cultural-renaisance

ባህላዊ ትንሳኤ

 ከም ህዝቢ ግእዝ ክንብልጽግን ተወዳደርቲ ክንከውንን እንተድኣ ኮይንና እዚ ዝስዕብ ስነ ሓሳብ ክንክተል ኣለና

  1. ምዕቃብ ጥንታዊ ባህልናን መንነትናን ማለት ስድራቤት፡ እምነት፡ ሞያን ሕብረተሰብን
  2. ቀጻልነት ዘለዎ ቑጠባ ማለት ስራሕ፡ ዕድላትን ብልጽግናን
  3. ብቑዕ ሰራዊት ማለት ሕቡን፡ ጸጥታን ሰላምን
  4. ሊበራል ዲሞክራሲ ማለት ናይ ምዝራብ ናጽነት፡ ናይ ኣምልኾ ናጽነት፡ ናይ ድሌታት ናጽነትን ናጽነት ካብ ፍርሕን

እዚ ናይ ነዊሕ ዘመናት ክቕጽል ዝጸንሐ ባህላዊ ኤርትራዊ ግእዝ ስነ ሓሳብ እዩ። ብረታዊ ቃልስና ክዕወት ዝኸኣለ ህግሓኤ ዝመርሖ ሰውራ ኣብ ምትንሳእ ባህልን ክብርታትን ስለዝሰርሐ እዩ። ግንዛበ መንነትን ግንዛበ ዋንነትን ብምፍጣር ሓደ ሓባራዊ ሓያል ናይ ዕላማ ግንዛበ ክፈጥር ዝኸኣለ ትንሳኤ። ምንጪ ዓወትና ሓያል ግንዛበ ዕላማ ደኣ እምበር ባህላዊ ብዝሑነት ኣይኮነ ዋላ ናይ ጸዓዱ ስነ ሓሳብ ማርክሳዊነት ኣይኮነ።

cultural-renaisance1cultural-renaisance2

ልዕሊ ማንም ግዜ ካብ ዘይምሃላው ግንዛበ መንነትን ዋንነትን ባህልናን ክብርታትናን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ወዲቑ፡ መንእሰያትና ናይ መንነት ቅልውላው ኣግጢምዎም ይርከብ።  መንእሰያትና  ቀንዲ ዕላማን ናይ ምስፍሕፋሕ ስነሓሳብ ኣመሪካዊ ወንጌልን ባህልን፡ ኤውሮጳዊ ካቶሊካውነትን ሊበራላውነት ከምኡ ከኣ ናይ ውሃቢን/ሳልፊስት ዓረብ ስነሓሳብ ተቓሊዖም ይርከቡ። ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ከኣ

  1. ናይ ህግደፍ ግጉይ ፖሊሲ ኣብ ዓውለማ፡ ኣህጉራውነትን ሕብረ ባህልን ካብ ስስዐ ናይ ኤርትራውያን ስሙያት መራሕቲ ህርፋን ስልጣንን ዝብገስ እዩ። እዚ ጉጅለ ንኩሉ ግዜ ኣብ ስልጣን መታን ክጸንሕ፡ ብምትላል ሓሳባትን ጌጋ ቅማረን ጌጋ ኣተረጓጉማን ከምኡ’ውን ካብ ጽልኢ ኤውሮጳውያን ካቶሊክን ከኒሻን ኣጠማምታ ኣብ ባህሊን መበቖል መንነት ግእዝን ተጠቂምሉ ይርከብ።  ብዝተወደበ ኣገባብ ምቕንጣጥ ሰብኣውነትን ምጓናይን ባህሊ ግእዝ ኣብ ኤሪ ቲቪን ካልኦት መንግስታዊ ሚድያታትን ከምኡ’ውን ናይ ተቓወምቲ ተባሂሎም ዝጽውዑ ሚዲያታትን፡ ብጌጋ ዝተመልኡ ካድራትን ተጣበቕቲ ደቂኣንስዮን ወዘተ፡ ዘይምህላው ራእን መሪሕነትን ኣብ ባህልን ታሪኽን ቀንዲ ኣካይድኡ እዮም። ኢሰያስ ኣፍወርቂን መጣፍእቱን በቲ ንዓና መን ምዃንና ዝነግረና ታሪኽን ባህልን ግእዝ ዘይኮነ፡ ሃገራዊ መንነትና በቲ ናይ ትሽዓተ ብሄራት መንነት እዮም ክገልጽዎ ዝፍትኑ።
  2. ብዝተፈላለየ ኣገባብ ምዕራባዊ ባህላውን ስለያውን ትካላት ከም ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ሚድያ፡ ሃይማኖት፡ ኤርትራውያን ተሓባበርቶምን ኤሪ ቲቪን ኣቢሉ ስሱዕን  ፈታው ርእሱን ዝኾነ ምዕራባዊ ባህሊን ክብርታትን ምዝርጋሕ
  3. ካብ ብመንገዲ ዓረብ ባህላውን ስለያውን ትካላት ከም ሚድያ፡ ሃይማኖት፡ ኤርትራውያን ተሓባበርትን ኤሪ ቲቪን ኣቢሉ ዝስፋሕፋሕ ናይ ድሑራት ሳላፊ – ውሃቢም ዓረብ ሃገራውነት።

cultural-renaisance3

ነዚ ንምክልኻል

  1. ባህሊ ግእዝ ሃገራዊ ባህሊ ይኸውን፡ ትግርኛ/ትግረ ከኣ ሃገራዊ ቋንቋ።
  2. ቁጽርታት ግእዝ እምበር ናይ ላቲን ቁጽርታት ኣይክንጥቀምን ኢና
  3. ባህላዊ ግእዝ ኣስማት ምትብባዕ
  4. ናይ ግእዝ ናይ 3000 ዓመት ታሪኽ ክንጽሕፎ ኢና
  5. ባህልናን ስነምግባርናን ኣብ ሃገራዊ ካሪክለምን ሚድያን ከነእትዎ ኢና
  6. ምምሃርን ምፍታንን ናይ ግእዝ ኣቀራርባን ናይ ገጽ ምልክትን ኣብ ኩሉ ውልቃዊ ይኹን ናይ መንግስቲ ኣብያተ ትምህርቲ ከነተኣታትዎ ኢና።
  7. መንግስቲ ንናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤትክርስትያንን ናይ እስላም ሃይማኖት(ሙፍቲ) ይምውል
  8. ዋንነት ባህሊ ብምትብባዕ ንኤርትራ ሃገር ምህዞን ትካላትን ክንገብራ ኢና
  9. ናይ ዋኒን ባህሊ ከነማዕብል ኢና
  10. ናይ ግእዝ ናይ ምክልኻል ባህሊ ከነተባብዕ ኢና
  11. ንጀጋኑ ታሪኾም ብምምሃር፡ ሓወልታት ብምህናጽ፡ ኣብ ገንዘብናን ሓጻውን ባጤራናን ስእሎም ምውቃር፡ ትካላትና፡ ጎደናታትና ወዘተ ብስሞም ምስማይ
  12. ናይ ህዝቢ ኣገልግሎት ኣብ ቀዳመ ሰንበትን ዓበይቲ ናይ ኦርቶዶክስ ብዓላትን ብቐጥታ ብመራኸቢ ብዙሓን ከነማሓላልፍ ኢና
  13. ባህሊ ናይ ውሁዳን ክንሕሉን ከነኽብርን ኢና
  14. ኣመንዝራነት ብሕጊ ክነወግድ ኢና
  15. ናይ ኣልኮላዊ መስተ፡ ሽጋራን ስጋ ሓሰማን መወዓዊዒታት ካብ ሚድያ ክነወግድ
  16. ብክብርታትና፡ ባህልናን ልምድናን ዘቋሽሹ ናይ ምዕራብዊ ዓለም ባህላዊ ፍርያት ብሕጊ ክንክልክል ኢና