
አግኣዚያዉነት Aga’azianism
ማሕበር የሕዋት ኣግኣዝያናውያን ማለት MYA ብውሑዳት ናይ ግእዝ ሃገራውያ ኣብ 2011 ኣብ ሃገረ ኤርትራ ተመስሪቱ። ዕላማ እዚ ማሕበር ንሃገረ ኤርትራ መሰል ውሑዳን ዜጋታታ ዘውሓሰት መሬታዊ ሓድነት ህዝቢ ግእዝ ምውሓስ እዩ። ምኽንያት ናይዚ ከኣ፡
ሀ. ህዝበ ግእዝ እቲ እንኮ ወደ ባትን ብብዝሒ ዓብላልን ህዝቢ ስለዝኾነ፡
ለ. ህዝበ ግእዝ እቲ እንኮ ኣብ ዓሌትን እንዳን ዘይተሰረተ ህዝቢ ስለዝኾነ፡
ሐ. ብዙሓዊ ህዝብታት ወይ ዓሌታት ዝተሰረታ ሃገራት ብልጹግን ዲሞክራሲያዊ ሕበረተ-ሰባትን ኣብ ምፍጣር ስለ ዘይዕወታ
መ. ማሕበራዊ ምትእምማን ብዘይ ሓያል ሃገራዊ መንነትን ሓያል ሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማን ክፍጠር ስለዘይክእል፡
ሰ. ምስፍሕፋሕ ስነ ሓሳብ ፖሎቲካዊ እስላም፡ ሃገራውነት ኣዕራብ ከምኡ ውን ሃገራውነት ኣምሓራን ህሉው ስግኣት ንመንነት፡ ታሪኽ፡ ባህልን መሬትን ግእዝ ስለ ዝኾነ።
ህዝበ ግእዝ ተዛረብቲ ቋንቋታት ትግረን ትግርኛን እዮም። መብዛሕትኦም ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ክኾኑ ከለዉ፡ ዝተረፉ ከኣ ተኸተልቲ ምስልምና፡ ካቶሊክ፡ ከኒሻ፡ ኣይሁድ ወዘተ እዮም።
ዝኾነ ተወላዲ ግእዝን ነዚ ዕላማ ዝድግፍን ኣባል ማሕበር ክኸውን ይኽእል።