tigray-role1

ግደ ትግራይ Tigray Role

ብዛዕባ ህዝብና ክንዛረብን ክንሓስብን ከለና ብዛዕባ ካብ ሕጂ ን50፡ 100፡ 1000 ዓመት እንታይ ከጋጥም ኢልና ክንሓስብ ኣለና። ተጋሩ ካብ ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያን እንታይ ይጽበዩን ይሓስቡን ኣይገድስን እዩ። እቲ ዝገድስ ዞባውን ዓለማውን ጂኦ- ፖለቲካዊ እንታይ ይመስልን ንምግጣሙ እንታይ ክንገብር ኣለናን እዩ። ናይ ኤርትራ ናይ ነዊሕ ግዜ መጻኢ ዝውሰን ኣዕራብ/እስላም እንታይ ይደልዩን ይሓስቡን ብመንጽሩ ከኣ ግብረ መልሲ ህዝቢ ትግርኛ እንታይ ይኸውን ዝብል እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝገድስ ከኣ ድሌትን ሓሳባትን ናይ ኦሮሞ፡ ኣምሓራ፡ ሶማሊን ሲዳማን እዩ። ህዝቢ ትግራይ ከም መሕረስቲ ዝተወሰነ ግደ ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ምፍጣር ነጻ ዲሞክራስያዊት ፈደራላዊት ኢትዮጵያ ክህልዎም ይኽእል። 

ህወሓት ወይ ናይ ትግራይ ሓሰብቲ፡ ቀይስቲ፡ ናይ ፖሊሲን ውሳኔታትን ነድፍቲ ኣብ ግመት ከእትውዎ ዘለዎም ነገር እንተድኣ ሃልዩ ድሕሪ 20 ወይ 30 ዓመት ወይ ከኣ ኣብ 2040 ህዝብታት ኦሮሞን ሶማሊን ካብ ኢትዮጵያ ክፍለዩ እንተወሲኖም ንትግራይ እንታይ ከም ዘጋጥማ እዩ።

ተጋሩ ዞባውያን ውሁዳን ስለ ዝኾንና ናይ ገዛእ ርእስና ልኡላውነት ብምዉሓስ ንመንነትና፡ ታሪኽና፡ ክብርታትና፡ ድሕነትናን ቁጠባዊ ረብሓታትናን ምክልኻል እዩ። ኤርትራውያን ትግርኛ ንዝቕጽል 30-40 ዓመት ብዘይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኤርትራ ክነብሩ ኣይክእሉን እዮም። ብተመሳሳሊ ህዝቢ ትግራይ ብዘይ ህዝቢ ትግርኛ ኤርትራ ንዝቕጽል 20-30 ዓመት ክሰርር ኣይክእልን እዩ። ነዚ ግምት ብቐሊሉ ከተረጋግጸሉ እትኽእል ነገር እንተድኣ ሃልዩ ምጉዳል ብዝሒ ህዝቢ ትግርኛን ተርኡን ኣብ ኤርትራ ብሓደ ውገን ምጥፋእ፡ ምግላልን ምንቁልቃልን ናይ ህዝቢ ትግራይ ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ታሪኽን ክብርታትን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታትን ውሁዳን ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን እዩ።

ዝተቓለስናን ዝተሰዋእናን ንመንነትና፡ ታሪኽና፡ክብርታትና፡ ድሕነትናን ቁጠባዊ ረብሓናን እትሕሉ ሃገረ መንግስቲ ንምፍጣር እዩ። ቃልስና ግን ብውሑዳት ሕሉፋት ዓለማውያንን ኣህጉራውያንን ተጨውዩ።

ህዝቢ ትግራይ ንዘልኣለም ክነብር፡ ኤርትራ ወይ ኢትዮጵያ ግን ኣይክህልዋን እየን። ስለዚ ሓንቲ ከም ሽወደን፡ ዴኒማርክ፡ ቻይና፡ ኮርያ፡ ጃፓን፡ ኢንግላንድ ወዘተ ዘልኣለም እትነብር ሃገር ንፍጠር። እዚ ከኣ ቀሊል እዩ። ትሽዓተ ብሔራዊት ኤርትራን ማእከላዊት ሕብርቲ ኢትዮጵያን ብዋጋ ህዝቢ ትግራይ ካብ 10-20 ዓመት ጥራይ እየን ክቕጽላ ዝኽእላ። ዲሞክራስያዊት ፈደራላዊት ኢትዮጵያ ቕድሚ ምቛም ሃገረ መንግስቲ ህዝቢ ግእዝ/ትግራይ ኣብ ኤርትራ ክትምስረት ኣይትኽእልን እያ። ኤርትራ ሃገረ መንግስቲ  ህዝቢ ግእዝ/ትግራይ እንተድኣ ኮይና ቀዳምነት ዝረብሕ ኣምሓራ ቀጺሉ ኦሮሞ፡ ዓፋር፡ ናይ ኢትዮጵያ ሶማሊን ሲዳማን ድሕሪ ህዝቢ ትግራይ።

ዕድል ኢትዮጵያ ኣብ ድሌታትትን ሓሳባትን መራሕቲ ኣምሓራን ኦሮሞን እዩ ዝሙርከስ። ናይ መራሕቲ ኣምሓራ ሕልሚ ምፍራስ ኣብ ብሔር ወይ ቋንቋ ዝተመስረተ ፈደረሽንን ምትካእ ብሓደኣዊ ሃገር ወይ ብኣቐማምጣ ዝተሰረት ፈደረሽንን ዝያዳ ዝሓየለ ህወሓት/ኢሂወደግ ኣብ ትሕቲ ምዕባለ ሃገር ዝብል ሽፋን ንኹሉ ስልጣን ስለዝገበቶ እዩ። ህወሓት/ኢሂወደግ ናይ 1995 ቅዋም ብምትግባር ንኦሮሞ፡ ኦጋዴን፡ ሶማሊን ሲዳማን ብፖለቲካ፡ ቁጠባን ባህልን ንምሕያል ምስ ሕጋውያን ከም ኦነግ፡ OFC, ONLF, SLF ወዘተ እንተተሰማሚዑ፡ መራሕቲ ኣምሓራ ነዚ ቅዋም ኣብ ውሽጢ 10-20 ዓመት ክእበልዎ እዮም። ኣምሓራ ነዚ ቅዋም እንተድኣ ተቐቢሎሞ ከኣ ኢትዮጵያ ከም ናጻ ዲሞክራስያዊት ፈደራላዊት ሃገር ክትቀውም ትኽእል።

ህወሓት ድኽነትን ብልሽዉናን ህልው ብድሆታት ናይ ኢትዮጵያ እዩ ኢሎም ይኣምኑ። እንተኮነ ኩለን ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገረ መንግስታት ኣፍሪቃ ኣዝየን ድኻታትን መብዛሕትአን ከኣ ካብ ኢትዮጵያ ንላዕሊ ብልሽዋትን ከለዋ ፖለቲካዊ ርግኣት፡ ነጻ ዲሞክራስያዊ ምርጫ፡ ነጻ ፕረስ፡ ነጻ ኣብያተ ፍርዲ ወዘተ ይውንና። መራሕቲ ኣምሓራ መንነቶም፡ ታሪኾምን ባህሎምን ከተኣታትውን ከስገድዱን ከለዉ፡ መራሕቲ ትግራይ ከኣ ሓሳባት ቁጠባዊ ምዕባለን ዛዕባ ንመነቶምን ቑጠብኦምን ዘስግኡ ናይ ኢትዮጵያ ክፍለ ሃገራት፡ ዜጋታትን ህዝብታትን የስገድዱን የተኣታትውን። ህልዉ ስግኣት ንሓድነት ኢትዮጵያ እምበኣር መራሕቲ ኣምሓራን ትግራይን እዮም። 

መራሕቲ ኣምሓራ ንመንነቶም፡ ታሪኾምን ባህሎምን ከስገድዱን ከተኣታትውን ዓቕሚ እኳ እንተዘይሃለዎም፡ ሃተፍተፎም ግን ንኢትዮጵያን ናይ ገዛእ ርእሶም ህዝቢ ኣምሓራን እዩ ዘዕኑ።

እንተድኣ ህዝብታት ኢትዮጵያ ነጻ ተገዲፎምን ንናይ ርእሶም መንነት፡ ታሪኽን ባህልን ክተግብሩ እንተኺኢሎምን ከምኡ’ውን ቑጠብኦም ብናይ ገዛእ ርእሶም ቅልጣፈ፡ ኣገባብን መንገድን ከትግብሩ እንተኺኢሎም፡ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ርግኣት ዘለዋ፡ ነጻ፡ ሰላማዊትን ዲሞክራስያዊትን ትኸውን። እንተኾነ ኣብ ቀቢላን ኣንዳን ዝተሰረተትን ካብ ገምገም ባሕሪ ከኣ ኣዝያ ዝረሓቐትን ስለ እትኸውን ካብ ድኽነትን ብልሽውናን ክትናገፍ ኣይትኽእልን እያ። መራሕቲ ህወሓት ኣብ መንጎ ባህሊ፡ ንግዲ/ዕዳጋ፡ ቐረባትን ኢንዱስትራውነትን ዘሎ ፍልልይ ብህድኣት ክመሃሩ ይግባእ።

ኣብ ትሕቲ ቕዋም መራሕቲ ትግራይ ንትግራይ ብቐሊሉ ካብ ብልሽውና ነጻ፡ ብልጽግቲ፡ ነጻን ዲሞክራስያዊትን ብሕግን ሞራልን ቅቡል ብዝኾነ ኣገባብ ክገብርዋ ይኻሉ ኣዮም፡ ምኽንያቱ ዘለዋ ቅርበት ናብ ወደባትን ዘይተደባለቐ ባህልን ስለ እትውንን።ትግራይ ብቀሊሉ ብቁጠባ ተወዳዳሪት ክትከውን ዘኽእላ ኣቀማምጣን ባህላዊ ብቕዓት ንምምስራት ትካላት ትውንን።ህወሓት ክዕወት ዝኸኣለ ብምኽንያት ኣብ ሕጋውን ሞራላውን ጉዳያት ኣዝዩ ተወዳዳሪ ስለዝኾነ እዩ። ተጋሩ ንነብሶም ኣብ ካልኦት ከስገድዱ ኣይድልዮምን እዩ፡ እቲምንታይሲ ካብኡ ስለዘይረብሑን  ንመንነቶም፡ ፖለቲካዊ ካፒታልን ክብርታትምን ከኣ ክዕንዎ ስለዝኽእልን። ነጻ፡ ዲሞክራስያዊትን ብልጽግትን ትግራይ ኣብ ፖለቲካዊ ምርግጋእ፡ ነጻን ዲሞክራሲያዊትን ፈደራላዊት ኢትዮጵያ ዓብላሊ ተራ ይህልዋ።

ናይ ካልኦት ሃገራት ጸጋታት ብምዕዳግ ክትጸልወን ይበልጽ፡ ካብ ጸጋታተን ግሒጥካ ብሓይሊ ተቖጻጺርካን ጎቢጥካን ክተጸልወን። ኣብ መበል 19 ክ.ዘመን ኤውሮጳውያን ንኣፍሪቃ ብምግዛእን ብምቑጽጻርን ክጸልውዋን ጸጋታታ ክክግሕቱን ክኢሎም። ኣብ 21 ክ.ዘመን ግን ቻይና ጽልዋ ብምግዛእን ባህርያዊ ጸጋታት ኣፍሪቃ ብዘይ መግዛእቲ፡ ምቑጽጻርን ጎበጣን ልዕሊ ኤውሮጳውያን ብሕግን ሕጋውን ኣገባብ ገንዘብ ብምኽፋል ክትግሕጦ ክኢላ። መራሕቲ ትግራይ ንቁጠባን ባህልን ትግራይ ኣዝዩ ተወዳዳርን ሓያልን ብምግባር ንህዝብታት ኢትዮጵያን ጸጋታቶምን ክገዝኡ ይኽእሉ። መራሕቲ ትግራይ ነብሶም ካብ ምትላልን ንኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ካብ ምምላኽን ክቑጠቡ ይግባእ።

ህወሓት እንተድኣ ናይ ሓጺር፡ ማእከላይን ነዊሕን ስትራተጂካዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ከውሕስን ክከላኸልን ደልዩን ንኢትዮጵያ ከም ሃገር መንግስቲ ክዕቅባ ሓሲቡን ከም መሕረሲት ኣብ ግዜ ወሊድ ሓጺር ግዜ ዕድልን ጥራይ እዩ ዘለዎ። ህዝቢ ትግራይ ንህዝብታት ኢትዮጵያ ብልጹጋትን ካብ ብልሽዉናን ነጻ ክገብሮ ዘኽእል ሕጋውነት፡ ዓቕሚ ወይ ሓይሊ የብሉን። ከም መሕረስቲ ኣብ ምውላድ ርግእቲ፡ ነጻ፡ ዲሞክራስያዊት ፈደራላዊት ኢትዮጵያ ግን ሕጋውነት፡ ሓይሊ ወይ ብቕዓት ኣለዎ። እዚ ብቕዓት እዚ ከኣ ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ተወዳዳርን ብቁጠባ ዓብላልን ክገብሮ ይኽእል። መጀመርያ ግን ህወሓት ንናይ ትግርኛ ሃገራዊ ምንቅስቓሳት ኣብ ምቕያር ኤርትራ ናብ ህዝበ መንግስቲ ግእዝ/ትግርኛ ህዝቢ ብምድጋፍ ናብ ትግራይ ተስፋ፡ ሰላም፡ ርግኣትን ቁጠባዊ ምዕባለን ከምጽእ ኣለዎ።