፡ ዕድላትን ጸጥታን መራጾ ምውሓስን።