our-currency

ባጤራና Our Currency 

እቲ ንኣስታት ሰለስተ ሺሕ ዓመታት ቅርሺ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝጸንሐ ባጤራና፡ በቲ ሓድሽ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ክሃንጽ ዝደሊ ዘሎ ህግደፍ ናብ ናቕፋ ተቐይሩ ይርከብ። ህግደፍ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ብ1890 ተፈጢሩ ኣብ 1970-80 ኣብ ናቕፋ ዓብዩ ኢሉ ይኣምን። የሕዋትና ሃይለ(1985) ከምኡ ከኣ ሓፍትና ኪሮስ(1983) ኣብ ናቕፋ ካብ ዝተሰዋኡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስውኣት እዮም። ናይ ኩሎም መስዋእቲ ስድራቤታት፡ ሕብረተሰብ፡ ናጽነት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ውሕስነት፡ ጸጥታን ግዝኣተ ሕጊ፡ ፍቅሪ፡ እምነት፡ ደስታ፡ ሓጎስ፡ ክብረትን ውሑስ ቀጻልነት ታሪኽናን መንነትናን ንምውሓስ እዩ ነይሩ። ኣምሓራን ጥልያንን ንዝጀመርዎ ምቕጻል ኣይኮነን ነይሩ። ደርግ ኣብ ናቕፋ ዝዋጋእ ዝነበረ መንነትን ታሪኽን ኣቦሓጎታትና ኣጥፊኡ ናይ ኣምሓራ ታሪኽን መንነትን ንምምትእትታው እዩ ነይሩ። ተጋደልትና ኣብ ናቕፋ ንናይ ግእዝ ታሪኽን መንነትን ንምክልኻልን ንምውሓስን እዮም ተጋዲሎም። ሓለፍቲ ህግሓኤ ግን ኣብ ድሕሪ ድፍዓት ናቅፋ ተቐሚጦም ብዛዕባ ምምስራት ሓድሽ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ንምስራጽ ይሰርሑ ነይሮም።

ሕድሪ ሰማእታትና ንምፍጻም ባጤራ ናቕፋ በቲ ናይ ጥንታዊ ግእዝ መጸውዒ ቅርሺ ክንሰምዮ ኢና።