ethiopia

ኢትዬ-ኤርትራ Ethiopia

ንድፊ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን

 

ብዘይ ውሑስ ሰላምን ቅሳነትን ቅጠባዊ ምዕባለን ሓቀኛ ዲሞክራስን ክህሉ ኣይክእልን እዩ። ብዘይ ፍትሒ ከኣ ቀጻሊ ሰላምን ቅሳነትን ኣይህሉን። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀጻልነት ዘለዎ ሰላም ክህሉ እንተድኣ ኮይኑ ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣግኣዝያንን ካልኦት ህዝብታትን  ብመስረትቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን (ጥልያንን ኣምሓራን) ዝተፈጸመ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ቕድም ክፍታሕ ኣለዎ።

እዚ ምስሕሓብ ከም ናይ ቁጠባን ናይ ዶብ ምስሕሓብን መሲሉ ቀሪቡ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ግን ብሰንኪ ምምስራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሰዓበ ምጥፋእን ምብራስን ሃገራት፡ ዜጋታትን ህዝብታትን ( እንተላይ ምምቃል ህዝቢ ግእዝ ኣብ ክልተ)ን ናቶም ታሪኽ፡ መንነት፡ ክብርታት፡ ኣነባብራን ጸጋታትን እዩ።

ህዝብታት ኤርትራ፡ ትግራይ፡ ኦሮሞ፡ ሶማሊ ወዘተ ባህሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀይርካ ታሪኾም፡ መንነቶም፡ ክብርታቶም፡ ኣነባብርኦምን ጸጋታቶምን ንምሕላው አቃሊሶምን መስዋእቲ ከፊሎምን እዮም። እንተኮነ ካብ ኣምሓሩ ሓላፍነት ዝተቐበሉ መራሕቲ ህግሓኤ/ህግደፍን ህውሓትን ነቲ ብሃጸይ ሚንሊክIIን ኢጣልያን ዝተሰማምዕሉ ውዑላት ብምኽታል ዝተፈላለያ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዲሶም። ሕጂውን መራሕቲ ህግደፍን ህውሓትን በብምኽንያቶም መንነትን ባህልን ዝህብታት እንተላይ ናትና ጥንታውን ሕቡንን ግእዝ ኣግኣዝያን ናብ ኣምሓራ፡ ካቶሊክ/ምዕራብን እስላም/ዓረብን መንነትን ታሪኽን ብሽም ኤርትራውነት ኣምጺኦም። ክሳብ ታሪኽ፡ መንነትን ክብርታትን ህዝብታት፡ ዜጋታትን ኣህዛብን ብፍላይ ግእዝ (ትግራይ ትግርኚ) ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሳብ ዘይተከበረ ሰላምን ምርግጋእን ክመጽእ ኣይክእልን እዩ።

ህዝብታት፡ ዜጋታትን ሃገራትን ታሪኾምን ባህሎም/ ክብርታቶም ምስ ዝስእኑ ዕላምኦምን ሕጋውነቶምን ይስእኑ እዮም። ዕላምኦም ንምህላውን ምንባርን፡ ሞራሎም፡ ፖሎቲካውን ሕጋዊ ብቕዓት ኣብ ታሪኾምን ባህሎም/ክብርታት ስርዓቶም ይሙርኮስ። እዚ ነባሪ ፖሎቲካዊ ስርዓት ከም ኤርትራን እትዮጵያን ከኣ ብዛዕባ ብልሽውናን ዘይምትእምማንን እዩ።

ካብ ሽዑ ጀሚራ ግእዝ ኣብ ክልተ ተመቒላ፡ መራሕቲ ህግደፍን ህወሓትን ከኣ ንታሪኽን መንነትን ህዝቢ ግእዝ ናብተን ብመሰረት ዘይብለን ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሕውስዎ ፈቲኖም። ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃን ንዕላማታትን ረብሓታትን ገዛእቲ ሃገራት ብቐዋምነት ከገልግላ እየን ተመስሪተን። ገዛእቲ ሃገራት ከኣ ረብሓታቶም ብፈላሊኻ ግዛእ እዮም ዘተግብሩ። ሃገራት ኣፍሪቃ ኮነ ኢልካ ኣብ ውሽጣዊ ዘይምትእምማን እዮም ሰሪቶመን። ዘይምትእምማን ከኣ ገነት ብልሽውናን ፈላሊኻ ምግዛእን እዩ። ቑጠባዊ ምዕባለ፡ ዲሞክራሲ፡ማሕበራዊ ፍትሒን ሰላምን ብልሽውናን ዘይምትእምማንን እዚ ከኣ ስርዓት ፈላሊኻ ምግዝእ ከሎ ክረጋገጹ ኣይክእሉን እዮም።

እዚ ከኣ እቲ ቀንዲ ምንጪ ግጭትን ዘይምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ እዩ። ነዚ ጉዳይ ዕሽሽ ኢልካ ዝመጽእ ዝኮነ ይኹን ሰላምን ምርግጋእን የለን። ጉዳይ ህዝቢ ግእዝ ምፍታሕ ግን ናብ ብልጽግናን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ ክመርሕ ይኽእል። ታሪኽን መንነትን ህዝቢ ግእዝ ናብ ዓሌታት፡ እንዳታት፡ ዓረብ/እስላምን ካቶሊክን ኣብ ኤርትራ ደው ክብል ተኮይኑ ህግደፍ ካብ ስልጣን ክእለን፡ ኤርትራ ከም ሃገረ ህዝቢ ህዝበ ግእዝ ክትምስረትን ኣለዋ። ምቕጻል ሰላሕታዊ ምሕዋስ ታሪኽን መንነትን ግእዝ ናብ ታሪኽ፡ መንነትን ባህልን ኣምሓራ ህልዉ ስግኣት ንህዝቢ ግእዝ ኤርትራ እዩ። ታሪኽ፡ መንነትን ባህልን ትግራይ ስትራተጂካዊ ረብሓ ህዝቢ ግእዝ ኤርትራ እዩ። ጸጥታ፡ ርግኣትን ብልጽግናን ህዝቢ ግእዝ ኤርትራን ትግራይን ኣዝዩ ዝተተሓሓዘን ዘይነጻጸልን እዩ። ስለዚ ኤርትራን ትግራይን ብመንግስቲ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዘይሓለፈ ቀጥታዊ ዝምድና ልክዕ ከም ናይ ሰሜን ኣየርላንድን ረፓብሊክ ኣየርላንድን ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዘይሓለፈ ዝምድና ክህልወን ይግባእ። እዚ ሽግር ንኢትዮጵያን ኤርትራን ከይፍረስካ ልክዕ ከም ሰሜን ኣየርላንድ፡ ዓባይ ብርጣንያን ሪፓብሊክ ኣየርላንድን ናይ ዓርቢ 10 ሚያዝያ 1998 ናይ ሰላም ስምምዕ ክትግበር ይከኣል። ሃገረ ኤርትራ፡ ፈደራላዊ ደምክራስያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መግስቲ ትግራይን ኣብዘን ነጥብታት ክሰማምዑ ይኽእሉ፡

 

ቦታን ስርዓትን መንግስቲ ትግራይ ኣብ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ

ደረጃ ሃገረ ትግራይ

እዚ ስምምዕ ኣፍልጦ ክህቦም ዝግብኦ ነጥብታት፡

  • ዝበዝሐ ካብ ህዝቢ ትግራይ ከም ኣካል ፈደራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኢትዮጵያ ኮይኑ ክቕጽል ከም ዝደሊ
  • “ብዙሕ ክፋል” ህዝቢ ሃገር ትግራይን መብዛሕትኡ ካብ ህዝቢ ሃገረ ኤርትራን ሕብርቲ ኣግኣዝያን ክርእዩ ከም ዝብህጉ

ክልቲኦም እዞም ኣረኣእያታት ከም ሕጋውያን ክውሰዱ ኣለዎም።

እዚ ዝብጻሕ ስምምዕ ሃገረ ትግራይ ክሳብ ዝበዝሕ ካብ ህዝባን ህዝቢ ኤርትራን ክፍለ ዝወስን  ኣካል ፈደራላዊት ረፓብሊክ ኢትዮጵያ ኮይና ትጸንሕ። እዚ ምርጫ ተተወሲዱ ግን መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምርጫ ህዝቢ ከተግብራ “ቀያዲ ግዴታ” ይህልዎም።

“….ሓይሊ ናይ ልኡላዊ መንግስቲ ምስ ሕጋዊ ስልጣን ብዘይ ወገንነት ኣብ ክንዲ ዝተፈላለየ መንነትን ባህልን ዘለዎም ህዝብታት ኣብ ዓምድታት ምሉእ ምክብባር፡ ማዕርነት፡ ሲቪላዊ፡ ፖሎቲካዊ፡ ማሕበራዊን ባህላውን መሰላትን ማዕረ ኣተሓሕዛ ንመንነት፡ ፍሉይ ባህሪን ባህግን ናይ ክልቲኡ ሕብረተሰባትን ይህሉ”

ኤርትራ/ትግራይ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት

ናይ ኤርትራ/ትግራይ ቤትምኽሪ ሚኒስተራት ብሓፈሻዊ ስምምዕ ሰላም ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝምስረት ኮይኑ፡ ኣብ ኣግኣዝያን ማለት ትግራይን ኤርትራን ዝካየዱ ንጥፈታትን መንግስታዊ ሓይልታት ስልጣንን ይቆጻጸርን የወሃህድን።

እዚ ካብ ሃገረ ኤርትራን ትግራይን ዝቐውም ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ብመልክዕ ርክብ ሚኒስተራት ዝካየድ ኮይኑ ኣብ 12 ፖሊሲታት ሓላፍነት ይህልዎ። ሽዱሽተ ካብዚኦም ከኣ ሓላፍነት ናይ ኤርትራ/ትግራይ ተግበርቲ ኣካላት ይኾኑ። እዚ ኣካል ኣብ ዝተመርጸት ከተማ ይስረት።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ወከልቲ መንግስታት ሃገረ ትግራይን ሃገረ ኤርትራን ዘካተተ ይኸውን። እዚ ቤት ምኽሪ ብሓፈሻዊ ጉባኤ ወይ ከኣ በብክፍሉ ክራኸብ ይኽእል። ኣብ ሓፈሻዊ ርክብ መንግስቲ ትግራይ ብመራሒ መንግስቲ ወይ ምክትሉ ክትምራሕ ከላ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ብፕረዚደንት ወይ ምክትል ፕረዚደንት ይምራሕ።

ክፍልታት ምትሕግጋዝ

እዚ ቤት ምኽሪ ኣብቶም ዓሰርተ ክልተ “ክፍልታት ምትሕግጋዝ” ሓላፍነት ኣለዎ። ሽዱሽተ ካብዚኦም ስምምዕ ዝተገብረሎም ኮይኖም ብዘሎ ደረት ስልጣን ናይ ገዛእ ርእሶም ተፈጻምነት ይህልዎም። ዝተረፈ ሽዱሽተ ክፍልታት ምትሕግጋዝ ብሓባርን ብስምምዕን ዝትግበሩ ኮይኖም ብሓባራዊ ኩለ-ኣግኣዝያናዊ “ተግባሪ ኣካል” ይፍጸሙ።

ክፍልታት ምትሕግጋዝ በበይኑ ትግባረ ዝካየደሎም፡

  • ሕርሻ፡- ሕርሻዊ ፖሊሲታት፡ ጥዕና እንስሳን ኣትክልትን፡ ሕርሻዊ ምርምራትን ገጠራዊ ምዕባለታትን
  • ኣካባቢ፡- ምክልኻል ኣከባቢ፡ ብከላ፡ ምሕደራ ብቑዕ ማይን ርስሓትን
  • ጥዕና፦ ናይ ሓደጋን ህጹጽ ርድኤትን መደባት፡ ምትሕግጋዝ ኣብ ልዑል ቴክኖሎጂካዊ መሳሪሕታት፡ መጽናዕቲ ትሮፒካዊ ሓማማትን ምምሕያሽ ጥዕናን።
  • ቱሪዝም፡ ከም ምውዕዋዕ ደሴት ኣየርላንድ ከም ምስሕብ ቱሪስት ስግር ባሕሪ ምቛም ሓድሽ ቱሪዝም ኣግኣዝያን ዝጽዋዕ ትካል።
  • መጓዓዝያ፡ ምትሕግጋዝ ኣብ መደባት ስትራተጂካውያን ናይ መጉዓዝያ ጥሕተ ቕርጺ ከም ጽርግያታትን መንገዲ ባቡርን ከምኡ ከኣ ህዝባዊ መጉዓዝያ ኣገልግሎታት ጽርግያን ናይ ባቡር ድሕነትን።

ሽዱሽተ ናይ ኩለ-ኣግኣዝያን ተግበርቲ ኣካላት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  • በዓል መዚ ሃይማኖት ግእዝ፡ ምፍጣር ሕብርቲ ግእዝ ቤተክርስትያን፡ ስልጣነ ክህነትን ምምሕዳር ቅዱስ ቦታታትን።
  • ትካል ቋንቋ፡ ምምዕባል፡ ምጥርናፍን ምክትታልን ቋንቋታት ትግርኛ፡ግእዝን ትግረን።
  • ኮሚሽን ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ግእዝ፡ ምፍጣር ሕብረት ማሕበረ ኮማት ግእዝ፡ መንነት ግእዝ ምድጋፍ
  • ባህላዊ ጉዳያት ግእዝ፡ ሓባራዊ ናይ ስነጥበብ ፖሊሲ ሙቛምን መሰል ዋንነት ምሕላውን
  • ዓባይ ኣግኣዝያን ውሽጣዊ ንግዲ፡ ምምዕባል ንግድን ሸቐጥን ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን።
  • ሓባራዊ ኮሚሽን ትምህርቲ፡ ካሪክለም ካብ መባእታ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ፡ ትምህርትዊ ትሕተ-ውጽኢት፡ ብቕዓት መምሃራንን ኣባይተ ትምህርትን፡ ምልውዋጥ መምሃራንን ተመሃሮን።

ማእከል ምኽሪ ትግራይ/ኤርትራ

ትግራይ/ኤርትራ ማእከል ምኽሪ  ሲቪካዊ ማእከል ኣብ ዓባይ እግኣዝያን ኮይኑ ኣካል ሓፈሻዊ ናይ ሰላም ስምምዕ እዩ። እዚ ትካል ኸም ኣካል ነጻ ናይ ኣማኸርቲ ኣካል ኮይኑ ብመንግስታት ኤርትራን ትግራይን “ንማሕበራዊ መሻርኽትን ካልኦት ክኢላታት ኣብ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ቁጠባውን ካልእ ዛዕባታትን ምውህሃድ” ከምኡ’ውን ከም ወኪል ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ዝብል ሓላፍነት ዝተዋህቦ እዩ።

ትግራይ/ኤርትራ ውሽጠ ባይቶኣዊ ማሕበር

ኣብ መንጎ ሃገራዊ ባይቶ ሃገረ ኤርትራን ሃገረ ትግራይን ዝቐውም ውሽጠ ባይቶኣዊ ማሕበር እዩ። ኣዚ ማሕበር ብማዕረ ካብ ኤርትራን ትግራይን ዝተዋጽኡ 48 ኣባላት ክህልውዎ ከለዉ እንዳተዘዋወረ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ይራኸብ።

እዚ ማሕበር ብአፈኛታት ባይቶ ብሓባር ይምራሕ።

ባይቶ ኤርትራ/ኢትዮጵያ

ባይቶ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣህጉራዊ ትካል ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ሓፈሻዊ ውዕል ሰላም ይቐውም። በዞም ዝስዕቡ ኣባላት ከኣ ይቐውም፡

  • ካብተን ክልተ ልኡላውነትን ዝሓለዋ መንግስታት ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን
  • ኣብተን ሰለስተ ዝተመሓላልፋ ምምሕዳራት ማለት ክልል ትግራይ፡ ሃገራዊ መንግስቲ ኣምሓራን ዜጋታት ዞባዊ ክልላትን
  • ኣመሓደርቲ ኣርባዕተ ዞባዊ ምምሕዳራት ኤርትራ

ተገሊጹ ከም ዘሎ ዕላማ ባይቶ ኤርትራ-ኢትዮጵያ “ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ሓፈሻዊ ዝምድና ህዝብታት ብምምስራት ስኒትን ሓባራዊ ኣርባሒ ምዕባለ ምውሓስ እዩ”። ቀዋሚ ሰክረታርያት፡ ብስምምዕ ኣብ ዝተወሰነ ቦታን ሓውሲ ዓመታዊ ዋዕላ ምስ ቀጻሊ ርክብ ሚኒስተራት የካይድ።

ኣባልነትን ትግባረን

ኣባላነት እዚ ባይቶ ነዞም ዝስዕቡ ምምሕዳራት ይጥርንፍ

እቶም ሓሙሽተ መራሕቲ ሃገራውን ዞባውን መንግስቲ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ይራኸቡ። ብተወሳኺ ብዝምልከቶም ሚኒስተራት ዝርክብሉ ኣብ ዝተወሰነ ጽላት ዘተኮረ ቀጻሊ ርክባት ይግበር። ወከልቲ ኣባላት ንዲሞክራስያዊ ስልጣንን ተሓታትነትን ኣብ ዝተመርጽሉ ሕጋዊ ክልል ይነጥፉ።

ስርሓት ባይቶ ብስምምዕ ኣባላት ይምወል። ቐዋሚ ሰክረታርያት ሃልይዎ ፡ ብስምምዕ ኣብ ሓደ ቦታ ይኸውን።

ናይ ስራሕ ክልል

ባይቶ ውልቀ ኣባላት ብሓላፍነት ዝነጥፍሉ ዝተወሰነ ከባቢ ይውስን። ናይ መጓዓዝያ ርክባት፡ ሕርሻ፡ ኣከባብያዊ ዛዕባታት፡ ባህሊ፡ ጥዕና፡ ትምህርቲን ርክባት ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኢጋድ ኣብ ዝተወሰኑ ኣርእስታት ንቅድመ ዝርርብ ይቕርብ። እንተኾነ እዞም ክልላት ብውሳነ ባይቶ ክሰፍሑን ክጎድሉን ይኽእሉ። ኣብ ሓባራዊ ፖሊሲታት ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ከኣ ንባይቶ ክፉታት ይኾኑ። ስምምዓት ብሓባራዊ ስምምዓት ይትገብሩ፡ ውልቀ ኣባላት ኣብ ምትግባር ዘይክሳተፉ ይኽእሉ።

ዋዕላ ውሽጠ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን

በዓል ስልጣን ውሽጠ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን (EEIGC) ከም ኣካል ሓፈሻዊ ስምምዕ ሰላም ብምርድዳእ መንግስቲ ኤርትራን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ይቐውም። እዚ ኣካል ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ኤርትራን ይምራሕ።

ብመሰረት ሓፈሻዊ ስምምዕ ሰላም እዚ ውሽጠ መንግስታዊ ኣካል ብሓለፍቲ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይድገፍ፡ ሓለፍቲ ቀዋሚ ሰክረታርያት ናብ ጉዳያት መንግስቲ ትግራይ ከይሓለፉ። እዚ ሰክረታርያት 50 ኣባላት ክህልውዎ ( 25 ካብ ኤርትራ 25 ካብ ኢትዮጵያ) እዮም። ካብ ላዕለዎት ሲቪል ኣገለገልቲ ክሳብ ወሃብቲ ደገፍ ኣምሓደርቲ ዝተሓዋወሱ ኣባላት ይህልዎ።

እዚ ባይቶ ንመንግስቲ እትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ክልል ትግራይ ወይ ከኣ ኤርትራ/ትግራይ ናይ ሚኒስተራት ቤትምኽሪ ኣብ ጉዳያት ክልትኣዊ ምትሕግጋዝን ዘይተወድኡ ጉዳያትን ድምጺ ክህልዎ የኽእሎ።

ውሽጠ መንግስታዊ በዓል ስልጣን ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሚኒስተራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይምራሕ። ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ርክብ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ኤርትራን ክግበር ከኣ ምስንዳእ ይግበር። ብመሰረት ሓፈሻዊ ስምምዕ ሰላም ኣባላት ሓጋጊ ባይቶ ኣብዚ ዋዕላ ክሳተፉ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ ብክልቲኡ መንግስታት ንዝውሰድ ውሳኔታት ናይ ምቅዋም መሰል ግን የብሎምን።

ዘይተመሓላለፉ ጉዳያት

ብመሰረት ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ፡

  • ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኢጋድን ኣህጉራዊ ጉዳያትን
  • ኣብ መንጎ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ናይ ዶብ ጸጥታን ከባብያዊ ውሕስነትን
  • ንግድን ምልዉዋጥን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን
  • ጉዳያት ገበናዊ ፍትሕን
  • ፊስካላዊ ጉዳያት

እዚ እኼባ ኣባላት ባይቶታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ኣርባዕተ ወከልቲ ካብ ዘባውያን ባይቶታት ኣምሓራ፡ ትግራይ፡ ኦሮሞን ህዝብታት ደቡብን ህዝቢ ካልኦት ክልላትን።

ዕማማት

ሓባራዊ ባይቶ ኤርትራን ኢትዮጵያን ( EEPA) ኩሉ ዝሳተፎ ክልተ ዓመታዊ ዋዕላታት የካይድ። ኣርባዕተ ኮሚተታት( ኣብ መንጎ ባይቶታት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ብዛዕባ ልኡላውነት ዝምለክቱ ጉዳያት፡ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቁጠባዊ ጉዳያት፡ ኣከባብያውን ማሕበራውን ጉዳያት ዘተኮራ) ኣብ ዓመት ዝተፈላለየ ግዜ ይራኸባ። ናብ መንግስቲን ባይቶ ናብ ክትዕ ዝወርዱን ጸብጻባት የዳሉ። ኮሚቴ ምድላው ከኣ ስርሓት ናይ ሓፈሻዊ ዋዕላን ናይ ባይቶ ትካላዊ ጉዳያትን የሳልጥ።