our-values

ኽብርታትና Our Values 

ኣግኣዝያን ንህልውናኡ ዝበቅዕ ሕጋውን ቅቡልን መሰረት ኣለዎ። ምኽንያት ህልውንኡ ከኣ በዛ ትስዕብ ምሉእ ሓሳብ ክግለጽ ይከኣል፡ “ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ካህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኮኑ ኢኹም። እቲ ንደቂ እስራኤል ዝተዛረቦም ነገር እዚ እዩ” ዘጽ 19፡6  ወይ ምኽንያት ህላወ ኣግኣዝያን/ትግራይ ንምግልጋልን ምምሃርን አዩ። ዕላማ ህይወት ሓደ ትግራዋይ ንኣምላኽ፡ ንስድርኡ፡ ንማሕበረሰቡ፡ ንሃገሩ፡ ንሰብኣውነት ምግልጋልን ብቑዕን ቕኑዕን ኣገልጋሊ ንሙኻን ከኣ መላእ ዘመኑ ምምሃርን እዩ። ሓጎስና ካብ ምሕጓስ ኣምላኽና፡ ስድራና፡ ማሕበረሰብና፡ ሃገርናን ሰብኣውነትናን ጥራይ እዩ ዝመጽእ።

ኣግኣዝያን ሸውዓተ መሰረታውያን ክብርታት ኣለዎ፡

  1. ኦሪታውነት (ብሉይ ኪዳን)           5. ግዝኣት ሕጊ
  2. ሕመረት ቤተ ሰብ                      6. ማሕበራዊ ፍትሒ
  3. ማሕበር ሰብ                             7. ናጽነት
  4. ትምህርቲ                                 8. ኣገልግሎት።