emblem

አርማና Emblem

ናይ ሎሚ ኣርማ ሃገርና እታ ስጋኣ ዘይንበልዓን ጸብኣ ዘይንሰትዮን ገመል እያ። ኣብ ሰውራ ይኹን ኣብ መዓልታዊ ግዕዞና ኣብ መታሕት ከይተረፈ ልዕሊ ገመል ኣድጊ ኢና ንጥቀም። ህግደፍ ግን ከም መቐጸልታ ናይቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባህላዊ መንነት ንምፍጣር ዝገብሮ ጻዕሪ ንገመል ከም ኣርማ ኣቑምዋ ይርከብ።

ነጸላ ሃይማኖታውን ባህላውን ክዳን ህዝቢ ግእዝ እዩ። ተጋደልቲ’ውን ጥውያ ነጸላ ኣብ ኩናት ከም መትሓዚ ንብረቶምን መስዋእቲ ኣብ ዘጋጥመሉ ከኣ ከም መሸፈኒ ሬሳን ይጥቀሙላ ነይሮም። ነጸላ ንኣምላኽ ከነምልኽ፡ ኣብ ናይ ደቅና መርዓን ኣብ ግዜ ሞት ከኣ ከም መግነዝ ንጥቐመላ።

ታቦት ማለት ቅዳሕ ንሙሴ ዝተዋህብኦ ጽላት ሕጊ ኮይና ዓሰርተ ትእዛዛት መጽሓፍ ቅዱስ ዝተወቕረላን ኣብ ስርዓታት ቤት መቕደስ ጥንታውን ዘመናውን ኣብያተ ክርስትያናትና ንጥቀመላ። ታባት ብተወሳኺ ከም ቅዳሕ ናይ ታቦት ኪዳን ክትምሰል ትኽእል እያ። ንቐንዴል ዝምልከት ኣብ ሃገራዊ ሰንደቕ ዕላማ ወይ ባንዴራ ተመልከቱ። ሃገራዊ ኣርማና ነጸብራቕ ሓበንን ዓሚቕ ኣክብሮትን ንሰማእታትና፡ ቀጻልነትና ከም ጥንታዊ ስልጣነን ንደቅና ክብርታትና ከነውርሶም ሓላፍነትና ከምዘለና እተንጸባርቕ እያ።