
ኦሪትና Oritism
ኩነታት ሃገረ ሃይማኖት ንምሕዳስ ጥንታዊ ሃይማኖት ኦሪትና
‘ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም። እቲ ንደቂ እስራኤል እትዛረቦም ነገር እዚ እዩ’’ ዘጽ 19፡6.
ኢሰያስ ኣፍወርቂን ካልኦት ሕሉፋት ኣረማውያን ሓለፍትን ሃይማኖት ናይ ውልቂ ምርጫ፡ እምነትን ሃገርን ከኣ ክልተ ዝተፈላለዩ ኣካላት እዮም። ጥንታዊ ስልጣነ ግብጺ ብዛዕባ ስነ ጽሑፍ፡ ስልጣነ ግሪኽ ብዛዕባ ፍልስፍና፡ ስልጣነ ሮማ ኣረምን ምሕደራን፡ ስልጣነ ቻይና ብዛዕባ ኮንፊሸስ፡ ከምኡ ከኣ ስልጣነ ግእዝ ብዛዕባ ሃይማኖት ኦሪት እዩ። ኣበርክቶና ንዓለም እምበኣር ጥንታዊ መበቆላዊ ሃይማኖትና እዩ። ብርትዒ፡ ክውንነትን ስነ ሓሳብን ንናይ ግእዝ/ትግርኛ ሃገራውነት/ባህሊ/ስነሓሳብ ካብ ናይ ኣቦታትና እምነትን ልምድታትን ፈላሊኻ ክትርእዮ ዝከኣል ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ ናይ 3000 ዓመት ታሪኽና ከም ኣዕራብ፡ ኤውሮጳውያን፡ ፋርሳውያን፡ ኣፍሪቃውያንን መብዛሕትኦም ኤስያውያንን ኣረማውያን ወይ ኣረመናውያን ኮይንና ኣይንፈልጥን ኢና። ንሃይማኖት ኦሪት ከም ሃይማኖት ን3000 ዓመት ተኸቲልናዮ ኢና። ካብ ቃላትና ንላዕሊ ንንናይ ጥንታዊ ኣሰራት ጥንታዊ ኦሪት ቤተመቕደስን ህልው ክብርታት፡ ልምዲታትን ባህልን ባህላዊ ሕበረተሰብና ኣብ ከም ኣዱሊስን ቆሓይቶን ብምርኣይ ብምድህሳስን ክተጽንዖ ዝከኣል እዩ። እምነትና ምስ ጎበዝና ዝመረጽናዮ ዘይኮነ ዝኹርዕ መቦቆልና እዩ። እንታይነት ሃገራዊ ባህላዊ መንነትና ኣምበኣር ኦሪታዊ ሃይማኖትና እዩ።
ድሕሪ ናይ ኣስታት 1000 ዓመታት ናይ ኣምሓራ፡ ግብጻውያን ኦርቶዶክስን እስላምን ብሓይሊ ምቕያር፡ ኤውሮጳውያን ካቶሊክን ከኒሻን ምዝመዛን ጭኮናን፡ ከምኡ’ውን 25 ዓመት ቀቢላውን ባህላውን ምጽራይ ብህግደፍ፡ ሎሚ ንምድርና ከነፍቅር፡ ንሓድሕድና ክንተሓላለን ሓደ ባህሊ ከነጥሪ ዝኽኣለና ባህልናን ጥንታዊ ክብርታትናን እንተተዳኸመ እኳ ኣብ ደምና፡ ኣዕጽምትናን ሓሳባትናን ግን ኣሎ። ልክዕ ከም ኣቦ ሓጎታትና ንሕና ውን ነታ ናይ ተስፋ ምድርና ንናፍቓ ኣለና። ኣንጻር ኩሉ ብድሆታትና ንኣስታት 3000 ዓመታት መንነትና ዓቂብናን ሓሊናን ምጉዓዝና ዝለዓለ ብልጫና እዩ።
ዮሴፍ ንደቂ እስራኤል ሓደ ማሕላ ኣምሒልዎም። ዮሴፍ ድማ ንደቂ እስራኤል፡ “ኣምላኽ ብሓቂ ኺበጽሓኩም እዩ እሞ፡ ነዕጽምተይ ካብዚ ኣደይብዎ፡” ኢሉ ኣምሐሎም ዘፍ 50፡25.። መጽሓፍ ቁዱስ ከም ዝነግረና ድሕሪ ናይ ኣስታት 430 ዓመት ባርነት ኣብ ዘጽ 13፡19 “ዮሴፍ ንደቂ እስራኤል፡ ኣምላኽ ብርግጽ ኪበጽሓኩም እዩ፡ ሽዑ ነዕጽምተይ ካብዚ ምሳኻትኩም ኣደይብዎ፡’’ ኢሉ ማሕላ ኣምሒልዎም ነበረ እሞ፡ ሙሴ ድማ ንዓጽሚ ዮሴፍ ምስኡ ወሰዶ።
ልክዕ ከም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እስራኤላውያን ንሕና’ውን ኣብ ዝኾነ ክፋል ናይ ዓለም ማለት ኣውስትራልያ፡ ኣላስካ፡ ኣዲስ ኣበባ ወይ ደቡብ ኣፍሪቃ እንተሞትና’ውን ሬሳና ኣብ ዓድና ክቕበር ኢና ንደሊ። ንክብሪ ኣብ መሬትና ምቕባር ካብ ዘለና ክብሪ ዝተላዕለ ዝኾነ ሬሳ ንዓዲ ንምልኣኽ ካብታ ዘይብልና ኣዋጺእና ኢና ንልእኾ። ኣብ ህግሓኤ እውን ንስውእ ብጻይካ ከይተቀብረ ምግዳፍ ማለት ሕፍረትን ውርደትን እዩ ዝቑጸር።
ከም ጥንታውያን ኣቦሓጎትትናን እኖሓጎታትናን ኣብ ቤት ክርስትያን በበይንና ኮፍ ንብል፡ ንሓዝን፡ ንእከብ ወዘተ። ልክዕ ከምኣቶም’ውን ናይ ደቂ ተባዕትዮ ምግዛር ነፍቅድ። ብዙሓት ካብ ሓርስቶትናን ኣዴታትናን ቀዳም ኣይሰርሑን፡ ክዳን ኣይሓጽቡን ወይ’ውን ቡን ኣይቐልውን። ናይ ግእዝ ቀንዴልና ኣብ ኣብያተ ክርስትያትና ከም ኣብ ቤተክርስትያን ማርያም ጽዮን ኣስመራ( እንዳ ማርያም) ይርከብ።
ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኩለን ናይ ኤርትራን ትግራይን ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያናት ምስ ናይ ኣይሁድ ጉጅለ ምእመናን ንሓሙሽተ መጻሕፍቲ ሙሴ (The Torah) ከም ቃኖና ይኽተላ። ኤርትራን ትግራይን ኦርቶዶክስ እቲ ታቦት ዘሎዎን ምስ ታቦት ዓሚቕ ስሚዒታውን ስነ ኣእምሮኣውን ምትሕሓዝ ዘለዎን ሃይማኖት እዩ። ከም ኩሉ ናይ ኣፍሪቃ ክርስትና ናይ ኣምሓራ ክርስትና’ውን ምስ ቅድመ ክርስትና እምነታት ከም ቩዱ፡ ማሪትን ጥንቆላን ዝተሓናፈጸ እዩ። ኣምሓራ ታቦትን ኦሪትን እንታይ ምዃኑ ኣይርድኦምን እዩ።
ቅርጺ ስርዓትን ናይ ካህናትና’ውን ልክዕ ከም ካህናትን ሊቀ ካህን ኣሮንን ደቁን ተመሳሳሊ እዩ። ኣሕዋትና ኣይሁድ እዃ ከይተረፉ ድሕሪ ካብ ጽዮን ኣብ 70 ዓ.ም ብሮማውያን ምስጓጎም ንክህንነት ናብ ራቢነት ቐይሮሞ ይርከቡ። እቲ ካህን ኣብ እዋን ሕማም፡ ሞት፡ ጸቕጢ፡ ስድራቤታዊ ሽግራት፡ ምብጋስ ናብ ኲናት፡ ስነ ምግባር ይምህር፡ ሃገሮም ከገልግሉን ከፍቅሩን፡ ስድራቤት፡ ሕብረተሰብን ኣብ ልዕሊ ስድርኡ ይከታተል። ህግሓኤን ህውሓትን ናይ ተጋደልቲ ኣርኣያ ካብ ናይ ክህንነት ሞዴል ዝተወስደ እዩ። ተጋዳላይ ከም ካህን ብዘይዝኾነ ክፍሊት ዘገልግል እዩ። ህዝብና ናይ ብሓቂ ኣገልገልቲ የምልኽ እዩ።
ኣብ ሃገርና ምንኩስና መዓስን ብከመይ ከም ዝጀመረ ዘረድእ እኹል ጭብጢ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ዝተወደበ ክርስትያናዊ ገዳምነት ግን ኣብ ምደረበዳታት ግብጺ ኣብ ራብዓይ ክ.ዘመን ከም መርኣያ ህያው መስዋእትነት ከም ዝተኣታተወ ይሕበር። ከም Lester K. Littleዝኣመሰሉ ሊቃውንቲ ከኣ ምትንሳእ ገዳማት ምስ ምቕባል ኮንስታንታይን ንክርስትና ከም ቀንዲ ሃይማኖት ኣብ ሮማ ስዒቡ ንዝተቀላቐለ ጽዑቕ ለውጢ ኣብ ክርስትና ዝሰዓበ እዩ ይብሉ። እዚ ከኣ ነቶም ንነብሶም ከም ከም ኣምላኻውያን ምርኡያት ገይሮም ዝቖጽርዋ ነኣሽቱ ጉጅለታት መወዳእትኦም እዩ ነይሩ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ሓድሽ ዝለዓለ ኣገባብ ተወፋይነት ንምዕቃብ ሕመረት ተወፋይነት ማዕቢሉ። ምኽታም ስቅያት ከኣ መስዋእትነት መርኣያ መንፈሳውነት ሓደ ሰብ ከም ዘይምዃኑ ክረጋገጽ ክኢሉ። ኣብ ክንድኡ ከኣ ነዊሕ ዝጠመተ “መስዋእትነት” ብሕትውና ዝውቱር ኮይኑ።
ዋላ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ናይ ክህንነት ምሕራም ካብ ስጋዊ ርክብ ጥንታዊ ኣይኮነን። ጳጳስ ግሪጎሪ XIII(1572-1585) ቅድሚ ቅዱስ ስርዓት ምቕባሉ ዘይሕጋዊ ውሉድ ነይርዎ እዩ። ጳጳስ ክለመንት IV (1265-1268) ቅድሚ ቅዱስ ስርዓት ምቕባሉ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ኣዋልድን እዩ ነይሩ፡ ክልቲኦም ከኣ ናብ ኪዳን ኣትዮም።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምክልኻል ገበን ንኩሉ ምንቅስቓሳት ናይ ሰብ ዝከታተላ ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ናይ ቪድዮ ካሜራታት ኣለዋ። ናይ ዝኾነ ሰብ ምንቅስቓስን ርክብን ብቐሊሉ ብመንገዲ ዝጥቀመሉ መርበባት ሓበሬታ፡ ተንቀሳቓሲ ተሌፎናት፡ ዝጥቀመሉ ናይ ባንክ ካርድታት ወዘተ ክፍለጥ ይኽእል። ሕበረተሰብ ዓባይ ብርጣንያ መሰል ብሕትውና ዝግህስ ሕብረተሰብ እዩ። ኣማኢት ኣሽሓት ፖሊስን ውልቃውያን ናይ ጸጥታ ኣባላትን ይርከቡ። ኣብ ልዕል እቲ ብመንግስቲ ንምክልኻል ገበን ዝስላዕ ባጀት፡ ናይ ፖሊስን ውሽጣዊ ጸጥታን ባጀት ልዕሊ ናብ ምክልኻል ዝስላዕ ሃገራዊ ባጀት እዩ። ናይ ብዙሕ ቢሊዮናዊ ናይ ውልቂ ናይ ጸጥታ ትካላት ይርከባ። ኩሉ ናይ ጸጥታ መሳሪሕታት ንሓደ ሰዓት ደው እንተዝብል ዝምታን ፋሉልነትን ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ምስዓበ።
ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝምደብ ባጀት ዓባይ ብርጣንያ 5% ናይ ሃገራዊ ባጀት ጥራይ እዩ። ናይ 10 ቢሊዮን ብውልቂ ዝምወል ናይ ግበረ ሰናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኢንዱስትሪ ኣሎ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ኣብ ምክልኻል ኣልኮላዊ መስተን ጎነጽን ስድራቤት፡ ምሕጋዝ ስንኩላንን ኣረጋውያን ወዘተ ተዋፊሮም ይርከቡ። ብዘይ ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዓባይ ብርጣንያ ንድኹማትን ዓቕሚ ዘይብሎምን ሲኦል ምኾነት ነይራ። ዓባይ ብርጣንያ ድሕሪ ኢንዱስትራያዊ ሰውራ እያ ከምዚ ክትከውን ጀሚራ።
ብዓለም ደረጃ ብትረቱን ቅንዕንኡን ኣዝዩ ዝኽበር ገበናዊ ሕጊ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ይርከብ። ናይ ግብሪ ሕጊ፡ ናይ ስነ ሕሳብ ኣእመንትን ናይ ምሕደራ ሕጊ ንመንግስታውን ብሕታውያንን ትካላት ግሉጻትን ተሓታትነት ዘለወን መታን ክኾና የኽእለን። ምስ እዚ ኩሉ ናይ ግብሪ ሕግታት፡ ናይ ስነ ሕሳብ ኣገባባትን ናይ ንብረት ምሕደራን ንዑ ዘተግብሩ ኣካላትን ብዙሕ ናይ ግብሪ ምትላልን ብልሽውናን የጋጥም።
ኣብ ምዕራባዊ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቅልስ ኣብ መንጎ ብዘይ ግብርን ምቁጽጻርን ክሰርሑ ዝደልዩ ናይ ናጻ ዕዳጋ ነጋዶን፡ ስርዓት ዝሓዙን ምሃላዉ ምእኩል ዕዳጋ ምስ ልዑል ኣብ መዳያት ትምህርቲ፡ ምክልኻልን ምቑሉል ትሕተ ቅርጽን ወዘተ ዘሎ ቅልስ እዩ። እቶም ዝበዝሑ ግብርን ምቑጽጻርን ዝጸልኡ እዮም። ግብሪ ዝኸፍሉን ብሕጊ ዝምእዘዙን ዝመጾም ሳዕቤን ስለዝፈልጡ ጥራይ እዮም።
ካብዚ ናይ ዓባይ ብርጣንያን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን እንምሃሮ ነገር እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ ሕግን ንዕኡ ዘተግብሩ ኣካላት ምህላው ጥራይ ንምምስራት ጽፉፍ፡ ካብ ገበንን ብልሽውናን ናጻ ዝኾነ ሕብረተሰብን ንድኹማትን ዓቕሚ ዘይብሎምን ምሕጋዝ፡ ከምኡ’ውን ንጽፉፍ፡ ጽኑዕን ብልጹግን ሕብረተሰብ ብሕግን ሕጊ ዘተግብሩ ኣካላትን ከተውሕሶ ከምዘይክኣልን እዩ።
ኣፍሪቃውያን ይኹኑ ናይ ኣዕራብ ቀቢላታትን እንዳታትን ንገዛእ ሕበረተሰቦም ካብ ካልኦት ዝከላኸልሉ ኣገባብ ሓነ ምፍዳይ ከም ግትኣት፡ ዝምታ ንብረት ናይ ወጻእተኛን ገበናት ኣንጻር ድኹማት ዓሌታትን/እንዳታትን ቅቡል እዩ።
ምዕራባዊ ሕብረትሰብ ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ 30 ዓመታት ብሰንኪ ኣተግበርቲ ሕጊ ትካላትን ምጥሓስ ሕጊ ዘምጻኦ ሳዕቤንን ንሕጊ ክእዘዙ ጀሚሮም። ኣብዚ ናይ 3000 ዓመት ታሪኽና ሕጊ ነተግብር ዘለና ብልጫታት ብምትብባዕን ብምምሃርን እዩ። መምህርና ካህንና፡ ብልጫታትና ከኣ ካብ ሃይማኖትና ብፍላይ ከኣ ኦሪት ዝመጸ እዩ።
ካሪክለምና መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ዝዓበየ ዓወትና ካብ ገበን ነጻ ዝኾነ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ምፍጣር ሕጉስን ጽኑዕን ስድራቤትን ብዘይ ናይ ብዝሐ ቢሊዮናዊ ሓይልታት ፖሊስ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ኦዲተራት፡ ጠበቓታት ወዘተ።
ማርክሳውያንን ኣረማውያንንን መራሕቲ ሃገርና ሓደ ዓለማዊ ብዝሐ ህዝባዊ (ብዝሐ ባህላዊ) ወይ ዝተፈላለዩ ንሓድሕዶም ዝጋጨዉ ሃገራዊ መንነት ንምፍጣር ክብሉ ናይ ህዝብና ስርዓት ከም ንነፍሲ ካብ ኣካል ፈልዮሞ። እዚ ከኣ ማሕበራዊ ኪዳንናን ማሕበራዊ እሙንነትናን ምቕታል እዩ።
ህግሓኤ ኣብ ትሕቲ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ከም መራሒ ህዝብና ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ቅርጸ ስርዓታት ሕብረተሰብና ብቕልጡፍ ተባሒጊጉ ናብ ስስዐ፡ ዘይቅኑዕነት፡ ውልቃውነትን ብልሽውናን ኣብ ሕበረትሰብና ኣስፋሕፊሑ፡ ስድራቤትን ፋሕ ኢላ፡ ናብ ሕሱም ድኽነት፡ ክብረት ኣልቦ መሰል ዘይብሎም ስደተኛታት ኮይንና ንርከብ። ጠንቂ እዚ ኩሉ ከኣ ህግደፍን ኣረማውያን መራሕቱን ጨቛኒ ማሕበራዊ ምህንድስና ኣበጊሶም ዓለማዊ ሕበረተሰብ ክሃንጹ ስለ ዝተበገሱ እዩ። ታሪኽ ናይ ዝሓለፈ 20 ዓመት ብግሉጽ ዘርኣየና ነገር እንተድኣ ሃልዩ ግሎባላውነትን ባህላዊ ብዙሕነት/ዓለማውነት ኣብ ኤርትራ ማለት ስስዐ፡ ዘይቅኑዑነት፡ ውልቃውነትን ብልሽዉናን ምፍራስ ስዳራቤትን ምዃኑ እዩ።
ዓለማውነት ንመንግስታዊ ትካላትን ንሓደ ንመንግስቲ ዝውክል ሰብ ካብ ዝኾነ ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ክብርታት ምፍላይ ማለት እዩ። ብሓደ ወገን ዓለማውነት ካብ ሃይማኖታዊ መስመርን ትምህርትን ካብ ናይ መንግስቲ ምትእትታው ኣብ ልዕሊ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ማእከላይ መርገጺ ዘለዎም ዜጋታት ናጽነት ክፈጥር ይኽእል እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ዝኾነ ዝውሰድ ውሳኔታትን ተግባራትን ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ፖለቲካ ካብ ጽልዋ ሃይማኖት ሓራን ዘይሻራውን ክኸውን የኽእል።
ዓለማውነት መበቖሉ ካብ ናይ ግሪኽን ሮማን ፈላስፋታት ከም ማርቆስ ኣውሬሎስን ኢፒኮሩስን፡ ናይ ማእከላይ ዘመን ፈሊጠ-ብዙሕ እስላም ከም ኢብን ሩሺድ፡ ናይ ምንቕቓሕ ሊቃውንቲ ከም ደኒስ ዲደሮት፡ ቮልቴር፡ ባሩኽ ስፒኖዛ፡ ጆን ሎክ፡ ጄምስ ማድሶን፡ ቶማስ ጀፈርሶንን ቶማስ ፓየን፡ ከምኡ ከኣ ናይ ግዜና ነጻ ሓሰብቲ፡ እግኖስቲካውያንን ኣረማውያንን ከም ሮበርት ኢንግረሶልን በርትራንድ ሩሰልን እዮም።
ዓለማውነት ንህዝብናን ዞባናን ባዕዳዊ ጋሻ ሓሳብ እዩ። ዘይከም ኣዕራብ፡ ምዕራባውያንን ኣፍሪቃውያን ኣህዛብ ቅድመ ሃይማኖታዊ ታሪኽ ወይ ከኣ ከም ናይ ሮማውያን ኣረማዊ ስልጣነ ኣይነበረንን። ስልጣነና፡ ባህልናን መንነትናን ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ሃይማኖት እዩ። ህግሓኤ/ህግደፍን ገለ ናይ ምዕራብ ሊበራላውያን ምሁራንን ብዘይ ዝኾነ ጭብጢ ሃይማኖትና ከም ቀንዲ ምኽንያት ናይ ድሕረትናን ድኽነትናን ከም ዝኾነን እዮም ዝማጎቱ። ስለዚ እዩ ከኣ ሓሳብ ዘመናውነቶም ክንዲ ንህዝብና ብቴክኖሎጂ፡ ስነ ፍልጠትን ኣገባባት ዘመናዊ ምሕደራ ኣብ ማሕበራዊ ምህንድስና ዝጸቕጡ። ሃይማኖትና ግን ኣንጻር ስነ ፍልጠትን ሓሳባትን ዘይኮነ ምስኦም ዝገጥም እዩ።
ንኣቡነ ድዮስቆሮስ ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስያዊት ተዋህዶ ቤትክርስትያን ወይ ዝኾነ ላዕለዋይ ፈላሲ ወይ ካህን፡ ፖሎቲከኛ፡ ምሁራንን ዓበይትን እንተንሓቶም፡ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኣካል ናይ ምብራቓዊ ኦርቶዶክስ ኮይና ብሃዋርያን ወንጌላውን ማርቆስ ኣብ ኣለክሳንድርያ ግብጺ ከም ዝተመስረተትን ቤተክርስትያንና ከኣ ክርስትያናዊት ቤተ ክርስትያን ከምዝኾነት መረድኡና ነይሮም። እንተኾነ ጥልቕ ኢልና ኣነጺርና ሓቅታት እንተድኣ ፈቲሽና ግን ቃኖና ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ክርስታያናዊት ቤተክርስትያን ወይ ኦሪት/ይሁድነት ኣይኮነትን።
ኣብ ዓለም ብዘይካ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኦርቶዶክስ ቤትክርስትያን ዝኾነት ንሓሙሽተ መጻሕፍቲ ሙሴ ማለት ኦሪት ዘፍጥረት፡ ዘጽኣት፡ ዘለዋውያን፡ ዘሁልቅን ዘዳግምን ከም ቃኖና ዘለዋ ናይ ክርስታይን ቤተክርስትያን የላን። እቶም ዝውትራት ወንጌላት እቶም ቃኖናውያን ወንጌላት ማለት ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስን ዮሃንስን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ነቶም ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ሙሴ ክትኽኡ ዝተጻሕፉ እዮም። ክርስትና ማለት ንሓድሽ ኪዳን ከም መተካእታ ብሉይ ኪዳን ምቕባል ማለት እዩ። ኣብ ጉዳይ ኦርቶዶክስያዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብሉይ ኪዳን ብሓድሽ ኪዳን ተተኪኡ ኣይፈልጥን እዩ። ነቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ቃኖና ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ወሲኽዎ ይርከብ።
መራሕቲ ሃይማኖትና ኦርቶዶክስ ክርስትያናት ከም ዝኾንና እኳ እንተነገሩና ሙሉእ ቃኖና መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሽን ብሉይን ኪዳን እንተተዓዚብና ግን ክርስትያናት ዲና ዋላ ኦሪት/ይሁድነት ግሉጽ ኣይኮነን። ቅሉዕን ንጹርን ፍልልያት ኣብ መንጎ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ሙሴ(ቶራሕ)ን ወንጌላትን ኣሎ።
ቃኖና ግብጻዊት ኦርቶዶክስ ኮፕቲክ ቤተክርስትያን 27 መጻሕፍቲ፡ ቃኖና ናይ ከኒሻ 66 መጻሕፍቲ፡ ናይ ካቶሊክ ቤትክርስትያን 72 መጻሕፍቲ፡ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ 77 መጻሕፍቲ ክሕዝ ከሎ ናትና ኦርቶዶክስ 81 መጻሕፍቲ ኣለዎ። ናይ ግእዝ ብሉይ ኪዳን ንመጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጥን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኦሪታዊ ቃኖና፡ Jubilees፡ 1ይ ሄኖክን ናይ ጆሴፍ ቤንጎርዮን (Josippon’s) ናይ ማእከላይ ዘመን ታሪኽ ኣይሁድን ካልኦት ኣህዛብን የጠቓልል። እቲ ‘’ዝሰፍሐ” ቃኖና ተባሂሉ ዝግለጽ ሓድሽ ኪዳን 35 መጻሕፍቲ ፡ ነቶም ፍሉጣት 27 መጽሓፍቲ ሸሞንት ከም ኣርባዕተ ክፋላት ትእዛዝ ቤትክርስትያን ሲኖዶስ ዝበሃል፡ ክልተ ክፋላት ካብ መጽሓፍ ግእዝ ኪዳን፡ ኢትዮፒክ መሓሪን ግእዝ ዲዳስቃልያን የጠቓልል።
ገዛእትና ኮፕቲክ ግብጻውያንን ኤውሮጳውያንን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ብውክልና ኣምሓራ ሃይማኖቶም ከስፋሕፍሑ እኳ እንተኸኣሉ፡ ነቲ ጥንታዊ ኦሪት ሃይማኖትናን ባህልናን ክንሓድግ ከገድዱና ግን ኣይከኣሉን። ስለዚ ከኣ ኣብ ንሓድሕዱ ዝዋቓዕን ፍሉጥ ቃኖና፡ ስረት እምነትን መንነትን ዘይብሉ ሕውስዋስ ክርስትናን ኦሪት/ይሁድነት ኮይኑ ተሪፉ።
ብሓጺሩ ክርስትና ብዛዕባ እምነትን ቦታኻ ኣብ ገነት ወይ መንግስቲ ኣምላኽን፡ ኦሪት/ይሁድነት ብዛዕባ ተግባር/ግብሪን ምምስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድርን እዩ።
ክሳብ 1929 ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ብግብጻውያን ኮፕቲክ ፈልስቲ ትምራሕን ትመሓደርን ነይራ። ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ብናይ ግብጺ ቤትክርስትያን ኮፕቲክ ፈለስቲ ኣብ 1270 ኣብ እጨጌ ሽዋ ተመስሪቱ። ኣብ ኣምሓራ ቅድሚ 1270 ክርስትና ምንባሩ ዘረጋግጽ ዝኾነ ጭብጢ የለን። ህዝቢ ኣምሓራ ካብ 15-17 ክ.ዘመን አዩ ወንጌል ተቐቢሉ።
እቶም ሓደስቲ ኣብ ትሕቲ ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ፈለስቲ ዝተለወጡ ኣምሓራ ንናይ ግእዝ ህዝቢ ኦሪት ሃይማኖትና ልክዕ ከምቲ ናይ ናዚ ኣገባብ ብምጥቃም ንደቂ ኤዎስጣቴዎስ(Sons of Ewastatewos)ን ካልኦት ናይ ግእዝ ሃይማኖታውያን መራሕትን ካህናትን ክሳብ ዝውድኡ ሓደ ብሓደ ቀቲሎምን ቀዱሳት መጻሕፍቶም 100% ኣቃጺሎምን። ከም ዝሓለፈ 800 ዓመታት ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያን ብናይ ኣምሓራን ግብጽን ኣብያተ ክርስትያናት ባህላዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ረብሓታት ብዝተመስርሐ ታሪኽ፡ ስነሓሳብን ሰረተ እምነትን ይቕየስ ኣሎ።
ሃጸይ ዮሃንስ IV ንጥንታዊ ናይ ግእዝ እምነት ስርዓት ወይ ሰረተ እምነት ንምድሓን ኣብ 1878 ኣብ ቦሩ መዳ ዋዕላ ዘካየደ ናይ መጨረሽታ ናይ ግእዝ መራሒ እዩ ነይሩ። ናይ ሎሚ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ሃጸይ ዮሃንስ IV ዝተዛረበሉ ፍልልያት ሰረት እምነት እንታይ ከምዝነበሩን ብኸመይ ከም ዝፈትሖምን ሓቲትና ነጺጎምና። ኩሉ ከም ዝሰማምዓሉ ግን ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ናጻ ኣቡናት ማለት ሓደ ንኣግኣዝያን፡ ሓደ ንጎንደር፡ ሓደ ንሽዋ ከምኡ ከኣ ሓደ ንጎጃም መዚዞም። ኣብ ናይ ግእዝ ወለዶ ዝመጹ ኩሎም ፖለቲካውያን መራሕቲ ንሰረተ እምነት ሃይማኖት ግእዝ ካብ ሰረት እምነት እምሓራ ተዋህዶ ክከላኸሉ እኳ እንተፈተኑ ክዕወቱ ግን ኣይከኣሉን። እቲ ምኽንያት ከኣ ልክዕ ከም ኩሎም እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ መራሕቲ ሃጸይ ዮሃንስ IV እውን ቅድሚኡ ቅድሚ 100 ወይ 600 ዓመት ዝተፈጸሙ ዝኾነ መጽናዕቲ ክገብር ወይ ታሪኽ ክርዳእ ዘኽእሎ ቀረብ ኣይነበሮን። ሃጸይ ዮሃንስ IV ካብ 1270- 1878 ስለምንታይን እንታይን ከም ዘጋጠመ ኣርጊጹ ይፈልጥ ነይሩ እንተዝኸውን ውጽኢት ናይ 19 ክ.ዘመን ታሪኽና ኣብ ክንዲ ሕስራንን ጥሜትን፡ ናጽነትን ክብረትን ምኾነ ነይሩ። እንተኾነ ድሕሪ መስዋእቱ ስረት እምነት ተዋህዶ ሰረት እምነት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ክኸውንን ኣብ ትግራይ ኣብ ቤተክርስትያን ብትግርኛ ምስባኽ ክኽልከልን ክኢሉ። ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ካብ ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ቤተክርስትያን ኣብ 1929 እያ ተፈልያ።
ድሕሪ መስዋእቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ትግራዎት ምእንቲ ምክልኻልን ምሕዳስን ባህላዊ መንነቶም፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትግራይ ወይ ኣብ ወጻኢ ትርከብ ናይ ተጋሩ ቤተ ክርስትያን ስብከት ብኣምሓርኛ እዩ። ካብ ኤርትራ ናብ ትግራይ ንክመሃሩ ናብ ትግራይ ዝኸዱ ነቲ ናይ ተዋህዶ ስረተ እምነት ናብታ ሓዳስ ሃገረ ኤርትራ ብምትእትታዉ ሰረተ እምነት ናይ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ክገብርዎ ኽኢሎም።
ታሪኽ ንገበን፡ ብልሽዉናን ድኽነትን ብናይ ቀረጽ ሕጊ፡ ሓይሊ ፖሊስን ኣብያተ ማእሰርትን ክንከላኸሎ ከምዘይንኽእል ኣረጋጊጽልና ኣሎ። ታሪኽና ከም ዘረጋገጾ ግን ካብ ገበን፡ ብልሽውና፡ ድኽነት፡ ዘይምዕሩይነትን ብዘይ ሓይሊ ፖሊስን ኣብያተ መእሰርትን ብምትካል ግሉጽ ማሕበራዊ ኪዳንን ማሕበራዊ ውዕላትን ነጻ ሕብረተሰብ ክንሃንጽ ንኽእል ኢና። ህዝብና ነዚ ዝኣምን እንተድኣ ኾይኑ ንጠንቂ ብሕጋውን ብቕንዕናን ክሕዞ ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ሕጋውነትን ቅንዕናን መበቆላውነት ስለ ዘምጽእ። ብቑዕ፡ ሰላማዊ/ርጉእ፡ ብልጹግን ቀጻልን ሕብረተሰብ ክንሃንጽ ተደሊና መቦቆላዊ፡ ሕጋዊን ቅኑዕን ማሕበራዊ ኪዳንን ማሕበራዊ ውዕላትን ክህልወና ኣለዎ።
ዘይትውንኖን ናትካ ዘይኮነን ነገር ክትቆጻጸሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስትያናት ስረተ እምነት ብኣምሓሩ ተነዲፉ ብሃጸይ ዩኩኖ ኣምላኽ(1270) ክሳብ ሚኒሊክ II/ ሃይለ ሰላሴ (1974) ክሳብ ሕጂ ክኣ ብመሪሕነት ኣምሓሩ ይቕጽላ ኣለዋ ዋላ እኳ ንዘሓለፈ 23 ዓመት ብትግርኛ/ተጋሩ እንተተመርሐት። ማሕበራዊ ኪዳን ካብ ዘይንውንኖን ዘይንቆጻጸሮን ሃይማኖት ክንነድፍ/ ክንስእል ኣይንኽእልን ኢና። ንካቶሊክ፡ ሉተራን፡ ጴንጠ ቆስጠ፡ እስላም ወዘተ ክንውንኖን ክንቆጻጸሮን ኣይንኽእልን፡ ምኽንያቱ እዘን ሃይማኖታት ንረብሓ ብወጻእተኛታት ዝተፈጥራን ዝቆጻጸራን ኮይነን ንናይ ገዛእ ርእሶም ባህላዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ረብሓታት የገልግላ። ካቶሊካዊትን ሉተራን/ከኒሻ ኣብያተ ክርስትያናት ምዕራባውያን ንምስፍሕፋሕ ክብርታቶምን ቁጠባውን ፖለቲካውን ረብሕታቶም ንምስፍሕፋሕ ዝጥቆምለን መሳሪሕታት እየን። ኣብ መንጎ ባህሊ ዓረብን እስላምን ፍልልይ የለን። ኣዕራብ ንምስልምና ከም መስፋሕፍሒ ባህላዊ፡ ቁጠባዊን ፖለቲካውን ረብሓታቶም ልዕሊ እቲ ምዕራባውያን ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሉተራን/ከኒሻ ዝተጠቆምላ ተጠቂሞምላ።
ንዓና ጥንታዊ መቦቆላዊን ቅቡልን ግእዝ ሃይማኖት ኣለና፡ ንናይ ህዝብና መንፈሳዊ፡ ባህላዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ረብሓታት ከነገልግል ኢና ከኣ ተፈጢርና። ጥንታዊ ማሕበራዊ ኪዳንናን ማሕበራዊ ውዕላትናን ከኣ መቦቆላዊ ጥንታዊ ሃይማኖትና ከይመለስና ክነሐድሶም ኣይንኽእልን ኢና። ጥንታዊ ማሕበራዊ ኪዳንናን ማሕበራዊ ውዕላትናን ውጽኢት ናይ ጥንታዊ ኦሪት ሃይማኖትና እዮም። ብዘይ ማሕበራዊ ምትእምማን ዝረጋገጽ ብልጽግና፡ ሰላም/ርግኣት፡ ዲሞክራሲን ጽፈትን የለን። ማሕበራዊ ኪዳንን ማሕበራዊ ውዕላትን ከኣ ብዘይ ሓባራዊ ብቑዕነት፡ መቦቆላዊ ጥንታዊ ስረተ እምነት ሃይማኖት ወይ ስርዓት ክመጽእ ኣይክእልን እዩ።
ሕ.መ.ኣሜሪካን ኤውሮጳን ሕሱር ጉልበት ንምርካብ ኢለን ብዘተኣታተወኦ ባህላዊ ብዙሕነት ማሕበራዊ ዘይምትእምማን ፈጢሩ ሓሚስወን ይርከብ። ዘይምህላው ማሕበራዊ ምትእምማን ቀንዲ ጠንቂ ዘይማዕርነት፡ ልዑል ተነጽሎን ካልኦት ማሕበራዊ ሕማማትን ኣብ ሕ.መ.ኣሜሪካን ኤውሮጳን እዩ።
ግሉጽን ኣእማኒ ቃኖና ዘለዎን ሃይማኖት ክህልወና ኣለዎ። ብሰንኪ ዘይምህላው ቅሉዕ ስርዓተ እምነት ወይ ሃይማኖታዊ ሰረተ እምነት ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተክርስታያን ዝኾነ ሰብ ንመንእሰያትና ብዛዕባ እምነትና ክነግሮም የብሉን። ስለዚ እዩ ከኣ ዝተማህሩ መንእሰያትና ዓመታዊ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ናብ እስላም፡ ኣረምነት፡ ጴንጤ ቆስጤ ወዘተ ይቕይሩ ኣለዉ። ኣብ መንጎ ኦሪት/ታቦት ምስ ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ሙሴ ማለት ዘፍጥረት፡ ዘጽኣት፡ ዘለዋውያን፡ ዘሁልቅን ዘዳግምን ወይ ከኣ ክርስትና/መስቀል እተን ቃኖናውያን ወንጌላት ተባሂለን ዝፍለጣ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ዝርከባ ኣርባዕተ ማለት ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስን ዮሃንስን እየን።
ከም ዓለማውያን ሃገራውያን ተቓለስቲ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ኦሪት/ታቦት ሃይማኖተና ክኸውን ንመርጽ
- ፍሉይ፡ ቅቡልን መበቆላውን ሃይማኖት ኣቦሓጎታተይ ስለዝኾነ
- ኦሪት ርትዓውን ሃገራውን ስለዝኾነ
- ኦሪት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ብምትእትታዉ ጽፉፍ ዝኾነ ሕግታት፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ስድራቤት፡ ሕብረተሰብን ሃገርን ምፍጣር ስለ ዝኾነ።
- ኣብ ከም ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቓን ተሃዋሲ ዝኾነ ከባቢታት ክርስትና ክሰርሕ ስለዘይክእልን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝረከቡ ክርስትያናት ኣዝዮም ተነጺሎምን ኣብ መስርሕ ምጥፋእ ካብ ምእከላይ ምብራቕ ስለዝርከቡን
- ክርስትና ፈለማ ንወነንቲ ገላዉ ግዝኣት ሮማ ደሓር ንምዕራባውያን ወነንቲ ገላውን ንኣፍሪቃ ንዝገዝኡ ገዛእቲ ተባሂሉ ዝተዳለወ ሃይማኖት ስለዝኮነ
- ክርስትና ንገላዉ መንግስቲ ኣምላኽ ብምምብጻዕ ኣንጻር ገዛእቶም ከይላዓሉ ዝምህርን ኣብ ሰማይ ክከሓሱ ስለ ዝኾኑ መዓልታዊ ዝረኽቦም ሕስረት፡ ቃንዛን ስቕያትን ክርስዕዎ ስለዝምህርን
ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ንኦሪት መጽሓፍ ቅዱስ ዝቓወሙን ብኣምሓሩ፡ ግብጻውያን ኮፕቲክን ካቶሊክን ከም መሪሕነት መስፍናዊ ጵጵስና ፈለስቲ ናብ ሃይማኖትና ዝተኣታተወ ናይ ድሕረት ቃኖናታት፡ ጽሑፋትን ልምድታትን ክነውጽኦም ይግብኣና። ንዘመናት ዝኣክል ብሓይሊ ተዋቓዕቲ ቃኖናት ናብ ኦሪት መጽሓፍ ቅዱስና ክውስኹን ድሑር ተግባራት ከም ሚስጢራውነት፡ ብልሽዉና፡ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮን ወዘተ ክውስኹን ጸኒሖም። ቅድሚ ኹሉ ካብዞም ብናይ ህልቂት ሃይማኖታዊ ውግኣት ዝተስገደዱ ተጋረጨውቲ ቃኖናታት ክንጸሪ ይግባእ። ኹሉ ከም ቀዳም(ሳባት) ከም ሻውዐይቲ ቅድስቲ ማዓልቲ( መዓልቲ ስድራቤት)፡ ናይ ኣመጋግባ ሕግታት፡ ምኽንሻብ ደቂ ተባዕትዮ ወዘተ ዝኣመሰሉ ጥንታውያን ልምድታትና ክንመልሶም ይግባእ።
ነዚ ሚስጢራዊ፡ ርእሰ ፈታው፡ ንጹልን ብልሽዉን ኣገባብ መሪሕነት ፈለስቲ ኣወጊድና መሪሕነት ካህናት ናብ ሃይማኖትና ክንመልስ ኣለና። መራሒ ሃይማኖትና በዓል ሓዳር ካህን፡ ኣግኣዝያናዊ፡ ግሉጽ፡ ትሓታትነት ዝወስድን ከምኡ ከኣ ን10 ዓመት ብማሕበረሰብ ካህናት ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ክኸውን ይግባእ።
ንመንእሰያትና ብንእስነቶም እንዳ ኣመርዓና ንክህንነት እንዳ ኣሰልጠንናን ብስነ ምግባርን ብቕዓትን ሃይማኖት ልክዕ ከም ሞያውያን ዶካትር፡ ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት፡ መምሃራን፡ ጠበቓታት ወዘተ ክንምልምሎም ይግባእ። ዝበለጹን ብሩህ መጻኢ ዘለዎምን ኣባላት ሕበረተሰብ ናብ ክህንነት ንምስሓብ መንግስቲ ዝተፈላለየ ሓለፋታት ከም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ነጻ ምባልን ካብ ዝተመርዓውሉ ዕድመ 17-18 ዓመት ክሳብ ትምህርቶም ወዲኦም ደሞዝ ዝጅምሩ መንግስቲ ይምውሎም።
ልዕሊ 10,000 ሓደስቲ ኣብያት መቕደስን ማሕበራዊ ማእከላትን ክንሃንጽ ይግባእ። ሃይማኖታውያን ዩኒቨርሲቲታት ሃኒጽና ቆጺርናን ልዕሊ 200,000 ተወዳደርትን ስርዓት ዘለዎምን ካህናት ነፍሪ። ኣብ ኩሉ ንጥፈታቶም ከም ኣብ ሆስፒታል፡ ቤት ማእሰርቲ ወይ በዓላት ንምብራኽ፡ ንምምሃርን ንምኽርን ንኩሉ ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ዝጸልዎም ነገራት ንምድጋፍን ሓደ ኣባት ነፍሲ ንፈስወከፍ 30-40 ስድራቤታት ይሕዝ።
ኩሉ ክፍልታት መንግስቲ፡ ብህዝቢ ዝውነና ትካላት፡ ኩለን ደረጃታት ምምሕዳር (ዓዲ፡ ከባቢ፡ ዞባውን ሃገራውን ምምሕዳራት) ስነ ምግባርናን ክብርታትናን ዝምህርን ዝመክርን ሓደ ካህን ይቖጽራ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቦጦሎኒ፡ ብርጌድ፡ ክፍለ ሰራዊት ወዘተ ሓደ ካህን ተመዚዙ የስተምህርን ስነ ምግባርዊ ክብርታትና የስገድድን። ዓሰርተታት እሽሓት ልዑል ትምህርቲ ዝቐሰሙ ተወዳደርቲ ካህናት መምሃራን ኣብ ኣብያተ ትምህርትና ተዋፊሮም ብልጫ፡ ስነምግባር፡ ትርጉምን ታሪኽ ልምድታት ኣቦ ሓጎታትናን ይምህሩ።
ናይ 25 ዓመት ናይ ህግሓኤ/ህግደፍ ዓለማውነት ንህዝብና ካብ ዕላማ ዘለዎ ህይወት ናብ ትርጉም ዘይብሉ ህይወት፡ ተስፋ ናብ ቅብጸት፡ ጽንዕቲ ስድራቤት ናብ ፋሕ ዝበለት ስድራ ቤት፡ ኩርዓትና ናብ ሕፍረት፡ ክብረትና ናብ ሕስረት፡ ውርዝይና ናብ ብልሽውና፡ ሓርበኝነት ናብ ስስዐ ከምኡ ኸኣ ግንዛበ ማሕበረሰብ ናብ ውልቃውነት ቀይርዎ ይርከብ።
ናይ 3000 ዓመት ሃይማኖታዊ ፖለቲካዊ ሃገራውነትናን ሓርበኛዊነትናን ንጹህ፡ ካብ ገበንን ብልሽውናን ነጻ ዝኾነን ሕቡንን ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ፡ ኣንጻር ኩሉ መሰናኽላት ከኣ ልዕሊ 3000 ዓመታት ጥንታዊ ባህላዊ መንነቱ ዝዓቀበ ሕብረተሰብ እዩ ዘለና። እቲ እንኮ ጊላነትን መስፍናዊ ምዝመዛን ዘይነበረና ህዝቢ ኢና።
ዝዓበየ ዓወትና ኣብ ጸለምቲ ህዝቢ ናትና ፊደላት እንውንን፡ ማሕበራዊ ምትእምማን፡ ክብርታት ስርዓትና፡ ኣብ ከባቢና ዝርከባ ዝያዳ ሓያላት ስልጣነታት ከም ፋርስን ግብጽን ክጠፍኣ ንልዕሊ 3000 ዓመት ብዘይ ሓደ መሰረታዊ ለውጢ ስልጣነና ክንዕቅብ ዝኽኣልና ምኽንያት ሃይማኖታዊ ሃገራውነትናን ሓርበኛነትናን እዩ።
ዓለማውነት ኣብ ታሪኽ ናይ 3000 ዓመት ስልጣነ ግእዝ/ትግርኛ ተፈቲኑ ዘይፈልጥ ባዕዳዊ ፖሊሲ እዩ። ሃገራዊ ሓርበኛዊ ፖለቲካ ኣብ ናይ ህዝቢ ግእዝ ታሪኽ እቲ ዝበለጸ ዘተኣማምን ፖሊሲ እዩ። ዓለማውነት ናይ ምንዮት ሓሳባት ፖሊሲ እዩ። ሃገራዊ ሓርበኛዊ ፖለቲካዊ ፖሊሲ ኣብ ታሪኻዊ ጭብጥን መርትዖን ዝተሰረት ፖሊሲ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ግእዝ እዩ።
ሃይማኖታዊ ሓርበኛዊ ፖለቲካዊ ፖሊሲ እቲ እንኮ ዝለዓለ ብልጫ፡ ናይ ዋንነት ስምዒትን ሓርበኝነትን ዝልለ ሕበረተሰብ ክፈጥር ይኽእል ምኽንያቱ ብዘይ ውርዝይናን ሓርበኝነትን ክረጋገጽ ዝኽእል ማሕበራዊ ምትእምማን ስለዘየለ። ብተወሳኺ እቲ እንኮ መንገዲ ንዝተሰብረ ሕብረተሰብና እንጽግነሉን እነቓቕሓሉን ሓባራዊ ሃገራዊ መንነትና ነሐይለሉን ምኽንያቱ ዋላ እኳ ሕጂ ገሌና ኣብ ምስልምና፡ ካቶሊክን ከኒሻን እንተሃለና፡ ልዕሊ 90% ኤርትራውያን እዚ ጥንታዊ ግእዛዊ ኦሪት መቦቖል እዩ ዘለዎ።
ጥንታዊ ሃይማኖታዊ ሓርበኛዊ ፖለቲካና እቲ እንኮ ኣብ ርእሱ ዝተኣማመን ወለዶ ክንሃንጸሉ ንኽእል መንገዲ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ገዛእ ርእስና ሓባራዊ ስልጣነ፡ ታሪኽን ባህልን ብናይ ገዛእ ርእስና ፍልቐት ከም ዘማዕበልና ስለ ዝመህረና። ብናይ ግሪኽ ወይ ግብጺ ስልጣነታት ሕቡንን ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎን ወለዶ ከነፍሪ ስለዘይንኽእል። እዚ ወለዶ ብናይ ገዛእ ርእስና ዓቢ ጥንታዊ ስልጣነና ጥራይ እዩ ክህነጽ ዝኽእል። መሰረት ጥንታዊ ስልጣነና ከኣ ሃይማኖት ኦሪት እዩ። ኦሪት ሃይማኖትና ከኣ ኣብ ርትዕን ጥበብን ዝተስረተ እዩ። ነብስና ንምሰል።
ጥንታዊ ሃይማኖታዊ ሓርበኛዊ ፖለቲካዊ ፖሊስና እቲ እንኮ ንሕብረተሰብና ናጽነቱ፡ ክብርታቱ፡ ባህሉን ልምድታቱን ከይሸጠ ናብ ዘመናውነትን ናብ ምፍጣር ካብ ብልሽውናን ገበንን ነጻ ዝኾነ ሕብረተሰብ ዝመርሓና ፖሊሲ እዩ። እዚ ፖሊሲ እዚ እቲ ዝሓሰረ ኣገባብ ኣብ ምክልኻል ገበን፡ ብልሽውና፡ ባህላዊ ዕንወትን ምብትታን ስድራቤትን ኣብ ሕበረተሰብና ብኡ ኣቢልካ ከኣ ክቡር ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ስርዓተ ኣብያተ ማእሰርትን ገበናዊ ቤት ፍርድን ስርዓት የተኣታትዉ። ከም ዝተረጋገጸ ምክልኻል ካብ ምፍዋስ ዝያዳ ውጺኢታዊ እዩ።
ክርስትና ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝመውት ዘሎ ሃይማኖት እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ንሕብረተሰብ ኣፍሪቃ ክቅይር ዘይከኣለ ግን ከኣ ኣዝዩ ኣኽሳቢ ንግዲን ናይ ምዝመዛ መሳርሒን ኮይኑ ይርከብ። እስላም ንማኣከላይ ምብራቕ 100% ተቖጻጺሩ ናብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ብቑልጡፍ፡ ብሰላምን ሰለል ኢሉ ኣብ ምስፍሕፋሕ ይርከብ። ቀንዲ ጠንቒ ናይዚ ኸኣ ተሓላቒ ሰላም ዝኾነ ክርስትያንዊ ቃኖና ወይ ሰረተ እምነትን እዩ።
ክርስትያናዊ ቃኖና ወይ ሰረተ እምነትን ተኸቲልካ ንስድራቤትካ፡ ሕብረተሰብካን ምድርኻን ካብ ጎነጻውያን ጂሃድ ክትከላኻል ኣይከኣልን እዩ ምኽንያቱ ክርስትና ተሓላቒ ሰላም ስለዝኾነ። ማቴ 5፡39 ከምዚ ይብል፡ “ኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዚወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ።”
ክርስትና ዶብ ኣልቦ ሃይማኖት እዩ። ልክዕ ከም ማሕበራውነት ከኣ ሃገራዊ፡ ከባባያዊ መንነትን ስድራቤትን ሕበረተሰብ የጥፍእ። ክርስትና ከም ኣህጉራውን ዓለምለኻውን ሃይማኖት ማሕበራዊ ምትእምማንና የዕንይዎ። ኣብ መወዳእታ 19ን መጀመርታ 20 ክፍለዘመንን ናብ ካቶሊክን ከኒሻን ዝለወጡ ትግርኛ ኤርትራውያን ካብቲ ካብ ኤውሮጳውያን ዝተቐበልዎ ሓድሽ ሃይማኖት ዘይኮነ ዓሌት ትግርኛ ምውሳብ ኣቛሪጾም። ምስ ግዜ ከኣ ሓድሽ ናይ ትግርኛ ዓሌት ኮይኖም ኣብ ማሕበራዊ ምትእምማንና ክሳብ ሎሚ ጸልዮሞ ይርከቡ።
ሎሚ ኤርትራውያን ትግርኛ ተኸተልቲ ጰንጠቆስጠ ብፓስተራቶምን መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛን ወይ ሓድሽ ኪዳን ንሓደ ጻዕዳ ኣሜሪካዊ ወይ ሰብኣይ ብዙሓት ናይጀርያዊ ካብ ወዲ እመንቶም ዘይኮነ ትግርኛ ንላዕሊ ከም ሓዎም ይርእዮም።
ዕላማ/ሰረተ እምነትን ሽቶታትን ሃይማኖትና ዝተማእከሉ ኮይኖም ውሳኔታት ምትግባር ግን ብዘይተማእከለ ኣገባብ ወልቀ ቤት መቕደስ ይወሃብ። ናይ ምሕደራ ቤት መቕደስ ኮሚቲ ናይ ዝኾነት ዓዲ፡ ከተማን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ቤተ መቕደስን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጹ ክኾኑ ኣለዎም። ዝተመርጹ ምሕደራ ቤት መቕደስ ኮሚተ ምቑጻር፡ ስርዓት ምሓዝን ምስጓግን ካህናትን ምምሕዳር ናይ ቤት መቕደስ ፋይናንስን ንብረትን ብሞያዊ፡ ግሉጽን ተሓታትነት ብዘለዎ ኣገባብን የካይዱ።
ምስ ይሁድነት መሰረታውያን ፍልልያትን መሰረታውያን ምምስሳልን ኣለና።
- ፍልልያትና
ሀ. ጥንታዊ ኣገባብ ክህነት ክህልወና ከሎ ንሳቶም ግን ታልሙዲክ ራባዊ ስርዓት ኣለዎም
ለ. ዮርሳሌም ጽዮንን ቅድስቲ ከተማን ክትከውን ከላ፡ ናትና ከኣ ኣክሱምን ደብረቢዘንን ጽዮንናን ቅዱስ መሬትናን እዩ
ሐ.እብራይስጥ ናይ ጸሎት ቋንቛኦም ክኸውን ከሎ ናትና ግን ግእዝ
መ. ንነብሶም ኣብራውያን ኣይሁድ ክሰምይዋ ከለዉ፡ ንሕና ከኣ ኦሪት ግእዝ ንሰምያ
- ዘመሳስለና
ሀ. ክልቴና ቶራህ/ኦሪት ብእግዚኣብሄር ከም ዝተጻሕፈ ንኣምን
ለ. ክልቴና ንትእዛዛት ኦሪት/ቶራሕ ሕግታት ንእዘዝ
ሐ. ኣብራሃም፡ ይስሓቕን ያቆብን ናይ ሓባር ኣቦሓጎታትና ከም ዝኾኑ ንኣምን
መ. ክልቴና ንጥንታዊ ታሪኽን ምድርን እስራኤል ንኣምን።
ኣብ ከባብያዊ ምምሕዳራት ሊቀ ካህን ብዓዳዊ ሊቀካህናትን ብኣባላት ከባብያዊ ባይቶ ይምረጽ፡ ኣብ ዞባዊ ምምሕዳር ከኣ ሊቀ ካህን ብኣባላት ዞባዊ ባይቶን ከባብያዊ ምምሕዳራት ሊቀ ካህናትን ይምረጽ።
ናይ ሃገርና ሊቀ ካህን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ ኩሎም ዞባውያንን ከባብያውን ሊቀ ካህናት ይምረጽ።