
ቀጥታዊ ደሞክራሲያ Direct Democracy
ህዝቢ ግእዝ ንምዕቃብን ምክልኻልን ሃገራዊ ባህላዊ መንነቱ፡ ታሪኹ፡ ክብርታቱን መሬቱን ተቓሊሱን ተስዊኡን እዩ። እንተኾነ ሕቡእ ኣጀንዳ መራሕቲ ህግሓኤ ነዚ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት፡ ታሪኽ፡ ክብርታትን ምጥፋእን ብኻልእ ኣድማሳዊ፡ ሕብረ ባህላዊን ዓለማውነትን ምትካእ እዩ። ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ነቲ 99% ተጋዳላይ ናጽነት ዳግመ ህንጻ ንስድርኦም፡ ዓድታቶም፡ ማሕበር ሰቦምን ናይ ሃገሮም ሕውየት ቁጠባን ክኸውን ከሎ፡ ነቶም ዝተረፉ 1% ብርጅዋ ግን ብጉልባብ ልኡላውነት ምጅማር ሓድሽ ማሕበረ ሰብኣውን ባህላውን ሰውራ እዩ ነይሩ።
እዚ ክሕደት ከኣ ንህዝቢ ትግርኛ ኣብ ልዕሊ መሪሕነትን ፖለቲካን ዝኾነ እምነ ከምዘይህልዎ ገይሩ። እዞም በርጅዋ ክብል ከለኹ ፖሎቲካዊ፡ ባህላዊ፡ ንግዳዊ፡ ትምህርታዊ፡ ወተሃደራዊን ዝነብሮም ምሁራን ዩኒቨርሲቲ ማለት እዮም።
እዞም ሰባት ናይ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኣተሓሳስባ ዘይወጻሎም እዮም። ኤውሮጳውያን ክግዝኡና ከለው ንህዝቢ ኣፍሪቃ ካብ ድሕረት ንምግላጋል ዝብል ጉልባብ እዮም ተጠቂሞም። ብተምሳሳሊ እዞም ብርጅዋ ዕላምኦም ነዚ ህዝቢ ካብ ድሑር ኣተሓሳስብኡ ምውጻእን ንደቀንስትዮን ሓረስቶትን ንምንጋፍን ዝብል’ዩ ተልእኽኦም። እቲ ሓቂ ግን ቅድሚ ሰለስተ ሺሕ ዓመት ዝነበረና ምዕባለ ማለት ምህናጽ ክብርታት፡ ግዝኣት ሕጊ፡ ነጻነት፡ ድንጋጸ፡ ስድራቤት፡ ማዕርነትን እዩ። እቲ ድሕረትን ዘይብምዕባለን ዝበሃል ዘሎ ናይዞም ብርጁዋታት ዓሚቕ ውልቃውነት፡ ብልሽውና፡ ስስዐን ጭካነን እዩ። ጥበብን ፍልጠትን ክልተ ዝተፈላለየ ነገር እዩ። ጥበብ ካብ ሕብረተሰብ፡ ፍልጠትን ግን ካብ ዩኒቨርሲቲ ክትመሃሮ ትኽእል ኢኻ።
እንተድኣ ብሓቂ እምነት ህዝብና ክንመልስ፡ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ገስጋስ ከነመዝግብን ሓቀኛ ማዕርነት ክንተክል ደሊና ነዚ ህዝቢ ፖሎቲካን ቑጠባውን ሓይሊ ክንህቦ ይግብኣና። ዲሞክራሲ ኣብ ፖሎቲካ ማዕረ ምዃን ኣንተኾይኑ፡ ብቑጠባ ከይተማዕራረና ኣብ ፖሎቲካ ማዕረ ክንከውን ዘይሕሰብ እዩ። ሓቀኛ ሓይሊ ቑጠባ ወይ ከኣ ገንዘብ እዩ።
ስለዚ እንተድኣ ዝሰርሕ፡ ብቑዕን ኣሳታፍን ዲሞክራሲ ክንሃንጽ ደሊና፡ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማዕርነት ከንውሕስ ይግባእ። ንዓና ዘድልየና ቀጥታዊ ዲሞክራሲ እዩ። ሃገራት ምዕራብ ውከላዊ ደሞክራሲ እየን ዝጥቀማ።
ምህላዉ ሓቀኛ ፖሎቲካዊ ሓይሊ ክብል ከለኹ መሰላት ምምራጽ፡ ሓይሊ ምልዋጥ ቅዋሚ ሕግታት ምህላው፡ ንዝተመርጹ ሓለፍቲ ብቕሉዕ ምንቃፍን ንዘይተፈጸሙ መብጽዓታት ምኹናን፡ ውሳኔታት ትምህርቲ፡ ሕብረተሰብን 90% ቑጠባዊን ፍርዳውን መስርሓትን ብህዝቢ ብዝተመርጹ ሓገግትን ፈጸምትን ኣካላት ከም ዝኮናወን ምግባር።
ስዊዘርላንድ እታ እንኮ ብቀጥታዊ ዲሞክራሲ እትምሓደር ክልተ ዞባዊ መንግስታት ዘለዋ ሃገር እያ። ዕድላት ሽቅለት ክፈጥር ዝኽእል ውሽጣዊ መንግስቲ ዘለዋ ሃገር የላን። ኣብ ናትና ዲሞክራሲ እቶም ናይ ውሽጣዊ መንግስትና ሃብትን ስራሕ ናይ ምፍጣር ዓቕምን ከም ዝህልዎ ክኸውን እዩ። ናትና ዲሞክራሲ እቲ እንኮ ፖሎቲካዊ፡ ሓጋግን ቑጠባውን ብዙሕነት ዘልዎ ቀጥታዊ ዲሞክራሲ ክኸውን እዩ።
ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ዝነበራ ምምሕዳራትና ምሉአ ሓይሊ ሃብትን ምፍጣር ስራሕን ነይርወን። ክሳብ ብገዛእቲ ኢጣልውያን ዝፈረሳሉ ዓዳዊ ምምሕዳራትና ኣብ ጉዳይ መሬት፡ ሕርሻ፡ ኣከባቢን ምሕጋግ ሕግታትን ከም ገበናዊ፡ ኣካባብያዊ፡ ንግዳዊን ቤተሰባውን ሕግታት ምሉእ ስልጣን ነይርወን።
ቅድሚ ምምስራት ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብጥልያንን ኣምሓራን፡ ካብ ማሕበራዊ ምትእምማን፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ክብርታትን ሃገራውነትን ዝመንጨወ ቀጥታዊ ዲሞክራሲ ኣብ ምድሪ ኣቦታትና ነይሩ እዩ። ዕላማ ቃልሲ ንነጻነት ከኣ ነቲ ምስ ምምጻእ ህዝበ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተዳኸመ ቀጥታዊ ዲሞክራሲ ንምምላስ እዩ ነይሩ።
ከምቲ ፕረዚደንት ሕ.መ.ኣሜሪካ ነበር ፍራንክሊን ዳላኖ ሩዝቨልት (ጥሪ 30, 1882-ሚያዝያ 12,1945) ዝበሎ ንክውንነትና ዘረጋግጽ ናጽነት ኣምልኾን ድሌታትን ክህልወና ኣለዎ። ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ ናጽነት ንባህልኻ፡ ክውንነታዊ ሓሳባትን ብናይ ሓደ ክቕበሎም ፍቓደኛ ዝኾነ ኣካልን ንዋይን ክትረዳዳእ ምኽኣል ማለት እዩ። ኣብ ትምህርቲ፡ ተግባር፡ ኣምልኾን ትዕዝብትን ምስናይ ናጽነት ምቕያር ሃይማኖትን፥ ዘይምኽታል ዝኾነ ሃይማኖትን ዘተኮረ ናጽነት እምነትን ሃይማኖትን ክህልወና ይግባእ። መሰረታዊ መሰል ደረጃ መነባብሮ ኣብ ጉዳይ መግቢ፡ ክዳን፡ ትምህርቲ፡ መጽለሊ፡ ጥዕናን ሕጋዊ ሓገዝን ክህልወና ኣለዎ። ብጽልዋታት ምሕደራ ውሑዳን እስላማዊ ሳላፊን ዋሃቢን ካብ ዝልዓል ፍርሒ፡ ፍርሒ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ስደተኛ እስላማዊ ሳላፊን ውሃቢን ሑሉፋት ዓረባውያን መንግስታትን ከምኡውን ካብ ፍርሒ ወራር፡ ጭቆናን ተነጽሎን ናጻ ክንከውን ይግባእ።
ጥንታዊ ጽገናዊ ስነሓሳብ ማለት ፖሎቲካዊ ፍልስፋና ወይ ስነ ሓሳብ ኮይኑ ኣብ ቀዳማይ ዕላምኡ ሓይሊ መንግስቲ ብምድራት ናጽነት ውልቀ ሰባት ምሕላው እዩ።
ዘመናዊ ጽገናዊ ዲሞክራሲ ብኣንጻሩ ኣብ ትሕቲ መትከላት ጽገና ዝዓዩ ውከላዊ ዲሞክራሲ ዝጥቀም ኣገባብ ምሕደራ መንግስቲ እዩ። እዚ ማለት ኣብ ሕጊ ዝተወቅረ መሰል ውልቀ ሰባት ምሕላው ማለት እዩ። ርትዓዊ፡ ናጻ፡ ምርጫ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ፖሎቲካዊ ሰልፍታት፡ ምክፍፋል ስልጣን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣካላት መንግስቲ፡ ግዝኣተ ሕጊ መርኣያ ግሉጽ ሕበረተሰብ፡ ማዕረ ውሕስነት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖሎቲካዊ ናጽነትን ከኣ መለለይኡ እዮም። ኣብ ባይታ እንክግለጽ ጽገናዊ ዲሞክራሲ፡ ስልጣን መንግስቲ ብምሕንጻጽን ማሕበራዊ ውዕል ንምዕቃብን ሓንሳብ ሓንሳብ ብመልክዕ ጽሑፍ ወይ ዝተሓገገ ቅዋም ይሕንጽጹ እዮም።
ዘመናዊ ጽገናዊ ዲሞክራሲ ብዘይ ማሕበራዊ እምነት ክሰርሕ ኣይክእልን ጥራይ ዘይኮነ ንሓደ ሕበረተሰብ ናብ ሞት ክመርሕ ይኽእል እዩ። ኣህዛብ ማሕበራዊ ተኣማንነት ከማዕብሉ ዝኽእሉ ተመሳሳሊ ዕላማ፡ ክብርታት፡ ባህሊ፡ ታሪኽ መንነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ምስ ዝህልዎም እዩ።
ኣብዘን ብዓሌትን እንዳን ዝተመቓቐላ ሃገራት ኣፍሪቃ ማሕበራዊ ምትእምማን ዝበሃል ነገር የለን። ኤውሮጳውያን ኮነ ኢሎም ዝሰርሕሉ ነገር እንተድኣ ኣሎ ብዓሌት ዝቖማ ሃገራት ብምምስራት ቀዋሚ ዘይምትእምማን ምፍጣር እዩ። ቀዋሚ ዘይምትእምማን እንተድኣ ኣሎ ከኣ ቀዋሚ ዝኾነ ብልሽውና፡ ድኽነትን ቅልውላውን ክህሉ ብግዲ እዩ።
ምትእትታው ባህላዊ ብዝሑነትን ሓያል ምትሕግጋዝን ኣብ ምድኻም ሕበረተሰባት ሃገራት ኤውሮጳን ማሕበራዊ ምትእምማንን ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ኣብ መንጎ ጸዓዱን ጸለምቲ ኣመሪካውያንን ብሰንኪ ጊልያነት ዝሰዓበ ዘይምትእምማን ብዓበይቲ ኮርፖሬሽናት ተመዝሚዙ ንክልቲኦም ሕበረተሰባት ብማዕረ የጥፍኦም ኣሎ።
ሎሚ ናይ ጸዓዱ ሕበረተሰባት ኣብ ምዕራብ ዘይምትእምማን ንናይ ገዛእ ርእሶም የማናይን ጸጋማይን ፖሎቲከኛታት፡ ፖሎቲካዊ ማሕበራት፡ ፖሎቲካዊ ትካላት፡ ንግዳዊ ትካላትን ናይ ሓፋሽ መራኸቢታትን ጸልዩ ይርከብ። ምዕራባውያን ፖሎቲከኛታት ዝያዳ ተሓለቕቲ ናይቶም ኣብ ጎስጋስ ምርጫ ዝመውልዎም፡ ምዕራባውያን ትካላት ንሰብ ብርክን ኣካየድተንን ጥራይ ዘርብሓ፡ ምዕራባዊ ሚድያ ከኣ ኣብ ሕብረተሰብ ብምስምማዕ ንሰብ ፍሉይ ረብሓ ጥራይ ዘርብሕ ኮይኑ ንረኽቦ። ምዕራባዊ ዲሞክራሲ ጸወታ እቶም ውሁዳት ብርጅዋታት ኮይኑ ንረኽቦ።
ክሳብ ሕጂ ንጽገናዊ ዲሞክራሲ ብብቕዓት ክትክእ ዝኽእል ኣማራጺ ኣይተረኽበን ዘሎ። ንሕና ግን ኣብ ጥንታዊ ታሪኻዊ ምትእምማን ግእዝ ሕብረተሰብ ብምሕያልን ቀጻልነት ታሪኽ፡ ባህልን መንነትን ታሪኻዊ ምድርና ብምዕቃብን ጽገናዊ ዲሞክራሲ ክንሃንጽ ንኽእል ኢና።
ኣብዛ ግዙፋውያን ትካላት ተዓብሊላ ዘላ ዓለም 90% ናይ ቑጠባ፡ ፖሎቲካን ፍርዳዊ ውሳኔታትን ኣብ ኢድ ኣማሓደርቲ ብምግባር ሰብ ፍሉይ ረብሓታት ብምጥፋእ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ትካላት፣ ሃገራውያን ማሕበራት፡ ህዝባውያን ማሕበራትን ውልቀሰባትን፡ ክምኡ’ውን ምሕያል መረጽቲ ልዕሊ ተመረጽቲን ብምትግባር ክንዕወት ንኽእል። ንባሃልታትናን ልምድታትናን ከምኡ’ውን ናይ ውሁዳን ዓሌታትን እንዳን ኣፍልጦ ብምሃብን ብምትብባዕን ምትእምማን ከነስፍን ንኽእል ኢና።
ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ሓያል ዓቢ መንግስቲ ክህልወና የድሊ። እቲ መንግስቲ ከኣ ግሉጽነት፡ ተሓታትነት፡ ብቕዓትን ተላቢሱ ማሕበራዊ ምትእምማን፡ ጸጥታ፡ ብልጽግና፡ ውሕስነት፡ ማሕበራዊ ፍትሕን ምውጋድ ብልሽውናን ይሰርሕ።
ህዝቢ ግእዝ ንልዕሊ 90% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕውምን እቲ እንኮ ሓደ ዓይነት ባህርን መቦቖልን ከም ዘለዎ ዘመስከረ ህዝቢ እዩ። ዝተፈላለየ ልምድታት፡ ኣደማምጻ ቃላት፡ ባህልን ልምድን ሕግታትን ይውንን። ብገዛእቲ ቱርካውያንን ግብጻውያንን ናብ ምስልምና ክቕየሩ ዝተገደዱ ህዝቢ ግእዝ ኣለዉ። ዝተፈላለየ ዓሌትን እንዳን ዝውኑኑ ዉሁዳን ዝተፋላለየ ክብርታት፡ ባህሊ፡ ታሪኽን መንነትን ይውንኑ። ጽገናዊ ዲሞክራሲ ክንሃንጽ እንተድኣ ኮይንና ማሕበራዊ ምትእምማንን ናጽነትን ኣብ ዲሞክራሲና ክህልወና ኣለዎ።
- ንዓዳውን ዞባውን ኣድመጽቲ ስልጣን ብምሃብ ቀጥታዊ ዲሞክራሲ ኣብ ዓዳውን ዞባውን ደረጃታት ከነታኣታቱ ንኽእል
ሀ. ሓደስቲ ተበግሶታት፡ ረፈረንዱም፡ ርእዮታት ንሓደስቲ ሕግታትን ሕጋጌታትን
ለ. ቀያዲ ዝኾነ ትእዛዛት ንዝተመርጹ ሓለፍቲ፡ እዚክሳብ ምብራር ካብ ስልጣን ቅድሚ ምውዳእ ዕምሪ ስልጣኖምን
ሐ. ብምጥላም ኣብ ግዜ ጎስጋስ ዝተኣትው መብጽዓታት ክሲ ምምስራትን
- ካብ ውልቀ ሰባት፡ ንግዳውያን ትካላት፡ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ኣካላትን ግብርን ቀረጽን ምእካብን ብቐጥታ መስመር ኦዲት ምግባርን
- ኤርትራ ናይ ህዝበ መንግስታት ፈደራል ኣይክትከውንን እያ። ኤርትራ ሓደኣዊ ህዝበ መንግስቲ ኮይና ዘይከምተን ብፈደራላዊ ምሕደራ ዝካየዳ ሃገራት ሕ.መ. ኣመሪካ፡ ጀርመን፡ ህንዲ ወዘተ ዝያዳ ስልጣን ንውሽጣውያንን ዞባውያንንን መንግስታት ትህብ።ቅድመ መግዛኣቲ ጥልያን ዝነበረ ጥንታዊ ምሕደራ ብምምላስን ሓድሽ ናይ ርእሰ መሰል ናይ ምሕደራ ኣገባባት ንዉህዳን ብምድላውን ክትግበር ይክኣል።
- ውሽጣዊ መንግስቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ሕግታት፡ ኣብያተ ፍርዲ፡ ሓይሊ ፖሊስ፡ ሰብኣዊ ድሕነት፡ ውሽጣዊ ግብሪ ካብ ትካላት፡ ምህላው ናይ ገዛእ ርእሰን ፖሊሲታት ቑጠባዊ ዕቤት፡ ምምሕዳር ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ኣከባቢ ወዘተ ናይ ምንዳፍ ልኡላዊ መሰል
- ጥንታዊ ኣሰራርሓ ምሃብ መሰል ዜግነት ካብ ሃገራዊ መንግስቲ ናብ መንግስቲ ውሽጢ ዓዲ ምምላስ
- ብግቡእ ኣሰራርሓ፡ ብተሓታትነትን ነጻ ብዝኮነ መንገዲ ዝመጽእ ሓገዛት ምምሕዳርን መሰል ጥሮታን ምሕላውን ዕድላት ስራሕ ምፍጣርን ብእኡ ኣቢልካ ሃብቲ ምኽዕባትን
- ንዞባዊ መንግስቲ ኣብ ምህናጽ ኣገደስቲ ትሕተ ቕርጽታት ከም መስመራት ባቡር፡ ጽርግያታት፡ ወደባት፡ መመንጨዊ ጽዓትን ሃገራዊ መርበባት ኢንተርነት፡ ዞባዊ ባንክታት፡ መጽናዕታዊ ማእከላት ዩኒቨርሲቲን ከበድቲ ትካላትን ምውሳን።
- ከም ኣብ ሕ.መ.ኣሜሪካ ዝሰርሓሉ ቤት ወከልትን ሰነትን ኮይኑ ዘገልግል ብዲሞክርያሳዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ታሕተዋይን፡ ዝተመዘዘ ላዕለዋይን ኣብያተ ምኽሪ ብሃገር ደረጃ ምቛም። ዝተመርጸ ቤት ምኽሪ ንቐጻልነት ረብሓታት ክሕሉ ከሎ፡ ዝተመዘ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ከኣ ረብሓታት ሕሉፍን መጻእን ወለዶታት የውሕስ።
- ስልጣን ማእከላይ መንግስቲ ኣብ ምቛምን ምትንታንን ሃገራዊ ኣጀንዳ፡ ምክልኻል፡ ምእካብን ምክፍፋልን ግብሪ፡ ሃገራዊ ድሕነት፡ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን፡ ገንዘባዊ ፖሊስን ወጻኢ ዝምንድናታትን ክውሰን ምግባር።
- ብቕዓትን ተምክሮን ኣብ ኩሉ መሳልላት መንግስቲ ማለት ውሽጣዊ፡ ዞባዊን ሃገራውን ፖሎቲካዊ ስልጣናት ንዝወዳደሩ ሰባት ሓደ ቅጥዒ ምድላው።
- ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ክነጥፍ ዝደሊ ፖሎቲካዊ ሰልፊ፡ ኤርትራ ሃገረ ህዝቢ ግእዝ ሙዃናን ብጽገናዊ ዲሞክራሲ ክትመሓደር ከምዘለዋን ክኣምን ኣለዎ።
- ብህዝቢ ዝውነን ሚድያታት ከም ቢቢሲ ብምትብባዕ፡ ውልቃዊ ሚዲያ ዘይምፍቃድ።
- ኣብ ፖሎቲካዊ፡ ባህላዊን ማሕበራውን ጎስጓሳት ምወላ ናይ ደገ ምእጋድ።
- ውልቃዊ ይኹን ዝተወሃህደ ምወላ ፖሎቲካውያን ሰልፍታት ምቑጽጻር።
እዋን ጎስጓስ ካብ ሰለስተ ሰሙን ከይሓልፍ ምክትታል።