education

ትምህርቲ Education

ትምህርታዊ ስርዓትና ኣብዘን ዝስዕባ ሕቶታት ኣብ ዝምልስ ራእዩ ክትከል ኣለዎ

  • ድሕሪ ምዝዛም ትምህርቲ ክንሪኦም እንደሊ ሰባት በዓል መን እዮም?
  • ብዛዕባ እታ ዝነብሩላ ዓለም( ብኣንጻር እታ ሎሚ ዘላ ዓለም) ዘለና ርድኢት እንታይ ይመስል?
  • ኣብ ዓለም እንታይ ጽልዋ ከምጽኡ ኢና እንጽበዮም?( ወይ ዓለም’ከ ብኸመይ እያ ክትጸልዎም?)

ትምህርታዊ ስርዓትና ትምህርቲ ኣብ ፍልስፍና ጽኑዕ መሰረት ንረብሓ ሕብረተሰቡ ንዘልዎ ዕቁር ዓቕሚ ክምዝምዝ፡ክስልጥንን ክምልመልን ኣብ ሽዱሽተ ናይሓሳብ ጅማውቲ ዝተሰረት

R = Reasoning, (ምኽንያት)
I = Imagination,(ስእለ ኣእምሮ)
M = Memory, (ምዝካር)
W = Will, (ፍቓድ)
I = Intuition,(ውሽጣዊ ድሌት)
P = Perception (ርድኢት)

ኣብ ቅኑዕ ትምህርታዊ ስርዓት፡ ምምዕባል መሰረታውያን ብቕዓት፡ ምድላውን ምርዓምን ስርዓተ ኣመሃህራ፡ ምትሕልላፍን ምሕደራ ክፍልን ክንኣምን ኣለና። ኣብ ስነሓሳብ ምሉእ ተመሃራይ ኣሚንና ብፍልጠት፡ ብኣካል፡ ብመንፈስን ሞራልን ክንሃጾም ይግባእ። ሕጉስን ሓላዩን ናይ ምምሃር ባህሊ ብምጥራይ፡ ንተማሃራይ ንህይወቱ ምሉእ ዝኸውን ፍልጠትን ናይ ምፍጣር ዓቅምን ከማዕብል ከነተባብዖ ይግባእ።

ሓያል ኣረኣእያን ልዑል ትጽቢትን መሰረት መንፈሳዊ፡ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ምዕባለ ተመሃራይ እዮም።

ኣብ ባህልና ትምህርቲ መሰረታዊ መሰል እዩ። ናይ ህግደፍ ባህሊ ትሑት ትጽቢት ዝጻረር ናይ ዓለም ቀዳማይ ደረጃ ስርዓት ትምህርቲ ክህልወና እዩ። በዚ ከኣ ቀዳማይ ደረጃ ተውህቦ ኣብ ትንታንኣዊ ክእለት፡ ምፍታሕ ግድላት፡ ናይ ምህያስ ክእለትን ናይ ምምሃዝ ዓቅምን ክጥረ እዩ።

ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ መዓልታት፡ ሸሞንተ ሰዓት (8፡00-4፡00) ኣብ መዓልቲ ከምኡ ከኣ ካብ 15-20 ተምሃሮ ኣብ ሓደ ክፍሊ ክህልውና እዮም። ናይ ቁርስን ምሳሕን ኣገልግሎት ንተመሃሮ ክወሃብ እዩ። ሓደ ሃገራዊ ካሪክለም ክህልወና እዩ። ክለን ኣብያተ ትምህርትና ፍሉጣት ኮይነን ንተመሃሮአን ናይ ስፖርት፡ መመገቢ፡ ቤት ንባብ፡ ቤተ ምርምርን ናብ ነፍሲ ወከፍ ክፍልታት ዝባጻሕ ቅልጡፍ ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎትን ከማልኣ እየን።  ንደቂ ሃብታማት ዘገልግል ናይ ውልቂ ኣብያተ ትምህርቲ ኣይክህሉን እዩ። ካብ ትምህርታዊ ስርዓትና መኽሰብ ዝረክብ ሰብ ይኹን ትካል ኣይክህሉን እዩ። ናይ እምነት ትምህርቲ ክህሉ እዩ፡ ኣውዳትን ኣዋልድን ተማሃሮ በበይኖም ክመሃሩ እዮም። ብናይ ደገ ትካል ይኹን መንግስቲ ዝምወል ዝኾነ ቤት ትምህርቲ ኣይክህሉ እዩ።

ወጻእተኛ ብዘይካ ኣብ ዩኒቨርስታትን ኮሌጃትን ኣብ ካልእ ክመሃር ኣይፍቀድን እዩ። ኣብያት ትምህርትና ነቶም ዝምውልወን ከም ማእከላይ መንግሲ፡ መንግስቲ ውሽጠ ዓዲ፡ ወለዲን ናይ ብሕቲ ጽላትን ግሉጽነትን ተሓታትነትን ይህልወን።

ሃገራዊ ዕላማታትና ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ተወዳዳርነት፡ ቀጻሊ ብልጽግና፡ ናጽነት፡ ርጉእ ሕጉስ ስድራቤትን ሕብረተሰብን፡ ክብረት፡ ዕድላት፡ ሰብኣዊ መሰል፡ ርእሰ ምርኮሳን ዲሞክራስን 100% ክረጋገጽ ዝኽእል ትምህርታዊ ሸቶታትና ምስ እንወቅዕ ጥራይ እዩ። እዚ ብተወሳኺ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዘይ ብቑዕን ውዱቕን ምዕራባዊ ስርዓተ ትምህርቲ ንዝተጎድኡ ህጻናትና ዘካትት ክኸውን እዩ።

ዝኾነ ህጻን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ናጻ ናይ ትምህርቲ መሰል ኣለዎ። ኩሉ ጥዑይ ህጻን ኣብ ትምህርቲ ክርከብ ሕጋዊ ግዴት ኣለዎ። ቀዳማይ፡ ማኣከላይን ካልኣይን ደረጃን ኮሌጅን ብመንግስቲ ውሽጢ ዓዲ ዝምወል ኮይኑ ብናይ ትምህርቲ ክኢላ ብዝምራሕ ናጻ ብዘይ መኽሰብ ዝሰርሕ ትካል ይካየድ። ብሃገራዊ መንግስቲ ከኣ ምቁጽጻር ይግበረሎም።

ዩኒቨርስታትን ናይ መጽናዕቲ ማእከላትን ብዞባዊ መንግስቲ ይድኮና። ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ካብ መንግስቲ ውሽጢ ዓዲ ንትምህርቶም ዝኸውን ለቓሕ ይረኽቡ። ወለዲ፡ ተመሃሮ፡ ናይ ቅድም ተመሃሮን ንግድን ከኣ ኣብ ኣካየድቲ ቦርድ ይውከሉ።