
ተዋዳደርነት
ኣዝዩ ዝማዕበለን ዝበልጸገን ሃገራዊ ቁጠባ ከይሃነጽና ዲሞክራሲ፡ ሰላም፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ጸጥታን ድሕነትን፡ ክብረት ወዘተ ከነውሕስ ኣይንኽእልን ኢና። ነዚ ብልጹግ ሃገራዊ ቁጠባ ክንሃንጽ ኣንተድኣ ኮይንና ከኣ ቅድም ኣብ መነባብሮና ተወዳደርቲ ክንከውን ኣለና። ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ መንባብሮ ዜጋታተን ከማሓይሻ እንተድኣ ደልየን ካብ ፍርያት ቻይና፡ ባንግላድሽ፡ ቬትናም፡ ዱባይ፡ ስጳኛ ወዘት ዝሓስር ኣቑሕትን ምስ ናይ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝወዳደር ብቕዓት ዘለዎም ፍርያትን ኣገልግሎታትን ክቕርባ ኣለወን።
ካብ ናይዘን ልዕል ኢለን ዝተጠቕሳ ሃገራት ዝሓስር ንብረት ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋታት ኢትዮጵያ ኣይትረክብን ኢኻ። ኣብቲ ዝተሓለወ ዕድጋታት እዛ ሃገር ካብ ፍርያት ኣመሪካን ኤውሮጳን ዝበልጽ ንብረትን ኣገልግሎታትን ኣይትረክብን ኢኻ።
ንሃገረ ብሄር ኣብ ቁጠባ ተወዳዳሪ ዝገብርዎ ብዙሓት ነጥብታት ኣለዉ፡ ገለ ካብኦም
ሀ. ምህላዉ ሓያል እንዶ ዕላማ
ለ. ፖሎቲካዊ ምርግጋእ፡ ግዝኣት ሕጊን ቴክኖሎጅን
ሐ. ንምህናጽ ኣድማዕን ውሕሉልን ፖሎቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ ንግዳዊ ትካላት ዘድሊ ባህላዊ ብቕዓት
መ. ኣቀማምጣ
ሓያል እንዶ ዕላማ ካብ ምህላው ሓያል ሓባርዊ ክብርታት፡ መንነትን ዋንነትን ይመጽእ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይንረኽቦን ኢና። ፖሎቲካዊ ምርግጋእን ግዝኣተ ሕግን ‘ውን የለን ምክንያቱ ዝበዝሕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቀቢላውን እንዳውን ስለዝኾነ። ዘይምህላው ወደባት ከኣ ሓደ ጠንቂ እዩ።
እዞም ኩሎም ዝበልናዮም ግን ኣብ ትግራይ ንረኽቦም ኢና። ምዕራባዊ ቻይና ኣዝዩ ድሑርን ዘይማዕበለን ክኸውን ከሎ ብኣንጻሩ ምብራቓዊ ቻይና ኣዝዩ ምዕቡል እዩ። ኣብ 2012 ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሚስሲፒ ኣመሪካ ዓመታዊ እቶት ሓደ ሰብ 28,944 ዶላር ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ግዝኣት ኮንትካት ከኣ ብኣንጻሩ 54,925 ዶላር ይበጽሕ። ህግደፍ እንተድኣ ተኣልዩ ትግራይ ብቑጠባ ምስ ዝኾነት ሃገር ክተወዳደር ክትክእል እያ።
ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኩለን መንግስታት ውሽጢ ዓዲ ናይ ገዛእ ርእሰን ዞናታት ኢንዱስትሪ ምስ ብኹሉ ዝተማልአ ዘማንዊ መንበሪ ናይ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ናይ ትሑትን ማእከላይን ክኢላታትን ዝተፈልየ ናይ ልዑል ክእለት ዘለዎም ወጻእተኛታት መንበርን ይህልወን። ሓደ ናይ ትሑትን ማእከላይን ክእለት ዘለዎም ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ዞን ክሳብ ሓደ ሚሊዮን ሰራሕተኛታት ክሕዝ ከሎ፡ እቲ ናይ ልዑል ክእለት ዘለዎም ዞን ከኣ ክሳብ 50,000 ሰራሕተኛታት ምስ ስድራቤቶም ክሕዝ ይኽእል።
እዚ ማለት ከባቢ 80 መንግስታት ውሽጢ ዓዲን ብዙሓት ዓበይቲ ከተማታትን ክህልዋና እየን ማለት እዩ። እዚ ማለት 88 ኢንዱስትራያዊ ዞናታት ማለት’ዩ። ስለዚ ቁጠባ ኤርትራ ን90 ሚሊዮን ትሑትን ማእከላይን ክእለት ዘለዎምን 10 ሚልዮን ከኣ ልዑል ክእለት ንዘለዎም ናይ ደገ ሰራሕተኛታት ዝኸውን መንበሪ ገዛውቲ፡ ኣብያት ጽሕፈትን ናይ ቀረብ ቦታታትን ወዘተ ኣብ ግምት የእትዩ ይቕየስ።
ቑጠባ ኤርትራ ብወፍሪ፡ ሰደድን ሃለኽትን ምስ ዘይተኣደነ ሕሱር ጉልበት ካብ ሳልሳይ ዓለም፡ ናይ እስራኤል/ምዕራብ ክኢላታትን ቴክኖሎጂን፡ ፖሎቲካዊ ርግኡነት፡ ግዛኣተ ሕጊ፡ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ፡ ሕሱር ገንዘብን ብብቑዕን ኣድማዕን ትካላት ክዓቢ ይኽእል።
ኤርትራ ነዚ ሞዴል ንዘልኣለም ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ፡ ምክንያቱ ሕሱር ጉልበት ሳልሳይ ዓለም ክህሉ ስለ ዝኾነ። እዚ ማለት ህዝቢ ኤርትራ ዘይኣደነ ሃብቲ ብምኽዕባት ንሚሊዮናት ናይ ወጻኢ ሃገራት ዜጋታት ዕድል ሽቅለት ክፈጥር ይኽእል ማለት እዩ።