tigray-potentials

ዓቕምታት ትግራይ Tigray Potentials

ዘይተኣደነ ዓቕምታት ትግራይ

ትግራይ ድልውቲ ሃገር እያ። ንዝኾነት ክፍለ ሃገር ወይ ሃገረ መንግስቲ ወይ ሃገር ብልጽግቲ ንክትገብራ ባህላዊ/ክብሪ ስርዓት፡ ከም ሕጋዊ፡ ፓለቲካዊ ወዘተ ስርዓት ትሕተ ቕርጺን ክህሉ ይግባእ። ሃገራዊ ትሕተ ቕርጺ፡ ፋብሪካታት፡ ዩኒቨርሲታት ወዘት ንምህናጽ ገንዘብ ካብ 5-10 ዓመት ግዜን ከድልየካ እንከሎ፡ ባህላዊ/ክብሪ ስርዓትን ምፍጣር ግን ብውሑዱ ናይ 2000 ዓመት ፍልቐት ስልጣኔ የድልየካ። ዝኾነት ኮምፒተር ብዘይ ብቑዕ ሶፍትዌር ብኣድማዕነትን ጽፈትን ክትሰርሕ ኣይትኽእልን እያ።  ከምኡ ክኣ ዝኾነ ሰብ ወይ ሕብረተሰብ ትካላት፡ ስርዓት፡ ትሕተ ቕርጺ ወዘተ ንምህናጽን ብእድማዕነትን ጽፈትን ንምምሕዳሮምን ልዑል ደረጃ ባህሊ ወይ ክብርታት የድልዮ።

ምስጋና ንኦቦታትና ከኣ ትግራይ ሃገራዊ ጥንታዊ ባህሊ/ክብርታት ስርዓት፡ ጥንታዊ ሕጋዊ፡ ፖለቲካዊ ስርዓትን ስትራተጂካዊ ኣቕማምጣን ኣለዋ። ካልኦት ዜጋታት፡ ብሄራትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሃገራዊ ደረጃ ልዑል ባህሊ/ክብሪ ስርዓት ንቁጠባዊ ጽፈትን ወፍርን የብለንን፡ ብኣቅማምጣ እውን ካብ ባሕሪ ኣዝየን ርሒቐን እየን ዝርከባ። ኩሎም ብዘይካ ኣምሓራ ከኣ ቀቢላውን እንዳውን ክብርታት እዩ ዘለወን። ኣምሓራ ዞባዊ ክብርታት፡ ፖለቲካዊ፡ ሕጋዊ ወዘተ ስርዓት ትውንን።

እዚ ጭብጥታት ብዘይካ ትግራይ ካልኦት ኩሎም ህዝብታት ኢትዮጵያ ናብ ብልጽግና ከምርሑ ዝኾነ ተኽእሎ ከምዘይብሎም የርኢ። ትግራይ እንተድኣ ኢንዱስትርያዊት ኮይና ግን ናብኣ ክትስሕቦም እያ።

ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ሰላም፡ ምርግጋእን ቁጠባዊ ምዕባለን ቀንዲ ተጻዋቲ ክኸውን ኢንዱስትሪያዊት፡ ሰላማዊትን ርግእትን ትግራይ ብዘይ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ምቑጽጻር ኢትዮጵያ ክምስርት ክኽእል ኣለዎ። ጀርመን ኣብ እዋን ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም ብወተሃደራዊ ሓይሊ ንኤውሮጳ ብምቑጽጻር ቁጠባውን ጸጥታውን ረብሓታታ ከተስገድድ ፈቲና። ግን ንኤውሮጳ ብምቑጽጻር ዓቢ ዕዳጋን ሽቕለትን ንምርካብ ዝነበራ ጥሙሕ በኒኑ።

ሎሚ ግን ብዘይ ውግእ፡ ሰራዊት ወይ ዕሱባት መንግስታት፡ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት  ብዘለዋ ዓብላሊ ቁጠባ፡ ዝዓበየት ኣለቃሒት፡ ፋይናንስን ሃገራት ኤውሮጳ ኮይና ንኤውሮጳ ናብ ዝደለየቶ ኣንፈት ትዝውራ ኣላ።

ህወሓት ንትግራይ ሓይሊ ቁጠባ፡ ዝዓበየት ኣለቃሒትን መዋሊትን ዝተረፉ ዜጋታትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብምግባር ብዘይ ሰራዊትን ዕሱባት ትካላትን ብምግባር ንፖሊሲታት ብምቑጽጻር ንቁጠባውን ጸጥታውን ረብሓታት ከትውዕሎም ትኽእል። ህወሓት ጭብጥታት ብምርዓምን ብምትግባርን፡ ምኽንያት፡ ስነ-ሞጎትን ልምድን ዝተስረተ ናይ ትግራይ ሞበቆላዊ ሃገራዊ ስነ-ሓሳብ፡ ካብ ፈደረሽን ናብ ኮንፈደረሽን ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ናይ 1995 ቅዋም ብምሙርካስ ስልጣን ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ናብ ናይ ትግራይ መንግስቲ፡ ናይ ደም ኣሕዋቱ ኣብ ኤርትራ ኣግኣዝያናዊ መንግስቲ ንምምስራት ብምድጋፍ፡ ምንቅስቓስ ዓለምለኻዊ ኣሕዋት ግእዝን ቀስ ብቀስ ብምዝውዋር  ነብሳ ዝኸኣለት ሃገረ ትግራይ ንምምስራት ቅቡልን ሕጋውን ወኪል ናይተን ዝተረግጻን ዝተዳኸማን ብሔራት ከም ኦሮሞ፡ ሶማሊ፡ ሲዳማ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ እዩ።

ታሪኽ ከም ዘረጋግጸልና ህዝቢ ግእዝ(ትግራይ/ትግሪኚ) እንተሓቢሩ፡ ንሕሉፍ፡ ህልዉን መጻእን ወለዶታት ቕቡልን ሓቀኛን ኾይኑ ዓበይቲ ተኣምራት ከም ዝገብር እዩ። እምበኣር ህወሓት ቀዳምነት ኣበርቲዑ ክሰርሓሉ ዘለዎ ነገር እንተድኣ ሃልዩ ኣብ መንጎኡን ህዝቢ ትግራይን ምትእምማን ብምፍጣር ተሓላቒ ታሪኽ፡ መንነት፡ ባህልን ቁጠባዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ሙኻን ወይ ከኣ ጥንታዊ ናይ ህዝቢ ትግራይ ማሕበራዊ ውዕላት ኣብ መንጎ መራሕትን ተመራሕትን ወይ ሕብረተሰብን ውልቀ ዜጋታትን ኣብ መንጎ ሕሉፍ፡ ህሉውን መጻእን ወለዶታት ምፍጣር እዩ። ቀጺሉ ምሕዳስ ምትእምማን ኣብ መንጎ ህዝቢ ግእዝ ኤርትራን ትግራይን ግሉጽ፡ ሕቡንን ጥበብ ዝመልኦ ትግራያዊ/ግእዝ ሃገራዊ ከም ምምሕዳር  ሃጸይ ዮሃንስ IV ብምዃን ንህዝቢ ምግልጋል።

ምትእምማን እንተድኣ ሃልዩ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ሊበራል ዲሞክራሲ፡ ኢንዱስትርያዊት ትግራይ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ካብ ሳልሳይ ዓለም ናብ ናይ ቀዳማይ ዓለም ህዝቢ ምስጋርን ካብ ገበንን ብልሽውናን ነጻ ዝኾነ ሕብረተሰብ ምፍጣርን። ምትእምማን እንተዘይሃልዩ ንድኹምን ውሑድን ጸላኢኻ እኳ ዓቢ ሰራዊት ክትስዕሮ ኣይትኽእልን፡ ንዝበዝሐ ህዝቢ ዘርብሕ ቁጠባ ኣይፍጠርን ሕብረተሰብ/ ወይ ሃገር ከኣ ዘይምትእምማን፡ ብልሽውናን ገበንን ዝመለአት ትኸውን።

eplf-and-tigray