
እቲ መንገዲ The Means
ሽግር ትግራይ ሽግር ሰብኣውነት እዩ። ናይ ህወሓትን ህግደፍን ዓለምለኻውነት ማለት ንሕና ዜጋታት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ኣፍሪቃ ወይ ዓለም ኢና፡ ስለዚ ንዝኾነ ህዝቢ ወይ መንነት ኣይኮነን ዝብል እዩ። እዚ ኣበሃህላ ኣሸጋሪ ዝገብሮ እቲ ሓሳብ ጽቡቕ ስለዘኮነ ዘይኮነስ፡ ባህሪ ሰብ ከምኡ ስለ ዘይኮነ እዩ። ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ናብዞም ናይ ሓሶት ኣበሃህላታት ዓለምለኻውነት ክጽንበር የብሉን።
ትግራይ ብፍላይ ግን መንገዲ ናብ ዓለምለኻውነት እያ። ብንጽል ጀሚርካ ናብ ዓለምለኻውነት ክትከይድ ይግባእ፡ ምኽንያቱ ንጽል በይኑ ክጉዓዝ ስለ ዘይክእል። ህዝቢ ትግራይ ንቀቢላታትን እንዳታትን ክከናኸን ይደሊ እኳ እንተኾነ ቅድም ግን ንገዛእ ስድራቤቱን ሕብረተሰቡን ክከናኸን ይግባእ። ከም ክሉ ሰብ ቅድሚ ቆልዓ ጎረቤት ንቖልዓና ክንከናኸን ግዴታ ኣለና። ሰባት እምበር መላእኽቲ እይኮንናን።
ናይ ህወሓትን ህግደፍን ዓለምለኻውነት ግን ርትዒ ብምርጋጽ ንናይ ካልኦት ቀቢላታትን እንዳታትን ህጻናት፡ ስድራቤታትን ሕብረተሰብን ቅድምን ልዕልን ሕጻናትና፡ ስድራናን ሕብረተሰብናን ብዋጋ ደቕና፡ ስድራናን ሕበረተሰብናን ቀዳምነት ዝህብ እዩ። ዝሰዓሩን ዝጠፍኡን መንነታት፡ ሃይማኖታት፡ ዜግነት፡ ቋንቋን ክህልዉ ይኽእሉ፡ ዝጠፍእ መንነት፡ ሃይማኖት፡ ዜግነትን ቋንቋን ግን የለን። ኤርትራውነት ንሃገራውነት ትግርኛ፡ ቀቢላውነት፡ እንዳውነት፡ እስላም ወዘተ ኣብ ኤርትራ ክትክእ ኣይክእልን እዩ።
ራእዪ ሰራሕተኛታት/ሽቃሎ ብዘይ ህዝቢ ወይ ሃገርን ብደርቢ ጥራይ ዝብል ናይ 160 ዓመት ፍልስፍና ካርል ማርክስ ተጨባጢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። መርሓትና ግን ነዚ ናይ ካርል ማርክስ ናይ ምህትፍታፍ ራእዩ ከተግብሩ ንትግራይ የዕንውዋ ኣለዉ።
ሰራሕተኛታትን ሰብ ዋኒን ትግራዎትን ልዕሊ ናቶም ደርቢ፡ ሞያ ወይ ንክነብሩ ካብ ዝገብርዎ ኩሉ ንላዕሊ ንትግራይ ይብጽሑ ምኽንያቱ ከም ኩሉ ሰብ ስሚዒታውያን ፍጡራት ስለዝኾኑ። ናይ ቀቢላታትን እንዳታትን ሰብኡትን ኣንስትን ቅድም ንቀቢልኦም፡ እንዳኦም ደሓር ንእስላም ቕድሚ ኢትዮጵያ፡ ኣፍሪቃ ወይ ዓለም ይሰርዑ።
ናይ ህወሓትን ህግደፍን ሓሳባት ኣብ ርትዕን ሓቅን ኣይኮነን ዝሙርከስ። ህግደፍ ብዝኾነ ኣገባብ ምፍጣር ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ኣብ መንጎ እተን ትሽዓተ ብሄራት ምፍጣር ዝብል ሕሉፍን ደረቕን እምነት ኣለዎ።ህወሓት ከኣ ንምቕያርን ምምዕባልን 95 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን ቀቢላታትን እንዳታትን ከምኡ ከኣ ፖለቲካዊ ቁጠባን ምስግጋር ናብ ማእከላይ ቁጠባ ዝብል ደረቕን ሑሉፍን መርገጺ ኣለዎም።
ከም ባህሪ ናይ ደረቕ መርገጺ ዘለዎም ሕሉፋት እቲ መወዳእታ በቲ መንገዲ እዩ ቅንዕነቱ ዝረጋገጽ። ምዕናዉ ናይ ኤርትራ ትግርኛ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት መንገዲ ንምፍጣር ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ኣብ መንጎ ትሽዓተ ብሔራት እዩ። ዓሌታዊ ምጽናት ናይ ህዝቢ ትግርኛ ብምፍጣር ሓድሽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ኣብ መንጎ ትሽዓተ ብሔራት እዩ ዝምኽነ።
ምዕናው ወይ ምጥፋእ ናይ ህዝቢ ትግራይ መንነት፡ ታሪኽን ክብርታትን ንምትሕልላፍን ምዕባለን 90 ሚሊዮን ቀቢላታትን እንዳታትን መንገዲ እዩ። እዚ ዕንወትን ጥፍኣትን ናይ ህዝቢ ትግራይ መንነት፡ ታሪኽን ክብርታትን ከኣ ብምፍጣር ፖለቲካዊ ቁጠባን ንኢትዮጵያ ናብ ማእከላይ ቁጠባ ምስግጋር ብዝብል ሓሳብ ክምኽነ ይኽእል።
ህግደፍ ብቕልጡፍ ክግታእ እንተዘይተኻኢሉ ንናይ ኤርትራ ትግርኛ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ክዕኑን ክሳብ ንብሔረ ትግርኛ ካብ ኤርትራ ዘይጽነተ ከኣ ሓድሽ ኤርትራዊ ባህላዊ መንነት ኣብ መንጎ ትሽዓተ ብሔራት ክፈጥር ኣይክእልን እዩ።
ህወሓት ናይ ህዝቢ ትግራይ መንነት፡ ታሪኽን ክብርታታን ክሳብ ዘየጥፍአ ን90 ሚሊዮን ቀቢላታትን እንዳታትን ክቅይርን ከማዕብልን ኣይክእልን እዩ።
ብርግጽ እቲ ብዘይ ናይ ደገ ደገፍ ክቐውም ዘይክእል መንግስቲ ህወሓት/ኢሂወደግ ኣብ ዓለም እቲ ናይ ፈለማ ን90 ሚሊዮን ቀቢላታትን እንዳታትን ዝቖመ ህዝቢ ካብ ብልሽዉናን ድሕረትን ብምንጋፍ ገለ ተኣምራት ክሰርሕ ዘይሕሰብ እዩ።
ንገዛእቲ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ጥላያን፡ ኣምሓራ/ኢትዮጵያ፡ ጂሃድ፡ ኤውሮጳውያን ሚስዮን፡ ተሓኤ ወዘተ ንመሬትና፡ ባሕርና፡ ክብርታትን፡ ታሪኽና፡ ክብረትናን እሕሊፍና ዘይሃብና ሎሚ ግን እዚ ኩሉ ክብርታትና ንውሑዳት ሕሉፋት መታለልቲ ዓለምለኻውያንን ብልሽዋትን ዘይብቑዓትን መራሕቲ ኣሕሊፍና ሂብናያ ንርከብ። ሕጂ ንህወሓትን ትግራይን ንዉሑዳት መታለልቲ ሓስባውያን መራሕትን ደለይቲ ምፍንጫልን ኣረኪብናያ ንረከብ።
ትግርኛ ሃገራዊ ባህላዊመንነት ኩሎም ተዛረብቲ ትግርኛ ሓደ ህዝቢ ኮይኖም ኣብ ክልተ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ዝተመቕሉ ይኣምን። ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ከኣ ህዝቢ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይኑ ታሪኻዊ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ኢሉ ይኣምን። ወይ ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ትግራይን ህዝቢ ትግርኛን ክልተ ዝተፈላለዩ ህዝብታት እዮም ኢሉ ይኣምን። ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ህዝቢ ትግርኛ ብባህልን ታሪኽን ኣካል ናይተን ሸሞንተ ብሔራት ኤርትራ እዩ ይብል።
እዚ ማለት ኣብ መንጎ ሃገረ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ ቅዋም ወይ ብሔር/ቋንቋ ዝመሰረቱ ፈደራላውነትን ህዝበ መንግስቲ ኤርትራ ከም ሓድኣዊ ወይ ፈደራላዊ ዘይተዓረቑ ግጭት ኣሎ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም፡ ርግኣት፡ ዲሞክራስን ቁጠባዊ ምዕባለን ክመጽእ እንተድኣ ኾይኑ
- ወይ ሃገረ ትግራይ ናብ ኣምሓራ ክትሕወስ
- ብሔር/ቋንቋ ዝመሰረቱ ፈደራላውነት ተሪፉ ብጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ ዝተሰረተ ፈደራላውነት ክትካእ
- ኢትዮጵያ ሓንቲ ሃገር ክትከውን
- ሃገር መንግስቲ ኤርትራ ናይ ግእዝ/ትግርኛ ሃገረ መንግስቲ ክትከውን
- ሃገረ መንግስቲ ኤርትራ ናይ እስላም/ኣዕራብ ሃገረ መንግስቲ ክትከውን
ምስ መራሕቲ ህወሓት ርክባት እነካይድ ንኤርትራ ሃገረ መንግስቲ ናይ ትግርኛ ህዝቢ ኣብ ምግባራ ኣብ ምግባራ ክትሓጋገዙ ምኽንያቱ ትግርኛ ደቀባት ስለዝኾኑን ንህዝቢ ትግራይ ከኣ ናይ ሞትን ህይወትን ሕቶ ስለዝኾነን እዩ። ኤርትራውያን ቀቢላታትን እንዳታትን ኣብ ተመሳሳሊ ስልጣነ ምስ ኣብ ምብራቕ ሱዳን፡ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ፡ እንዳታትን ቀቢላታትን ጂቡትን ይርከቡ። ምብራቕ ሱዳን ብኣብ ካርቱም ዝተቐመጡ ኣዕራብ እንዳተማሓደሩ ከም ሳልሳይ ደረጃ ዜጋታትን ዞባን እንዳተራእዩ ዝኾነ ዝርአ ትርጉም ዘለዎ ተቓውሞ የብሎምን። ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ዝነብሩ ብናይ ኣዲስ ኣበባ ኣምሓራ ወይ ትግራይ መራሕቲ እንዳተመርሑን ከም ሳልሳይ ደረጃ ዜጋታትን ዞባን እንዳተራእዩ ዝኾነ ዝርአ ትርጉም ዘለዎ ተቓውሞ የብሎምን። ጂቡቲ ከኣ ሃገረ መንግስቲ ክትከውን ዝኸኣለት ብምኽንያት ፈረንሳን ዱበይ ናይ ወደብ ዓለም እዩ። ኤርትራውያን ቀቢላታትን እንዳታትን ልክዕ ከም ናይ ሶማል እንዳታት ወይ ደቡብ ሱዳን ቀቢላታት ገዛእ ርእሶም ከማሓደሩ ብቕዓት የብሎምን። እንተኾነ ኤርትራውያን ቀቢላታትን ኣንዳታትን ኣብ ንሓድሕዶም ክዋግኡ ኣይክእሉን እዮም፡ ምኽንያቱ ኤርትራ ንግብጽን ስዑዲ ዓረብን ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ስለ ዘለዋ። ደቀባት ሱዳናውያን እስላም ኣንዳታትን ቀቢላታትን ብካብ ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ዮርዳኖስ ወዘት ዝፈለሱ ኣዕራብ ቦታኦም ተመንጢሎም ይርከቡ።
ህወሓት ናይ ስዑዲ ሰላፊ/ውሃቢን ግብጻውያን ኣዕራብ ሃገራውያንን ንኤርትራውያን ቀቢላታትን እንዳታትን መሰል ርእሰ ውሳኔ ብምሃብ ወይ ኣብ ብሔር/ቋንቋ ዝተሰረተ ፈደረሽን ኣብ ኤርትራ ብምምስራት ንኤርትራ ከምሓድሩን ክቖጻጸሩን ይጠልብን ይጽውዕን። ህወሓት ዘይተረድኦም ነገር እንተድኣ ሃልዩ እዞም ናይ ስዑዲ ዓረብ ሰላፊ/ውሃቢን ከምኡ’ውን ግብጻውያን ሃገራውያን ኣዕራብ ንኤርትራ ምስ ተቖጻጸሩ ኣብ ውሽጢ 10-20 ዓመት ንትግራይ ክቖጻጸርዋን ከመሓድርዋን ምዃኖም እዩ።
ናይ ትግርኛ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ንኤርትራውያን ቀቢላታትን እንዳታትን ውሁዳን ይከላኸለሎምን ይጸሮምን እዩ። ታሪኽ ከም ዘረጋግጾ ግን ኤርትራ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ንናይ ትግርኛ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ኣይጻወርን ኣይከላኸለሉን እዩ ከኣ። ናይ ትግርኛ ሃገራውነት ብሞራላዊ ክኸውን ከሎ፡ ኤርትራ ሃገራውነት ከኣ ኢሞራላዊ እዩ።
እቲ ዘሕዘን ህወሓት ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ወይ ናይ ህግደፍ ስነ ሓሳብ ክድግፍ ከሎ ንናይ ትግርኛ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ግን ይቃወሞ እዩ። ህወሓት ንናይ ህግደፍ ስነ ሓሳብ ወይ መደብ ኣይቃወምን እዩ። ህወሓት ንናይ ህዝቢ ትግርኛን ትግራይ ስትራተጂካዊ ረብሓታት ይቃወም። ህወሓት ንመሰል ርእሰ ውሳነ ቀቢላታትን እንዳታትን ስደተኛታትን ናይ ኤርትራ ጂሃድ ጉጅለታት እንዳ ደገፈ ንሃገራውነት ትግርኛ ኣብ ኤርትራ የነኣእስን የጸልምን።
ህወሓት ኣብ መንጎ ትግርኛ ሃገራውነትን ኤርትራዊ ሃገራውነትን ዘሎ ፍልልይ ኣይርዳኦን ኣይፈልጦን እዩ ከኣ። ህወሓት ህግደፍ ናይ ትግርኛ ፖለቲካዊ ውዱብ እዩ ዝመስሎ። ህግደፍ ብባይሎጂን ጀነቲክን ካብ ትግርኛ ብስነሓሳብ ግን ሕሉፍ ዓለምለኻዊ፡ ኣህጉራውን ሕብረ ባህላውን ኮይኑ ንህዝቢ ትግርኛ ስነሓሳቡ ንምስፍሕፋሕ መዝሚዝዎን ተጠቒምሉን እዩ።
ህወሓት ንረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኤርትራ ብቐሊሉ ብሃገራዊ ስነሓሳብ ወይ ናይ ትግርኛ ሃገራውነት ኣብ ኤርትራ ከውሕሶን ክከላኸለሉን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ስትራተጂካዊ ረብሓታት ተመሳሳሊ ስለ ዝኾነ።
ኣብ ኤርትራ ናይ ትግራዋይ ስዉእ ደምን ኣዕጽምትን እንተላይ ናይ ተጋደልቲ ህወሓት ዘይፈሰሶ መሬት የለን። ኣብ ዝሓለፈ ናይ 1000 ዓመት ኹናት ደምን ርሃጽን ህይወትን ተጋሩ ኣብ ኤርትራ ፈሲሱ እዩ። ተጋሩ ኣብ ዝሓለፈ 1000 ዓመት ኣንጻር እስላም፡ ኣምሓራን ኤውሮጳውያን ኣብ ዝተኻየደ ውግኣት ተቓሊሶምን ተሰዊኦምን እዮም። ምኽንያት ናይዚ ከኣ ኤርትራ እንታይነት ትግራይ ስለዝኾነትን እንተድኣ ንኣዱሊስ፡ ደብረ ቢዘን፡ ከረን፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ተሰነይ ፡ ቃሮራ፡ ኣስመራ ንእስላም ወይ ኤውሮጳውያን ኣሕሊፎም ሂቦም ዓድዋ፡ ኣክሱም፡ መቐለ፡ ደብረዳሞ፡ ወዘተ እንተቐልጢፉ ወይ ደንግዩ ንእስላም ወይ ኣምሓራ ይህቡ ኣለው ማለት ስለዝኾነ። ብዘይ ናይ ሎሚ ኤርትራ ወይ ቀይሕ ባሕሪ ትግራይ ክትህሉ ኣይትኻልን እያ። ህወሓት፡ ሃብታምን በዓል ልዑል ማዕረግ ትግራዋይ ኣብ ኢትዮጵያ ወይ ዓለም ብዘይ ትግራይን ህዝባን ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እዞም ርዱኣት ጥበባትን ሓቅታትን እንተሒዝና፡ ህወሓት ንኣምሓራ፡ ኦሮሞ፡ ሶማሊ፡ ሲዳማ፡ ወዘተ ብናይ ኣደናጋሪ ስነሓሳብ ምእንቲ ክገዝእ ንደምን ኣዕጽምትን ተጋሩ ሓዲጉን ረሲዑን ይርከብ። ‘’መግዛእቲ’’ እንታይ ማለት ምዃኑ መታን ክንርዳእ ኣብ ናይ ኢንግሊዘኛ መዝገበ ቃላት ንወከስ።
ኤርትራ እንታይ ዓይነት ህዝበ መንግስቲ እያ፧ እንታይ ዓይነት መንግስቲ፡ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ባህሊ፡ ክብርታት፡ ዲሞክራሲ ወዘተ ንትግራይ የገድሳ ልዕሊ ኣብ ኦሮሞ፡ ኣምሓራ፡ ሶማሊ ወዘተ ክልላትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን። ተራ ህወሓት ወይ ዝኾነ ናይ ትግራይ መንግስቲ ኣብ ፈደራላዊ ስርዓት ዝውሰን ብምንታይ ዓይነት ቁጠባ፡ ዲሞክራሲን ባህልን ትግራይ ትውንን እዩ። ዝምድና ትግራይ ምስ ኤርትራ ልዕሊ ምስ ኣምሓራ፡ ኦሮሞ፡ ሶማሊ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ወዘተ ንዝኾነ ኢንዱስትርያዊ፡ ትካላዊ፡ ዲሞክራስያውን ናይ ትግራይ ክመልስ ዝደሊ ፖለቲካዊ ውዱብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ትግራይ ኢንዱስትርያዊትን ኣውፈርቲ ክትስሕብን እትኽእል ብቁጠባዊ ባእታታት ከም ኣቀማምጣ፡ ተወዳድሪ ምዃን፡ ርግኣት፡ ክብርታትን ግዝኣት ሕግን ሰሓቢት ምስ እትኸውን እዩ። ኩሎም እዞም ቁጠባዊ ባእታታት ከኣ ምስ ኤርትራ ዝተተሓሓዙ እዮም። እዚ ሓሳብ ከኣ ትግራይ ንኣስታት 18 ዓመት ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምፍላያ ዘላቶ ኩነታት ከንታት ከብርሆ ይኽእል እዩ። መራሕቲ ህወሓት ንኢትዮጵያ የመሓድሩ ኣለዉ፡ ንቁጠባን ምምሕዳርን ትግራይ ንምምሕያሽ ከኣ ኩሉ ዝኽእልዎ ገይሮም እኳ እንተኾኑ ዝኾነ ፍረ ክርከቦ ግን ኣይተኻእለን። እቲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ሓይሊ ስለዘይብሎም እዩ።
ህወሓት ናይ ህዝቢ ትግራይ ስትራተጂካዊ ረብሓታት ከም ቁጠባዊ፡ ጸጥታዊ፡ ባህላዊ፡ ታሪኻውን ወዘተ ኣብ ኤርትራ ከውሕስን ክከላኸልን ክኢሉ ኣብ ኢትዮጵያ ከውሕሶ ዝኾነ ዘጽግም ነገር ኣይክህልዎን እዩ። ንስትራተጂካዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኤርትራ ክሕልዎ እንተዘይክኢሉ ግን ንረብሓታቶም ኣብ ካልእ ክፋላት ናይ ኢትዮጵያ ከከላኸልን ከማዕብልን ኣይክእልን እዩ፣ ህወሓት ንኢትዮጵያ ዝገዝእ ንውሑዳት ተጋሩ ቢሊዮነራት ክገብሮም ከሎ፡ 99% ህዝቢ ትግራይ ግን ነዳይ ኮይኑን ትግራይ ከኣ ካብ ኢትዮጵያ እታ ዝደኸየት ዞባ ኮይና ትርከብ። ጠንቂ ናይዚ ከኣ ጉዳይ ኤርትራ ዘይምፍትሑ እዩ። ህወሓት/ኢሂወደግ ካብ ስልጣን ኣብ ዘተኣለይሉ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ንህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ሲኦል ክትከውን እያ። ህዝቢ ትግርኛ ንህግደፍ ካብ ስልጣኑ ከኣልዮ ዘይከኣለ ኣብ ዓለም ዝኾነ ብዛዕባ ናይ ህዝቢ ትግርኛ ቁጠባ፡ ታሪኽ፡ ባህልን ወዘተ ዝግደስ ስለዘየለ እዩ። ኤርትራውያን ሱኒ ግን ናብ ሃገራት ሱኒ፡ ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ መስጊድን ክኸዱ ይኽእሉ።
ግን ንምንታይ እዩ ከም ቱርካውያን ኣብ ቆጵሮስ፡ ሩስያውያን ኣብ ዩክሬን፡ ኣመሪካውያን ኣይሁድ ኣብ እስራኤል፡ ኣየርላንዳውያን ኣመሪካውያን ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ፡ ኢራን ኣብ ሶርያ ወዘተ ንነብሱ ከም ናይ ህዝቢ ትግራይ ውዱብ ዝሰየመ ሓርነታዊ ግንባር፡ ገዛእ ህዝቡ ካብ መሬት ኣቦታቶም ክጸንቱ እንዳረኣየ ክርዳኣሎምን ክከላኸሎልምን ዘይከኣለ፧
ልክዕ ከም ህግደፍ ህወሓት ንዘይግብራውን ኣደናጋርን ውድባዊ ስነሓሳባዊ ዕላማታትን ረብሓታትን ንምፍጻም ንትግራይ ከም ባይታ ተጠቂምላ እዩ።
ህወሓት ናብ ልቡ ተመሊሱ ንዓለም ከምዘላታ ክርእያ፡ ክውንነት ክገጥም፡ ንሃገራዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ከውሕስን ክከላኸልን እንተዘይክኢሉ መጻኢ ህዝብታት ትግራይን ትግርኛን እንተላይ ደቂን ደቂ ሓለፍትን ኣብ ሲኦል ከነብሩ እዮም።
ፖሊሲታትን ስትራተጂታትን ንዞባናን ዓለምናን እንዳረኣኻ ክሰኣሉ የብሎምን። ኣብ ትግራይ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ጁቡቲ፡ የመን፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኢራቅ፡ ሶርያ ወዘተ ዘሎ ክውንነት ንተዓዘብ።
ኣብ ክውንነት ህወሓት ብሰንኪ ምስኣን ማሕበራዊ ሰረቱ ማለት ትግራይን ህዝባን ይመውት ኣሎ። ግን ሕጂ’ውን እንተኾነ ህወሓት ንትግራይን ህዝቢ ትግርኛ ኤርትራን መጻኢት ገነት ንምፍጣርን ውሑስ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምፍጥራን ዘኽእሎ ሓይልን ዕድልን ኣለዎ ንሱ ከኣ ንኽውንነት ከም ዘለዎ ምስ ዝገጥሞ ጥራይ እዩ።
ለይትን መዓልትን ናብ ኣምላኽ ኣቦታትና ንጽልን ንህዝቢ ትግራይ ከኣ ቅድሚ ኣብ ዘይምለሰሉ ደረጃ ምውዳቑ ኣዒንቶምን ኣእምርኦምን ክኸፈት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህወሓት ጸቕጢ ክገብር ንሓትትን እለና።