
ቑጠባና Our Economy
ቑጠባዊ ሸቶ ህግደፍ ምፍጣር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ኣብ መንጎ ትሽዓተ ብሄራት እዩ። ህግደፍ ይኹን ኣብ ደገ ዝርከቡ ተቓወምቲ ውድባት ብዛዕባ ምፍጣር ዕድላት ስራሕ ጺሒፎምን ተዛሪቦምን ኣይፈልጡን እዮም። ዕላማ ናይ ቑጠባዊ ዛዕብኦም ሃብቲ ህዝቢ ትግርኛ ብመልክዕ ግብርን ነባሪ ምፍንቃል ብምግባርን ዘይክፈሎ ስራሕ ብምስራሕን ማሕበረ ቁጠባዊ ደረጅኡ ምስ ናይ ካልኦት ብሄራት ምምዕርራይ እዩ።
ሓፋሽ ብምዉፋርን ብረሃጽናን ጽፍርናን ብዝብል ድሑር ኣተሓሳስባን ስነሓሳብ ህግደፍ ኢንዱስትራያዊት፡ መሬታ ዝገረበትን ጽርግያታት ዝሃነጸት ወዘተ ሃገር የላን። ምውፋር ሓፋሽን ብርሃጽናን ጽፍርናን ምስ ምብቃዕ ህግደፍ ካብ ሃገርናን ሓሳብናን ንሓዋሩ ክእለ ኣለዎ። ኩለን ዕዉታት ሃገራት ዓለም ቀዳማይ ደረጃ ቑጠባ ክሃንጻ ዝኸኣላ ኣብ ስነ ፍልጠት፡ ቴክኖሎጂን ዘመናዊ ምሕደራን ተሞርኪሰን እየን። ብትሕትናን ጥበብን ናይ ምዕራባውያን ቀዳማይ ዓለም ስነ ፍልጠት፡ ቴክኖሎጂን ዘመናዊ ምሕደራን ኣብ ውሽጢ 10-20 ዓመት ክንፈልጦ ክንወስዶን ኣለና። ዝበልጸገን ተወዳዳርን ቑጠባን ምስ ዝህልወና ኢና ክብረትን ናጽነትን ዝህልወና። ዜጋ ሓንቲ ድኻ ሃገር ምዃን ቀጻሊ ኣብ ውርደትን ስቓይን ምንባር እዩ። ልኡላውነት፡ ምርጫ፡ ቅዋም፡ ናጻ ፕረስ፡ ዲሞክራሲ ወዘተ ንበይኑ ክብረትን ናጽነትን ከምጽኣልካ ኣይክእልን እዩ። ቑጠባ ኣብ ህይወት ሕበረተሰብን ሃገርን ኩሉ ነገር እዩ።
እቲ ናብ ሃብቲ ክመርሓና ዝኽእል መንገዲ ካብ ኣውሮጳውያን ፍርያት ዝበልጽ ፍርያት ዘፍርያን ካብ ናይ ቻይና ናይ ምፍራይ ዓቅሚ ብዝሓስር ዓቕሚ ዘፍርያን ኣብ ናይ እስራኤል/ ምዕራብ ቴክኖሎጂ፡ ልዑልን ብቑዕን ተወዳዳርን ናይ ምሕደራን ምህንድስናን ጉጅለታት ካብ እስራኤል፡ ኤርትራን ምዕራብን፡ ብቀሊሉ ዝርከብ ጸጋታት ኣብ ኤርትራ፡ ኣፍሪቃን ከምኡ’ውን ብቑዕን እዱብን ሑሱርን ካብ ደገ ዝመጽእ ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ኣፍሪቃን ኤስያን ወዘተ ዘካተተ ኢንዱስትሪታት ምቛም እዩ።
ኣብ ናይ ደገ ኣውፈርቲ ተወኪላ ኢንዱስትሪታት ዝሃነጸት ወይ ቑጠብኣ ዘመናዊ ዝቐየረትን ሃገራዊ ቁጠባዊ ትካላት ዝሃነጸትን ሃገር የላን። ደቡብ ኮርያ ብከምዚ ኣገባብ እያ ቁጠብኣ ክትሃንጽን ቀዳማይ ደረጃ ትካላትን ክትሃንጽ ዝኸኣለት። ካብ ታሪክ ኢንዱስትሪ ደቡብ ኮርያ ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል።
ቁጠባዊ ፖሊሲታትና ንመንግስቲ( ዝያዳ ውሽጠ ዓዳዊ መንግስቲ)ን ውልቅን ዘካትት ሕውሳዋስ ቑጠባ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ፍጹም ቁጠባዊ ናጽነትን ጥቡቕ ዝምድና ኣብ መንጎ መንግስትን ንግድን ዝተሞርኮሰ ምህዞኣዊ ጽኑዕ ዓይነት ቁጠባ ንቅየሳ ቁጠባ ናጻ ዕዳጋ ዝሕውስ እዩ።
ኣብ ሃገርና ዝንደፉ ኩሎም ሕግታት ተወዳደርቲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ተወዳደርትና ሓለፋታት ዝህቡና ክኾኑ ኣለዎም። ሕጊ ዕዮ፡ ሕጊ ኢምግሬሽን፡ ገበናዊ ሕጊ፡ ሲቪላዊ ሕጊ፡ ሕጊ ቀረጽን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ሃገራዊ ቅዋምን ኣብዞም መትከላት ደጊምና ክንጽሕፎም ኢና። ኣብ ዓለም እቲ ዘገድስ ዓወት ምዃኑ ካብ ዝሓለፈ ከቢድ ታሪኽና ተማሂርና ኢና።
ምምሕልላፍ ቴክኖሎጂ፡ ሰነፍልጠትን ዘመናዊ ምሕደራን
ምህናጽ ሃገራዊን ፖሎቲካውን ቁጠባን ብቐንዱ ብዛዕባ ምፍጣር ክኢላውን፡ ብቑዕን ተወዳዳርን ከምኡ ውን ብቐጻሊ ነብሱ ክምሃር፡ ክምህዝን ከፍርን ዝኽእል ህዝቢ ምህናጽን እዩ። ምህናጽ ባህላዊ፡ ምሁርን ሕብረትሰብን መሃዝቲ ትካላትን ማለት እዩ። ምህናጽ ትካላት፡ ጽርግያታት፡ መመንጨዊ ትካላትን ዲጋታትን ወዘተ ኣይኮነን።
ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውልቀሰባት ንወጻኢ ሃገራት ብምልኣኽ ዝግበር ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ክቡር፡ ዘይኣድማዒ፡ ብዙሕ ግዜ ዝወስድን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ናትናን ኣፍሪቃን ታሪኽን ከምዘረጋገጾ ዕዉት ስለ ዘይኮነን ውጽኢታዊ ኣይኮነን።
ድሕሪ ኣስታት 800 ዓመት ድሕረት፡ ድንቁርና፡ ሕማምን፡ ስደትን ወዘተ ህዝብና ናይ ኮንዶ ኮናዊ ናይ ምዕባለ ውጥናት ኣብ ጉዳይ ገንዘብ፡ ዕንወት ኣከባቢን ክጻወር ኣብ ዘይኽእለሉ ደረጃን ብዘይ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ቁጠባውን ስቅያትን ጸቕጥን ንንዊሕ ክጽመም ኣይክእልን እዩ። ምሉእ ብምሉእ ዘተኣማምን ኣብ ሳይንስ፡ ክውንነትን ጭብጥን ዝተሰረተ ናይ ምዕባለ ውጥናት ክንቅይስ ይግባእ።
ቀዳማይ ደረጃ ሲቪላዊ ኣገልግሎታት፡ ትካላት፡ ሰራዊት፡ ኣብያተ ፍርዲን ካልእ ናይ ንግዳዊ፡ ዘይንግዳዊ፡ መንግስታዊ፡ ውልቃዊ ወዘተ ውጽኢት ዘምጽኣ ትካላት ክንሃንጽ ይግባእ። ዓቕሚ መንእሰያትና ኣብ ናይ ስራሕ ቦታታት ክብ ንምባል ልዑል ብቕዓትን ክእለትን ዘለዎም ምኩራት ክኢላታት ኣብ ኩሉ ዓውድታት ካብ ሃገራት ምዕራብ፡ እስራኤል፡ ደቡብ ኮርያ፡ ጃፓንን ሲንጋፖርን ምቑጻር። ልዑል ብቕዓት ዘለዎም ስርሓት፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ትምህርቲ፡ ኣገልግሎት ጥዕና፡ ፍትሒ፡ ጸጥታ ወዘተ ካብ ኣብ ስልጣን ዝመጸናላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ጀሚርና ንህዝብና ክነቅርብ ኢና። ኢጣሊያውያን ድሕሪ ምምጻእ በኔቶ ሞሶሊኒ ንቑጠባን ትሕተ ቅርጽን ኤርትራ ዘመናዊ ንምግባርን ከም ማእከል ንቀጻሊ ምስፍሕፋሕ ምስ ሓረይዋን መብዛሕትኦም ሓድሽቲ ናይ ኮሌጅን ዩኒቨርሲትን ምሩቓት ዝኾኑ ትሕቲ 1500 ሙሃንድሳት ናብ ኤርትራ ኣምጺኡ። ሓደ እኳ ናይ ኮሌጅ ኤርትራዊ ኣይነበረን። 99% ካብ ህዝቢ ኤርትራ መሃይምነት ዘየጥፍአ እዩ ነይሩ። ዝኾነ ሶፍትዌር ወይ ኮምፒተር፡ ገዚፍ ትሕተ ቅርጺ ወዘተ ኣይነበረን። ንዘይተማህሩ ግን ከኣ መስርዑ ዝሓለወ ባህልና ኤርትራውያን ሓረስቶት ብምውዳብን ብምውፋርን ምዕብልትን ኢንዱስትራያዊትን ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ክሃንጹ ክኢሎም።
ከም ኣብ ጃፓን ኣብ ኤርትራ ትግራይ ፈደራላዊ ስርዓት ፖሎቲካዊ መሪሕነትን ሲቪላዊ ምሕደራን ብሕጊ ይፈላልዩ። ኣብ መንግስታዊ ፍልስፍና ጃፓን ፖሎቲካዊ መሪሕነት ብዛዕባ ቅኑዕ ምግባር ክኸውን ከሎ፡ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ከኣ ቅኑዕ ምግባር ማለት እዩ። ሲቪላዊ ኣገልግሎት 100% ፍጹም ክኸውን ኣለዎ። 100% ሲቪላዊ ኣገልግሎት ምስ ፍርዳዊ ኣካሉ ንክኢላታት ምዕራብን ኤስያን ክኢላታት ኣብ ውሽጠ ዓዳዊ፡ ዞባውን ማእከላይን መንግስታት ሕጋውን ክፉትን ክኸውን ኣለዎ። ካብ ፈጸሚ ኣካላት መንግስቲ ፕረዚደንት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሚኒስተራት፡ ኣማሓደርቲን ከንቲባታትን ጥራይ ንዜጋታት ይሕዛእ። ፈጸምቲ ኣካላት መንግስቲ ማለት ነደፍቲ፡ ተግበርትን ፈጸምትን ፖሊሲ ዝተፈልዩ ትካላት ይኾኑ።
ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ ሓያላት ሃገራዊ፡ ዞባውን ውሽጠ ዓዳዊ ባይቶታት እቶም እንኮ ንህዝቢ ዝውክሉ ኣካላት መንግስቲ እዮም። ናይ ባይቶ ሓላፍነት ሕጊ ኣብ ምትሕልላፍን ንፈጸምቲ ተሓተቲ ኣብ ምግባርን ጥራይ ዝተሓጽረ ይኸውን።
ናይ ገዛእ ርእስና ሸቶታትን ሕግታትን ብምግባር ወነንቲ ጸጋታትና፡ ኢንዱስትሪታትና፡ መሬትናን ትካላትናን ክንከውን ኣለና። እቲ ዘገድስ ወነንቲ ሃብትና፡ ሓሳባትና/ስነ ሓሳብና/ ባህልና፡ ተበግሶታትናን ዝርአ ውጺኢትን ምኳን ደኣ እምበር መን መሪሕዎ ወይ ከም ኣመሓዳሪ ኣተግቢርዎ ኣይኮነን። ብጉልባብ ኢንዱስትሪታት ክምዝምዙ ዝደልዩ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ፈጺምና ክፉታት ኣይክንከውንን ኢና። ኩሉ ግዜ ወነንቲ መሬትናን ቁጠባናን ኮይንና ክብሪ ዜጋታትና ክንሕሉ ኢና።
ምስጋና ንኣቦሓጎታትና ናይ ደገ ባህሊ ክንቀድሕን ከነተኣታቱን ኣይድልየናን እዩ። ዘይከም መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገራዊ፡ ዞባውን ውሽጠ ዓዳውን መንግስታት ኣብ ሓደ ዓመት ክሳብ 10,000 ውፉያትን ጥበበኛታትን መራሕቲ ከነፍሪ ንኽእል ኢና። ኣብ ተክኒካውን ትንተናዊን ክእለታት ምስ ቅንዕናን ሃገራውነትን ግን 100 ሊቃውንቲ ኣብ መዳይ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ፡ ስነ ፍልጠትን ናይ ምሕደራ ስርዓታትን ከነፍሪ ኣይንኽእልን ኢና። ህዝብና ከም መፈተኒ ባእታ ናይ ብልሽዋት፡ ዘይብቑዓትን ደናቑርትን መራሕትን ደቆምን ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ናይ ገዛእ ርእስና ብቑዕን ኣድማዕን ትካላትን ዓሰርተታት ኣሽሓት ካኢላታትን ንምፍራይ ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመት ክወስደልና እዩ።
ኣብ ኩለን ኣካላት መንግስትና ብቑዓት ብጥበብ፡ ቕንዓት፡ ሃገራውነት፡ ዘመናዊ ናይ ምሕደራ ዓቕምን ዘለዎም ውሑዳት ክኢላታት ከነፍሪ ኢና።
ኩሉ ናይ ትምህርቲ፡ ኣከባቢ፡ ናይ ባሕሪ፡ ኣየርን መሬትን ትሕተ ቅርጽና ብናጻ ናይ ብሕቲ ወይ መንግስቲ ትካላት ይካየድ። ብሃገራዊ፡ ዞባውን ውሽጠ ዓዳውን መንግስታት ዝግበር ንግዳዊ ወፍርታት ብማእከል ውህለላን ወፍርን ይካየድ። ኣካየድቲ እዘን ናይ ውህለላን ወፍርን ትካላት ካብ ማእከላይ፡ ዞባውን ውሽጠ ዓዳውን መንግስታት ናጻ ኮይኖም ትሓታትነቶም ንባይቶ ይኸውን። ነዘን ናይ ውህለላን ወፍርን ትካላትን ዘካይዱ ዓሰርተታት ኣሽሓት ናይ ደገ ክኢላታት ብምቁጻር ክእለቶም ናብ መንእሰያትና ዘመሓላልፍሉ መንገድታት ምጥጣሕ።