economic

ኣብ ትግራይ ወይ ኢትዮጵያ ቑጠባዊ ምዕባለ ኣሎዶ፧

ድኻታት ሃገራት ቑጠባዊ ምዕባለን ብልጽግናን ክጎናጸፋሉ ዝኽእላ እንኮ መንገዲ ኣብ ብሃገራዊ ውህለላ ዝተመወለ

ብዓለም ደረጃ ኣብ ሰደድ ዝተሰረተ ተወዳዳሪ ኢንዱስትሪ ምፍጣር እዩ። ሰደድ ኢትዮጵያ ኣብ 2010 ኣስታት $3 ቢሊዮን

ዶላር ኣቢሉ ነይሩ፡ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይ መደብ ምዕባለን ዳግመ ምሕዳስን ኢትዮጵያ ማለት GTP I፡ ህወሓት/ኢሂወደግ

ነዚ ቁጽሪ ብሰለስተ ዕጽፊ ማለት ናብ $9.5 ቢሊዮን ኣብ 2015 ከዕብዮ መደብ ኣውጺኡ። እንተኾነ ኣብ ሓምለ 2015

ኢትዮጵያ $2.9 ቢሊዮን ማለት ትሕቲ እቲ ናይ 2010 ሰደድ እያ ኣመዝጊባ። እዚ ክግመት ዘይክኣል ወድቀት እዩ።

ቻይና ልዕሊ $4 ትሪሊዮን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ክዙን ገንዘብ ኣለዋ። ናይ ሕ.መ.ኣመሪካ ፈደራላዊ ባንክ፡ ማእከላይ ባንክ ኤውሮጳ፡

ባንክ ኢንግሊዝ፡ ባንክ ጃፓን ወዘተ ብሓፈሻ ምዕራባውያን ሃገራት ካብ 2009 ጀሚረን ብብዝሓዊ ቅለት ወይ QE ልዕሊ $8

ትሪሊዮን ኣሕቲመን። እዚ ናይ ቻይና ውህሉል ገንዘብን ኣብ ምዕራብ ዝተሓተመ ገንዘብን ንሃገራት ሳልሳይ ዓለም ብመልክዕ

ወፍሪ፡ ለቓሕ፡ ሓገዝ፡ ምልኣኽን ወዘተ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ኣዕለቕሊቕወን ይርከብ። እዘን ሃገራት ነዚ ገንዘብ ብግቡእ እንተድኣ

ዘይተቖጻጺረንኦ፡ ገንዘብን ክውስኽ ይገብር። እዚ ከኣ ኣብ ኣህጉራዊ ንግድን ወፍርን ተወዳደርቲ ካብ ምዃን ይዕንቅጸን።

ስለዚ ከኣ ማእከላይ ባንክ እዘን ሃገራት ምትእትታዉ ብምግባር ንዝመጽእ ዶላር፡ ስተርሊንግ ወይ ዩሮ ክዕድግ ይጅምር።

ነዚ ናይ ወጻኢ ገንዘብ ናብ ሚዛን ሕሳብ ብምስፋር ተሓታትነት ክፍጥራ ይግደዳ። ስለዚ ናብ ከባብያዊ ባንክ

ዝኸይድ ገንዘብ ይሓትማ። በዚ ሓድሽ ገንዘብ ዘዕለቕለቓ ባንክታት ከኣ ብብዝሒ ከለቅሓ ይጅምራ። ተንቀሳቓሲ

ሕሳበን ኣብ ማእከላይ ባንክ ስለ ዝቕመጥ ከኣ ካብዚ ቀጽሪ እዚ ብተዓጻጸፈ ከለቅሓ ይኽእላ። ብመሰረት ሎንደን

ፊናንሻል ታይመስ ኣብ ብራዚል ኣርባዕተ ዕጽፊ፡ ኣብ ማሌዥያ ሸሞንተ ዕጽፊ ኣብ ቺለ ዓሰርተ ዕጽፊ ወዘተ ይበጸሕ።

ናይ ኢትዮጵያ ሚዛን ሕሳብ ኽንረክብ እኳ እንተዘይከኣልና፡ ብመሰረት ኣብ ቀዳማይ ሚኒስተር

ምስ ጋዜጠኛታት ዝገበርዎ ቃለ መሕተት ግን ካብ 2010-2015 ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ።

ብመሰረት ብ DFID-ESRC ተመዊሉ ኣብ

ሕዳር 2014 ዝተሓተመ ብጌትነት ኣለሙ

ዘውዱ ዝተካየደ መጽናዕቲ “ ብጽላት ባንክ

ብጠቕላላ ዝተዋህበ ሓድሽ ለቓሕ ኣብ 2011-

12 ኣስታት 3.2 ቢሊዮን ዶላር ይበጽሕ ነይሩ፡

እዚ ከኣ ዳርጋ ሰለስተ ዕጽፊ ናይቲ ኣብ 2004-

5 ዝተዋህበ እዩ። ገምጋም ዓመታዊ መጠን

ምዝርጋሕ ለቓሕ ካብ 2004/5-2011/12

31.1% ይበጽሕ ነይሩ። እዚ ዓመታዊ ሓድሽ ናይ

ለቓሕ ምክፍፋል ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ከኣ 41.1%

ኣብ ህዝባዊ ባንክታት ከምኡ’ውን 23.8%

ኣብ ውልቃውያን ባንክታት ይበጽሕ ነይሩ’’

“ ሳላ እዚ ጻዕሪ ከኣ ጠቕላላ ገንዘብ ናይ ባንክ

ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ኣርባዕተ ዕጽፊ

ብምዕባይ ካብ 758 ሚሊዮን ዶላር ኣብ

2008/09 ናብ 1.7 ቢሊዮን ኣብ 2012/13 ዓብዩ”

ብመሰረት ኣብ ኣዲስ ፎርቹን

ናይ ለካቲት07, 2015 ሕታም ኣብታ ኣብ 30 ሰነ 2014 ትውዳእ ዝነበረት ዓመት 16 ውልቃውያን ባንክታት

ናይ ኣስታት 4.7 ቢሊዮን ብር ብኣስታት 24pc ቅድመ ግብሪ መኽሰብ ወይ ናይ 3.6 ቢሊዮን ብር መኽሰብ

ድሕሪ ግብሪ ረኺበን። ውልቃዊ ባንክታት ውን ብ21pc ዕቤት ብምርኣይ ናብ 121 ቢሊዮን ብር ዓብዩ።

እዚ ልዕል እሉ ዝተጥቕሰ ዳታ ከም ዘረድኣና ኣብ ማእከላይ ባንክ ገንዘብን ዘቐምጣ ባንክታት ኢትዮጵያ ካብዚ

መጠን 10 ክሳብ 15 ዕጽፊ ከምዘለቅሓ እዩ። እንተኾነ ዋላእኳ ጽላት ፋይናንስ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ብኣርባዕተ

ዕጽፊ እንተዓበየ፡ ፋይናንሳዊ ኢንዱስትሪን ካልእ ናይ ቁጠባ ጽላታትን ብዕጽፊስ ይትረፍ ክዓቢ’ውን ኣይከኣለን።

ኣብ ጉዛዊ ውህለላ ባንካዊ ስርዓት ክልተ ዓይነት ገንዘብ ማለት ብማእክላይ ባንክ ብወግዒ ዝወጽእ

ገንዘብን ቅሙጥ ገንዘብ ኣብ ንግዳዊ፡ ማእከላይ ባንክን ዘሎ ገንዘብን(ኩሉ ዓይነት ናይ

ገንዘብ ማለት ናይ ወረቐት፡ ሓጺን፡ አለክትሮኒካዊ ገንዘብ ወዘተ ካብ ማእከላይ ባንክ ዝመጸ)

ንኣብነት ኣብ ቁጠባ ዓባይ ብሪጣንያ መብዛሕትኡ ገንዘብ ብንግዳዊ ባንክታት ዝፍጠር ኮይኑ ብመልክዕ

ቅሙጥ ገንዘብ ማለት ኣብ ናይ ውልቂ ሕሳባትና ዝጸሓፍ ማለት እዩ። ንግዳዊ ባንክ ለቓሕ ከለቕሕ ከሎ

ሓድሽ ገንዘብ ይሓትም። ሎሚ 97% ናይ ዓባይ ብርጣንያ ገንዘብ ብንግዳዊ ባንክታት ዝተሓትመ እዩ።

በዚ ሓድሽ ዝተሓመ ገንዘብ ተሓጊዛ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ብርክት ዝበሉ ጽርግያታት፡ መንገዲ ባቡር፡ ተለፎን

መስመራት፡ ሆቴላት፡ መመንጨዊ ማእከላት፡ ማሕበራዊ ህንጻታት፡ ዩኒቨርሲቲን ምስፋሕ መንገዲ ኣየር ወዘተ ከተሳላስል ክኢላ።

ንኣፍርዩ ነገር ለቓሕ ክትሓትት ዘይጽላእ እኳ እንተኾነ ናይ ኢትዮጵያ ግን ካልእ እዩ። እዞም ጸብጻባት ከም

ዘመልክትዎ ናይ መንግስትን ብመንግስትን ኣብ ዝውነኑ ከም ጽርግያታት፡ መንገዲ ባቡር፡ መመንጨዊ

ማእከላት፡ መንገዲ ኣየር ወዘተ ጽቡቕ ስራሕ እኳ እንተተሰርሐ ኣብ መዳይ ኣኽሳብነት፡ ቑጠባዊ ብቕዓት፡

ቁጠባዊ ሰደድ ከም ዝወሰኸ ዘረጋግጽ ዝኾነ ነገር የለን። ኣኽሳብነት ብመንጽር ሰደድ ክርአ ከሎ ኣዝዩ ኣንቆልቂሉ።

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሃገራዊ ሚዛን ሕሳብ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ብዕጽፊ እንተወሰኸ እኳ፡ ጭቡጥ ኣብ ፍርያምነት

ዝተሞርኮሰ ቁጠባ ወይ ፍርያምነት ግን ኣይኮነን’ዶ ብዕጽፊ ክውስኽ ክዓቢ እዉን ኣይከኣለን። ግደ ሓቂ እዞም ጽርግያታት፡

መንገዲ ባቡር፡ ፋብሪካታት፡ መንገዲ ኣየር፡ መመንጨዊ ማእከላት ወዘተ ጾር እዮም፡ ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ንመኽፈሊ ለቓሕ፡

መስፊሒኦም ወይ መዐረይኦም ዝኸወን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከተኻዕብት ስለዘይከኣለት። ኩሎም እዞም ጽርግያታትን ፋብሪካታትን

ዋጋ ቢሊዮናት ዶላራት መቀያየሪ ኣቑሑት፡ ዘይቲ፡ ከሚካላት፡ ቴክኒሻናት ወዘተ ንመካየዲኦምን መዐረይኦምን ስለዝጠልቡ።

ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ሕርሻዊ እቶት ዕቤት ስታቲስቲክስ ሓቂ እንተድኣ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ን18 ኣዋርሕ

ዝኣኽል ክዙን መገቢ ይህልዋ። እንተኾነ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ብገምጋም ኣስታት 1.8 ሚሊዮን ሜትሪክ ቶን

እኽሊ ብረዲኤት ትቕበል። ኢትዮጵያ ኣእካል ይኩን ካልእ ዓይነታት መግቢ ዓመታዊ ተእቱ። ብመሰረት USAID

44% ካብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ኢትዮጵያ ኣዝዮም ብሕጽረት መግቢ ዝተጠቅዑ

ወይ ኣስታት 28% ከኣ ትሕቲ ሚዛን እዮም። ኣስታት 32% ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ግቡእ መግቢ ኣይረክብን።

ህወሓት/ኢሂወደግ ብዘይ ናይ ምዕራባውያን ፋይናንሳዊ ሓገዝ፡ ትሑት መጠን ወለድ ለቓሕ ቻይናን ናይ ምዕራብ

ዲፕሎማስያውን ፖሎቲካውን ሓለዋ ንሓንቲ መዓልቲ እኳ ክነብር ኣይክእልን እዩ። ብመሰረት ናይ ኦክላንድ ትካል መጽናዕቲ

ካብ 50-60% ባጀት መንግስቲ እትዮጵያ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ወይ ከኣ ለቓሕ እዩ። ናይ 2013-14 ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓመታዊ

ባጀት $8.3 ቢሊዮን ነይሩ። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ከኣ ኢትዮጵያ ካብ ናይ ወጻኢ ሓገዝን ለቓሕን ልዕሊ $6 ቢሊዮን ረኺባ።

ብመሰረት The Observatory of Economic Complexity ኣብ ዓመተ 2014/15 ሰደድ እትዮጵያ $2.9 ቢሊዮን ክኸውን

ከሎ፡ እታው ከኣ $11.5 ቢሊዮን ነይሩ። ብመሰረት CIA ጃምላ ሃገራዊ እቶት ኢትዮጵያ ኣብ 2014 $52.3 ቢሊዮን ነይሩ።በዚ

ናይ እታው፡ ሰደድን ጀምላ ሃገራዊ እቶትን መለክዒ መሰረት ሃገራዊ ዕዳ ሰደድ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዓቢ ማለት 950% ኣብ 2014

ነይሩ።ብመሰረት እዞም ኣሃዛት ማለት 300% ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ካብተን ዝለዓለ ናይ ወጻኢ ንግዲ ዕዳ ዘለወን ሃገራት ይገብራ።

መግስቲ ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ምሕረት ምዕራባውያንን ቻይናን እዩ ዝነብር። ኢትዮጵያ ኣብ ዘቐደሙ መንግስታት

ከምዚ ዓይነት ምርኮሳ ኣብ ረዲኤትን ክንድዚ ዝኣክል ናይ ወጻኢ ንግዲ ዕዳን ኣጋጢምዋ ኣይፈልጥን እዩ። ኣብ 2010 ናይ ኢትዮጵያ

ሰደድ $3 ቢሊዮን ነይሩ፡ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ መደብ ዕቤትን ተሓድሶን ኢትዮጵያ ከኣ ህወሓት/ኢሂወደግ ነዚ ኣብ 2015

ብሰለስተ ዕጽፊ ማለት $9.5 ቢሊዮን ክዕብይዎ መደብ ነይርዎም። እንተኾነ ነቲ ናይ 2010 መጠን እዃ ክዕቅብዎ ኣይከኣሉን።

ብመሰረት ጸብጻብ Global Financial Integrity (GFI) ኣብ 2015 “ ኢትዮጵያ ኣብ ዝለዓለ 10 illicit flows ሃገራት

( ኣብዚ ጉዳይ ዝለዓላ 20) ዓመታዊ ገምጋም ሰደድ ካብ 2008-2012 $3.5 ቢሊዮን እንተነበረ እኳ ክትስራዕ

ኣይከኣለትን።ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ግን ሰደድ ኢትዮጵያ 1,355% ናይ ቀጥታዊ ናይ ወጻኢ ወፍሪ ናብታ ሃገር እዩ

ነይሩ። ድሕሪ ናይ ኣስታት ዓሰርተ ዓመት ናይ 11% ቑጠባዊ ዕቤት መግለጺታት ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ሓደሽቲ

መደባታ ካብ መኽሰባት ቁጠባዊ ዕቤታ ክትሽፍን ኣይከኣለትን። ክሳብ ሕጂ ድሕሪ ናይ ዘሓለፈ 10 ዓመት ናይ

11% ቁጠባዊ ዕቤት ኩሎም ሓደስቲ ፕሮጀክትታት ወይ ወፍርታት ብናይ ደገን ውሽጥን ለቓሕን ረዲኤትን

እዮም ዝካየዱ ዘለዉ። ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ካብ ዝተገብሩ ወፍርታትን ዝተተግበሩ ፕሮጀክታትን ዝተረኽበ ጥዕና

ዘለዎ ውጽኢት ዘረጋግጽ ዝኾነ ይኹን ጭብጢ የለን። እንተኾነ ኣብ መዳያት ዓለባ፡ ትሕተ ቕርጺ፡ ሕርሻ፡ ሽኮር ወዘተ

ናይ 10ታት ቢሊዮናት ዘይተኸፍለ ዕዳ ወፍርታት ጠፊሾም ከምዝተዓጽዉ ዘረጋግጽ ኣዝዩ ብዙሕ ጭብጥታት ኣሎ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት 2.5 ክሳብ 3 ሚሊዮን ህጻናት ወይ ህዝቢ ክትውስኽ ከላ፡ 20,000 ናይ ስራሕ ዕድላት ግን ክትፈጥር

ኣይከኣለትን። 350,000 ንመነባብሮ ዘይበቕዕ ደሞዝ ዝኸፈሎ ስረሓት ጥራይ ነዚ 95 ሚሊዮን ህዝቢ ይመቓራሕ። እዞም

ዘይካትዑ ጭብጥታት ዘረጋግጽዎ ነገር እንተድኣ ሃልዩ ማዕረ ክንደይ ቁጠባ ኢትዮጵያ ተስፋ ዘይብሉን ዝጠፈሸን ከምዝኾነ እዩ።

ኩሎም እዞም ሓደስቲ ፋብሪካታት፡ ትሕተ ቅርጺ፡ መመንጨዊ ማእከላትን ካልኦት ናይ መንግስቲ ትካላትን

ንገዛእ ርእሰን ከዕብያሉን ከስፍሓሉን ዝኽእለን ኣታዊ ስለዘይብለን ኩሉ ግዜ ኣብ ሓድሽ ለቓሕን ረዲኤትን እየን

ዝምርኮሳ። እዚ ንመብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ 60ታትን 70ታትን ዘጋጠመን እዩ። ኩሉ ግዜ ሸኸም እየን።