
ኢሰያስን ስየን Isaias & Siye
ናይ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ናይ 1998 ዶባዊ ዝፍለጥ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ኲናት ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ዕላማታት ነይርዎ፡
- ኣብ ውሽጢ ህግሓኤ/ህግደፍ ዕልዋ ብምፍጻም ንዝበጋገስ ዝነበረ ተቓውሞ ኣንጻር ማሕበራዊ ምህንድስናን ንኩሉ መሓውራት ህዝቢ ግእዝ ኤርትራ ብምቑጽጻር ከም ዝደለዮን ኣብ ዝደለዮን ነቲ መደብ ምቅልጣፍ
- ንዓንቀጽ 39 ቅዋም ኢትዮጵያ ወይ መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ትግራይ ኣዳኺምካ ናይ ትግራይ ብህላዊ ሃገራዊ መንነት ናብ ናይ ኣምሓራ ባህልን መንነትን ምርዓም
- ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ፍልልይ ምፍጣርን ንህዝቢ ትግራይ ኣዳቒቕካ ምብትታንን
- ምትንሳእ ናይ ኣምሓራ ሃገራውነትን ሃገራዊ ስነ-ሓሳብን
- ኣብ መንጎ ትግራይን ኣምሓራ/ኢትዮጵያን ዘሎ ፍልልይ ኣብ ሓሳብን ኣዒንትን ህዝቢ ግእዝ ኢትዮጵያ ምህሳስ
- ንመራሕቲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኲናት ክገብሩ ብምቱኽታኽ ኣብ መንጎ ህዝቢ ግእዝ ኤርትራን ትግራይን ዘይምትእምማን ምፍጣር።
ንስየ ንጉጅለኡን ከኣ ናይ 1998 ኲናት ክልተ ፖለቲካዊ ዕላማታት ነይርዎ፡
- ንመለስ ካብ ስልጣኑ ምእላይ
- ምስ ሃገራውያን ኣምሓራ ዕርቂ ብምፍጣር ንገለ ክፋላት ኤርትራ ብፍላይ ንዓሰብ ምቁጽጻር።
ንኢሰያስ ኣፍወርቂ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ትንፋስ ስኺዕሉን ክሳብ ሕጂ ክቕጽል ኣኽኢልዎን ይርከብ። ሎሚ ድሕሪ 18 ዓመት እቲ ኲናት ኢሰያስ ኣፍወርቂ እቲ ዝምሃዞ ኲናት ፖለቲካዊ ሸቶታት ወቒዑ ይርከብ። ዓወት ናይ ሓደ ኲናት ፖለቲካዊ ሸቶታትካ ብምህራምካን ዘይምህራምካን እዩ ዝምዘን።
ህወሓት ኢሰያስ ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ኣብ ዘዳለወሎም ኩለን መጻወድያታት ወዲቖም እዮም። ብፍላይ ናይ 1998-2000 ዶባዊ ግጭትን ስዒቡ ዝመጸ ናይ 15 ዓመታት ናይ ኣይኲናት ኣይሰላም ፖሊሲ ንህወሓት ንትግራይ ነጺሉ ንኢትዮጵያ ምቁጽጻር ቀዳማይ ዕላምኡ ኮይኑ፡ ንዝበለጸ ዓቕሚ ሰብ ትግራይ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኢትዮጵያ ምግዓዝ፡ ንብልሽዋት መራሕትን ዘይብቑዕ ምሕደራን ምጽዋር፡ ንነብሱ ከም ኣምሓራ/ኢትዮጵያ ውድብ ምቅራጽ ( ኣብ ዓይኒ ኤርትራውያንን ኣብ ባይታን ኣብ መንጎ ኣምሓራን ኢትዮጵያን ፍልልይ የለን)፡ ን10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ክሰጉግ፡ ንኩሉ ህዝቢ ትግርኛ ብፍላይ ከኣ ንተጋደልቲ ህግሓኤ ከም ጸላእቲ ክርእዮም ወይ ከኣ እምነት ኣጥፊኡ፡ ምስ ጂሃድ ጸላእቲ ኣግኣዝያን ልፍንቲ ክምስርት፡ ንሳሆ፡ ቢሌን፡ ዓፋር፡ ኩናማ፡ ቤጃ ወዘተ ቀቢላታትን እንዳታትን ንመስለ ርእሰ-ውሳነ ዘይመበቖላውያን ካብ 10,000 ዘይሓልፉን ንህግደፍ ከስግኡ ዘይክእሉን፡ ካብ ግዜ ሚንሊክ II፡ ሃይለስላሴን መንግስቱን ንላዕሊ ቋንቋን ባህልን ኣምሓራ ኣብ ትግራይ ክስፋሕፋሕን ብዙሓት ተጋሩ ናብ መንነት ኣምሓራ ክርዕሙን፡ ንትግራይ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ክልውጥ፡ ቀስ እንዳበለን ብጥበብ መደረን ከኣ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ንህወሓት ናብ ባህሊ ኣምሓራን ትምዩን ኣምሓራ ኢትዮጵያ ወይ ከኣ ናይ ኣምሓሩ ሃገራዊ ስነሓሳብ፡ ታሪኽን መንነት ብዋጋ እቲ ዘሕብን ናይ ትግራይ ግእዝ መንነት ክርዕሙን፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ህግደፍ ኣብ ቅዋሞም ንዝተጻሕፈ ንመሰል ርእሰ ዉሳኔ ህዝቢ ትግራይን ካልኦት ኣህዛብን ዘፈቅድ ፈደራላዊ ስርዓት ከየተግብር ኣገዲድዎ እዩ።
እንተድኣ ግእዝ-ሴማዊ መንነት፡ ታሪኽ፡ ባህሊ/ክብርታት ስርዓትን ቋንቋን ጠፊኡ፡ ብዋጋ መስዋእቲ ኣማኢት ኣሽሓት ዝተረጋገጸ መሰል ርእሰ ውሳኔ ዝኾነ ትርጉም ኣይክህልዎን እዩ። ናይ ቀጻሊ ወለዶ መራሕቲ ምሁራን መንእሰያት ተጋሩን ሃብታማት ተጋሩን ናብ ናይ ኣምሓራ ባህልን መንነትን ይቕየሩ ካብ ሃለዉ ደኣ ትርጉም መሰል ርእሰ-ውሳነ እንታይ ይዓብስ። ዝኾነ ህዝቢ መሰል ርእሰ ውሳኔ ዘድልዮ ነቲ ዝሕበነሉን ዓሚቕ ክብርን ዘለዎ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽ፡ ባህሊ/ክብርታት ስርዓትን ቋንቋን ንምዕቃብን ምክልኻልን እዩ። ኢሰያስ ኣፍወርቂ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ትግራይን ካልኦት ብሔር ህዝብታትን ሓሳብ ፈደራላውነት ኣብ ኢትዮጵያን ኣዕንይዎ። እዚ ከኣ ንህላወ ህዝቢ ግእዝ ዝፈታተን ህልዉ ስግኣት እዩ።