
ኣከባቢ Enviroment
ኣብ ዝሓለፈ 300 ዓመት ዝተተግበሩ ኢንዱስትሪታት ብሰሪ ዝተራቐቐ ቴክኖሎጂ ዘይምጥቃም ብዋጋ ኣከባቢ እዮም ተሃኒጾም። ንሕና ግን ብኣዝዩ ዝተራቐቐ ስነፍልጠት፡ ቴክኖሎጂን ዘመናዊ ምሕደራን ኢና ክንበገስ። ፖሊሲ ኣከባቢና ብምክልኻል ምድረበዳነት፡ ክሊማዊ ለውጢ፡ ምጉዳል CO2፡ ዓለማዊ ምውድዳር፡ ውሕስነት ቀረብ፡ ምርግጋእ ዋጋታት፡ ምኽፋት ሓደስቲ ዕዳጋታት፡ ግሉጽነት ዋጋታትን ቑጠባዊ ዋጋታትን ወዘተ ዝተሞርኮሰ እዩ። ኩሉ እዚ ብሰንኪ ናይ ጸዓት ውሕሉልነት ማለት
ሀ. 30% ካብ መሬትና ብጫካ ዝተሸፈነ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ ግን ትሕቲ 1% ተሪፉ ይርከብ። ህግደፍ ንኣስመራ ከም ካርቱም ቀጻሊ ብካምሲን ትጥቃዕ ናይ ምድረበዳ ከተማ ቀይርዋ። ቀዳማይ ግዳይ ህግደፍ ኣከባቢ ኣዩ። ንምብሳል መግቢን መገቢ እንስሳን ክኸውን ዝተቖርጸ ኣግራብ ናብ ምደረ በዳነትን ምምዝባዕ ባህርን ይመርሓና ኣሎ። ኣብ ውሽጢ 25 ዓመት ብምግራብን ዳግመ ምግራብን ን40% ካብ መሬትና ናብ ንቡር ክንመልሶ ኢና። ምስጋና ንምምሕዳር ህግደፍ ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ምድረበዳነት ኣብ ኤርትራ ተጋሂዱ።
ለ. ብኣህጉራዊ ደረጃታት ውሕሉል ኣጠቓቕማ ጸዓት፡ ምህላዉ ሕጊ ምቑጽጻር ኣብ ኣባይቲ፡ ኣብያተ ጽሕፈት፡ ኢንዱስትራያዊ መሳለጥያታት፡ ኤለክትሪካዊ መሳሪሕታት፡ ምቕያስ ከተማታት፡ ህዝባዊ መጉዓዝያ፡ መካይን፡ ገመዳት፡ ናይ ኤለክትሪክ መቆጻጸሪታት ወዘተ
ሐ. ምምዕባል ምንጪ ተትካኢ ጸዓት
መ. ምህናጽ መንገዲ ብሽክለታ ኣብ ዓበይቲ ጽርግያታት ኣብ ከተማታትን ዓድታትን።ብሽክለታ ውሕስትን ምችእትን ምግባራ። ልዑል ግብሪ ብምስላዕ ምምራሕ መኪና ምጽንካር።
ሰ. ንህዝባዊ መጉዓዝያ ምቹእ፡ ንስድራቤታትን ስንኩላንን ዝምችእ፡ ሕሱር፡ ውሕሉልን ተረካብን ምግባር
ረ. ኣጠቓቕማ ጸዓት ህዝብና ምቅያር። ጃፓን ዓበይቲ ኢንዱስትሪታት ትውንን ብኣንጻሩ ከኣ ኣብ ዓለም ዝበለጸ ውሑሉል ኣጠቓቕማ ጸዓት ኣለዋ። ካብ ኣጠቓቕማ ጸዓት ጃፓን ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል።
እቲ ካልእ ኣከባብያዊ ሽግር ከኣ ካብ ቀልቀል ሰብ፡ መጉሓፊ ኢንዱስትራያውን ኣባይትን ርስሓት፡ ባህላዊ ማሕረስ፡ መጋሰዪ እንስሳታትን ምብራስ ኣግራብን ዝመጽእ ምብሑጓግ መሬትን ምምዝባል ኣከባብን እዩ።
ሀ. ሓሙሽተ ዓመት ካብ ምብጋስ ሰውራ ኣብ ደገ ምሻን ብሕጊ ዘሐትትን ብሕብረተሰብ ዘይቅብሉን ምግባር
ለ. ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት 100% ካብ ህዝብና ናይ ኤለክትሪክን ጋዝን መስራሒታት ኣብ ምድላው መግቢ፡ ምሕጻብን ምጽራይን ከምዝጥቀም
ሐ. ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ንድሑር ኣገባብ ሕርሻን መጋሰን ብምእላይ፡ ንሓረስቶት ናብ ካልእ ሞያ ምስግጋር ወይ ከኣ መበገሲ ሂብካ ናብ ዘመናዊ ኢንዱስትርያዊ ሕርሻ ምቕያር
መ. ተሪር ናይ ምምስራሕ፡ ምውጋድ ግራፊቲ፡ ምውጋድ ግዕዘይ ምዕዘይን ብማሕበርሰብ ተቐባልነት ከምዘይህልዎ ምግባር።
ሰ. ተሪርን ልዑል ኣህጉራዊ መዐቀኒታትን ኣብ ምቑጽጻር ምምስራሕን ምምሕዳርን ኢንዱስትራያዊ ሓተላ
ረ. ናይ ኣባይትን ኢንዱስትሪታትን 100% ርስሓት ዝምስርሕን ንጥቕሚ ዘውዕልን ኣገባብ ክህልወና እዩ
ሸ. ንደረቕ ርስሓትና 100% ክንምስርሖ ኢና፡ ወይ ከኣ 100% ከነቃጽሎ ኢና
ቀ. 20 ዓመት ድሕሪ ምጅማር ኢንዱስትርያዊ ሰዉራ 40% ካብ ምድርና ብገረብ ክሽፈን እዩ።