10-year-image

ቀዳሞት ሰለስተ ወርሒ

    1. ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ምቛም። ዝኾነ ፍርሒ፡ ፖሎቲካዊ እሱር፡ ምስቓይ፡ ብቤት ፍርዲ ዘይተደገፈ ምጉርጓር ኣባይቲን ልዕሊ 48 ሰዓታት ምእሳርን ኣይክህሉን እዩ። ሕግን ስርዓትን ናይ ምዝራብ፡ ሓሳብን ናጻ ምንቅስቓስን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክህሉ እዩ።
    2. ዋንነት መሬት ናብ ዓድታት ክምለስ እዩ፡ ሕጊ እንዳ’ባ ክትከል፡ ሓደስቲ መንግስታት ውሽጠ ዓዲ ንተመለስቲ ትግራይ፡ ብሄራትን እንዳታትን። ኣርባዕተ ዞባውያን መንግስታት ከኣ ክቖማ እየን።
    3. ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ይጅምር
    4. ባህላዊ ትንሳኤና ይጅምር

ቐዳማይ ዓመት

  1. ሓድሽ መሰጋገሪ ባይቶ ይምስረት
  2. ኣብ ኤርትራ ዝነብር ዝኾነ ዜጋ ናይ መውጽእን መእተውን ቪዛ ኣይክህሉን ኣዩ
  3. 87 ኢንዱስትርያዊ ዞናት ምስ መደቀሲ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ከነዳሉ ኢና
  4. ኣብ ዓለም ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ውሽጠ ዓዳዊ፡ ዞባውን ሃገራውን መንግስታዊ ትካላት፡ ውህለላን ወፍርን ማእከላት፡ ስራዊት፡ ንግዳውያን ትካላት ወዘተ እብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተወዳደርቲ ቴክኖክራት፡ ቢሮክራት፡ ማናጀራት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ደያኑ፡ ጠበቓታት፡ ስነ ፍልጠተኛታት፡ መሃንድሳት ወዘተ ካብ እስራኤል፡ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ጃፓን፡ ደቡብ ኮርያን ሲንጋፖርን ብሙቕጻር ትካላትና የካይዱን መንእሰያትና የሰልጥኑን
  5. ሚኒስትሪታትና፡ ሰራዊትና፡ ኣብያተ ፍርድና፡ ኣብያተ ትምህርትና፡ ዩኒቨርሲታትና፡ ሚድያ፡ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ጸጥታን ስለያን ትካላትን ወዘተ ከምብሓድሽ ይውደቡን ይሕደሱን።
  6. 400,000 ስርሓት ኣብ መንግስታውን ብሕታውን ጽላታት
  7. እኹል ጥሮታ ንስንኩላን ኩናት፡ ስድራ ስውኣት ህግሓኤን ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ገዳይም ተጋደልትን ነዊሕ ዘአገልገሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ስኡናት ልዕሊ 60 ዓመት ጥሮተኛታትን ምኽፋል ይጅምር
  8. ኣህጉራዊ ደረጃታት ዘማልአ ዘተኣማምንን ንጹርን ፋይናንሳዊ ዕዳጋ ምስ ኣህጉራዊ ደረጃ ዝሓለወን ክፉትን ናይ ምቁጽጻር ኣገባብ፡ ስነ ሕሳብ ኣገልግሎታት፡ ኣብ ኩለን ናይ መንግስቲ ጽፍሕታት፡ ንግዳዊ ትካላት ወዘተ ዝሰርሕ ናይ ምጣነ ለቓሕ ኣገባብ
  9. ናይ ድሕንነት ስርዓትን ይጅመር
  10. ሞያ ንዘይብሎም ዜጋታትን እኹል ደሞዝ፡ ነቶም ክኢላታት ከኣ ልዑል ክፍሊት ይጅመር

 

ሳልሳይ ዓመት

  1. ሃገራዊ ቅዋምና ይጸድቕ፡ ቀጥታዊ ዲሞክራሲ፡ ምምቅራሕ ቑጠባውን ፖሎቲካውን ስልጣን ሕጋውን ትካላውን ይኸውን
  2. ቐዳማይ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ውሽጠ ዓዳውን ዞባውን መንግስታት ይካየድ
  3. ዓበይቲ ናይ መንበሪ ኣባይትን ካልእን ትሕተ ቅርጺ ይጅመሩ
  4. ተወሳኺ 400,000 ናይ ስራሕ ዕድላት ይኽፈቱ
  5. 95% ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዘለዉ ዜጋታትና ናብ ዓዶም ይምለሱ። ምኽንያቱ ዝሓሸ ናጽነት፡ ክብረት፡ መነባብሮ፡ ዕድላትን ውሕስነትን ክፍጠር ስለ ዝኾነ
  6. ኣባል ዓለማዊ ማእከል ንግዲ ንኸውን፡ ምስ እስራኤል ከኣ ናይ ናጻ ንግዲ ውዕል ንኽትም
  7.  ምሉእ ደሞዞም እንዳተኸፍሎም ዝኾነት ሓራስ ኣደ ናይ 400 መዓልታት ኣቦ ከኣ ናይ 31 መዓልቲ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ይወሃቡ
  8. 100% ካብ ህጻናትና ካብ ክልተ ዓመት ዝጅምር ናይ ቅድመ ትምህርቲ ናጻ ዕድል ይረኽቡ
  9. 100% ህጻናትና ደረጅኡ ዝሓለወ ናጻ ናይ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቲ ይረኽቡ

ሓሙሽተ ዓመት

  1. ሃገርና ናይ 100% ማለት 24/7 ዝርግሐን ኣገልግሎትን ኤለክትሪክ ክትረክብ እያ
  2. 100% ሃገርና ናይ 100 MB ቅልጡፍ ናይ ፋይበር ብሮድባንድ ኢንተርነት ኣገልግሎት ክትረክብ እያ። ኩለን ኣብያተ ትምህርትና፡ ኣብያተ መጻሕፍቲ፡ ሆስፒታላት፡ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት፡ ኢንዱስትራያዊ ዞናት፡ ኣብያተ ጽሕፈትን ንግዳዊ ትካላትን ከምኡ’ውን 50% መንበሪ ኣባይቲ ናይ ፋይበር ኦፕቲክ ብሮድባንድ ቅልጡፍ ናይ 100 MB ይረክብ።
  3. 100% ካብ ህዝብና ጽሩይ ዝስተ ማይ ይረክብ
  4. ኣስታት ክልተ ሚልዮን ተጋሩ ኣብ ምዕራባውን ምብራቓውን መታሕትን ገማግም ባሕርናን ብዝተወደበ ኣገባብ ይጣየሱ
  5. ሚሊዮናት ናይ ስራሕ ዕድላት ክንፈጥርን ሚሊዮናት ሰሕተኛታት ከኣ ካብ ደገ ከንምጽእን ኢና
  6. ምስ ዓባይ ብርጣንያ፡ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ጃፓን፡ ደቡብ ኮርያ፡ ሩስያን ሲንጋፖርን ነጻ ናይ ንግዲ ስምምዕ ንኽትም
  7. ሰደድና $100 ቢሊዮን ይበጽሕ
  8. ዝተፈላለየ ዓበይቲ ዓለማዊ ጸወታታት ስፖርት፡ ኮንፈረንስን ፈስቲቫላትን ከነአንግድ ክንጅምር ኢና
  9. ዝኾነት ኣደ ናይ ሓደ ዓመት ኣቦ ከኣ ናይ ሓደ ወርሒ ናይ ሕርሲ ዕረፍቲ ይወሃቡ።

ሻውዓይ ዓመት

  1. ናጻን ዲሞክራስያውን ሃገራዊ ምርጫ ነካይድ
  2. ብምኽንያት ምህላው ዝሓሸ ናጽነት፡ ክብረት፡ መነባብሮ፡ ዕድላትን ውሕስነትን ካብ ምዕራብዊ ዓለም፡ 70-80% ስደተኛታት ናብ ዓዶም ይምለሱ
  3. ኩሉ ዜጋ ኣብ ደረጅኡ ዝሓለወ ጽሩይን ዘመናዊ  ናይ ጽሬት ፡ መዝሓሊ፡ ማይን ናይ 100 MB ኢንተርነትን ይረክብ
  4. ሃገርና ምስ ቻይናን ሃገራት ላቲንን ነጻ ናይ ንግዲ ስምምዕ ትኽትም

ዓስራይ ዓመት

  1. መንግስቲ ንምውሓስን ምቕራብን ኣገልግሎት ጥዕና፡ ብቑዕን ደረጅኡ ዝሓለወን ኣባይቲ፡ ስራሕ፡ ጠበቓን ቤት ፍርድን ክፍሊት፡ ትምህርቲ ካብ መባእታ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ፡ እኹል ጥሮታን ናይ መግቢ፡ ኤለክትሪክን ማይን ኣብ ዘድልየሉ እዋን ከማልእ ሕጋዊ ግዴታ ይህልዎ
  2. መጠን ሞት ህጻናት ኣብ እዋን ሕርሲ 1.8 ካብ 1000 ወይ ካብ ዓለም ዝተሓተ ይኸውን
  3. ኣብ ሓደ ክፍሊ ካብ 15-20 ተምሃሮ ይህልዉ፡ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ከኣ ሽውዓተ ይኸውን
  4. ሃገራዊ ቋንቋና ትግርኛ ልዕሊ 100,000 ቃላት ይህልዎ። ሓደስቲ ቃላት ካብ ግእዝ፡ ትግረ፡ እብራይስጥ፡ ኣራማይክን ካልኦት ሴማውያን ቋንቋታትን ዝተወሰኹ ይኾኑ።
  5. ተወሰኽቲ ክልተ ሚልዮን ተጋሩ ይጣየሱ በዚ ከኣ 90% ካብ ህዝብና ትግርኛ ይኸውን
  6. ሓደ ብመንግስቲ ልዑል ደሞዝ ዝኽፈል ቀሺ ከኣ ን50 ስድራቤታት ከም መርዓ፡ ስድራቤትን መንፈሳዊ ኣማኻርን ኮይኑ የገልግል
  7. ጃምላ ሃገራዊ እቶትና ብውልቀ ሰብ $40,000 ብናይ ሎሚ መጠን ሸርፊ ይኸውን
  8. 10ታት ሚሊዮናት ዘይሞያውያንን ግዚያውያንን ሰራሕተኛታትን ሚሊዮናት ከኣ ክኢልታት ቀወምቲ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ይህልውና
  9. 40% ካብ መሬትና ብጫካ ዝተሸፈነ ይኸውን
  10. ማእከላይ ዕድመና 80 ዓመት ይኸውን
  11. ሃገርና ንግዲ ክትጅምረላ ኣብ ዓለም ብቀዳማይ ደረጃ ዝመችአት ሃገር ትኸውን
  12. ሃገርና ካብ ዓለም ኣብ መንጎ እተን 10 ዝተሓተ ብልሽውና ዝረኣየልን ሃገራት ትኸውን
  13. ሃገርና ኣብ ስፖርት ኣብ መንጎ እተን ዝለዓላ 10 ተወዳደርቲ ሃገራት ትኸውንን ኣብ ዝተፈላልየ ዓለምለኻዊ ውድድራት ከኣ ዝተፈላለየ መዳልያታት ትዓትርን
  14. ናይ ገዛእ ርእስና ዓበይቲ ዓለምለኻውያን ትካላት ይህልዋና