
ቀቢላታትን እንዳታትን Tribals & Clans
ፖሊሲ ህግደፍ ንኤርትራውያን ንማሕበረ ቑጠባ ቀቢላታትን እንዳታትን ውሁዳን ካብ ሃብቲ ህዝቢ ትግርኛ ወሲድካ ምምዕርራይ እዩ። ነዞም ቀቢላታትን እንዳታትን ምስ ህዝቢ ትግርኛ ብከም ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምሕዋስ ከኣ ሓደ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነት ምፍጣር፡ ምኽንያቱ ብዘይ ተዛነቐ ማሕበረ ቁጠባዊ ድሕረ ባይታ ሃገራዊ መንነት ክህነጽ ስለ ዘይክእል። ህግደፍ ኣብ መንጎ ቀቢላታትን እንዳታትን ሓደ ሃገራዊ መንነት ንምፍጣር ዝገበሮ ኩሉ ኣይሰርሐን ምኽንያቱ እዞም ውሁዳን ብዘተማህርዎ መጠን መንነት ዓረብን እስላም ስለ ዘማዕበሉ። እዚ ኣብ ቅማረን ግምታትን ህግደፍን ዘይነበረ እዩ።
ህግደፍ ኣብ ምቅያር መነባባሮ ቀቢላታትን እንዳታትን ልዕሊ ትጽቢት ተዓዊቱ እዩ። ናይ ሎሚ ቀቢላታትን እንዳታትን ኤርትራ ብመንባብሮ ካብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ይስርዑ። ንመንጽጻር ዝኣክል መነባብሮ እቶም ኣብ ሱዳን ኢትዮጵያን ጂቡትን ዘለዉ ሓደ ዓይነት ቀቢላታትን እንዳታትን ክንዕዘብ ንኽእል። ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ጥሜት፡ ዓሶን ክታበትን ዝመውት ቀቢላዊ ወይ እንዳዊ ህጻን የለን።
ነጻ ናይ ሕክምና፡ ትምህርቲን ትሕተ ቅርጽን፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ትካላትን ወዘተ ኣብ ቦታታት እዞም ቀቢላታትን እንዳታትን ንህዝቢ ትግርኛ ብምግባርን ከቢድ ግብሪ ብምስላዕን ዝካየዱ እዮም። እዚ ከይገበርካ እዚ ዓይነት መሰለጥያታት ነዞም ቀቢላታትን እንዳታትን ክትቅርበሎም ኣይከኣልን እዩ።
ኣብ ሰብዓታት ንመሬት፡ መንነትን፡ ታሪኽን ክብርታትን ህዝቢ ግእዝ ንምውሓስ ናብ ህግሓኤ ዝተሰልፉ ኣቦታት ሕጂ ምስ ደቂ ደቆም ንናይ ህግደፍ ዕላማ ንምፍጻም ይሃልኩ ኣለዉ። ደቂ ደቆም ግን ካብዚ ባርነት ንምግልጋል ብብዝሒ ንሰደት ይውሕዙ ኣለዉ። ናይ ሰብዓታት፡ ሰማያታትን ተስዓታትን ተጋደልቲ መጻኢኦም ዝኾኑ ደቆም ሕልምታቶም፡ ስድርኦም፡ መሬቶምን እንዳሰኣኑ ይሞቱ ኣለዉ። ብሰንኪ እዚ ወልፍታት መስተ፡ ሽጋራን ጸቕጥን ኣጥርዮም ቀስ ብቐስ ርእሰ ቅትለት ይፍጽሙ ኣለዉ። እዚ ከኣ ዓሌታዊ ምጽራይ እዩ።
ኣግኣዝያንነት ምህላዉ ሓያል እምነት ኣብ ማሕበራዊ ፍትሒ ማለት እዩ። ኣብ ርትዓዊ ዝኾነ ምክፍፋል ጸጋታትን ሰብኣዊ ድሕነትን ንኣምን። ንህዝቢ ትግርኛ ግዳይ ከይገበርካ ንናይ ህግደፍ ተኣምራታዊ ዓወታት ኣብ ቀቢላታትን እንዳታትን ከነስፍሖ ኢና።
ብመስረት ካብ 2007-2015 ብዓለማዊ ባንክ ዝወጸ ንተርታ ንንግዲ ምቹኣት ዝኾና ሃገራት፡ ኤርትራ እታ ቀንዲ ተጻባኢት ሃገር ንምሕዝነት ንግድን ዋኒን ተባሂላ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ። ብመስረት internetlivestats.com ዝተባህለ መርበባ ሓበሬታ ኣብ 2014 ኣብ ኤርትራ ካብ 6.5 ሚሊዮን ህዝቢ ኣስታት 59,800 ወይ ከኣ 0.9% ጥራይ ኢንተርነት ይጥቀሙ። እዚ ማለት ኣብ ዓለም እቲ ዝተሓተ ማለት እዩ። ኤርትራ ምስ ላይበርያ ካብ ዓለም ኣገልግሎት ቅልጡፍ ኢንተርነት ዘይብላ ሃገር እያ። እዚ ኮነ ኢልካ ንናይ ትግርኛ ማእከላይ ደርብን ዋኒን ካብ ሃገር ንምውጻእ ዝተሰርሓሉ ፖሊሲ እዩ።
ኣብ ወርሒ $150 ኣታዊ ዘለዎም 100 ሰባት ናብ $10,000 ኣደይብካ ኣብ ወርሒ $100 ዶላር ኣዋጽእ ክትብሎ ርትዓዊ እዩ። ነቲ ኣብ ውርሒ $10,000 ዝኽፈል፡ $100 ከም ግብሪ ክኸፋል ከባድ ኣይኮነትን ብተመሳሳሊ $10 ነቲ $150 ዝኽፈል። ምጥያስ ሰለስተ ሚሊዮን ተጋሩ ኣብ ኤርትራ ከኣ ምቅላል ሸኸምን ሓለፍነታትን እዩ።
ከምቲ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ኩሉ ኣብ ከባቢታት ቀቢላታትን እንዳታትን ዝግበር ማሕበራዊ፡ ትሕተ ቅርጻውን ጸጥታውን ወጻኢታት ኩሉ ንህዝቢ ትግርኛ ብምግባርን ብምግዳድን ዝምወል እዩ። ካብ ካልእ ጽላታት ከም ዕደና፡ ምግፋፍ ዓሳን ረዲኤትን ካብ ዝርከብ ኣታዊ እቲ 80% ናብዘን ቀቢላውን እንዳውን ዓድታት እዩ ዝኸይድ። ብዘይ ግዱድ ነጻ ጉልበት ኣብዘን ከብቢታት ክሰላሰል ዝኽእል ስርሓት የለን። ብጣዕሚ ትሑትን ዘይብቑዕን ጥዕናዊ ኣገልግሎታት ኣብ ዓፋር ኢትዮጵያን ናይ ምብራቕ ሱዳን ቀቢላታትን ብምሉእ ብዘይመንግስታውያን ትካላት እዩ ዝካየድን ዝምወልን።
ብዘይ ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ ትግርኛ ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 90% ቑጠባዊ ምዕባልን ማዕርነታዊ ብልጽግናን ኣብ ሕብረተሰብ ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ። ንቐቢላታትን እንዳታትን ብሄራት ርእሰ ምምሕዳር ብምፍቓድ ብቀሊሉ ሃብቲ ምምቅራሕን ባህሎምን ሃይማኖትምን ብነጻነት ከትግብሩ ምግዳፎምን።
ከም ቀዳሞት ደቀባት ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ትግርኛ እቲ እንኮ መሰል ርእሰ ውሳኔ ዘለዎ ህዝቢ እዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት፡ ሕጊ፡ ክብርታትን ዲሞክራስን ወዘተ ብህዝቢ ትግርኛ ኤርትራ ጥራይ እዩ ክውሰን ዘለዎ። ኤርትራ ክም ህዝበ ሃገር ህዝቢ ግእዝ/ትግርኛ/ ትግራይ መሰራታውያን ክብርታት ሃይማኖት ኦሪትን ባህሊ ግእዝን ዝኮነ ሰብ ብምስሊ ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረ፡ ኩሉ ሰብ ከይተጎሰየ ናጻ ናይ ምዃን መሰል፡ ቀዳም መዓልቲ ዕረፍቲ ክትከውን፡ ኩሉ ናይ ኦሪት ትግርኛ በዓላት ሃገራዊ በዓል ክኸውን፡ ትግርኛ/ትግረ/ግእዝ ሃገራዊ ቋንቋና ክኸውን፡ ናይ ቐንዴል ሃገራዊት ባንዴራናን ኣርማናን ክትከውን፡ ኦሪት ከም ሃገራዊ ጽሑፍናን ሃይማኖታዊ ስነ ጽሑፍናን ኩሎም ኤርትራውያን ህጻናት ኣብ ቤት ትምህርቲ ክመሃርዎ፡ ዝኮነ ሰብ ክገብሮ ንዘይደልየ ስርዓት ወይ ልምዲ ክግበሮ ክግደድ የብሉን። ብመሰረት ኦሪት ሃይማኖታዊ ምግዳድ ነውሪ እዩ።
ኩሉም ኣወዳትን ኣዋልድን ስደተኛታት ዲሞክራሲያዊ መሰል ሃልይዎም ብማዕርነት፡ ክብረትን ናጽነትን ከም ውልቀ ዜጋታት ኤርትራ ክነብሩ እዮም።
ትግርኛ ኤርትራውያን ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት 99% ዋጋ ዘኽፈሎም ምኽንያት እቶም እንኮ ዓቢ ትጽቢት፡ መለኽዒን ጥሙሕን ዝነብሮም ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾኑ እዩም። ድሕሪ ናጽነት እቶም ብብዝሒ ንስደት ዝፈለሱ ተወላዶ ትግርኛ እዮም እቲ ምንታይሲ እታ ዝተጸበይዋ ሃገረ ህዝቢ ናጻ ኤርትራ ከም ትጽቢቶም፡ ደረጅኦምን ጥምሖምን ስለ ዘይኮነት። ብሄራት ኤርትራ ክርድእዎ ዝግባእ ነገር ኣንተድኣ ሃልዩ ብዘይ ህዝቢ ትግርኛ ኤርትራ ከም ሶማል ብእንዳታት ተኸፋፊላ ኣብ ዘይወጽእ ኩናት ወይ ከኣ ከም ምብራቅ ሱዳንን ክልል ዓፋር ኢትዮጵያን ብዘይ ትምህርቲ፡ ሕክምና፡ መጉዓዝያ፡ ወዘተ ብጥሜትን፡ ተመሓላአፍቲ ሕማማትን ዓሶን ከኣ መዓልታዊ ኣሽሓት ሰባት ዝሞቱላ ሃገር ምኾነት። እዚ ልዑል ትጽቢት፡ ደርጃን ጥሙሕን ህዝቢ ትግርኛ ንኻልኦት ብሄራት ጠቓሚ እዩ ምኽንያቱ ተማቀልቲ እዞም ሓሳብት ስለ ዝኾኑ።
ዓቢ መሬትን ንዋይን ኤርትራ ንብዙሓዊ ሰፈራታት ህዝብታት ዓጋመ፡ ሽረ፡ ዓድዋ፡ ተንቤን፡ ኣኽሱም፡ ኽልተ ላዕለው፡ ራያ ዓዘቦ፡እንድርታ፡ወልቃይትን ኣብ ገማግም ባሕርን ምዕራባዊ መታሕትን ምጥያስ፡ መታን ሕጋዊ ዝኾነ ግእዝ/ትግርኛ ሃገራዊ መንነት ኣብ ዝሓጸረ ክንምስርት። ናቶም ውሽጣዊ ሓርበኛነት፡ መንነት፡ ታሪኽን ባህልን ብምኽባር ሓድሽ ምምሕዳር ከነቁመሎም ይግባእ። ሃገራዊ መንግስቲ ብደረጃ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስርዑ ምዕራባውያን ቴክኖክራትስ፡ ቢሮክራትስ፡ ስነ ፍልጠተኛታት፡ ማናጀራት፡ ኢንጂነራትወዘተ ብምቁጻር ኣዝዩ ዝተራቐቐ ስርዓተ መንግስቲን ቁጠባዊ ስርዓትን ብቅልጡፍ ክተኽለሎምን ንምትሕልላፍ ቴክኖሎጂን ምሕደራን፡ ናይገዛእ ርእሶም ውሽጠ ዓዳውን ዞባውን ናይ ውህለላን ወፍርን ትካል፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ኢንዱስትራያዊ ዞናን ንሰደድ ዝዓለመ ሕርሻን የዋድደሎም።
እዚ ንኤርትራ ማሕበራዊ ምትእምማን ዝሰፈና እንኮ ብሓደ ህዝቢ ዝቖመት ሃገረ ህዝቢ ይገብራ። ማሕበራዊ ምትእምማን እንተድኣ ኣሎ ዲሞክራሲ፡ ግዝኣት ሕጊ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ሓርነት፡ ብልጽግና ክህሉ ብግዲ እዩ። ካብዚ ከኣ ኤርትራውያን ብሄራት ብዝለዓለ ተረባሕቲ ክኾና እየን። ብሓጺሩ ንኤርትራ ሃገረ ህዝቢ ትግርኛ/ግእዝ ህዝቢ ምግባራ ንህዝቢ ትግርኛን ብሄራትን ብማዕረ የርብሖም።
ጽቡቕ ክፍሊት ዘለዎም ኣብ ትሑት ቴክኖሎጂ ዝጠልቡ ብዙሐ ቢሊዮናዊ ትካላት ከም ዓለባ፡ ንግዲ ኣብ ወጻኢ ዝተሰርሑ ኣቑሕትን ቀረባት/ መጉዓዝያ/ ምኽዛንን፡ ምስናዕ ጫማ፡ ምጽጋን መራኽብ፡ ምግፋፍ ዓሳ፡ ሕርሻ ዓሳ፡ ሕርሻ እንስሳን ኣሕምልትን፡ ከምኡ’ውን ምዕሻግ መግቢ ዝተኮሩ ሚሊዮናት ስራሓት ኣብ ውሽጢ ዓመት ክንፈጥር ንኽእል።
ተወዳዳሪ፡ ብቑዕ፡ ደረጅኡ ዝሓልወ፡ ግሉጽን ርጉእ ሕጋውን ፖሎቲካውን ስርዓት ብምድላው ብምዕራባውያንን ኤስያውያንን ኣውፈርቲ ተኣማንነት ረኺብና፡ ብትሑት መጠን ወለድ ንንግዳውን ማሕበራውን መደባትና ዝኸውን ኣኩል ገንዘብ ክንረክብ ንኽእል። እዚ ኣብ ዱባይን ቀጠርን ዝስርሓሉ ምዕራባውያን ኣካየድቲን ኣመሓደርትን ብምቑጻር ቀዳማይ ደረጃ ኢንዱስትሪታት ምምስራትን ብትሑት መጠን ወለድ ከኣ ኢንዱስትሪታትካ ምምዕባልን።