housing

አባይቲ Housing

ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ንዜጋታቱ ደረጅኦም ዝሓለዉ መንበሪ ኣባይቲ ምውዳድ ሕጋዊ ግዴታ ናይ ውሽጠ ዓዳዊ መንግስቲ እዩ። እዚ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ንኩሎም ዜጋታቱ መንበሪ ኣባይቲ ክህልዎም ይገብር።

ጥንታዊ ስልጣኔና ንምዕቃብን ንኤርትራ ካብ ሃገራት ወሽመጥ፡ ግብጺ፡ ቱኒዝያን ካልኦት ናይ ዞባና ተወዳደርቲ ፍልይቲ ንምግባራ፡ ኣብ ኩሉ መንበሪ፡ ኢንዱስትራያዊ፡ ባህላዊ፡ ናይ ስፖርት መሳላጥያታትን ናይ ኣብያተ ጽሕፈት ኣባይትና ዝኾነ ዘመናዊ ቅዲ ህንጻ ክንኽልክል ኢና። ብቑዓት፡ ጽሩያት፡ ንስድራቤት ዝምችኣን ውሑሳትን ኣዝየን ጽቡቓት ከተማታት፡ ሓውሲ ከተማታት፡ ዓድታት፡ ትሕተ ቅርጺን ቅርጸ መሬትን ክንሃንጽ ኣለና። ኩለን ከኣ ንኤርትራዊ ግእዝ ውርሻ፡ ባህልን መንነትን ዘንጸባርቓ ክኾና ኣለወን። ህንጻታትና ሕውስዋስ ናይ ሓድሽ ክላሲክን ኣርት ዴኮን ኽኸውን እዩ።

ኣብ ታሪኽን ባህልን ግእዝና መንበሪ ገዛ መሰረታዊ መሰል እምበር ሓለፋ ኣይኮነን። ኣብ ዘመናዊ ግዜ ምቹእ፡ ብቑዕን ብቐሊሉ ዝርከብን መንበሪ ኣባይቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታትና እዩ። ቀንዲ ዕላማ ፖሊሲ ኣባይትና ምውዳድ ምቹእ፡ ብቑዕን ብቐሊሉ ዝርከብን መንበሪ ኣባይቲ ንኹሎም ዜጋታትናን ወጻእተኛታትን እዩ። ምህላው ብቐሊሉ ዝርከብ፡ ሕሱርን ብቑዕን መንበሪ ኣባይቲ ንሃገርና ብቐሊሉ ብቑጠባ ተወዳዳሪት ይገብራን ቀጻልነት ምዕባለ ከኣ የረጋግጽን።

ዝተፈላለየ ናይ መበሪ ኣባይቲ ፖሊሲታት ኣብ መንጎ ዜጋታትን ወጻእተኛታትን ክህልወና እዩ። ቀንዲ ስትራተጂካዊ ዕላማታት ናይ መንበሪ ኣባይቲ፡

ኩሎም ናይ መንበሪ ኣባይቲ መደባትና ንክቡር፡ ማእከላይን ሕሱርን ኣባይቲ ወይ ከኣ ልዑል፡ ማእከላይን ትሑትን ኣታዊታት ዘለዎም ሓቢሮም ዝነብርሎም ከባቢታት ምፍጣር እዩ። ኣብተን እዞም ክፉኣት ገዛእቲ ዝሃነጽወን ከም ኣስመራ ዝኣመሰላ ከተማታት እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ዓድታት ስልጣነ ትግርኛ ናይ ድኻታትን ሃብታማትን ዝበሃል ከባቢታት የለን። ኩለን ከባቢ ከተማታትን ዓድታትን ናይ ገዛእ ርእሰን ኣብያተ ክርስታያናት፡ ሓምላይ ከባቢታት፡ናይ ስፖርት መሳለጥያታትን ትሕተ ቅርጽን ከምኡ ከኣ ባህላዊ መሳለጥያታትን ትሕተ ቅርጽን ይውንና።

ኣብ ኩለን ከተማታትን ዓድታትን ከበሳታት ኤርትራ መስመራት ኤለክትሪክን ቴለፎን ገመዳትን መርበባትን መዐደሊ ነቑጣታትን ኩሉ ብትሕቲ መሬት ይዝርጋሕ።

ኩሉ ዝህነጽ ኣባይቲ ንምንቕጥቃጥ መሬት ዝከላኸል ኮይኑ ይህነጽ።

ኩሉ መንግስታውን ህዝባውን ህንጻታት ንግዳዊ ይኹን ዘይንግዳዊ ንኣካለ ስንኩላን ኣብ ግምት ዘኣተወ ኮይኑ ይህነጽ።

ኩሉ መሰመራት ባቡር ኣብ ከበሳ ብውሽጢ መሬት ይኸውን።

ኩሉ መውዓይን መዝሓልን ኣገባባት ኣብ ኩሉ ከተማታት ዝተማእከለ ይኸውን።

ኩሉ ጽርግያታት ዝተፈልየ መንገዲ ብሽክሌታ ይህልዎ።

ኩሉ ጋራጃት ንብባተሪ ዝሰርሓ መካይን ዘገልግል ናይ ባትሪ ቻርጀር ይህልወን።

ጥብ ዝበለት ማይ ዝዕቅብ ናይ ዝናብ መዕቀቢ ስርዓታት ኣብ ኩለን ከተማታት፡ ዓድታትን ጎቦታታን ከምኡ ከኣ ንዝስተን ንመስኖን ዘገልግል ውሑሉል ናይ ማይ ምክፍፋል ስርዓት ይህልወና።

ኣብ ኹለን ከተማታት፡ ዓድታትን ትካላትን ካብ ሃገራዊ መዕቀቢ ጽሩይ ዝስተ ማይ ዝተፈልየ፡ ናይ ረሳሕ ፈሳስን ደረቕን መእከብን መምስርሕን ቦታ ይዳሎ። እዚ ዝተጻረየ ፈሳሲ ከኣ ንኣገልግሎታት ሕርሻ፡ ምጽራይ ጽርግያን ካልእ መዓላታትን ይውዕል።

ካብ ኣስመራ ንሸነኽ ሰሜን ኣብ ኣጻድፍ ድርፎን ሰሜናዊ ባህሪ ጎቦታታን ሓንቲ ሓዳሽ ርእሰ ከተማ ክንሃንጽ ኢና። እታ ከተማ ካብ ብስም እቲ መስራቲ ኣቦ ኤርትራዊ ሃገራዊ ምንቃስቓስ ግእዝ ስዉእ ኪዳነ ክፍሉ ተበጊሳ ከተማ ኪዳነ ክትስመ እያ።