coastal-and-lowland

ባሕርናን ጎላጉልናን

ሎሚ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ኣብ ሻውዓይ ክፍለ ዘመን ነብዩ መሓመድ ብህይወቱ ከሎ፡ ምስልምና ብሰላማዊ መንገዲ ናብ ምድሪ ኣግኣዝያን ኣትዩ ዝብል ዝተሰንዐ ልሙድ ኣበሃህላታት ኣሎ። እቲ ሓቂ ግን ምስልምና ብሓይሊ ጂሃድን ወራራት ኣሕመድ ግራኝ፡ ኡስማናውያን ቱርካውያን፡ ግብጻውያንን ሱዳናውያን እስላማያን ሓይልታት ኣብ ኣግኣዝያን ተኣታትዩ። ቅድሚ 16 ክፍለዘመን ምስልምና ኣብ ምድረ ኣግኣዝያን ከም ዝነበረ ዘረጋግጸልና ዝኾነ ይኹን ቅንጣብ ጭብጢ ኣይንረክብን ኢና። ክሳብ እዚ ግዜ’ዚ ጀበርቲ፡ ትግረ ሳሕልን ናይ ሰምሃር ትግረን እቶም እንኮ ኣብ ምስልና ዝኣምኑ ህዝበ ግእዝ እዮም።

ጀበርቲ ኣብ 16 ክፍለዘመን ብኣሕመድ ግራኝ፡ ናይ ሰምሃር ትግረ ካብ 16-19 ክፍለዘመን ብቱርካውያን ከምኡ ከኣ ናይ ሳሕል ትግረ ካብ 1850-1880 ብግብጻውያን ጂሃዳውያን ከም ዝመስለሙ ይፍለጥ። ካብ ቁራኣናዊ ኣቢሲንያ ከምዘይኮኑ ዝፍለጡ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዝረከቡ ተዛረብቲ ትግረ ቤጃ፡ ሳሆ፡ ዓፋርን ብሌንን ዓሌታት መዓስን ብኸመይን እስልምና ከም ዝተቐበሉ ዝፍለጥ ነገር የለን።

ካብ 1529-1542 ምስልምና ንምስፍሕፋሕ ብሓገዝ ኦቶማናውያን ቱርካውያን ንምድሪ ኣግኣዝያን ዝወረረ ኣሕመድ ግራኝ 75% ካብ ሰራዊቱ ኣምሓራ እዮም ነይሮም። ምትእትታውን መስዋእትን ሰራዊት ፖርቱጋል እንተዘይህሉ ሰራዊት ኣሕመድ ግራኝ ንምዕባለታት ህዝበ ግእዝ ፈጺሙ ምደምሰሶ ነይሩ።

ኩናት ኣብ መንጎ ኣሕመድ ግራኝ/ኣምሓራ፡ ፖርቱጋል/ኣምሓራን ኦቶማውያንን ቱርካውያንን ብዛዕባ ምጽናት ዘርእን ሃይማኖትን እዩ ነይሩ። እቲ ኩናት ሕበረተሰብ፡ ዓድታት፡ ኣብያተ መቕደስ፡ ጥንታውያን ብራናታት፡ ደብርታት ወዘት ኣጽኒቱ። ንኣግኣዝያን ብቑጠባ፡ ባህሊ፡ ፖሎቲካን ምክልኻልን ዓቢ ዕንወት እዩ ነይሩ።

ኣሕመድ ግራኝ/ኣምሓራን ካቶሊካውያን ፖርቱጋላውያን/ኣምሓራን ብሸነኽ ደቡብ ካብ ምድሪ ኣምሓራ ኩናት ክጅምሩ ከለዉ፡ ኦስማናውያን ቱርካውያን ግን ብ1517 ካብ ምጽዋዕ ክሳብ ስዋኪን ሱዳን ብዝዝረጋሕ ናይ ሎሚ ሰሜናዊ ምብራቕ መሬት ኤርትራ ተበጊሶም ኩናት የካይዱ ነይሮም። ኣብ መወዳኣታ ሳልሳይ መፋርቕ መበል 16 ክፍለዘመን ከኣ ንምድረባሕሪ ኣግኣዝያን ተቖጻጸርዎ። ክሳብ ምምጻእ ኢጣልውያን ቱርካውያን ንገማግም ባሕሪ ንእስታት 300 ዓመት ገዚኦም።

ኣቲ እንኮን ቀንድን ዕላማ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ነቲ ኢጣልያውያንን ሚኒሊክ ካልኣይን ካብ 1890 ዝጀመርዎ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን ኢትዮጵያን/ኣምሓራ ባህላዊ ሃገራዊ መንነትን ብምሕያል ንኣግኣዝያን ፈጺምካ ምድኻም እዩ።

ኣብ ኤርትራ ፍርቂ ፍርቂ ኣስልምናን ክርስትናን፡ ግእዝን ዓረብን፡ ሓድኣዊን ዓሌትን/እንዳን፡ ሓረስቶትን ሰበኽሳግምን ወዘተ ኣብታ ብኢጣልውያን ዝተመስረተት ኤርትራ ከም ዝነበረ ዘረጋጋጽ ዝኾነ ጭብጢ የለን። 90% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ግእዝ ምዃኑን፡ 75-80% ከኣ ተኸተልቲ ግእዛዊ ኦሪት ኦርቶዶክስ ምዃኖም ዘረጋግጽ ኣዝዩ ብዙሕ ጭብጥታት ከኣ ኣሎ። ካብ ጥልያን ክሳብ ህግደፍ ንህዝቢ ግእዝ ኣብ ስነ ህዝባዊ ብዝሑነት ናይ ኤርትራ ብምድኻም ንምውሳኽ ቁጽሪ ካብ ሱዳን፡ የመን፡ ስዑዲ ዓረብ፡ኢትዮጵያን ዝፈለሱ ዘይግእዛውያን ኣስላም ብመደብ ሰሪሖምሉ። ካብዘን ዝተጠቅሳ ጎርባብቲ ሃገራት ንዝፈለሱ ኣስላም ስደተኛታት ኣብ ኤርትራ ክቕመጡን ከስፋሕፍሑን ምቹእ ባይታ ክፍጠረሎም ከሎ፡ ካብ ትግራይ ዝተሰዱ ግእዝ ኦርቶዶክስ ክርስትያናት ግን ብኢጣልያውያን ብሜላ ከም ዝስጎጉን መሰል ከምዝንፈጉን ተገይሩ። ኣብ ዝሓለፈ 120 ዓመታት ካብ ጥልያን ክሳብ ህግደፍ ዝመጹ ገዛእቲ ንትግራዎት ብምጽላም ኣብ መንጎ ህዝቢ ዘይምትእምማን ክፈጥሩ ሰሪሖም። ቅድሚ 150 ዓመት ኣብ ግዜ መሪሕነት ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ቤጃ(ተዛረብቲ ቤን-ዓምር/ትግረ ቤጃን ሕዳርብን)፡ ራሻይዳ፡ ሳሆን ጀበርትን ዝበሃሉ ዓሌታት ኣብ ኤርትራ ኣይነበሩን። እዞም ህዝብታት ኣስታት 75% ኣስላም ናይ ሕጂ ኤርትራ የቑሙ። ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ቅድሚ ምምጻእ መግዛእቲ ጥልያን ከም ዝተሓንጸጸ ዘረጋግጽ እኹል መርትዖታት ኣሎ። ኩፊት ጂሃድውያን ሰራዊት ማህዲ/ሱዳን ብኣግኣዝያን ብዝተምርሐ ሰራዊት ኣሉላ ኣባ ነጋ ኣብ መስከረም 23, 1885 ልክዕ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ተደምሰሱ። ቅድሚ ገዛእቲ ጥልያንን እንግሊዝን ኤርትራን ሱዳንን ምቛሞም፡ እዚ ዶባት ኣብ መንጎ ቤጃን ኣግኣዝያን ዝነበረ ጥንታዊ ዶብ እዩ።

እዚ ሕጂ ምዕራባዊ መታሕት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ከባቢታት ባርካ፡ ሳሕል፡ ጋሽን ሰቲትን ብህዝቢ ግእዝ ዝቖመን ዝመሓደርን ከም ዝነበረ ዘረጋግጽ ማእለያ ዘይብሉ ጭብጥታት ኣሎ። ህዝቢ ግእዝ(ትግርኛ/ሴማዊ ትግረ ዓሌት) እቶም እንኮ ቀዳሞት ደቀባት ናይ ሎሚ ኤርትራ ምዃኖም ዘረጋግጽ ብዙሕ ጭብጥታት ኣሎ። ብዘይካ ህዝበ ግእዝ ዝኮነ ካልእ ህዝቢ ብጭብጢ ታሪካዊ ምትእስሳር ምስ ኤርትራ ከረጋግጽ ዝኽእል የለን። ትግረ ኣብ ክልተ ይኽፈሉ ቤጃ ትግረ ዝዛረቡን ሴማውያን ትግረን።

ሕጂ መታሕት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ከባቢታት ባርካ፡ ሳሕል፡ ጋሽን ሰንሒትን ብትግርኛ ዝተዓብለለ ከባቢታት እዩ ነይሩ። ኣብ 1840 ትልእኾ ግብጻውያን ንከሰላ ከም ርእሰ ከተማ ኣውራጃ ታካ ናይ ሱዳን መስሪትዋ። ግብጻውያን ካብ ከሰላ ተበጊሶም ተኸታተልቲ ወራራት ኣብ ልዕሊ ኣግኣዝያን ብምግባር፡ ንኣግኣዝያን ናብ ምስልምና ንምርዓምን፡ ዓረባዊት ሃገር መስሪትካ ንፈለግ ኒል እስላማውን ዓረባውን ምግባርን ንቀይሕ ባሕሪ እስላማውን ዓረባውን ባሕሪ ናይ ምግባሩን ዕላማ ነይርዎም። ኣብ 1865 ቱርካውያን ምምሕዳር ምጽዋዕን ካልእ ጨናፍርን ንግብጻውያን ኣረከብዎም። ብሓገዝ ዕሱባት ኣሜሪካውያንን ኤውሮጳውያንን ካብ ሱዳንን ምጽዋዕን ብምብጋስ ኣብ ትሕቲ ጥሙሕ ዓረባውነትን እስላማውነትን ተደጋጋሚ ወራራት ኣብ ልዕሊ ኣግኣዝያን ኣካያዱ። በዚ ምኽንያት ኣብ ባርካ፡ ሳሕል፡ ጋሽ፡ ሰንሒትን ዝነበረ ህዝቢ ርእሱ ንምክልኻል ናብ ኣኽራናት ወይ ከበሳታት ናይ ሎሚ ኤርትራን ትግራይን ኤርትራን ኣንሳሒቡ። ባርካ፡ ሳሕል፡ ጋሽን ሰንሒትን እምበኣር ሕጋዊ መሬት ህዝቢ ግእዝ እዩ።