
ስዉኣትናን ስንኩላናን Martyres & Diseables
ንሕሉፍና ተረሲዕና መጻኢና ረሲዕናዮ ኣለና ማለት እዩ። ህግደፍ ስድራ ዝሓለፉ ስውኣትና ለምንቲ፡ ደቆም ከኣ ኣመናዝር ቀይርዎም ይርከብ። ህግደፍ ንልዕሊ 1000 ዓመት ኣብ ልዕሊ እስላም፡ ኣምሓራን ኤውሮጳውያን ገዛእትን ብእቦሓጎታትና ዝተገብረ ጅግንነት ደምሲስዎ ይርከብ። ንናይ ትሽዓተ ብሄራት ስነሓሳቡ ከም ዝበቕዕ ጌሩ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና የዐርይዎ ይርከብ። ህግደፍ ታሪኻውያን ናይ ሳሕል ድፋዓትናን ወተሃደራዊ መዓስከራትናን ደምሲስዎ ይርከብ። ሃገርናን ህዝብናን ከንኽብርን ብእኦም ክንሕበንን እንተድኣ ኮይንና ንዝሓለፈ ታሪኽና፡ ጀጋኑና፡ ስዉኣትናን ስድራቤታቶምን ከነኽብር ኣለና።
ናይ ሓርበኛታት ኩናት ሚኒስትሪ ኣቑምና ንስድራቤታት ሓርበኛታትን ስውኣትን ጡረታ ክንከፍል፡ ክንከላኸል ረብሓታቶም ክንሕሉ፡ ናይ ብረታዊ ቃልስና ድፋዓትን መዓስከራትን፡ ታሪኻውያን ናይ ውግእ ቦታታት፡ መቓብር ሓርብኛታት፡ ምስናድ ኩናትን ጅግንነትን፡ ናይ ሰራዊት ውግእን ሓወልትታትን ቤተመዘክርን ክንከታተል ይግባእ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ንኩሎም ክሳብ 24 ግንቦት 1991፡ ንመንነት፡ ታሪኽ፡ ክብርታት፡ ባህልን መሬትን ግእዝ/ትግርኛ/ትግራይ ዝትቃለሱን ዝተኸላኸሉን ልዕሊ 52 ዝዕድምኦም ተጋደልቲ ህግሓኤን ህውሓትን ናይ ጥሩታ መሰል ምኽፋል ክንጅምር ይግባእ። ካብ 1991 ክሳብ ሕጂ ኣብ ምኽባር ልኡላውነት ኣንጻር የመን፡ ጂቡቲ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ጂሃድን ንዝተሰውኡ ኣባላት ሓምኤ ካሕሳ ክኽፈሉ። ንልዕሊ 25 ዓመት ኣብ ሓምኤ ዘገልገለ ተጣይሱ ብሂወት ክሳብ ዘሎ ምሉእ ደሞዙ ክኽፈሎ። ናይ ህግሓኤ፡ ህወሓትን ሓምኤን ስድራ ስዉኣት፡ ኣንስቶምን ትሕቲ 21 ዓመት ደቆምን ማዕረ መስል ጥሮታ ክወሃቦም። ዝኮነ ናይ ካሕሳ ይኹን ናይ ጥሮታ መሰል ዘይረኸቡ ስድራ ስውኣት ህግሓኤ፡ ህወሓትን ሓምኤን ክከሓሱ።
ናይ ኩናት ስንኩላንና ብዘይካ መሰል ጥሮታ ናይ ስንክልና ተወሳኺ ክፍሊት ክወሃቦም። መንግስቲ ንኩሎም ኣካለ ስንኩላን ብፍላይ ከኣ ንስኩላን ኩናት መንበሪ ኣባይቲ ክሃንጽ። ኩሉ ናይ ህንጻ ስርሓትን፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ናይ ስፖርትን ባህልን ማእከላት፡ ትሕተ ቅርጽና ንስኩላን ኣብ ግምት የኣትዩ ክህነጽ ኣለዎ። ስንኩል ብምዃኑ ጥራይ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነቱ ዝድረት ዜጋ ክህሉ ይብሉን። ኩሉ እዚ ጉዳያት ከኣ ብሚኒስትሪ ሓርበኛታት ኩናት ክዕመም።