health

ጥዕና Health

ሸቶና ብቑዕን ሕሱርን መሰረታዊ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንኹሉ ዜጋ ምብጻሕ እዩ። ኩሉ ዜጋ ሕክምና ክረክብ ኣለዎ።

ልዑል ደረጃ መነባብሮ፡ ጽሩይ ዝስተ ማይን ጽሬትን ብምውዳድ ጥዑይ ኣነባብራን ናይ ምኽልኻል መደባትን ዝበለጸ ጥዕና ከነውሕስ ንኽእል።

ውሽጠ ዓዳዊ መንግስታት ንኩሉ ዜጋን ወጻእተኛታት ነበርትን ኣታዊታቶም ብዘይገድስ ናይ ሕማምን ሓደጋን ወጻኢታት ዝሽፍን ሕክምናዊ  መድሕን ኣብ ብሃገራዊ መንግስቲ ዝውነን ናይ ሕክምና መድሕን ትካል ክኣትዋሎም ሕጋዊ ግዴታ ኣለወን።

ሕክምናዊ ስርዓታትና ንኹሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ግዚኡ፡ ብሕሱርን ብዘይ መንቅብን ኣገልግሎት ጥዕና ይህብ።

ኣገልግሎታት ጥዕና ብኣዝዩ ገፊሕ ዝርግሐ መሰረታዊ፡ ንጡፍን እንዳ ጎደለ ዝኸይድ ናይ ሓገዝ ወሃብቲ ኣገልግሎታትን ብመልክዕ ብሕታዊ፡ ዘይመኽሰባዊ ትካላት ወይ ብማሕበርሰብ ዝወነና ትካላት ክኻየድ ይኽእል።

ሚኒስትሪ ጥዕናን ኣካላቱን ነዘን ህዝባውያን ይኹና ውልቃውያን ወሃብቲ ኣገልግሎታት ናይ ምቁጽጻር ዓቕሚ ይህልዎም።

ሕሙማት ድሕነትን ብሉጽ ኣገልግሎትን ይረኽቡ ከም ዘለዉ ንምርግጋጽ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ብቑዕን ዘመናውን ኣገልግሎታት ዝተፈላለየ ተብግሶታት ብምውሳድ ክቓለስ ይግባእ።

ሕማማት ንምክልኻል ምንቕሳቃስ ሰብን ጥሪትን ምስ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ጂቡትን ኣብ ዘዳውቡ ዶባትና 100% ክንቆጻጸር ይግብኣና።

ብመሰረት ብኣህጉራዊ ትካል መጽናዕቲ ዘቤታዊ እንስሳታት ኣብ UK Institute of Zoology and the Hanoi School of Public Health ዝተካየደ መጽናዕት ኣብ ዓለም ዝለዓለ ምንቕስቃስ ሕማማት ሰብን እንስሳን ዝረኣየለን ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ናይጀርያ፡ ፡ ታንዛንያን ህንድን እየን። ዝበዝሕ ረኽስታት ኣብ ደቂ ሰባት ካብቶም 24 ቢልዮን ዘቤታዊ እንስሳታት ከም ሓሰማ፡ ደራሁ፡ ከብቲ፡ ኣጣል፡ በጊዕን ገመልን ዝመሓላልፍ እዩ።

ካብ ሕማማት ዓሶ፡ ወይቦ፡ dengue feverን ነድሪ ሓንጎልን ናይ ፈለማ ካብ ኣፍሪቃ 100% ነጻ ዝኾነት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ንምምስራት ዕቋራትን ጨቋዊ ቦታታትን ምድባንን ጸረ ባልዕ ምንጻግን ኣፍልጦ ህዝቢ ብዛዕባ ሕማማት ምዕባይን።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ሞት ህጻናት ናብ 2.5 ካብ 1000 ከነውርዶ ኣለና።

ማእከልያ ገምጋም ዕድመ ሓደ ኤርትራዊ ከኣ ኣብ ውሽጢ 25 ዓመት ናብ 85 ዓመት ኣብ ክብ ከነብሎ ኣለና።