boarder-conflict

ግጭት ዶብ

ኣብ ዓለም ልዕሊ 50 ዝኾኑ ዶባውዊ ምስሓሓባት ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ህዝበ መንግስታት ኣሎ። ኣብ መንጎ ጃፓንን ሩስያን፡ ሕመኣን መክሲኮን፡ ህንድን ፓኪስታንን፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣርጀንቲናን፡ ህንድን ቻይናን፡ ቱርኪን ግሪኽን፡ቬትናምን ቻይናን፡ ኤኳዶርን ፔሩን ወዘተ ዶባዊ ምስሕሓባት ኣጋጢሙ እዩ። ግን እዘን ኩለን ዶባዊ ምስሕሓብ ዘለወን ሃገራት ዲፕሎማስያዊን ቁጠባውን ዝምድንአን ኣይበትካን እየን።

ሰራዊት ሕብረት ሶቬት ንደሴታት ኢቶሮፎ፡ኩናሻሪ፡ ሺኮታንን ሃቦማልን ድሕሪ ጃፓን ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ንልፍንቲ ኢዳ ምሃባ ወሪራተን። ፈደረሽን ሩስያ ንሰሜናውያን ደሴታት ጃፓን ካብ ሽዑ ጀሚራ ሒዛተን ትርከብ። ኣብዘን ደሴታት ከኣ ወተሃደራዊ መዓስከራት፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዱካናትን ናይ ዓሳ መመስርሒ ትካላትን ሃኒጻ ትርከብ።

ደቡባዊ ሳክሃሊንን ደሴታት ኩሪልን ከም መሬታዊ ግዝኣት ሩስያ ኣይትመዝገባን ዘለዋ ምኽንያቱ ውዕል ሳንፍራንሲስኮ 1951 ነዘን ደሴታት ከም ዋንነት ሩስያ ሰለ ዘይገለጸን።

ብምኽንያት እዘን ኣብ ትሕቲ ሩስያ ዝርከባ ደሴታት፡ ጃፓንን ሩስያን ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ናይ ሰላም ውዕል ኣይተፈራረማን። እንተኾነ ዓቐን ንግዲ እዘን ሃገራት ኣብ 2013 $33.2 ቢሊዮን በጺሑ ነይሩ። ሩስያ ኣስታት $16.9 ቢሊዮን ዝግመት ንብረት ክትልእኽ ከላ ኣስታት $13.6 ቢሊዮን ዝግመት ንብረት ድማ ካብ ጃፓን ተእቱ።

ጂቡቲ ንኢትዮጵያ ኣገልግሎት ወደብ ብምሃብ ጥራይ ኣብ ዓመት $1.1 ቢልዮን ትረክብ። ካብዚ 70% ማለት $770 ሚሊዮን ንዓመት ከም ኣብነት ወሲድና ካብ ጉዳይ ዶብ ኣብ 13 ሚያዝያ 2003 ውሳኔ ካብ ዝተዋህበሉ ዕለት ጀሚርና እንተድኣ ሓሲብናዮ ክሳብ 2015 ጥራይ ኣስታት $12 ቢሊዮን ኣታውን ኣማኢት ኣሽሓት ዝግመት ናይ ስራሕ ዕድላትን ምፈጠርና ነይርና። $12 ቢሊዮን ኣብ 14 ዓመት ንኣብ ዓመት ኣስታት 3.3 ቢሊዮን ጃምላ ሃገራዊ እቶትን $2.16 ቢሊዮን ኣብ 2015 ወጻኢታትን ዘለዋ ሃገርን ዓቢ ናይ ደርጃ መነባብሮን ሰብኣዊ ለውጥን ከምጽእ ይኽእል። ህግደፍ ግን ብዛዕባ መንባብሮን ጽቡቕን ህዝብና ኣይግደስን እዩ። ጥሙሕ ህግደፍ ምምራት ሓደ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ኣብ መንጎ ትሽዓተ ብሄራት ጥራይ እዩ።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ሓገዛ ንኢትዮጵያ ደው ኣብ ዘበለትሉ ኣብ 1977 ኣስታት 97% ካብ መሬትና ሓራ ወጺኡ ነይሩ። ኣብ 1978 ሕበረት ሶቬት ምትእትታው ምስ ገበረት ግን ናብ ናቕፋ ከነዝልቕ ተገዲድና። ምስ ህውሓት ብሓባር ኮይና ስለ ዝመከትና ከኣ ንሕብረት ሶቬትን ኣምሓራን ክንብድሆም በቒዕና። ዓለም ልኡላውነት ኤርትራ ዝተቐበለት ብህወሓት እትምራሕ ኢትዮጵያ ስለ ዝተቐበለቶ እዩ።

ሓደ ካብ ዝሓለፈ ታሪኽና ዝተመሃርናዮ ዓቢ ስትራተጂካዊ ነጥቢ እንተድኣ ኣሎ፡ ኢትዮጵያ ብዘይ ናይ ወጻኢ ረዲኤት ክትቀውም ከምዘይትኽእል እዩ። ብዘይ ከቢድ ናይ ደገ ወተሃደራዊ፡ ፋይናንሳዊን ዲፕሎማስያውን ሓገዛት ብድሑራት ቀቢላታትን እንዳታትን ንዝቖመት ሶማልያ ክትስዕራ ኣይትኽእልን እያ።

ህግደፍ ብዛዕባ ልኡላውነት ኤርትራ ናይ ብሓቂ ይግደስ እንተዝነብር፡ ስግኣት ወራር ህውሓት ወይ ዘይምትእምማን ድሕሪ ናይ 1998-2000 ኩናት ቁጠባን ሰራዊትን ከደልድል፡ ስትራተጂካዊ ልፍንቲ ምስ ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ከኣ ኣሜርካን ቻይናን ብምፍጣር ንኢትዮጵያ ምገለላ ነይሩ። ምስ ኩሉ ናይ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ምግልባጥ ካብ 1993-1997 ኣሜርካ ትኩን ሃገራት ምዕራብ ኣብ መዳይ ምክልኻል፡ ጸጥታን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ካብ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዝያዳ ጥቡቕ ዝምድና መስሪተን ነይረን። ህላወ መንግስቲ እትዮጵያ ኣብ ሓገዝ ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ከኣ ኣሜርካ ዝተሞርኮሰ እዩ።

ድሕሪ ዶባዊ ግጭት 1998-2000 ህግደፍ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝተሰምየ ሓድሽ ሃገራዊ መምርሕን ስነሓሳብን ኣበጊሱ። ወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎ ምስ ልኡላውነት መሬት ኤርትራ ወይ ምምላስ ብኢትዮጵያ ዝተጎብጠ መሬት ወይ ዘይ ምእማን ህወሓት ዝኾነ ዘተሓሕዝ ነገር ኣይነበሮን።

ወፍሪ ዋርሳይ ይክኣሎ ብቐንዱ ምምስራት ሓደ ሃገራዊ መንነት ኣብ መንጎ ትሽዓተ ብሄራት ብጨካን ማሕበራዊ ምህንድስናን ምፍራስ ዓሌታዊ ኣቃውማ ዘለዎ ኢትዮጵያዊ ፈደራሊዝምን ምዕራፍ 39 ቅዋም ኢትዮጵያን እዩ። ኢትዮጵያ ጸላኢት ህግደፍ ኣይኮነትን። ጽልኢ ህግደፍ ምስ ትግርኛ ሃገራዊ መንነትን ትግርኛ ሃገራውነትን እዩ።

ትርጉም ናጽነትን ልኡላውነትን ንህግደፍ ሽቶታትኻ ብዘይ ተሓታትነት እትፍጽመሉ ውሕስነት እዩ። ህግደፍ ንኤርትራ ነጺሉ ብዘይ ናይ ደገ ጸቕጢ ድሌቱ ክገብር ክኢሉ እዩ። ህግደፍ ነዚ ናጻ ውሳነ እዩ ዝብሎ። ህግደፍ ርእሰ ምርኮሳ ኣይኣምንን ኣየተግብርን ከኣ እዩ። ኣህጉራዊ ሓገዝ ዝነጸገሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ድሌቱ ክውስንን ክተግብርን ስለዝደለየ እዩ። እቲ ዘሕዝን ውሳነታት ህግደፍ ብዝዕባ ምምስራት ሓደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ምፍጣር እዩ።

ቀዳማይ ዕላማ ኩናት ዶብ ኣብ ውሽጢ ህግደፍ ዕልዋ ምክያድ እዩ። ኣብ ትሕቲ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ሓደ ጀነራል ወይ ኮሎነል ኣዛዚ ሓደ ዞባ ክቐትል፡ ክሕግግ፡ ክፈርድ፡ ከማሓድርን ክኣስርን ዘይተኣደነ መሰል ኣለዎ።

እንተድኣ ኤርትራ ቑጠባኣ፡ ምክልኻላ፡ ዲሞክራስን ስትራተጂካዊ ዝምድና ምስ ህዝቢ ትግራይን ምዕራብውያን ሃገራትን ኣደልዲላ ናይ ኢትዮጵያ ምህላው ምስ ኤርትራ ሰላም ኣብ ምግባር ጥራይ ክምርኮስ እዩ።

ብመሰረት ቤትፍርዲ ዝተዋህበ ውሳኔ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ተዓጽዩ እዩ። ዶብና ኣበይ ምዃኑ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። ዶብና ዝሕንጸጽን ዝኽበርን ናይ ምክልኻልን ቁጠባን ዓቕምና ምስ ዝሕይል፡ ስትራተጂካዊ ልፍንቲ ምስተን ንኢትዮጵያ ዝሕግዛን ዝምውላን ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ከኣ ኣመሪካ ብምፍጣር እዩ።

ብናይ ደገ ሓይልታት ምስ ዝምወላን፡ ብድሑራት እንዳታትን ቀቢላታትን ዝምርሓን ብብዝሒ ህዝቢ ዘዕልቕለቓን፡ ዝኾነ ናይ ምዕባለ ተስፋ ዘይብለንን ሃገራት ብምብኣስ መንእሰያትና፡ ግዜና፡ ሃብትናን ምጥፋእ ድንቁርና ጥራይ እዩ።

ሽግርና ምስ ኢትዮጵያን ጂቡትን ሽግር ምስ ኣሜሪካን ፈረንሳን እዩ። ሽግርና ምስ ኣሜሪካን ፈረንሳን ከኣ ንሕና ድኻታት ምዃንናን ንሳቶም ከኣ ሃገራዊ ረብሕኦም ዝሕሉ ዞባዊ ፖሎቲካዊ ስርዓት ክተኽሉ ስለ ዝደልዩ እዩ። ባህልና፡ ዲሞክራሲ፡ ቁጠባን ምክልኻልን ወይ ከኣ ፈኩሽን ተሪርን ሓይልና ብጉቡእ ኣንተድኣ ሃኒጽናዮ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንሃገራዊ ረብሓና ዘገልግል ፖሎቲካዊ ስርዓት ክንተክል ኢና። ብፋይናንስ፡ ብሕበረተሰብ፡ ብቴክኖሎጂን ምክልኻልን ዞባዊ ርእሰ ሓያል እንተድኣ ኮይንና ሃገራት ምዕራብ ከኽብራናን ምሳና ብሓባር ክሰርሓን ክግደዳ እየን።

ታሪኽ ስልጣነና ከም ዘመልክቶ ንሕና ብቐሊሉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዞባዊ ርእሰ ሓያል ክንከውን ዓቕምን ብቕዓትን ከምዘለናን ነዚ ዘተግብራ ትካላት ክሃንጽን ብጽፈት ከነካይድ ከም እንኽእል የርእየና። ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ሶማልያን ጂቡትን ዝኾነ ታሪኻውን ባህላውን ዓቕሚ ንምህናጽ ከምዚ ዓይነት ትካላት ኣይንረክብን ኢና።

ንህዝቢ ትግርኛ ኤርትራ ምምልካት ዶብ ህጹጽ ጉዳይ ኣይኮነን። ሕጂ ሃገራዊ ባህላዊ መንነትናን ቁጠባና፡ ምክልኻልናን ዲሞክራስን ብምሕዳስ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዘንጸላልወና ዘሎ ሓደጋን ብምውጻእ ሰላምን ምርግጋእን ምውሓስ እዩ።

ኣብ ናይ ጥርሙስ ገዛ ዝነብር ህውሓት/ኢህወደግ ድሕሪ 2000 ንኤርትራ ክወርር መደብ የብሉን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ቤት ዝነብሩ ናብ ካልእ ሰብ እምኒ ክድርብዩ ኣይክእሉን እዮም ምክንያቱ ከም ግብረመልሲ ተተደርብዮም ቤቶም ኣብ ልዕሊኦም ክትወድቕ ስለ ዝኾነት። ህወሓት/ኢህወደግ ዝኮነ ፖሎቲካዊ ዕላማ ሓይሊ ከስፋሕፍሕን ከትግብርን ዓቕሚ ይብሉን ኣብ ገዛእ ርእሱ ዕንወት ንምምጻእ እንተዘይኮይኑ። ህወሓት/ኢህወደግ ኣይኮነን’ዶ ሓድሽ ኩናት ክጅምር ነቲ ካብ 1998-2000 ዝኸሰሮ ሓድነት፡ ሓይልን ጸዓትን ከሞን ክመልሶ ኣይክኣለን። ድሕሪ ናይ 1998-2000 ኩናት ህወሓት/ኢህወደግ ናይ ሓደ ሰብ ሰልፊ ኮይኑ እዩ ተሪፉ። ሕጂ ከኣ ናይ ዝሞተ ሰብ። ህወሓት/ኢህወደግ ከም መለስ ዜናዊ ዝበለ ብምንባብ ሓሳባት ዘምጽእን ሃገራዊ፡ ዞባዊን ኣህጉራውን ፖሎቲካ ክርዳእ ዝኽእል ሓደ መራሒ እኳ ከፍሪ ኣይከኣለን። ናይ ሓደ ፖሎቲካ ትካል ወይ ምንቅስቓስ ዓወትን ቀጻልነትን ከኣ ኣብ ዓቕሚ ምፍራይ ብዙሓት ልዑል ብቕዓት ዘለዎም መራሕቲ ምምልማል እዩ ዝምርኮስ።

ኤርትራ ዝኮነ ካብ ህወሓት/ኢህወደግ ዝብገስ ቀጥታዊ ስግኣት የብላን። ናይ ኤርትራ ቀጥታዊ ስግኣት ህግደፍ ደኣ እምበር ህወሓት/ኢህወደግ ኣይኮነን። ህግደፍ ንምምልካት ዶብ፡ ጎበጣ ልኡላዊ መሬትን ወራር ህውሓት/ኢህወደግ ከም ስግኣት ይጥምቶ፡ ህወሓት/ኢህወደግ ከኣ ብኸምኡ ክጥመቱ ደስ ይብሎም። ህወሓት/ኢህወደግ ፖሎቲካዊ ዕላማኡ ክሃርምን ንህግደፍን ህዝቢ ትግርኛን ክፈላሊ እንተድኣ ደልዩ ካብ ባድመ ክወጽእ፡ ዶብ ክሕንጸጽን ዝኾነ ወተሃደራዊ ድግእት ክፈጥርን የብሉን። ብዘይ ምምላካት ዶብ፡ ውተሃደራዊ ስግኣታት ምፍጣርን ጎበጣ ባድመን ንፖሎቲካውን፡ ቁጠባውን ጸጥታዊ ውሕስነትን  ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ወይ ህወሓት/ኢህወደግ ዘይኮኑ እቶም ብነፍሰ ምትሓት ዝተሳቐዩ፡ ዘይረብሑ ደንቁር ከም ገብሩ ኣስራት፡ ስየ ኣብርሃ፡ን ውሑዳት ሰዓብቶምን እዮም።

ህዝቢ ትግራይ ህዝብና መሬቱ ከኣ መሬትና እዩ። ብገዛእቲ ጥልያንን ኣምሓራን ኣብ ክልተ ዝተፈለና ሓደ ህዝቢ ኢና። ከም ዝኾነ ኣብ ካልእ ከባቢታት ዓለም ዝነብር ህዝቢ ከኣ መሰል ርእሰ ውሳነ ነብስና ምምሕዳርን መጻእን ቦታን ከኣ ኣለና። ህዝቢ ትግራይ እንተ ኣብ ኢትዮጵያ ክጸንሕ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃገረ ህዝቢ ክምስርት ወይውን ምስ ኤርትራ ብምሕዋስ ናብ ኣግእዝያን ክጽንበር ክውስን ኣብ ዝኾነ ግዜ ዘይሕከኽ መሰሉ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ሃገራዊ ቁጠባን ጸጥታዊ ረብሓታቱ፡ መሬቱ፡ መንነቱ፡ ታሪኹ፡ ክብርታቱን ባህሉን ረሲዑን ክሒዱን ኣይፈልጥን እዩ። መን ይፈልጥ ኣንተድኣ ናይ ትግርኛ ሃገራዊ ባህላዊ መንነትን መሊስናዮን ቁጠባ፡ ምክልኻልን ዲሞክራስን ኣተኣታቲና ዶብና ክሳብ ኣልዋሃ ይምለስ ይኸውን። ኣምላኽ እንተሓጊዙ እዚ ንዓና ክፈላሊ ብሓሶት ዝተሓንጸጸ ዶብ ባድመ ይፈርስ ይኸውን። ኣብ መንጎ ተጋሩ ጽልእን ኩናትን ክተርፍን ዝኮነ ኩናት ከኣ ካብ ምድሪ ትግራይ ክጠፍእ። ንኣስታት 1000 ዓመት ንጸላኢ ኣብ ገዛእ መሬትና ኢና ተዋጊእናዮ፡ እንተድኣ ሓቢርና ግን ኣብ መጻኢ ከጋጥም ዝኽእል ኩናት ኣብ መሬቶም እዩ ክኸውን።

ህዝቢ ትግራይ ህዝብና፡ ስለዝኾነ ነፍቅሮ፡ ንኣምኖን ነኽብሮን ኢና።