
ትግራይን ኤርትራን Tigray Eritrea
ንትግራይን ኤርትራን ዝተፈላለየ ፍታሕ የለን
ኦሮሞ፡ ኣምሓራ፡ ሶማልያ፡ ትግራይ ወዘተ ብሔራት ናይ ገዛእ ርእሶም ዝተፈላለየ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ኣለዎም። ኦሮሞ፡ ኣምሓራ፡ ሶማልያ፡ ትግራይ ወዘተ ብሔራት ንቁጠብኦም፡ ፍሉይ ኣነባብርኦምን ውሕስነቶም ዝዕቅብሉ ናይ ገዛእ ርእሶም እስትራተጂካዊ ሃገራዊ ረብሓታት ኣለዎም። ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ ዝብሃላ ሓደ ንኹሉ ዝጠምር ሃገራዊ ባህላዊ መንነት የለን። ሃገራዊ እስትራተጂካዊ ረብሓ ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ ዝበሃል ከኣ የለን። ኣብ ታሪኻዊ ጭብጥታትን ርትዕን ዝተሞርኮሰ ናይ ትግራይ እስትራተጂካዊ ሃገራዊ ረብሓታት መቦቆላውን ቀጻልን ናይ ትግራይ ሃገራዊ ስነ-ሓሳብ ክፈጥር ይኽእል። ናይ ህዝቢ ትግራይ እስትራተጂካዊ ሃገራዊ ረብሓታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
- ታሪኽ፡ መንነት፡ ባህላዊ ወይ ክብርታት
- ቁጠባ
- ጸጥታ
- ዲሞክራሲ ወይ ጽፉፍ ምሕደራ
ናይ ህዝብታት ትግራይን ትግርኛን እስትራተጂካዊ ረብሓታት ሓደ እዮም። ህዝቢ ትግራይ ብዘይ ናይ ትግርኛ ህዝብን ቀይሕ ባሕርን ን20-30 ዓመታት ክነብር ኣይክእልን እዩ። ህዝቢ ትግርኛ ኤርትራ ከኣ ብዘይ ህዝቢ ትግራይ ን20-30 ዓመታት ክነብር ኣይክእልን እዩ። ንቁጠባዊ ምዕባለ ንህላወ ከም ስልጣነ ተዛሪብናሉ ኣለና።
ንዝመጽእ 20-30 ዓመት ገዲፍና፡ ሕጂ ህዝቢ ትግርኛ ብብዝሒ ካብ ኤርትራ ይፈልስ ኣሎ፡ ናይ ኤርትራ ብዝሒ ህዝቢ ከኣ ናብ እስላም ገጹ ይዘዙ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ህዝቢ ትግራይ ናብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳን ኣመሪካን ይግዕዝ ኣሎ። ሎሚ ብሰንኪ ህግደፍ ኣይኲናት ኣይሰላም ፖሊሲ ትግራይ መዓስከር ሕበረ-ሃገራዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይና ተሪፋ ኣላ። ብሰንኪ እዚ ኣይኲናት ኣይሰላም ፖሊሲ ህግደፍ እታ ካብ ወደብ ጁቡቲ ኣዝያ ርሒቓ እትርከብ ትግራይ ዘይተወዳዳሪት ኮይና ብቁጠባ ኣዝያ ተሃስያ ትርከብ። ዋላ መንገዲ ባቡር ካብ ጁቡቲ ናብ ትግራይ እንተዝዝርጋሕ ካብ መጉዓዝያ ባሕሪ ንላዕሊ ክቡር ስለዝኾነ፡ ኢትዮጵያን ትግራይን ክወዳደራአን ዝደልያ ከም በዓል ቻይና፡ ባንግላድሽ፡ ቱኒዝያ፡ ቬትናም ወዘተ ትሑት ናይ ምፍራይ መኽሰብ ትሕቲ 5% እዩ።እዚ ማለት ምውሳኽ ናይ ሳንቲም ኣብ መጉዓዝያ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ናይ ትግራይ ምውድዳር ዕዳጋ ከምጽእ ይኽእል እዩ።
ናይ ትግራይ ሃገራዊ ባህላዊ መንነትን ማሕበራዊ ቕርጽን ብመደብ ከም ዝዓኑ ተገይሩ እዩ። ከም ሃገራውያን መጠን ኣብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ጻንሖትና ዘጉሃየናን ኣዝዩ ዘሰንበደናን ነገር እንተድኣ ነይሩ፡ ዓዲእንጀራካኢዩ ኣበሃህላ ናይ ሓደስቲ ናይ ትግራይ ናይ ቁጠባ መራሕትን ምሁራን ተጋሩን እዩ።
ዝሓለፈ ናይ ኣስታት 130 ዓመታት ታሪኽ ዝመሃረና ነገር እንተድኣ ሃልዩ፡ እስትራተጂካዊ ሃገራዊ ረብሓታትን ሽግራትን ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ ዝኽእል ኤርትራ ሃገር መንግስቲ ህዝቢ ግእዝ ምስ እትኸውን ጥራይ እዩ። ንጂኦግራፊካዊ፡ ታሪኻዊ፡ ጂኦ-ፖለቲካዊን ባህላውን ምኽንያታት ናይ ትግራይ ቁጠባ፡ ጸጥታን ዲሞክራሲ ወይ ቕርዑይ ምሕደራ ምስ ቀይሕ ባሕሪን ህዝቢ ግእዝ ወይ ሓደነት ከም ህዝቢ(ኤርትራ/ትግራይ) ዝተወሳሰበ እዩ። ኣብ ክልተ ሃገራት ማለት መንግስቲ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ልኡላዊት ፈደራላዊት ኢትዮጵያን ሃገረ ኤርትራን ክህልዋ ዝከኣል ኮይኑ፡ ግን ኣብ ሓፈሻዊ ስምምዕ ሰላም ግን ኣብ መጻኢት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንቐጻልነትን ምሕያልን ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ሓደ ህዝቢ ግእዝ ዘውሕስ ኣሰራርሓ ክህሉ ይግባእ። እዚ ስምምዕ ብተወሳኺ ኣብ ዝኾነ ግዜ፡ መሰል ብህዝባዊ ረፈረንዱም ዝተደገፈ መሰል ርእሰ ውሳነ ኣብ ሕብረት ትግራይን ኤርትራን ንምፍጣር ልኡላዊት ሃገረ ግእዝ ክሕሉ ኣለዎ።
ቕድሚ ዝኾነ ካልእ መንነት ንሕና ግእዝ ኢና። ኣብ ኩለን ሃገራት ፋሕ እንተበሉ እዃ ኣዕራብ፡ ኢጣልያውያን፡ ሩስያውያን፡ ኣየርላንዳውያን ወዘተ ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ኣለዎም። ህወሓት ንሃገራዊ እስትራተጂካዊ ረብሓታትን ጸጥታን ትግራይን ከምኡ’ውን ህላወን ምሕያልን ህላውኡ ከውሕስ እንተድኣ ኮይኑ ንማሕበር ምትሕግጋዝ ኣግኣዝያን ኣብ ናይ ሎሚ ሃገረ ኤርትራ መንግስተ-ህዝቢ ግእዝ ክፈጥር ምሕጋዝን መንገዲ ምትሓዝን ካልእ ኣማራጺ የብሉን።