country-name

ሽም ሃገርና

ኣብ ዓለም ክልተ ዓይነት ሃገራት ኣለው፡ እዘን ብገዛእቲ ዝተመስረታን ኣብ ነዊሕ ብውሽጣዊ ፍለቓን ልዑል ስልጣነን ዝመጻ ሃገራትን።  ብጀካ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ብገዛእቲ ሃገራት ዝተመስረታ እየን። ኣስማተን ውን ብገዛእቲ ዝተዋህበን እዩ። ኣግኣዝያን ካብ ጥንቲ ብዝመጸ ውሽጣዊ ፍልቀትን ልዑል ስልጣነን ዝመጸ ሃገር እዩ። ኣግእዝያን ናብ ትግራይን ኤርትራን ብኣምሓራ/ኢትዮጵያን ጥልያንን ክምቀል ከሎ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኾነ ክብርታት፡ መንግስቲ፡ ሰራዊት፡ ፍርዳዊ ኣካላት፡ ይውንን ነይሩ። ኢጣልያ ከም ሓንቲ ሃገር ዝቖመትሉ 1871 እዩ ነይሩ።

ኢጣልያውያን ንሃገሮም ኢጣልያ ንቋንቋኦም ከኣ ጥልያን ኢሎም ሰምዮሞ። ኢንግሊዛውያን ንሃገሮም ኢንግሊዝ ንቋንቋኦም ከኣ ኢንግሊሽ ኢሎም ይጽውዕዎ። ደኒማርካውያን ንሃገሮም ዴንማርክ ንቋንቋኦም ከኣ ዳኒሽ ሰመይሉ ምኽንያት ደቀባት ነበርቲን ሃገራዊ ባህላዊ መንነቶም ከኣ ኣብ ነዊሕ ልዑል ደርጃ ስልጣነን ውሽጣዊ ፍልቐትን ስለ ዝሃነጽዎ እዩ። ከምቲ ሃገራት ኢጣልያ፡ ኢንግሊዝን ደኒማርክን ዘመናውያን ሃገራት ዝኾና ከምኡ ከኣ ንሕና ኣግኣዝያን ኣብ ተመሳሳሊ መስርሕን ፍልቀትን ንዘመናዊት ሃገር ኢና ነይርና። ንሕና ኣግኣዚያውያን ቋንቋና ግእዝ ስም ናይ ሃገራዊ ባህላዊ መንነትና ከኣ ኣግኣዝያን እዩ።

ትግርኛ ከም ቋንቋና፡ ትግራይ ከም ሃገራዊ ስም ኣብ ዝሓለፈ 800 ዓመት ክውለድ ከሎ፡ ግእዝ ከም ቋንቋ ኣግኣዝያን ከኣ ከም ከም ሃገራዊ ስም ቅድሚ 2500 ዓመት ዝነበረ እዩ። ትግርኛ ናይ ገዛእ ርእሱ ፊደላት ክፈጥር ኣይከኣለን። ግእዝ ቋንቋና ግን ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ንጥቀመሉ ኣለና።

ድሕሪ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ልዑል ስልጣነን ውሽጣዊ ፍልቀትን ኣግኣዝያን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሃጸይ ዮሃንስ IV ናብ ዘመናዊት ሃገር ዓብያ ነይራ። እንተኾነ ብተንኮል ኣምሓራ፡ ጥልያንን ካቶሊክን ኣብ ክልተ ክትምቀል ተገይሩ። ካብ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ክትስመ ዝዓቢ ሕፍረት የለን። ኤርትራ ዝብል ስም ብኢጣልያውያን/ካቶሊክ ዝተዋህበ ኮይኑ ምኽንያቱ ከኣ ካቶሊክን ምዕራባዊ/ግሪኽ ቋንቋን ስልጣነን ስለ ዝውክል እዩ። ብሉይ ኪዳን ወይ ኦሪት ብእብራይስጥ ዝተጻሕፈ ክኸውን ከሎ፡ ሓድሽ ኪዳን ግን ብግሪኽ እዩ ተጻሒፉ። ካቶሊካውያን ንኣግኣዝያን ካብ ናይ ብሉይ ኪዳን ወይ ኦሪት ሃገር ናብ ናይ ሓድሽ ኪዳን ንምቕያራ ንሓሙሽተ ዘመናት ዝኣክል ተቓሊሶም። ኤርትራ ዝብል ስም ብዝተጸንዐ ኣገባብ ካብ ናይ ግእዝ መንነትን ታሪኽን ንምሙንቃስ ኮነ ኢልካ ዝተኣታተወ እዩ።

ኤርትራ ዝብል ስም ኮነ ኢልካ ካብ ታሪኽናን መንነትናን ፈሊኻ ንምሕሳርና፡ ምብልሻውናን ምጥፋእናን ዝተሃንደሰ እዩ። ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ስደራቤት፡ ሓብረተሰብ፡ ነጻነት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ውሕስነትን ግዝኣተ ሕግን ነይሩና። ኣግኣዝያን ፍቕሪ፡ እምነት፡ ደስታ፡ ሓጎስን ክብረትን ሂብና።

ኤርትራ ካብ እትፍጠር ግን እዚ ኩሉ ክብርታት ስኢናዮ። ዘኽታማት፡ መበለታት፡ ስደተኛታት፡ ስንኩላንን ነዳያትን ጥራይ ነፍሪ ህዝቢን ሃገርን ኮይንና ተሪፍና። ኤርትራ ንዓና ናብ ባሮት ቀይራትና። ሕዙንን ግዙእን ኮይንካ ዝርከብ ሓበን ከኣ የለን።

ህዝቢ ንክፈልጥ ሰውራና ነቲ ዝሰኣናዮ ስድራቤት፡ ሓብረተሰብ፡ ነጻነት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ጸጥታ፡ ድሕነት፡ ግዝኣተ ሕጊ፡ ፍቕሪ፡ እምነት፡ ደስታ፡ ሓጎስን ክብረትን ቅድሚ ጥልያን ዝነበረ ምምላስ እዩ። ንስሙያት መራሕትና ግን ነቲ ጥልያን፡ ኢትዮጵያን ካቶሊክን ዝጀመረዎ ባርነት፡ ሕስረት፡ ድንቁርናን፡ ብልሽውናን ድኽነትን ምቕጻል እዩ። 

ቃልስና ግን ነዞም ክብርታት ንምምላስ ጥራይ ኣይኮነን።  እንታይ ደኣ ነቲ ጥልያን፡ኢትዮጵያ፡ ኣምሓራ፡ ካቶሊክን ህግደፍን ዘምጽእዎ ኤርትራ ዝብል ስማ ናብ ዘ ብሔረ ኣግእዚንያ ብግእዝ፡ ሃገረ ኣግኣዚይን ከኣ ብትግርኛ ምቕያርን ንታሪኽና፡ መንነትናን ክብርታትናን ዝውክል ሓድሽ ሃገራዊ ሰንደቕ ዕላማ፡ ሃገራዊ መዝሙርን ኣርማን፡ ስም ባጤራን ምትእትታው እዩ።