
ጠንቂ ድኽነትና
ምእታዉ ገማግም ባሕሪ ናብ ኢድ ቱርካውያን ን300 ዓመታት ንኣግኣዝያን ካብቲ 18-20 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ኢንዱስትርያዊ ሰውራን ምዕራባውያን ክርስትያናትን ብምግላል ንሕሱም ቁጠባውን ባህላውን ተነጽሎ ኣቃልዖ። ካብ 11-14 ክፍለ ዘመን መነባብሮ ኣጋኣዝያን ካብ ናይ ኤውሮጳውያን ኣዝዩ ይበልጽ ከም ዝነበረ ዘረጋግጹ መርትዖታት ኣለዉ። ንእግኣዝያን ናብ ድሕረትን ድኽነትን ዘቃልዖም ኣምበኣር ቀይሕባሕሪ ኣብ ኢድ ቱርካውያን ምውዳቕን ካብ ኣህጉራዊ ንግዲ ንኣስታት 300 ዓመት ምግላሎምን እዩ።
ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ገዛኣቲ ኢጣልያውያንን ብግዲኦም ንኣስታት 60 ዓመታት ካብ ትምህርቲ ብምሕራም ግዲኦም ኣበርኪቶም እዮም።
ካልእ እቲ ቀንዲ ንሃገራት ኣብ ቁጠባ ተወዳደርቲ ክኾና ዘኽእለን ረቓሒ ደረጃ ምዕባልአንን ባህላዊ ክብርታተንን እዩ። ንልዕሊ 800 ዓመታት ታሪኽና፡ መንነትናን ክብርታትናን ብኣምሓራ፡ ግብጻውያን ክርስትያናትን እስላምን፡ ካቶሊካውያንን ተርጊጹን ተናዒቑን እዩ። ናይ ሓባር ታሪኽናን መንነትናን ግን ጽኑዕ መንነትን መሰል ዋንነትን ክህልወና ኣኽኢሉ እዩ። እዚ ከኣ ንህዝብታት ሓያል ሓባራዊ ናይ ምግባር ዕላማ የስርጸሎም።