
ባንዴራና Our Flag
ናይ ሕጂ ሰንደቕ ዕላማና ንስነ ሓሳብ ህግደፍ ትውክል ኮይና ኣንጻር ታሪኽ፡ መንነትን ባህልን ግእዝ እያ። ሓድሽ ባንዴራና ግን ንታሪኽና፡ መንነትና፡ ክብርታትናን መስዋእትናን ትገልጽ ክትከውን እያ።
ሕብርታት ጻዕዳን ሰማያውን
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም መዘከርታ ኣብ ክዳውንቶም ዘፈር ክገብሩ ይእዝዞም ነይሩ።
- ዘለዋውያን 15፡38
“ንደቂ እስራኤል ተዛረኦም በሎም ድማ፡ ንውሉድ ወለደኹም ኣብ ወሰን ክዳውንቶም ኣዝፋር ኪገብሩ፡ ኣብ ዘዘፈር ወሰን ከኣ ሰማያዊ ፍሕሶ ኺገብሩ ንገሮም።”
- ዘዳግም 22፡12
“ነቲ እትኽደኖ ኽዳንካ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ዘፈር ግበረሉ”
እዚ ጻዕዳን ሰማያውን ሕብሪ ምልክት መንነትናን ንቀዳሞት ኣቦታትና ዘለና ተኣማንነትን ዝገልጽ እዩ።
ቐይሕ ሕብሪ
ቀይሕ ሕብሪ ንምውሓስ ቀጻልነት ታሪኽናን መንነትናን ንብዙሕ ዘመናት ዝኸፈልናዮ ደምና፡ ረሃጽናን ንብዓትናን ዝውክል እዩ። ኣብ ባንዴራና ዘሎ ቀይሕ ሕብሪ ናይ ኣገልግሎት ክብርታትና ዝውክል እዩ።
ቐንዴል
ቐንዴል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ሸውዓተ ብርሃናት( ሽዱሽተ ጨናፍር) ዘለዎ ጥንታዊ ናይ ኣይሁድ ቀንዴል እዩ።ቀዋሚ ቀንዴል ብወርቂ ዝተሰርሐ ኮይኑ ኣብ ተንቀሳቃሲ ቤት መቅደስ ብሙሴ ኣብ በረኻ ደሓር ኣብ ቤት መቕደስ ዮርሳሌም ዝተቀመጠ እዩ። መዓልታዊ ጽሩይ ዘይቲ ኣውሊዕ ነቲ ቐንዴላት ንምብራህ ይሃልኽ ነይሩ። ቐንዴል ከም ምልክት ኦሪት/ኣይሁድነት ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፡ ከማኡ’ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካብ 70 ዓመት ዝተስርሓ ኣብያተ ክራስትያናት ግእዝ ይውክል።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘጽኣት 25፡31-40
31ቀዋሚቐንዴልድማካብጽሩይወርቂግበር።እቲቐዋሚቀንዴልምስእግሩንዘንጉንብምቕጥቃጥይገበር።ጽውኣቱንከበብቱንዕምባባታቱንምስኡብሓደይኹን። 32ካብጎቦታቱሹድሽተጨንፈርይውጻእ፡ካብቲቐዋሚቐንዴልብሓደጎቦኡሰለስተጨንፈር፡ካብቲቐዋሚቐንዴልብኻልኣይጎቦኡድማሰለስተጨንፈርይውጻእ። 33ኣብሓደጨንፈርዕምባባለውዚዚመስልሰለስተጽዋእመምስክበብንዕምባባን፡ኣብቲካልኣይጨንፈርድማከምኡዕምባባለውዚዚመስልሰለስተጽዋእመምስክበብንዕንባባን።ነቲኻብቲቀዋሚቐንዴልዚወጽእሹድሽተጨንፈርከምኡይገበሮ። 34ኣብቲቐዋሚቐንዴልከኣዕምባባለውዚዚመስልኣርባዕተጽዋእመምስክበብንዕምባባንይገበሮ። 35 ኣብትሕቲእቲካብኡዚወጽእክልተጨንፈርክበብ፡ድማኣብትሕቲእቲካብኡዚወጽእክልተጨንፈርክበብ፡ድማኣብትሕቲእቲኻብኡዚወጽእክልተጨንፈርክበብ፡እሞነቲኻብቀዋሚቐንዴልዚወጽእሹድሽተጨንፈርከምኡይኹን። 36ከበብቱንጨናፍሩንምስኡብሓደይኹን፡ኵሉኻብጽሩይወርቂብምቕጥቃጥብሓደእተሰርሔይኹን። 37 ንእኡድማሾብዓተቕልዒቐንዴልስርሓሉ።እቲቕልዒቐንዴልከኣንቕድሚትኣቢሉከምዜብርህኣብልዕሊኡይነበር፡38መሳቐይኡንመዋህለልርስሓቱንከኣካብጽሩይወርቂይኹን።39ንሱ፡ምስእዚዅሉኣቓሑእዚ፡ብሓደታለንትጽሩይወርቂይገበር። 40 ከምቲኣብቲኸረንእተራእየካስልታቱኽትገብሮኸኣጠምቶ።