
ስደተኛ ህዝብና Diasporsa
ካልኣይን ሳልሳይን ወለዶ ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ትግርኛን ትግራይን መንነቶም ጠቕሊሎም ከጥፍእዎ፡ ምስ ዓዶምን ኣብ ነሓድሕዶምን ዘለዎም ርክብ ክቖርጹን ብድኽነት፡ ተስፋ ምቁራጽን ማሕበራዊ ሽግራትን ዝተጠቕዑን ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያንን ነባሮ ካሪብያንን ዝተበደሉን ክኾኑ እዮም እንተደኣ ኤርትራ ሃገረ ህዝቢ ናይ ትግርኛ እንተዘይኮይና። ብዘይ ሓያል ትግርኛ ሃገራውነት ኤርትራ ከም ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ጂቡትን ካልኦትን ብድኽነት ዝተጥቕዐት ሃገረ ህዝቢ ዓሌታትን ኣንዳታትን ውድቕቲ ሃገር ኮይና፡ ንደገ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ኣመንዝራታት ንደገ ትልእኽ ሃገር ኮይና ትተርፍ። ትግርኛ ኤርትራን ትግራይን ዝዕወቱ፡ ኤርትራ ብቑጠባ፡ ማሕበራዊን ባህላውን ጽላታት ምስ እትዕወት እዩ። ቻይናውያን፡ እስራኤላውያን፡ ህንዳውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሃብታማት ዝኾኑ ሃገራቶም ሃብታማት ምስ ዝኾና እየን።
ስደተኛታት ኣምሓራ ንደቆም ታሪኽ፡ መንነትን ቋንቋን ኣምሓርኛ ብግቡእ የስግሩሎም። ኣብ ደገ ዘለዉ ማሕበረኮማት ኦሮሞ፡ ጀበርቲ፡ ሳሆ፡ኦጋዴን፡ ኣስላም ወዘተ ከኣ ታሪኾምን፡ መንነቶምን፡ክብርታቶምን፡ ባህልታቶምን ቋንቋታቶምን ንደቆም የመሓላልፉ።
ንሕና ህዝቢ ግእዝ/ትግርኛ/ትግራይ ናይ ኤርትራን ትግራይን ማሕበርኮማት ኣለውኦም። ናይ ኤርትራ ትግርኛ ማሕበረ ኮማት ንደቆም ዘይተገልጸን ፍሉይ ዝኾነን ሃገራዊ መንነት ይምህርዎምን የተባብዕዎምን። ብመንጽር ፍሉይ ናይ ሓባር ክብርታትን ምግላጻትን ዝኾነ ሰብ ኢርትራውነት ብመንጽር ትሽዓተ ቢሄራት እንታይ ማለት ምኻኑ ክዛረብ ኣይክእልን እዩ። ኤርትራ ብምጽናት ደቀባት ህዝቢ ትግርኛ ትምዩን ሃገረ ህዝቢ ትሽዓተ ብሄራት ዝመስረተት ሃገር እያ።
ማሕበርኮማት ትግራይ ከኣ ንደቆም ናይ ኣምሓራ ታሪኽ፡ መንነት፡ ክብርታትን ቋንቋን ከም ናቶም ውልቃውን ሃገራውን መንነት ይምህርዎም።
ኤርትራውያን ትግርኛን ትግራይን ኣብ ደገ ዝተውለዱ ይኹኑ ኣብ ውሽጢ ትሑት ነበሰ ንያት ዘለዎም ኮይኖም እዮም ዝዓብዩ። ዝልዓለ መጠን ምቕያር እምነት ናብ እስላም፡ ራስተፈርያን፡ ጆሆቫ ዊትነስን ጴንጠ ቖስጠን፡ ዝለዓለ መጠን ርእሰ ቅትለት ኣብ መንጎ መንእሰያት፡ ጥንሲ ትሕቲ ዕድመ፡ ምኹብላል፡ ምቁራጽ ትምህርቲ፡ ዝለዓለ መጠን ወልፊ ድራግን ኣልኮላዊ መስተን፡ ባሕታውነት፡ ውልቃውነት፡ ጸቕጢ፡ ነብሰ ምጽላእ፡ ምንዝርና፡ ምውሳኽ ክብደት፡ ሕሱም ጭካነን ስስዐን ገበንን ወዘተ ውጻኢት ናይቲ ብመራሕትና ኮነ ኢልካ ዝስርሓሉ ዘሎ ምህንድስና ምጥፋእ መንነትን ዋንነትን እዩ። ብመራሕትና ዝተገብረ ምፍራስ ሕብረተሰብ ኣብዚ ዝሓለፈ 40 ዓመት ዓሚቅን ኣዕናውን እዩ። ማእከል ሕብረተሰብና ከኣ ቀንዲ ተጠቃዒት ናይዚ ማሕበራዊ ምፍራስ እያ። ብዘይ ማሕበራዊ ማእከልና ከኣ ከም ስልጣነ፡ መንግስትን ህዝብን ብሩህን ተስፋ ዘለዎን መጻኢ ክህልወና ኣይክእልን እዩ።
ስድራቤትን ዓድን መትንታት ናይ ህዝቢ ትግርኛ እየን። መራሕትና ንስድራቤታትናን ዓድታትናን ዕላማ ብምግባር ንሃይማኖትና፡ ክብርታት ስርዓታትና፡ ልምድናን ብምዕናው መሬትና ወሲዶም ማዓልታዊ ርእስና ከም እነድንን ይገብሩና ኣለዉ።
ኣብ ምዕራብ እዚ ናይ ውሽጠ ከተማዊ ትሑት ደርቢ ናይ ዘይትማህሩ ሽግር እዩ። ኣብ ኤርትራ ግን ብኣንጻሩ ናይ ሙሁራን ላዕለዋይ ደርቢ መሪሕነት ፡ ናይ ከተማ ማእከላይ ላዕለዋይ ደርቢን ባህላውያን ናይ ሓረስቶት ደርቢ ሽግርን እዩ። መብዛሕትኦም ውሉፋት ኣልኮል፡ ብዘይ መርዓ ዝወለዳ፡ ጸቕጢ ዘለዎም፡ ነብሶም ዝጸልኡ፡ ትምህርቲ ዘቋርጹ፡ ወዘተን ንደገ ክስደዱ ዝደልዩን ደቂ ሚኒስተራት ህግደፍ፡ ኣምበሳደራት፡ ጀነራላትን ወዘተ እዮም። መንእሰያትና ሓያል ዝኾነ ዕላማን ትርጉምን የብሎምን። መትኒ ሕብረተሰብ ትግርኛ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ብናይ ህግደፍ ማሕበራዊ ምህንድስና ተባሒጊጉ ይርከብ።
ደቂ ሰባት ዕላማን ትርጉምን ምንባሮም ካብ ግንዛበ ዕላማን ትርጉምን ካብ ግንዛበ መንነትን ዋንነትን እዮም ዝረኽብዎ። ምስጋና ንህግደፍን ብልሹዋት ስሙያትናን ዜግነታዊ መንነትና ደብዚዙ ኤርትራውያን ስድራቤታት ንደቆም መንነቶም ኤርትራ ምዃና ክምህርዎም ይውዕሉ ኣለዉ። መግለጺ ኤርትራ ከም መንነት ትሽዓተ ብሄራት እዩ። ምትምያን ወይ ምህንዳስ መንነት ዘይእመንን ዘይክኣልን እዩ። ሓያል ዝኾነ ግንዛበ ዕላማን ትርጉምን ካብ መበቆላውን ሕጋውን ግንዛበ መንነትን ዋንነትን ጥራይ እዩ ክመጽእ ዝኽእል።
ትግርኛ ኤርትራውያን ቆልዑት በቶም ብወለዶምን መንግስቶምን ከም ዝብጽሕዎ ዝመሃሮም ኤርትራውያን እስላም ንጹጋት እዮም። ተጋሩ ህጻናት ብኦሮሞ፡ ኣምሓራ፡ ሶማሊ ወዘተ ብተመሳሳሊ ንጹጋት እዮም።
ንሕና ዜጋታት ኤርትራ ኢና። ውልቃውን ሃገራውን መንነትና ከኣ ግእዝ/ኣግኣዝያን ወይ ትግርኛ/ትግራይ ኢና። ንናይ ኤርትራውያን ብሄራትን እንዳታትን መንነትን ኣነባብራን ነኽብሮ። ነጻ ኮይኖም መንነቶም ክዕቅቡ ድዮም ዋላ ክቕየሩ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳኔታት ክውስኑ ንሕግዞም። ማዕረ ዜጋታት ሃገረ ህዝቢ ኤርትራ ኮይንና ንፍልልያትናን ዝተፈላለየ መንነትናን እንዳኣመናን እንዳተኸባበርናን ንንበር። መንግስቲ ኤርትራ ንኤርትራውያን እስላም ቆልዑት ኤርትራ ወይ ትሽዓተ ብሄራት ቀዳማይ መንነቶም ከም ዝኾነ ኣይምህሮምን እዩ። ኣስላም ኤርትራውያን ስድራቤታት ምስልምና እቲ ቀዳማይ መንነቶምን ብጺሕቶምን ከም ዝኾነ እዮም ንደቆም ዝምህርዎም።
ብዙሓት ኤርትራውያን ትግርኛን ትግራዎት ህጻናትን ወልዶም ካብ ዘለዎም ዘይምትእምማን ኣብ መቦቆላዊ ሕጋውን መንነት ዝተላዕለ ትሑት ርእሰ ምትእምማን እዩ ዘለዎም። ኣብ ደገ ዝዓብዩ ህጻናት ሲንግ ሂንዲ፡ ኣይሁድ፡ ሂንዱስ፡ ኣርመኒያ፡ ቻይናውያን፡ ልዑል ዓወት ዘመዝግብሉ ቀንዲ ምኽንያት ስደራቤቶም ኣብቲ መበቆላዊን ሕጋውን መንነት ተሞርኪሶም ልዑል ግንዛበ ዕላማን መንነትን ስለ ዘስረጽሎም እዩ።
ራእይና ኣብ ደገ ዘሎ ሕብረተሰብ ግእዝ ምሕባርን ንምዕንባብ መንነት ግእዝ ኣብተን ማሕበራት ሕብረተሰብ ግእዝ ኣብ ወጻኢ ከም ኣብያተ ክርስትያናት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ቁንቋ ትግርኛ፡ ባህላዊ ምድላዋት ከም ምርኢታትን ምዝርጋሕ ፍርያት ስነጥበብን ምሕያልን እዩ።
ብዙሓት ናይ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ተመራመርቲ ከም ዘረጋገጽዎ ደቂ ሰባት ብዘይ ውዕውዕ ግንዛበ መንነትን ብጽሒትን ሓያል ግንዛበ ዕላማን ትርጉምን ክህልዎም ኣይክእልን እዩ። ዝሞተ ሰብን ዕላማን ትርጉምን ኣብ ህይወት ዘይብሉ ሰብን ሓደ እዮም።
ኣብ ደገ ዝነብሩ ብዘይ ናይ ማሕበርኮም ደገፍ ኣብቲ ናቶም ዝለዓለ ዓቕሚ ክበጽሑ ከምዘይክእሉ ክፈልጡ ኣለዎም።ኤትራውያን ትግርኛን ትግራይን ሕብረተሰብ ንኤርትራ ናይ ግእዝ/ትግርኛ/ትግራይ ህዝበ ሃገር ከይገበርዋ ክዕወቱን ህይወቶም ከምዓራርዩን ከም ዘይክእሉን ክፈልጡ ኣለዎም። ኣብዚ ግዜ ኣብ ደገ ዝነብሩ ብዘይካ ኣብ ስደት ምቕጻል ካልእ ኣማራጺ የብሎምን። ግዱድ ስደት እዩ። ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ትርጉም ዘለዎ ክብረት፡ ዲሞክራሲ፡ ውሕስነት፡ መንበሪ፡ ኤለክትሪክ፡ ማይ፡ ሕክምና፡ ኢንተርነት፡ ስራሕ ወዘተ የለን። ግን ደቆም ልዕሊ ኣሜርካ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ጀርመን፡ ሽወደን፡ ስዊዘርላንድ ወዘተ ክቅመጥዋ ዝብህግዋን ዝበለጸን ምቾት ዘለዎን፡ ስራሕ፡ ውሕስነት፡ ክብረት፡ ልዑል ደረጃ መነባብሮ፡ ናጽነት እትውንን ኤርትራ/ትግራይ ክምስርቱ ግን እኹል ሓይልን ዓቕምን ኣለዎም። ሎሚ ስደተኛታት ቻይናን ኣይሁድን ብፍቓዶም ዝተሰዱ እዮም። ግዱድ ስደት ብመሰረቱ ክተርፍ ኣለዎ።
ኣብ ደገ ንዘሎ ግእዝ ንምሕባርን መንነት ግእዝ ንምድራዕን ኣብ መንጎ ትግራይን ኤርትራን፡ ሓማሴን-ሰራየ-ኣከለጉዛይ፡ ህውሓት-ህግደፍ፡ ህግደፍ-ተሓኤን ዘሎ ፍልልያት ክንፈትሖ ኣለና። ምፍልላይ ኣብ መንጎ ትግራይ ኤርትራን ብኢጣልያውያንን ኣምሓራን መንነትና፡ ክብርታት ስርዓታትናን ታሪኽናን ንምዕናው ዝተፈጥረ እዩ። ኣውራጃዊ ምምሕዳራት ሓማሴን፡ ሰራየን ኣከለጉዛይን ብኢጣልያውያን ዝተመስረተ እዩ።
ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ናይ ኤርትራ ትግርኛን ትግራይን ማሕበረኮማት ድሮ ብውሽጣዊ መንነትን ዓድታትን ክውደባ ጀሚረን ኣለዋ። ኩለን መንግስታት ውሽጢ ዓዲ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ብከምዚ ኣገባብ ኣብ ደገ ንዘልዉ ማሕበረኮማት ክጥርንፋ ወግዓዊ ክንገብሮ ኢና። እዘን ብመንግስታት ውሽጢ ዓዲ ዝተሰረታ ማሕበረኮማትን ማሕበራትን ከኣ ሓደ ፈደረሽን ናይ ኩለን ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ማሕበረኮማት ብምምስራት ናይ ቋንቋ ትግርኛ ትምህርቲ ይህባ።
ኣዘን ብጂኦግራፊካዊ ኣቃውማ ዝተመስረታ ጉጅለታት ንሓድሕደን ተወዲበን ሓደ ሃገራዊ ናይ ግእዝ ማሕበረኮም ከም ሕ.መ.ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ዓባይ ብርጣንያ፡ ሽወደን ወዘተ የቑማ። እዘን ሃገራውያን ፈደረሽናት ከኣ ዝተፈላልየ ንጥፈታት ከም ቤትክርስትያን፡ ኣብያተ ትምህርቲ ትግርኛ፡ ግእዝ ፈስቲቫላት ወዘተ ይውድባን የካይዳን። እዘን ሃገራውያን ናይ ግእዝ ማሕበረኮማት ከኣ ምስ ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ኣብ ደገ ዝነብሩ ህዝቢ ግእዝ ይጥርነፋ። እዚ ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ኣብ ደገ ዝነብሩ ህዝቢ ግእዝ ከኣ ኣብ ሓፈሻዊ ውዕል ሰላም ዝተመስረተ ሓደ ቤት ጽሕፈትን ሰክረታርያትን ኣብ ትግራይ ወይ ኤርትራ ይተክል። መታን ተኣማንነት ክህሉ ካብ ውሽጣዊ ናይ ወጻኢ ምትእኽኻባት ክሳብ እቲ ዝለዓለ ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ኣብ ደገ ዝነብር ህዝቢ ግእዝ ንኣባላቱን ንሕግን ዲሞክራስያዊ፡ ግሉጽን ተሓታትነትን ዘለዎን ክኸውን ኣለዎ።
ህውሓት ክነብር ዝኽእል ናይ ትግራይ/ግእዝ መንነት፡ ክብርታትን ታሪኽን ምስ ዝሕይል ጥራይ እዩ። ስለዚ ህወሓት ይኹን ዝኾነ ናይ ትግርኛ ፖሎቲካዊ ውድብ ንሽቶታትን ስነ ሓሳብን ህዝቢ ግእዝ ዝበቕዕ ክኸውን ኣለዎ።ብኣንጻሩ ክኸውን የብሉን። ክሳብ ሎሚ ግን ህዝብና ናብተን ንባህሊ፡ ቁጠባ፡ ፖሎቲካዊ ረብሓታት ህዝቢ ግእዝ ንውክል ኢና ዝብላ ከም ህወሓት፡ ህግደፍን ካልኦት ውድባትን ክውከል ጸኒሑ። ኣብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ፖሎቲካውያን ውድባት ይኹና ማሕበራት ንናይ ህዝበን ባህጊ፡ ፍርሒን ትጽቢትን ኣብ ማሕበራዊ ሰረት ብምስማዕ ክሰርሓ እየን ዝቖማ። እቲ ዘሐዝን ግን ህውሓት፡ ህግደፍን ካልኦት ኩለን ናይ ትግርኛ/ትግራይ ስሙያት ፖሎቲካውያን ውዱባትን ማሕበራትን ኣብ ዘይተፈተኑ ስነሓሳባትን ናይ ህዝብና ሕጋዊ ፍርሒ ብዛዕባ ኣምሓሩ፡ እስላምን ኤውሮጳውያን ሓይልታትን ዕሽሽ ብምባል ካልእ ትምህርታት ብምዝርጋሕ ኣእምሮ ህዝብና ኣብ ሕጽበተ ሓንጎል ኣእትየንኦ ይርከባ።
እዚ ሓድሽ ውደባ ናይ ኣብ ደገ ዝርከቡ ትግርኛ ንሓማሴን፡ ሰራየ፡ ኣከለጉዛይ ዝብል ጽውጽዋይ ብምእላይ ነቲ ብህወሓትን ህግደፍን ዝሰምበረ ህዝቢ ክፍውሶ እዩ። ብተወሳኺ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊን ፖሎቲካውን ማሕበራት ኣብ ውሽጢ ብዝፈልጥኦም ሰባት ስለ ዝውከላ ጽቡቕ ዝኾነ ርክብ ክፈጥራ፡ ኣብ ደገ ዘሎ ግእዝ ክሓብር፡ ብምድራዕ መንነት ግእዝን ክብርታትን ሓያል ሓባራዊ መንነት፡ ታሪኽ፡ ክብርታትን ዕላማን ግእዝ ሓያል ማሕበራዊ ምትእምማን ክፈጠራ እየን።